S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ንመልኣከ-ሰላም ዲሜጥሮስ ብኸመይ’ዩ ዝፈልጦም

እወ ታሪኽ ዘይብሉ ሰብ ስለ-ዘየልቦ፥ ንዝኾነ ሰብ መንነቱ ምፍላጥ ክድለ ከሎ፥ ቅድሚ ታሪኽ ክዛረብ ዝኽእል ኣሎ ኣይበሃልን። ስለዚውን ነቲ በዓል መን ነበሩ

እንታይከ ገበሩ-? ብምባል ክቐርብ ዝኽእል ሕቶ፥ መልሲ ክህብ ዝኽእል እቲ መሰታ ቀዳሞት ዝኾነ ታሪኽ ጥራይ እዩ። ናይ ኩሉ መወከሲ ኮይኑ ክቐርብ ዝኽእል ከኣ ታሪኽ ስለዝኾነ። ንዝኾነ ነገር ካብቲ ብታሪኽ ዝፍለጠሉ መንነት ወጻኢ፥ ኣጋኒንካ ከተጸባብቖ ወይ ኣነኣኢስካ ከተካፍኦ ቅቡል ዝበሃል ኣይኮነን። በዚ መሠረትዚውን ታሪኽ ንጻዕዳ ጻዕዳ፥ ንጸሊም ድማ ጸሊም ብምባል ዘቐምጦ እምበር፥ እወ ዘይበሃል ዘረባ ሒዙ፥ መሠረት ዘይብሉ ዘረባ ዝዛረብ ኣይኮነን።

ብዝኾነ ብዛዕባ መልኣከ-ሰላም ዲሜጥሮስ ገብረ-ማርያም ክዝረብ ከሎ። ከም ካህን መጠን ኣበርክቶኦም እንታይን ከመይን ነይሩ-? ብምባል ክቐርብ ንዝኽእል ሕቶ፥ ታሪኽ ናቱ መልሲ ስለ-ዝህልዎ ማኅደራት-ታሪኽ ከነገላብጥ ከድልየና እዩ። ስለ-ዝኾነውን መልኣከ-ሰላም ዲሜጥሮስ ብመንጽር ታሪኽ መንዮም-? ንዝብል ሕቶ ክንርኢ ክንፍትን ኢና። እምበኣር እዞም ክቡር ካህን እዚኦም፥ ሓደ ካብቶም ብዝገበሩዎ ኣበርክቶ ኣብ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ጸብለል ኢሎም ክርኣዩ ዝኸኣሉዮም ክበሃል ይከኣል። መልኣከ-ሰላም ዲሜጥሮስ ንቤተ-ክርስቲያን ዝወዓሉዎ ውዕለት ድማ፥ ብዉሑዳት ቃላትን ብሓጺር ግዜን ገሊጽካ፥ ይውዳእ ዝበሃል ከም-ዘይኮነ ታሪኽ ዝምስክረሎም።

መልኣከ-ሰላም ዝተወልዱሉን ዝዓበዩሉን ኣከባቢ፥ ቈላ-ሠራየ ከም-ምዃኑ መጠን፥ ነታ ርእሰ-ከተማ ሃገርና ዝኾነት ኣሥመራ ቀረባ ኣይኮነን። ንሶም ኣሥመራ ክኣትዉ ዝኸኣሉ፥ እንግሊዛውያን ወጺኦም ምምሕዳር-ፈደረሽን ምስ ቈመ፥ ኣብ 1944 / (1952) ምዃኑ ዝፍለጥ። ስለዚውን ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ኣባላት ባይቶ-ኤርትራ ብምዃን፥  ንኣሥመራ ክኣትዉ ከም-ዝኸኣሉዮም ዝፍለጥ። ይኹን እምበርእሾኽ ብበላሓ ትፍጠርከም-ዝበሃል። ንሶምውን ምንም ብመንገዲ ፖለቲካ ኣሥመራ ክመጹ እንተኸኣሉ፥ ብጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ግን ዝድቅስ ሕልና ዝነበሮም ካህን ኣይኮኑን ነይሮም። ስለዚ ድማ ማዕረ ማዕረ እቲ ዝነበሮም ናይ ባይቶ ተልእኮ፥ ከም ካህን መጠንውን ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶና፥ ሓደ ዓቢይ መንፈሳዊ-ምንቕናቕ ክፈጥሩ ዝኸኣሉ፥ ጽቡቕ-ራእይ ዝነበሮም ካህን ምዃኖም ታሪኽ ይምስክረሎም እዩ።

ኣብዚ ዝተባህለ መጀመርታ 50-ታት ከኣዩ፥ ንሶም ብዝገበሩዎ ጻዕሪ ማኅበረ-ሓዋርያት ክምሥረት ዝኸኣለ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ኣዲስ-ዓለም ዘሎ እንዳ መድኃኔ-ዓለምን፥ ኣብ ዕዳጋ-ሓሙስ ዘሎ እንዳ ሥላሴን፥ ከምኡውን ኣብ መካነ-ሕይወት ዘሎ መድኃኔ-ዓለም ቤተ-ክርስቲያንን ክሕነጽ ዝተኻእለ። ብተመሳሳሊ መንገዲውን ዳርጋ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ሃገርና፥ ዘሕነጹወን ኣብያተ-ክርስቲያናት ብዙሓትየን። ንመታሕት ብምውራድውን ኣብቶም ጥንታውያን ሰፈርቲ ምድሪ-ሓበሻ ምዃኖም ዝእመነሎም ሕዝቢ-ኩናማ፥ ብሥራት-ተዋሕዶ ንኽብሰር ዝገበሩ በዓል ጽቡቕ-ራእይ ካህንዮም ክበሃሉ ይከኣል። ኣብ ምድሪ-ኩናማ ዘመናዊ ናይ ኣተሓራርሳ ኣገባብ ንምትእትታው ዝገበሩዎ ጻዕሪ፥ ሓረስቲ-መካይን ብምውፋር ክሳብ ክንደይ ዕዉት ንጥፈታት ከም-ዘካየዱ፥ እቲ ናይ 60-ታት ታሪኽ ይምስክረሎምዩ።

ብጀካ ኣብ እንዳ-ሥላሴ ዕዳጋ-ሓሙስ ዘቘሙዎ ዘመናዊ ቤት-ትምህርቲ። ኣብ ጥቓ እንዳ-ማርያምንውን ደብረ-ቤትኤል ብምባል ዝፍለጥ፥ ናብ ጸዋትወ-ዜማን ትርጉም መጻሕፍትን ዝጠመተ ናይ ሊቃውንቲ ማእከል ኣቝሞም፥ ብዙሓት ንቤተ-ክርስቲያን ተስፋ ክኾኑ ዝኽእሉ ምሁራት ከም-ዘፍረዩ ዝፍለጥ እዩ። እቶም ዓቢይ ሊቅ መጋቤ-ምሥጢር መብራህቱ መባእውን፥ ሓደ ካብ ናይ ደብረ-ቤትኤል ተማሃሮ ንባሮምዩ ዝፍለጥ። ብዝኾነ መልኣከ-ሰላም ዲሜጥሮስ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብዝምልከት፥ ዝድቅስ ሕልና ነይሩዎም ዝበሃሉ ኣይነበሩን። ባጽዕን ደቀምሓረን ብምኻድውን ቤተ-ክርስቲያናት ኣሕኒጾም እዮም።

ብዝተረፈ ኣብ 50-ታት መልኣከ-ሰላም ዲሜጥሮስ፥ ዓቢይ ትዅረት ብምግባር ኣበርቲዖም ዝሠርሑሉ፥ ቤት-ማኅተም ምቁቛም እዩ። ከመይሲ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን፥ እተንኣፈወርቅ ገብረ-ኢየሱስ ዘብሔረ-ዘጌዘኅተሙወን መዝሙረ-ዳዊት እንተ-ዘይኮይኑ፥ ዝኾነ ካልእ መጽሓፍ ደሊኻውን ክርከብ ዝከኣል ኣይነበረን። ንሳተን እንተኾናውን ሕልፍ ሕልፍ ኢልካ ኣምበር፥ ኩሉ ክረኽበን ዝኽእል ኣይነበረን። ስለዚ ተረኽበ ተሳእነ መጻሕፍቲ-ብራና እምበር፥ ብዘመናዊ-ማኅተም ዝተኃትመ መጻሕፍቲ ክርከብሲ ዝሕሰብውን ኣይነበረን። ስለዚ ከኣዮም እቶም ናይ ሽዕኡ ተማሃሮ፥ ብቃል ዝተነግሮም ሰሚዖም ከጽንዑ ኣብ እንዳ-የኔታ ውዒሎም ዝሓድሩ ዝነበሩ። ፊደል ንዝቘጽሩ ንኣሽቱ ቈልዑትውን ብጀካተን ብኃልዮት ካቶሊካውያን ዝዳለዋ ዝነበራ ፊደለ-ሓዋርያ፥ ካልእ ነይሩ ዝበሃል ኣይኮነን።

እምበኣር ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን፥ ዋላ ሐደ ምንቅስቓስ ይግበር ነይሩ ኣብ ዘይበሃለሉዮም፥ መልኣከ-ሰላም ዲሜጥሮስ ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶና ሓዲሽ ምንቕቓሕ ክፍጠር ኣለዎ ብምባል ዝተላዕሉ። እቲ ዝነበረ ጸገም ስለ-ዘለለዩዎ ከኣ፥ ንቤት-ማኅተም ቀዳምነት ሂቦም ኣበርቲዖም ክሠርሑ ተራእዮም። ኣብ ብሙሉኡ ሃገር ዓቢይ ምንቕናቕ ፈጢሮምውን፥ ኣብ ታሪኽ ተዋሕዶና ንመጀመርታ ግዜ፥ ቤት-ማኅተም ኮኸበ-ጽባሕ ዝተባህለ ቤት-ማኅተም፥ ከቋቑሙ ከም-ዝኸኣሉ ይፍለጥ። ብድሕር ድማዮም እዞም ኩሎም ኣብ ዕዳጋ ተዚርጊሖም እንርእዮም መንፈሳውያን-መጻሕፍቲ፥ ክኅተሙ ዝኸኣሉ። እዚ ኩሉ ከኣ ፍረ ጻዕሪ መልኣከ-ሰላም ዲሜጥሮስ ምዃኑ፥ ዘይፈልጦ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

እዚ ሕጂ ኣብ ኩለን ኣብያተ-ክርስቲያናትና ዝፍጸም ዘሎ ናይ ቃል-ኪዳን ሥርዓትን፥ ከምኡውን ጥምቀታትን እቲ ምምዝጋብ ዝጀመሩዎን ዘተኣታተዉዎን መልኣከ-ሰላም እምበር፥ ካልእ ክጥቀስ ዝኽእል ስም ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ብሓጺሩ ልዕሊ መልኣከ-ሰላም ዲሜጥሮስ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ውዕለት ዝወዓለ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። እቲ ሓቀኛ ታሪኽ እዚ ምዃኑ እናተፈልጠ ከሎ ግን። ንመልኣከ-ሰላም ብኣሉታ ከም-ዝጥመቱ ክገብሮም ዝኽእል ጽሑፍ ንርኢ ኣሎና። ርግጽ መልኣከ-ሰላም ዲሜጥሮስ፥ ኣብ ዝሓለፈ 60-ታት ኣብቲ ዝነበረ ናይ ሃገርና-ፖለቲካ ተሳታፊ ምንባሮም ዝፍለጥዩ።

ንብላታ ደምሳስ ወልደ-ሚካኤል ተኪኦምውን፥ ምክትል ኣቦ-መንበር ባይቶ-ኤርትራ ክም-ዝነበሩ ዝከሓድ ኣይኮነን። በቲ ኣብ 40-ታት ብቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ጸቕጥታት ግና፥ መልኣከ-ሰላም ዲሜጥሮስ ተሓታቲ ክገብሮም ዝኽእል ምኽንያት ኣሎ ኣይንብልን። ምኽንያቱ ድማ ንሶም እንግሊዛውያን ወጺኦም ባይቶ-ኤርትራ ክቐውም ከሎ ደኣዮም ንዓደቦኦም ወኪሎም ኣባል-ባይቶ ኮይኖም ኣሥመራ ዝኣተዉ እምበር፥ ቅድሚ 1944 /(1952) ምስ ኣሥመራ ዝፋለጡ ኣይነበሩን። እቲ ኣብ  40-ታት ዝነበረ ርሱን ፖለቲካ፥ ንመድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጺሮሞ ዝነበሩ፥ ኣቡነ-ማርቆስ እምበር መልኣከ-ሰላም ዲሜጥሮስ ኣይኮኑን። ስለዚ ኣብቲ እዋን ንሶም ዝኽሰሱሉን ዝውቀሱሉን ምኽንያት ኣሎ ኣይንብልን።

ነዚ ጽሑፍ ክጽሕፍ ምኽንያት ዝኾነኒ፥ ብዛዕባ ሓደ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተዋሕዶ-ኦርግ ዝወጸ ጽሑፍየ። እዞም እዝራ ዝተባህሉ ጸሓፊ ዝጸሓፉዎ ጽሑፍ። እቲ ኣብኡ ተገሊጹ ዘሎ ጽሑፍ፥ ምስ ታሪኽ መልኣከ-ሰላም ዲሜጥሮስ ዝሳነ ኮይኑ ስለ-ዘይረኸብኩዎ፥እንተ ጸላእና ፍትሒ ነይከላእናከም-ዝበሃል። ሓደ ብላሽ ዝኾነ ወዲ ስለ-ዝወለዱ ጥራይ፥ ንዕኡ ከም ምኽንያት ተወሲዱ፥ ዘይስሞም ስምን ዘይሕብሮም ሕብርን ክወሃቡ ስለ-ዝረኣኹ እየ። ከመይሲ ንሶም መልኣከ-ሰላም ካብ ዓረዛ ንኣሥመራ ዝኣተዉ፥ ኣብ መጀመርታ 50-ታት ምዃኑ እናተፈልጠ ከሎ፥ ከመይ ኣቢሎምዮም ኣብ 40-ታት ተፈጺሙ ናይ ዝበሃል ጸቕጥታት ተሓታቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ?

እዞም እዝራ ዝተባህሉ ጸሓፊ፥ ኣብቲ ጽሑፎም ኣስፊሮሞ ከምዘለዉ ....... ኣብ ነዊሕ ከይከድና ኣብ ኣርባዓታትን ሱሳታትን። እዛ ቤተ-ክርስቲያን ጅሆ ተታሒዛ። በዓል ቀሺ ዲሜጥሮስ ሓንቲ ኢትዮጵያ ዘይበለ፥ ኣይጥመቕ ኣይፍታሕ እናበሉ፥ ምስጢረ-ጥምቀት ክርስትና ዝተኸልከሉ፥ ካብ መርዓ (ምስጢረ-ተክሊል) ዝተነጸሉ። ኣብ ቀብሮም ፍትሓት ዘይተገብረሎም።  ብሕይወት ወለድናን ሬሳ-ወለድናን ዝተጻወቱዎ ከይኣክል፥ ድሕሪ ነፃነት እንተኾነውን ወዶም ዮፍታሔ፥ ነዚ ርኹስ ተግባር መቐጸልታ ኮይኑ ክሠርሓሉ ጸኒሑ ......... ብምባልዮም እዞም ጸሓፊ፥ ነቶም በዓል ዓቢይ ውዕለት ዝኾኑ ካህን፥ ታሕቲ ኣውሪዶም ምስ ዮፍታሔ ክሰርዑዎም ደልዮም ዘለዉ-!!

ግዳስ ዝተባህለ እንተ-ተባህለ እቶም ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥  መዘና ኣልቦ ዝኾነ ውዕለት ዝወዓሉ ካህን፥ ምስ ታሪኽ እቲ ናይ ምፍራስን ምዕናውን ተልእኮ ሒዙ ዝመጸ ወዶም፥ ምንም ዘተሓሕዝን ዘራኽብን ክህልዎም ዝኽእል ኣይኮነን። መልኣከ-ሰላም ዲሜጥሮስ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝወዓሉዎ ውዕለት፥ ካብ ክሳብ ኢልካ ብዓቐን ክልካዕ ይኽእል ዝበሃልውን ኣይኮነን። ስለዚ ምስቲ ብዕድል ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክጻወት ዝጸንሐ፥ ብዝኾነ መዐቀኒ ተራእዩውን ንሚዛን ዝኸውን ክብደት ነይሩዎ ዘይበሃል ወዶም፥ ሓደዮም ነይሮም ተባሂሎም ክግለጹ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝሰማማዓሉ ኣበሃህላ ክንብል ኣይንኽእልን።

እዞም ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ታሪኽ እናተዛረበሉ ክነብር ዝኽእል ዓቢይ ውዕለት ዝወዓሉ ካህን እዚኦም፥ ኣቦ ዮፍታሔዮም ብምባል ጥራይ፥ ንዕኦም ዘይሰማማዕ ሕብሪ ክንለኽዮም ግቡእ ኣይኮነን። ዝኾነ እንተኾነውን መልኣከ-ሰላም ዲሜጥሮስ፥ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብክብርን ብሓበንን ዝዝክሮም ካህን ስለ-ዝኾኑ፥ ካብዚ ታሪኽ ወጻኢ ዝበሃል ኩሉ፥ ንዕኦም ክገልጽ ዝኽእል ታሪኽ ኣይኮነን።

ዘኣንበሳ ማርቆስ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div