S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓዋርያዊ-ኣገልግሎት ኣብ ኤውሮጳ

ሰብ ከም ሰብ መጠን ንኽነብር፥ ብዙሕ ነገራት ስለ-ዘድልዮ። ስለ ከኣ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ጻዕርን ድኻምን ዝነብር። ከመይሲኩሉ ዘመን ሕይወትካ

እንጌራኻ ብጻዕሪ ብላዕ”  ዝብል ኣምላኻዊ-ቃል ስለዘሎ፥ ንኽትነብር ብዙሕ ጻዕርን ድኻምን ዝሓትት። ግዳስ እቲ ንኽትነብር ኢልካ ዝግበር ሃለኽለኽ  እኳ፥ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ምዃኑ ዝፍለጥ እንተኾነ። ሰብ ንኽነብር ግን እንጌራን ማይን ጥራይ ኣይኮነን ዘድልዮ። ከመይሲ ጎይታና ኣብ ወንጌሉሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሔር ብዝወጽእ ቃል ደኣምበር፥ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ”  ብምባል ዝመሃሮ ትምህርቲ ስለዘሎዩ። (ማቴ.4/4)

ስለዚ እቲ ሥጋዊ-ኣካላት ክንክንን ሓልዮትን ከም-ዘድልዮ፥ እታ ረቃቕ-ነፍሲውን ሓልዮትን ክንክንን የድልያ እዩ። ከምኡ እንተ-ዘይከውን ነይሩ፥ብቃል እግዚኣብሔር ደኣምበር፥ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርንኣይምተባህለን። ስለዚ ደቂ-ሰብ ልዕሊ ዝኾነ ነገር፥ ብቃለ-እግዚኣብሔር ተሓኒጾም ክዓብዩ ከለዉዩ፥ ትርጉም ዘለዎ ሕይወት ኣለዎም ክበሃል ዝከኣል። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታውዮም እምበኣርከስ፥ ዶክተር ብርሃነ ሥዩምውን ሓዋርያዊ-ኣገልግሎት ክፍጽሙ መደብ ብምውጻእ፥ ኣብ ኤውሮጳ መንፈሣዊ-ተልእኮ ክፍጽሙ ዝተረኽቡ።

ዶክተር ብርሃነ ከም ሓኪም መጠን፥ ንሕክምና ኣብ ዝምልከት ጉባኤ፥ ክካፈሉዮም ንሃገረ-ጀርመን ዝመጹ። እታ ዝነበረቶም ናይ ቀዳመ ሰንበት ዕረፍቲ፥ ኣብ ኣገልግሎት ቤተ-ክርስቲያን ከውዕሉዋ ስለ-ዝመደቡ ግና፥ ኣብ ከተማ ዙሪክ ስዊስዘርላንድ ኣብ ዝርከብ፥ ቤተ-ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም ብምርካብ። እቲ ሕዝቢ ዕግበት ክረኽበሉ ዝኸኣለ፥ ሓናፅን መሃርን ትምህርቲ ከስምዑ  ክኢሎም። ስለዚ ድማ እቲ ሕዝቢ፥ ነቲ ብዶክተር-ብርሃነ ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ፥ ብዓቢይ ናይ ተመስጦ መንፈስ ክከታተሎ ዘርፈደ። ነዚ ኩሉ ድሕሪ ምርኣይ ከኣዮም፥ ሓደ ነቲ ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ክከታተሉ ዘርፈዱ ወላዲ ብኣንክሮለከ ዝስምዕ ሕዝብስ ኣሎና-! ዝበሉ። እወ ዝነግርን ዝዘርእን ደኣ ውሒዱ ዘሎ እምበር፥ ሕዝብና ሕዝቢ-ተዋሕዶስ ክንደይ ንኽመሃር ዝተዳለወ ሕዝቢ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ።

እቲ ትምህርቲ ኣብ ክልተ ዝተኸፍለ ኮይኑ። ኣብ መሠረታዊ እምነትን ሥርዓተ-ተክሊል ወይ ሓዳር ዘተኮረ ኮይኑ ቀሪቡ። ዶክተር-ብርሃነ ከም መሠረት ዘቐመጡዎ እምነት ወይ ሃይማኖትዩ። ማለት ዝኾነ ሰብ መን ኢኻ ተባሂሉ ምስተሓተ፥ ብዛዕባ መንነቱ ዝህቦ መልሲ ኣለዎ። ብኣንጻር ንሃይማኖቱ ብዝምልከት ክሕተት ከሎ ድማ፥ መልሲ ናይ ምሃብ ግዴታ ከም-ዘለዎ ዝፍለጥ እዩ። ከይተመሃርካን ከይፈለጥካን ግን መልሲ ምሃብ ዝከኣል ነገር ኣይኮነን። ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኢና በሃልቲ እንተደኣ ኮንና፥ ኣቐዲምና ኦርቶዶክስ እንታይ-? ተዋሕዶኸ እንታይ-? ንዝብል ሕቶ፥ ርጡብ ዝኾነ መልሲ ክህልወና ክኽእል ኣለዎ፥ ብምባልዮም ዲያቆን-ብርሃነ መልእኽቶም ዘመሓላለፉ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ዶክተር-ብርሃነ ዘተኮሩሉ፥ ኣብተን ሓሙሽተ ኣእማደ-ምጢርን፥ ሾብዓተ ምሥጢራት ቤተ-ክርስቲያንን እዩ። ምሥጢረ-ሥላሴ ኮነ ምሥጢረ-ሥጋዌ ብምትንታን ድማ። እቲ ኣምላኽ ሰብ ኮነ ዝብል ናይ ሥጋዌ-ምሥጢር፥ ንምርድኡ ብዝጥዕም ቅልል ዝበለ መንገዲ ክምህሩ ከለዉ። እቲ ሕዝቢ ክሳብ ክንደይ ተመሲጡ ይሰምዕ ከም-ዝነበረ፥ ዘገርም ትዕዝብቲ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ለከ ዋሕዲ ሰብ ሞያ መማህራን ስለ-ዘሎ ደኣ እምበር፥ እቲ ሕዝብስ ክመሃርን ክፈልጥን ዘለዎ ድሌት፥ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ በቲ ዘርኣዮ ተሳትፎ ክርአ ይከኣል እዩ። ከመይሲ ብዓቢይ ትዅረትን ኣቓልቦንዩ፥ ክከታተሎ ዝርአ ዝነበረ።

ብምቕጻልውን ዶክተር-ብርሃነ፥ ኣብ ሥርዓተ-ተክሊል ብምትኳርዮም ትምህርቶም ዘስፍሑ። ነዚ ምሥጢር ክገልጹዎ ከለዉ ድማ፥ “- እዚ ምሥጢር ዓቢይ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ክልተ ዘይፋለጡ ዝነበሩ ሰባት፥ ብምሥጢረ-ተክሊል ውህደት ፈጢሮም፥ ሓዳር ገይሮምን ውላድ ወሊዶምን፥ ሓደ ኣካል ኮይኖም ክነብሩ ምኽኣሎም፥ ሰብ ክበጽሖ ዘይክእል ናይ እግዚኣብሔር ረቂቕ ምሥጢር ጥራይ ክበሃል ዝከኣል። ስለዚ ኩሎም ደቂ ቤተ-ከርስቲያን ንኪዳኖም እሙናት ኮይኖም ክርከቡ፥ ግብኦምን ሓላፍነቶምን ምዃኑ ክዝንግዑ ኣይግባእን። ከመይሲ ሓዳር ብዘይ ፍቕርን ምክእኣልን ምጽውዋርን፥ ደልዲሉ ደው ንምባል ዘኽእሎ ጽንዓት ክረክብ ኣይክእልን እዩ። እዚ ብቅድስና ዝፍለጥ ሓዳር ከኣዩ፥ መሠረት ቤተ-ክርስቲያን ከጽንዕ ዝኽእል-” ብምባልዮም ዶክተር-ብርሃነ መልእኽቶም ዘመሓላለፉ።

ህልዊ ኩነታት ቤተ-ክርስቲያንናውን፥ ዶክተር-ብርሃነ ጸቒጦም ዝተዛረቡሉ ጉዳይ ነይሩ። “-ማለት እቶም ኣቦ ቤተ-ክርስቲያን ዝኾኑ ቅዱስ ፓትርያርክ፥ ንልዕሊ ዓሠርተ-ዓመት ኣብ ማሕዩር ተታሒዞም እናሃለዉ፥ ንሕና እቶም ኦርቶዶክሳውያን-ተዋሕዶ እንበሃል ደቆም፥ ደቂስና ክንሓድር ዝገብረና ምኽንያት ክህሉ ኣይክእልንዩ። ብሓፈሻ ከኣ ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ንከቢድ ሓደጋ  ዝተቓልዐ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ፍታሕ ግን ኣብ ኢድ ኣምላኽ እምበር ኣብ ሰብ ኣይኮነን ዘሎ። ስለዚ እቲ ተጻዒኑና ዘሎ ናይ መዓት ደመና ተቐንጢጡ፥ ዕርቅን ሰላምን ምእንቲ ክኾነልና፥ ብመንገዲ ጾምን ጸሎትን ምምልላስ ከም-ዘድልየና ክንዝንግዕ ኣይግባእን-“ ዝብል መተሓሳሰቢ ብምቕራብዮም መልእኽቶም ዝዛዘሙ።

ብዝተረፈ ተልእኮ እቲ ኣብ ከተማ ዙሪክ ዝተገብረ ጉባኤ ክግምገም ከሎ። ብጽቡቕ ዝግለጽ ኣዚዩ ዕዉት ከም-ዝነበረ፥ ካብቲ ተሳታፊ ኮይኑ ዝወዓለ ሕዝቢ ንላዕሊ ክምስክር ዝኽእል የልቦን። ከመይሲ እቲ ሕዝቢ ኣዚዩ ዝተሓጎሰሉን ዕግበት ዝረኸበሉን ጉባኤ ነይሩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መደባት ብብዝሒ እንተ-ዝሥራሓሉ፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ክረብሓሉ ዝኽእል፥ ዓቢይ ውጽኢት ክርከቦ ምኸኣለ ዝብል ርእይቶ ዘሎና። ብዝተረፈ ኣብቲ ጉባኤ ንዲያቆን-ብርሃነ፥ ኣብ መዓርገ-ክህነት በጺሖም ክርእዩዎም ዝተመነዩ ምንባሮም ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ኣይንኽእልን።

ዘኣንበሳ ማርቆስ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div