S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሕዝቢ ተዋሕዶ: ኣቦኹም ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ?

ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ ኣቦ ኩሉ ክኾኑ፥ ነታ መንበር ቅዱስ ማርቆስ ሓዋርያ መተካእታ ክኾኑ፥ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ተመሪጾምይግብኦኢልኩም ጸሊኹም ዝመረጽክምዎም ኣቦኹም ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ?

ይትረፍ ክንድእም ዝኾኑ ቅዱስ ኣቦ ኩልና ኣጥፊእካ፥ ሓንቲ በጊዕ ጠፊኣቶ ዘይደሊ ሰብ የለን። እሞ ደኣ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ኣቦ ነቶም ዝወለድዎም ደቆም በዲለ እየ እሞ ይቕረ በሉለይ ዝብል ግልቡጥ ዘረባ ዝሰማዕናን ዘንበብናን እንታይ ደኣ ተረኽበ ሕጂ? ከመዮ ምስላ ወለድና፥ሓሜን ኣቦኡ ጸሪፉ ይድረር።ኢሎም ዝመሰልዎ፥ ኮይኑ ኣባ ሉቃስ ዝመርሕዎ ምምሕዳር ተዋህዶ ሃይማኖት፥ወላዲና ይቕረታ ስለ ዝሓተተና፥ እቶም ዝወለደና ደቁ ድማ መሓርቲ ስለ ዝኾንና ምሉእ ምሕረት ጌርና ኣሎናዝብል ይትረፍ ንኽትቅበሎ ንኽትሰምዖውን ዘሕፍረካ ቃልን ጽሑፍን ሰሚዕና ኢና። እሞ ደኣ እቶም ተማሒሮም ተፈቲሖም፥ ምሉእ ይቕሬታ ጌርናሎም ዝተባህሉ ወዲ ቴስዓ (90) ዓመት ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣበይ ኣተዉ?

ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ዝመጸ ዘመን ብዝመጸ መንግስቲ እናተረግጸት ውልቀ ሰባት ናይ መበለጽን መጋየጽን እናገበርዋ ክነብሩ ክሳብ መዓስ እዩ? ካንዶ እዚ ህዝቢ ተዋህዶ መላገጺ ጥራይ ክኸውን ኣብ ነዊሕ ከይከድና ኣብ ኣርባዓታት፥ ኣብ ሱሳታት እዛ ቤተ ክርስቲያን ጅሆ ተታሒዛ፥ በዓል ቀሺ ዲሜጥሮስ፥ ሓንቲ ኢትዮጵያ ዘይበለ፥ ኣይጥመቕ ኣይፍታሕ፥ እናበሉ ምስጢረ ጥምቀተ ክርስትና ዝተኸልከሉ፥ ካብ መርዓ (ምስጢረ ተክሊል) ዝተነጸሉ፥ ኣብ ቀብሮም ፍትሓት ዘይተገብረሎም፥ ብህይወት ወለድናን ረይሳ ወለድናን ዝተጻወትዎ ከይኣክል፥ ድሕሪ ናጽነትውን እንተ ኾነ ወዶም ዮፍታሄ ነዚ ርኹስ ተግባር መቀጸልታ ገይሩ ክሰርሓሉ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ ድማ ኣባ ሉቃስ ቀሺ ድሜጥሮስ ምስ ወዶም ህዝቢ ተዋህዶ ንምድሃል ከም ዝጠቐሞም ርእዮም: ነዚ ርኹስ ተግባር ብዝዓበየ መልክዑ ይቕጽልዎ ኣለዉ።

ክሳብ መዓስ እዩ ህዝቢ ተዋህዶ ኣብዚ ሓሸውየ ናይ ፖለቲከኛታት ክነብር? ክሳብ መዓስ እዩኸ ክግራህን ክብደልን?

ዘረባ ሓደ ሰሚዕካ ኣይትፍረድ እንድዩ ዝበሃል? ኣበይ ደኣ ኣለዉ እሞ እቶም ተኸሳሲ? ስለምንታይከ እዚ ኩሉ በደልን ኣደራዕን ኣብ ተዋህዶ ጥራይ? ነቶም ካልኦት ቀኒእናሎም ዘይኮነስ እንቋዕ ካብዚ ናትና ሓሸሎም? ንምኽሳስ ዘይኮነስ ትብዓቶምን ሓቅነቶምን ንምምጓስ ናይ ካቶሊክ ጳጳሳት ሓውካ ኣበይ ኣሎ? ኢሎም ዓለም ዘናወጸ ተሪር መልእኽቲ ኣሕሊፎም። ህዝቦምን ካህናቶምን ኣብ ጎኖም ስለ ዝኾኑ፥ ክሳዶም ነፊሖም ኣብ መንጎ ህዝቦምን ሃገሮምን ሸነን ይብሉ ኣለዉ። ናይ ከኒሻ ኣመንቲ፥ ነዚ ኩሉ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዝተስጐ መዕቆቢ ዝሰኣነ መንእሰይ ጽላል ኮናካ ኣሎኒ ኢሎሞ ስለምንታይ እዚ ጌርኩም ኢሉ ዝሓቶም ኣካል የለን። ሓሳባትኩም ምስናትና ሓሳባት እምነትኩም ምስ ናትና እምነት ኣይሰማማዕን ንዝበልዎ ካብ ጉባኤኦም ሰጒጎሞ እምበር ተኸታቲሉም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣየእሰርዎምን። ከመይሲ ህዝቦምን መሳርህቶምን ኣብ ጎኖም ኣለዉ። ናይ ኣስላም ሙፍቲ መን ተንከፎምንምንታይ ደኣ ተዋህዶ እዚ ኩሉ ሽግር ይገጥመና?

እቲ ጉዳይ ንጹር እዩ. እቲ ህዝቢ ንሃይማኖቱ ክፈልጥን ክመሃርን ዕድል ኣይረኸበን። ከምተን ካልኦት ሃይማኖታት ካብ ደገ ዝረኽቦ ሓገዝን ደገፍንውን የብሉን። ንከባቢ 2000 ዓመታት ባዕሉ እዩ ሰለይ ክብል ጸኒሑ። ብጀካ እቲ ኣብ ገዳማትን ገጠራትን ዝወሃብ ባህላዊ ዝኾነ ኣወሃህባ ትምህርቲ ምስ ዓለም ዝዳረግን ዝወዳደርን ናይ ስነ መለኮት ቤት ትምህርቲ ዘይብላ እንኮ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም፥ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ ጥራይ እያ። ህዝባ ኣብ ራዕድን ፍርህን እዩ ዝነብር።

ነገር ግርምቢጥ ኮይኑ እምበር ይትረፍ ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝወለደካ መንፈሳዊ ኣቦኻ ክትከሽ፥ ነቲ ብስጋ ዝወለደካ ኣቦኻ እኳ ብባህልና ኣቦይ ይብድለኒ ኣሎ እሞ ዓበይቲ ተገፉዑለይ ይበሃል እምበር ወላዲ ኣይክሰስን፥ ወላዲ ንውሉዱ ድማ ኣብ ብርኩ ወዲቑ ይቕረ ኣይብለሉን እዩ።

ህዝቢ ክርድኦ ዘለዎ ሓቂውን ኣሎ። ተኣሲሮም ብሓይሊ ካብ ስልጣኖም ወሪዶም ዘለዉ ፓትርያርክ እዮም። ህዝቢ ኣብ መንጎ ጳጳስ፡ ሊቀ ጳጳስን ፓትርያርክን ዘሎ ፍልልይ ብዘይምፍላጡ፥ ሓደ ተራ ጳጳስ ከም ዝተኣስረ ጌሩ ዝርድኦ ብዙሕ እዩ። ፓትርያርክ፥ ንጳጳሳት፥ ንሊቃነ ጳጳሳትን ዝቐብኡ ኣቦ እዮም። ንኣብነት፥ እቶም ኣብዚ ዝሓለፈ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ቡራኬ ዝሃቡ ኣባ ሉቃስ፥ ብፓትርያርክ እንጦንዮስ እዮም ተቐቢኦም። እዚ ኮይኑ እቲ ሓቂ፥ እቶም ቀንዲ ጸላኢ ከም ይሁዳ ንኢየሱስ ክርስቶስ ንሞት ኣሕሊፉ ዝሸጦ ድማ ኣሕሊፎም ሸይጦሞ ከይኣክል፥ እንደገና ድማ ክዳኖምን መስቀሎሞን መንዚዖም ተኸዲኖም ንህዝቢ ቡራኬ ክህቡ ንርእዮም ኣሎና።

እዝስ መርገምዶ ኣየስዕብን?

ህዝቢ ተዋህዶ ኣቦኹም ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ?

እዝራ ጸሓፊ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div