S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓቂ እንኮ እያ፥ ሓሶት ግና ብዙሕ እዩ!

ካብ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ሓዋርያ ሰላም፡ ክወጹ እዮም ካብ ማሕዪር ጸላም! ዝብል ሠናይ ወረ ይስማዕ ኣሎ።

እዚ ንዝኾነ ሰማዒ እዝኒ  ዘሓጉስ ጽቡቕ ፋልን ጥዑም ብሥራትን፡ ብድሕሪ 10 ዓመታት፥ ናይ ምፍልላይ፥ ስቅያት፥ ስደት፥ ዕንወት፥ ማእሰርትን ውርደትን ኣብ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ዝቕየር ዘሎ ሓድሽ ንፋስ-ሰላም ብምዃኑ፡ ነቲ ብሰማያዊ ጥበቡ ኣብዚ ዘብጽሓና ልዑለ-ባሕርይ ዝኾነ መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ይኹን።

ዘይበኣሱ መላእኽቲ፥ ዘይዕረቑ ከኣ ኣጋንንቲ! ዝብል ምስለ ወለድና መሠረት ብምግባር፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ንዘጋጥም ክሲ ወይ ባእሲ፡ ናይ ስድራ ቤት፥ ናይ መሳርሕቲ ወይ ጎረቤት፥ ኣብ ቤተ ክህነትን ይኹን ኣብ ቤተ መንግሥቲ፥ ብይቅሬታን ዕርቅን ብምሕረት ምውዳእ ንኹሉ ዘርብሕ ናይ ለባማት መፍትሒ ሽግር እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስውን ““መሓርቲ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ ብፁዓን እዮምእዩ ዝብል። ማቴ 57 ካብዚ ወጻኢ ግና ሓይልን ግዜን ኣሎኒ ኢልካ ንዘይበደለካ ክትጎድእ፥ ንዘይተጻብኣካ ከተጥፍእ፥ ብህርፋን ሽመት ሓሚምካ ንንጹሃት ሰባት ክትቀትል፥ብቂም ዝመልአ ልብን ናይ ዓመጽ ኢድን ምዝርጋሕ ከቢድ ዋጋ ዘኽፍል ናይ ዕሽነት ድፍረት እዩ።

ሓሶት ርእሰ ዓመጻ! ይብሉ ኣበው። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን ንኣይሁድ፡ ........ዲያብሎስ ቀታሊ ነፍሲ .... ሓሳዊ ንሓሶት ኣቦኣ ስለ ዝኾነ፥ ሓሶት ኪዛረብ ከሎ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ ክብል ገለጸሎም። ዮሓ 844 በዚ መሠረት ይዕበ ይንኣስ ኩሉ ሓሶት፡ ምንጩ ዲያብሎስ ስለ ዝኾነ ፍረ ክፍኣትን ኃጢኣትን ናብ ሞት ዘብጽሕ መርዝን ምዃኑ ዝኾነ ኣማኒ ክርስቲያን ክፈልጦ ይግባእ።

ሓቂ እንኮ እያ። ሓሶት ግና ብዙሕን ንሕድሕዱ ዝጋጮን ፈጠራ እዩ። ንኣብነት ኣብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወረደ ናይ ሓሶት ክስታትን ሓሳውቲ መሰኻኽርን ( ማቴ 2659-62 ) ኣብ ልዕሊ ናቡቴ ብኤልዛቤል ዝተኣልመ ናይ ሓሶት ተንኮል ( 1 ነገ 219 ) ኣብ ልዕሊ ሶስና ዝተፋሕሰ ናይ ሓሶት ውዲት፥ (መጽ. ሶስና 115-60 ) ከምኡውን እዚ ኣብ ዘመንና ማለት ካብ 2005 . ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ልዕሊ 3 ፓትርያርክና ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተፈጸመን ገና ዝቕጽል ዘሎን ናይ ሓሶት ክስን ጸለመን ምዝርዛር እኹል እዩ።

ግደ ሓቂ! ንጽህናን ቅድስናን ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ በቲ ምእንቲ ሓዋርያዊ ሕጊ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ክብሉ ዝኽፈልዎ ከቢድ ዋጋ ግፍዕን ማእሰርትን፥ ሓቅነቶም ከም ወርቂ ተኾሊዑ፡  ሰማዕትነቶም፡ ካብ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን ካብ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራን ሓሊፉስ፥  ናብ ዞባውን ኣኅጉራውን ዜናታት ስለ ዝተሰጋገረ፥ ሕጂ ብሰብ እዋን፡ ንመንፈሳዊ ኽብሮም ዘነኣእስ ዝተባህለ እንተ ተባህለ፥  ዝተጻሕፈ እንተ ተጻሕፈ፡ ድኻምን ማይ ምሕቋንን ጥራይ እዩ ዝኸውን።  ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ባዕሉኣነስ ነቶም ዘኽብሩኒ፡ አኽብሮም፥ ነቶም ዚንዕቁኒ ኸኣ ኣሕስሮምኢሉ ስለ ዝተዛረበ እዩ።ስለዚ እግዚኣብሔር ንዘኽበሮም ቅዱስ ኣቦ መን እዩ ዘሕስሮም? 1ሳሙ 230

ስለምንታይ እዮም ግና ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ተኣሲሮም?

ካብ ጾም፡ ሓቂ ይሓይሽ! ከም ዝበሃል ንቅዱስ ኣቦና ኣብ ማሕዩር ማእሰርቲ ካብ ዘእተወቶም ቃል ሓንቲ እዚኣ እያ። ንሳ ኸኣ ብዛዕባቲ ልኡኽ መንግሥቲ ኣቶ ዮፍታሄ ““ብቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ትምራሕ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ፥ ውሉደ ክህነት ዘይኮነ፥ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ኣፍልጦ ዘይብሉ፥ ምሥጢረ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚኡ ክትዛረብ ዘይከኣል፥ ኣይቆራቢ፥ ኣይሰጋዲ፥ ምእመን ከም ሓደ ጳጳስ ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ኮይኑ ማዕረ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ልዕሊኦም እኳ ደኣ ክዝትን ምስኦም ክፍርምን ሕጋዊ ስለ ዘይኮነ ኣብ ዘመነ-ዕብሬተይ ክኸውን የብሉን ኢለ ስለ ዝተቓወምኩኹም በብጥቕምኹምን ናይ ግሊ ጉዳይኩምን ምስኡ ተሓባቢርኩም ዝጸሓፍክሞ ናይ ኣድማ ደብዳቤ ንታሪኽ ይኹን”! ትብል እያ። (ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ጠውቕ) ብሓፈሻ ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ፡ ኣነ ብሓዋርያዊ ማሕላ ብሕድሪ ዝተረከብክዎ ሥልጣን መሪሕነት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ንመንግሥቲ ፈሪሐ ንኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ገባርን ሓዳግን፥ ፈጻምን ኣፈጻምን ኩሉ ጉዳያት ተዋሕዶ ኪኸውን ፍጹም ኣይፈቅድን እየ! ዝብል ተባዕን ተሪር መርገጺኦም 10 ዓመታት ብከቢድ መከራን መሪር ናብራን ክሕልፉ ኣብጺሕዎም እዩ።

ኣብ መዝሙር ዳዊት ጸርፊ እቶም ዝጸርፉኻ ኣባይ ወደቐ! (መዝ  69:9 ) ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ኣብ ልዕሊ 3 ፓትርያርክ ዝወረደ ግፍዕን ዝተፈጸመ በደልን ንምስምዑ ዘስደምም ኣዝዩ ከቢድ እዩ። እዚ ብጓኖትን ወጻእተኛታት ኣረማውያን ዝተፈጸመ ዘይኮነስ ብመሣርሕቶም ጳጳሳት ተጠሊሞም፥ ብዝሸምዎም ኣቡናት ተኸሲሶም፥ ብገዛእ መንግሥቶም ተኣሲሮም፥ ብደቆምን ሰዓብቶምን ተጸሪፎም ኣብ ማሕዩር ምብላዮም፡ መመሊሱ ዘሕዝነካ ዘገርም ጭካነ ደቂ ሰባት እዩ።

ስለምንታይ ግን  እዚ ኹሉ? ነቶም ለባም ቅዱስ ኣቦ ሃገር፡ ጸረ ሃገር ተባሂሎም ተጸሪፎም። ነቶም እሙን መራሒ ተዋሕዶ ሃይማኖት፡ ዕንቅፋት ናይ እምነት ተባሂሎም ተነቒፎም። ነቶም ርህሩህ ጻድቕ፡ ተሓድሶ፡ መናፍቕ ተባሂሎም። ነቶም ውፉያት ሊቃውንቲ ናይ ወጻኢ ተሓባበርቲ ተጠቂኖም። ነቶም ነጻ ቅኑዓት ኣተዓረቕቲ፡ ጸየቕቲ ተጸዊዖም። ኣቤት ሓሶት! ናይ ሰይጣን ክስታት! ይኹን እምበር ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ኣብ ልዕሊ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፥ ንህዝቢ ኤርትራ ይኹን ንመንግሥቲ ዝፈጸምዎ ክንዲ ፍረ ጣፍ ትኸውን በደል ወይ ጌጋ የብሎምን። እንታይ ደኣ ሰማዕትነቶም ብኹሉ ክፍለጥ፡ ኣብ ሱታፌ-ቅዱሳን ንምሕባር ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ <ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ክንኣቱ ዚግብኣና ብብዙሕ ጸበባ እዩ> ዝበሎ እዩ ብግብሪ ዝፍጸም ዘሎ። ግሓ 1422

ቀዳማይ ስሕታን፥ ካልኣይ ግና ዕብዳን! ዝብል ምስላ ሃገርና ንዘስተውዕል ልቢ ዘለዎ ሰብ ዓቢ ማዕዳ እዩ። ኣብቲ 8 ነሓሰ 2016 . ዝተዋህበ መዘዝ ዘለዎ መግለጺ፡ ( ጸሓፍቱን መሃዝቱን ኣምላኽ ይፈልጦም ) ‘‘ተዓሪቕና’’ ጥራይ ምባል እኳ ኣኻሊ እንተ ነበረ  ‘‘ክፍኣት ካብ ክፉኣት ሰባት እዩ ዚወጽእ’’ (1 ሳሙ 24 13)  እሞ፡  ጳጳሳትን መንግሥትን በደል ከም ዘይብሎም፥ ካብ መጀመርታ ሓቀኛታት ከም ዝነብሩ ዘምስል ኣዋጅ እዩ ተጻሒፉ። ኣቱም ሰባት! ክልተ ሓቂ ኣሎ እዩ? ሕጂውን ካልእ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ከቢድ ዳግማይ በደል ኣብ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ይፍጸም ስለ ዘሎ ዓገብ እናበልኻ ትጋገ! ንብል። ሓቀኛ ዕርቂ ካብ ንጹህ ልብን እሩም መንፈስን እያ ትብገሥ እምበር ብጸቕጥን ምፍርራህን፥ ብሓሶትን ሸርሕን ፈጺማ ኣይትሠምርን እያ። ስለዚ ሓቂ እንኮ እያ! ንሳ ድማ እታ 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሒዞማን ኣጽኒዖማን ዘለዉ፡ ልዕልና ሓዋርያዊ ሕጊ ምስዓብ እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስውን ‘‘ንሓቂ ሓዝዋ፡ ሓቂ ድማ ሓራ ከተውጽኣኩም እያኢሉ ሕድሪ እምነት እዩ ሂቡና። ሓሶት ግና ብዙሕን ንሕድሕዱ ዝጋጮን ፈጠራ ሰይጣን እዩ እሞ፡  ካባናን ካብ ቤተ ክርስቲያናን ኣርሓቕና ናብቲ ኣምላኽ ዝፈትዎ መንፈሳዊ ዕርቅን ጽድቅን ንመለስ!!!

ሕጂውን ሕጊ እንተ ረጊጽካዮ፡ ተመሊሱ እዩ ዝረግጸካ! ቃል ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ።

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም ቅዱስ ሚካኤል ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሻርሎት

ብካህን ሓለፎም /ማርያም ዝተዳለዉ ስነ ጽሑፋት ንምንባብ ኣብዚ ጠውቕ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div