S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

Busy ዝኾነት ዓለም

"እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ።" (ኤፌ 5:16)

ሎቱ ስብሃት! እግዚኣብሔር ኣምላኽና ካብ ሰማያት ናብ ዓለምና ክጥምት እንከሎ: ዓለምና Busy ኮይና እዩ ረኺብዋ። ብናህሪ እትሕምበብ ዓለምያ። ህዝባ: ናበይ ይኸይድ: እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ንኽሓስብ ግዜ ዘይብሉ፧ መቐረት ህይወት ዝጎዶሎ'ዩ። ቋይቋን ረብሻን: ሞጎትን: ባእስን: ህልኽን ከምኡ'ውን ቀደመኒ በለጸኒ ዝብል ናህሪ ዝበዘሖ ህድኣቱ ዘጥፍአ ዓለም'ዩ።

ብኹሉ ደረጃታቱ ክትመዝኖ ከለኻ ድማ Busy ዝኾነ ዓለም'ዩ። ብደረጃ ሃገራት ህዝብታት ውልቀሰባት በቃ Busy ዝኾነ ዓለም'ዩ። ኣህጉራት ብውግእን ፖሎቲካን ምፍልላይን ባእስን ምትንዃላትን Busy ዝኾነት ዓለም እያ። ህዝብታት ድማ ብባእስን ጸቅጥታትን Busy ዝኾኑ እዮም ከምኡ'ውን ብምዕባለታት ዝፋላለን ነንሕድሕዱ ዘይሳማማዕን ዘይጥርነፍን ባዕላውያንን ውልቃውያንን መናባብራዊ ባእሲ ኢኮነሚካዊ ቃልስን ከምኡ ውን ኣብ ትምህርቶምን ስርሖምን ማሕበራዊ ህይወትን ዘሎ ቃልሲ Busy ዝኾኑ እዮም።

ኣብዚ ውሽጢ ኩሉ ኸኣ መንፈሳዊ ዕዮ ይጎድልን ይዝሕትልን ከምኡ ውን የሰልችውካ እቲ ዝኸፍአ ነገሩ ድማ ምስ እግዚኣብሔር ዘሎ ርክብ ይቋረጽ ፈጺሙውን ይብተኽ ዘሕዝን ህይወት ድማ ይኸውን። ስለ ዘልኣለማዊ ህይወቱን ድሕነት ነብሱን ግቡእ ዝኾነ ትግሃትን ሓሳብን ምድልዋትን ኣይህልዎን። ንጸሎት እንተ ነቀሐውን ከብጸሖ ሰለ ዘለዎ እምበር ትርጉም ጸሎትን ጥቅሙን ይዝንግዖ: ከም መዓልታዊ ስርሑ ድማ ይቆጽሮ: ትርጉም ኣልቦ ድማ ይኸውን። ስለዚ እግዚኣብሔር ንኣይሁዳውያን ከምዚ ክብሎም ከሎ ንርኢ።  “እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ ብልቡ ግና ካባይ ኣዝዮ ዝራሓቀ እዩ” (ኢሳ 29:13)

ደቂ ሰባት Busy ብሙዃኖም ንሰይጣን ባህ የብሎ። ምኽንያቱ ንደቂ ሰባት Busy ብምግባሩ ነፍሶምን ኣምላኾምን የረሶዖም ስለ ነፍሶምን ህይወቶምን ከስተንቱኑን ክሓስቡን ዕድል ኣይረኽቡን ዋላኳ ናይ ዕረፍቲ ግዜ እንተረኸቡ ካልእ ዕዮ ንኽዓዩ (over time) ክጻወቱ ክዛነዩን ከም ዘበነ ኖህ Busy ይገብሮም ናይዚ ኹሉ ሳዕቤን ድማ ምስ እግዚኣብሔር ፈጣሪኦም ንኽራኸቡ ግዜ ዘይምሃቦም እዩ። ውጽኢቱ ድማ ገንዘቦም ኣይብርክት ህይወቶም ራብሻ ዝመልኦ ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ውሽጦም ፍርሃት ይመልእ ኣብ ቤቶም ድማ ኣብ ክንዲ በረኸት ኣምላኽ ዝፈስስን ዘንጀርብብን ራብሻን ህውከትን ይመልእ።ንረሲኣንሲ ሰላም የብሎምን፡ ይብል እግዚኣብሄር።" ( ኢሳ 48: 22)

ሓደ ሰብ ብሃይማኖት ዝግደስ እንተኾነ ምስኡ ኻኣ ሰይጣን ኣብ ጉዳይ እምነት ይኣቱ። በቲ ዝኸፍአ ሕማም ቅንኢ ድማ ይወቅዖ እሞ እታ ማሕበር ጎይታ ክንዲ ትዓብን ትስስንን ከምታ ቀዳመይቲ ስድራ ቃኤል ንሓው ኣቤል ዝቀተሎ ምኽንያት ዕንወትን ጥፍኣትን ይኸውን ወይ ከኣ ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ብርድኢትን ብፍልጠትን ምስ ዝበልጸዎ ግዚኡ ኣብ ባእስን ቃልስን የእትዋ። ወይ ከኣ ስብከትን ትምህርትን ብዛዕባ ቅድስናን ታኣዛዝነትን ጥራይ ብምሃብ ከምዘይ ግደስ ይገብሮ ንሱ ግን ዘይነብረሉ ስለዚ ከም ታቤላታት ናይ መንገዲ ይመስል። ብዛዕባ እቲ መንገዲ ይነግር በቲ መንገዲ ግን ዘይማላለስ ወይ ከኣ ከም ደወል ቤተክርስትያን ሰባት ቤተ ክርስትያን ንኽኣትው ይዕድም ንሱ ግን ዘይኣቱ። ስለዚ እምነት: ዘረባ ጥራይ ይኸውን! ምግባርን ህይወትን ዘይብሉ ይኸውን! ህዝቢ ኣምላኽ ድማ ኣብ ፍጹም ምድንጋር ይወድቁ ከምኡ ውን መደበር ሕቶ ይኾኑ ኣገልጋሊ ኸሎ ከመይ ኢሉ ኩሉ እንዳፈለጠ ከምዚ ይገብር ይብሉ። ግናኸ ዶክቶር ውንኮ ሽጋራ ምስታይ ሳዓቤኑ ልዕሊ ማንም እንዳፈለጠ ግን ካኣ ይገብሮ። ስብሃት ለቱ።

ሰይጣን ንደቂ ሰባት ካብ ኣምላኽ ምእንቲ ክፈልዮም ብሓጢኣት ጥራይዶ ይኸውን ዘሓባብሎም? ኣይፋሉን!!! እንታይ ደኣ? ምእንቲ ክርሕቆም ነቲ ቅኑዕ መንገድታት እዩ ዘባላሽዎ ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ ዓላምኡ ንህዝቢ ኣምላኽ ሓሳቦምን ልቦምን ካብ ኣምላኽ ንምርሓቅ እዩ። ንገሊኦም ብገንዘብ ጥራይ ከምዝሻቀሉ ይገብሮም ንኻሎኦት ድማ ብስምን ክብርን ከምዝጭነቁ ይገብሮም። ግዚኦም ኣብ ክንዲ ኣብ ስራሕ ንኽብሪ ኣብ ምድላይ የእትዎም። ህዝቢ ኣምላኽ ነፍሱ ኣምላኹ ዘልኣለማዊ ህይወቱ ምድላውን ዝኸውን ግዜ ምእንቲ ከይረኽቡ ነቲ ዘለዎም ሻቅሎት ኣዝዩ ከምዝዓቢ ይገብሮ። ንገሊኦም'ውን ነቲ ንጹህ ወንጌል ነጺጎም ኣብ ባህሎምን ልምዶምን ከምዝነብሩ ይገብሮም እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ግን ከምዚ ይብል "እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዓብዩ፡ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሃግዎ።" (1ጴጥ 2:2) ንገሊኦም'ውን ስርዓት ኣቦታቶም ዝሕልው እንዳምሰለ ሕጊ ኣምላኽ ከምዘፍርሱ ይገብሮም "ኢየሱስ ከምዚ በሎም ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ስርዓት ኣቦታትኩም ክትሕልው ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ ኣለኹም" (ማቴ15:3)

ወይ ሻቅሎት Busy! ገለ ሰብውን ካብ ነፍሱ ይጠፍእ ብጀካ ስርሑን ዕይኡን ጥራይ እምበር ናይ ካልእ ርዝነትን ክብደትን ኣይራኣዮን ስለ መንፈሳዊ ህይወቱ ኾነ ስለ ቤት ኣምላኽ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይሓስብን እዩ። ሰይጣን ከኣ ምስዚ ኩሉ ዘለኻዮ ዕዮ ኣይዓግብን እዩ። ካልእ ዕዮ ክውስኸልካ እዩ ዝደሊ ምኽንያቱ ስለ ነፍስኻ ምሕሳብ ከረስዓካ እዩ ዝደሊ። ምእንቲ ከታልለካ ኩሉ ግዜ ሓዱሽ ነገራት' ዝቅርበልካ ዝያዳ ግዜኻ ተገዳስነትካ ምእንቲ ክትህቦ በዚ ድማ ህይወት ናይ ድልየታትን ሻቅሎትን ስምዒትካ እናተቃጸለ ይነብር።

ምስዚ ኹሉ ኸኣ እቲ ዘገርምን ዘሕዝንን ከምዝኣበስና ዘይምስማዕና'ዩ። ንነፍስና ኸኣ ኣነ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ኣየፍረስኩን ንብላ: ኣብ ዝሙት ርኽሰትን ስርቅን ቅትለትን ከምኡ ዝኣመስለ ኣይወድቅኩን ንብላ: ኣነ እሙን ዝኾንኩ ንዕዮይ ድማ ብእሙንቶን ግዜ ምሃብን ዝዓዮ ሰብየ ንብል። ብሓቂ ከምኡ ኢና  ግና? ኣብ ህይወትና ንእግዚኣብሔር ገዜ ኣይሃብካዮን "ዝተወሃበኩም ግዜ ኣብ ረብሓ ኣውዕልዋ።

እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ግን ቅድሚ ኩሉ ዕዮኻ ንእግዚኣብሔር ስርዓዮ ይብልቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ኹሉ ድማ ይውሰኸልኩም።” (ማቴ 6: 33) እምበኣር ኩሉ ግዜ መንፈሳዊ ዕዮኻን ምስ እግዚኣብሔር ርክብካን ቅድሚ ኩሉ ስራሕካን ግዜኻን ግበር። ቅድሚ ኹሉ ግን ድሕነት ነፍስኻ ስራዕ ድሕሪኡ ድማ ከከም ኣገዳስነቱ። ቃል ጎይታና ድማ ዘይምርሳዕ ኩሉ ዓለም ረቢሑ ነፍስኻ እንተ ኣጥፋእካ እንታይ ይዓብስ ዝብል ዘፍርህን ዘደንግጽን ቃል እዩ።

ነፍስኻ እንተ ጠፍአት ኣብ ክንድኣ እንታይ ክወሃበካ እዩ? ኩሎም እቶም ዝሞቱን እዛ ዓለም ዝሓረይዋን ዕዮኦም እንታይ ጠቂምዋከ ይኸውን? ብሞቶም እቲ ዕዮኦም ምስ ሓደግዋ እዛ ዓለም ደው ኢላ ወይስ ከምዘላቶ ብዘይ ብኦኦም ኣላ? ትቅጽልውን ኣላ ንስኻ ግን ቅድሚ ኹሉ ነገራትካ እግዚኣብሔር ኣቀድሞ ምስኡውን ግዜኻ ኣሕልፍ ምእንቲ ጥቅሚ ወይ ድማ ምእንቲ ሰባት ኢልካ ምስ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ዘላካ ርክብ የሕሊፍካ ዋጋ ዕዳጋ ኣይትግበር። ካብ ዘልኣለማዊ ሂወትካ ፈጺሙ ዝበልጽ ነገር የለን ምኽንያቱ ብጀካ ንጽህና ሰናይ ነገርን ምስ እግዚኣብሔር ዘለካ ርክብን ኩሉ ሓላፊ እዩ። እመን! ቦኽራት ግዜኻ ምስ እትህቦ ንሱ ንግዜኻ ክባርኾ' ዩ።  ኣሜን ማራናታ።

"ኣምላኽ ከኣ ዜድልየኩም ኩሉ ረኺብኩም ብሰናይ ተግባር ኩሉ ዕዙዛት ኬንኩም ምእንቲ ክትርከቡ ጸጋ ከብዛሓልኩም ይክኣሎ እዩ" (2 ቆሮ 9: 8)

ብሓውኹም ድያቆን ዮሓንስ ገብረህይወት

ማንቸስተር, ዓባይ ብሪጣንያ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div