S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ መንፈሳዊ ዕርቂ ኣይንሓውስ ጸይቂ

መግለጺ ኣህጉረ ስብከታት ብዛዕባ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ

PDF Version 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ናብ ቦታኦም ክምለሱ ናይ ዕርቂ መስርሕ ከምዝጀመረ ቅድሚ ሰሙናት እኳ እንተ ሰማዕና መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ግና ብህድኣት ክከታተሎ ጸኒሑንኣሎን። በዚ መሰረት፥ ዓርቢ 5 ነሓሰ 2016 (፳፱ ሓምለ ፳፻፰) ዓ.ም ካብ ኣቦታት መነኮሳት፡ ሊቃውንቲ ካህናትን ልኡኻት መንግሥትን ብድምር ከባቢ 20 ዝኾኑ ሰባት ንቅዱስ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረኤርትራ ኣብቲ ተሓይሮሙሉ ዘለዉ ቦታ ከይዶም ብጉዳይ ዕርቂ ከም ዘዘራረብዎም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልጽ። መቐጸልታ ናይዚ ሓፈሻዊ ዘተ-ዕርቂ ድማ ሰኑይ 8 ነሓሰ 2016 (፪ ነሓሰ ፳፻፰) ዓ.ም ኣብ ቤትጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣስመራ ቀጺሉ ውዒሉ።

ሓቀኛ ብቀኖናዊ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን መሰረት: ፓትርያርክ ካብ መዓርጉ ዝወርድ በዘን ዝስዕባ ሰለስተ ነገራት ጥራይ እዩ።

1) ብዝሙት

2) እምነት ብምጉዳል

3) ኣካላዊ ይኹን ኣእምሮኣዊ ስንክልና ምስ ዘጋጥሞ

ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ግና ዋላ ሓንቲ ካብዘን ዝተጠቕሳ ጉድለታት ኣይፈጸሙን። ካብ መዓርጎም ዘውርድ ዝኾነ ጌጋውን ኣይገበሩን። እኳ ድኣ ስለ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ንልዕሊ 10 ዓመታት ግፍዕን ማእሰርትንእዩ ኣጋጢምዎም። ሕጂ ኸኣ እቶም ዝጠለምዎምን ብኢዶም ዝተሾሙ ጳጳሳትን ልባዊ ይቕሬታ ክሓትዎም ዝግባእ ክነሱ ኮር ተገልበጥ ፓትርያርክ እንጦንዮስ “…ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ዝገበርክዎ ጌጋ ምዃኑእናገለጽኩ ንቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ንቅዱስ ሲኖዶስን ብልቢ ይቕሬታ እሓተሉ ኢሎም "ዝብል መግለጺ ተዘርጊሑ ኣሎ። ይቕሬታ ሓቲቶም ተመሊሶም ዝብል ግና ውጹእ ሓሶት ምዃኑ ንህዝቢ ንሕብር። ኣብ ነጻቦታን 3 ኣካል ተዓዛቢ ኣብ ዘይብሉን ዝወሃብ ዕርቂ ኮነ ፍርዲ'ውን ተቐባልነት የብሉን። ኮይኑ ግን፥ ሲኖዶስ ብመንግስቲ ተደጊፉ: ባዕሉ ከሳሲ፥ ባዕሉ ፈራዲ፥ ባዕሉ ኣተዓራቒ ባዕሉ ድማ ኣዋጅ ክህብ ኣይግብኦንእዩ።

ሕጂ ኸኣ ሓቀኛ ዕርቂ ክበሃል እንተኾይኑ፥ 3 ናጻ ኣካል ዝተረጋገጸ ብዘይ ዝኾነ ተጽዕኖ ኣብ ናጻ ቦታ ዕርቂ ክግበር፥ ኣቡነ እንጦንዮስ ድማ ቃሎም ክህቡ፥ ኣብ ልዕሊ ጳጳሳት ዘንበርዎ ውግዘት ብኣዋጅ ከልዕልዎ ንጽውዕ።  ብተወሳኺ፥ መንግሥቲ ካብ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ኢዱ ከወጽእ፥ ሕጊ እግዚኣብሔርን ሕጊ ሃገርን ክፈላለ፥ ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ ብነጻ እምነቱን ሰብኣዊ ክብረቱን ክሕሎ፥ ኣብ ወሽጥን ወጻእንዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦን ክርድኦን ንጽውዕ።

ስምረት ገዳማት፥ ጉባኤ ሊቃውንትን ካልኦት ዕርቂ ክግበር ዝጽዕሩ ዘለዉን ነቲ ዝጀመርዎ ሰናይ ሓሳብ ናብ ምሉእ ዕርቂ ከብጽሕዎ እግዚኣብሔር ክድግፎም ኣብዚ ናይ ሱባኤ እዋን ብጸሎት ንዝክሮም።

"ገበርቲ ሠላም፥ ውሉድ ኣምላኽ ክበሃሉ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም" ማቴ 59

ኣህጉረ ስብከታት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን

9 ነሓሰ 2016 ( ነሓሰ ፳፻፰ ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div