S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እንታይ ንምባል ኮን‘ዩ ዝድለ ዘሎ !!

ኣብቲ ምስላ ትግርኛና  “ካብ የጸብቐለይ ኢልካ ምዝራብ፥ የኽፍኣለይ ኢልካ ምግዳፍዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ ቅድሚ ክዛረብ ኢልካ

ኣፍካ ምኽፋት፥ ኣቐዲምካ እቲ ክትዛረቦ ዘሎካ ምፍላጥ ማለት እዩ። እንተዘየሎ እቲ ኣፍካ ሂቡካ እትዛረቦ ዘረባ ኩሉ፥ ምናልባት ብሓላፍነት ዘሕትት፥ ወይውን ንመንነትካ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ኮይኑ ክርከብ ከምዝኽእል ንምምልካት፥ ዝተመሰለ ምስላ ምዃኑ ምርድኡ ኣየጸግምን። እምበኣር ነዚ ጽሑፍ ክንጽሕፍ ምኽንያት ዝኾነና፥ እቲ 23/04/2014 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና  “ዝራብዕ ኣይለምልም መንእሰይ ኣይሳለም“  ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ እዩ። እዚ ዝተባህለ ጽሑፍ ካብ ዝዝርጋሕ ነዊሕ ከም-ዝገብረ  ኣይሰሓትኩዎን። እንተኾነ ኣነ ዘንጊዐ ስለ-ዝርአኹዎ፥ ብዛዕባ ገለ ከይበልኩ ስቕ ክብል፥ ሕልናይ ክቕበሎ ስለ-ዘይከኣሎ ክጽሕፍ ዝግደድ ዘሎኹ። ብዝተረፈ እቶም ጸሓፊ እቲ መንእሰይ ወሎዶና ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ብብዝሒ ክመላለስ ምኽኣሉ፥ ከም ኣዚዩ ሓደገኛ ተርእዮ ገይሮም ገሊጾሞ ኣለዉ። ስለዚውን ከም ሓደ ዓቢይ ኣሰካፊ ክስተት ስለ ዝረኣዩዎ፥  . . . ክሳብ ክንድኡ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ምዕሳሉስ፥ እንታይ ዘመልክት ? ናበይ ገጽና ኢናኸ ንሓዋሩ ? . . . ብምባል ዘስደምም ሕቶ ክሓቱ ንርእዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ ቤተ-ክርስቲያን ኮነት ሃይማኖት፥ ንመንእሰያት ኣይንታዮምን ወይ ኣይምልከቶምን ዝዓይነቱ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝደልዩዮም ዝመስሉ።

ብምቕጻልውን . . . ቤተ-ክርስቲያናዊ ዕጥቂ-መንእሰያት ዘሐጉሰን ደቀንስትዮ ዝወልዕኦ ዕላል ምስ ሰማዕና ድማ፥ ሓቂ ይሓይሽ ፋዕርአን ኣይገበርናን . . . ዝበሉዎ ኣበሃህላ ክርአ ከሎ፥ ሓሳባቶም ኮነ ዕላማኦም በሪሁ ስለ ዝረኣየካ መንነቶም ንምርዳእ ኣየጸግምን። ግዳስ እዚ ተካል ግዜ ብዙሕ ስለ ዝመሃረና፥ በዚ ኣበሃህላ ምሕዛንና ዘይተርፍ እንተኾነ፥ ከገርመና ዝኽእል ግን ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍብውሽጦም ዝምንጥሉ ተዃሉ እዮምሞ፥ ኣባጊዕ ተመሲሎም ካብ ዝመጹኹም ሓሰውቲ-ነቢያት ተጠንቀቑ። ካብ እሾኽዶ ፍረ-ወይኒ ይርከብ እዩ ?“ ብምባል ዝሃቦ መጠንቀቕታ ስለዘሎ፥ እቲ ዝበሃል ዘሎ ኩሉ ምርድኡ ከጸግመና ይኽእል ዝበሃል ኣይኮነን።(ማቴ. 7/15)

ብዝተረፈ እቶም ጎደፋ ብምባል ዝፍለጡ ጸሓፊ፥ ወዲ ቤተ-ክርስቲያን ምዃኖም ንኸእምኑ ዝገበሩዎ ፈተና ምህላዉውን ኣብቲ ጽሑፎም ተራእዩ እዩ። ነዚ ኣበሃህላ ኣሚኑ ክቕበሎ ዝኽእል ዘሎ ግን ኣይአመስለናን። ከመይሲ “-ሰይጣን ከምስል ዳዊት ይደግም-“ ዝብል ኣበሃህላ ስለዘሎ፥ እቲ ንሶም ኦርቶዶክሳዊ እየ ዝብሉዎ ኣበሃህላ፥ ተቐባልነት ክረክብ ፍጹም ዘይሕሰብ እዩ። በዚ ኣበሃህላ ክዕሾ ዝኽእል ድማ ዝህሉ ኣይመስለናን። ስለዚ ኣቶ ጎደፋ መን ምዃኖም እቲ ጽሑፎም ባዕሉ ይዛረብ ስለዘሎ፥ ካብ ዕኮት መዓር ከምዘይርከብ ካብዚ ኣቕሪቦሞ ዘለዉ ጽሑፍውን፥ እሾኽ እንተዘይኮይኑ ዝቕንጠብ ወይኒ ከምዘይብሉ ኣረጋጊጽካ ክዝረብ ዝከኣል እዩ።

ወሸለ ኣበይ ተረኺቡ እምበር-!! መንእሰያትና ደኣ ብጀካ ቤተ-ክርስቲያን እንታይ ክጥምቱዎ ዝግብኦም ካልእ ኣድራሻ ኣለዎም-? እቲ ሕጂ ኣብ ኅብረተ-ሰብና ኣስፋሕፊሑ ዝርአ ዘሎ ሞራላዊ-ውድቀት፥ ካብ ምንታይ ሳዕቤን ዝመጸ ምዃኑ ንኣቶ ጎደፋ ክርድኦም እንተዘይከኣለ እምበኣር፥ ከገርመና ዘይክእል ስለዚዩ። ብዝተረፈ ሕዝብናስ ብፍርሃት እግዚኣብሔር ዝልለ ባህርያት ዘለዎ ትውልዲ ክርኢ ደኣ ሃረር ዝብል ዘሎ እምበር፥ ኣብቲ ፈቐዶኡ ዝግበር ናይ ወጋሕ ትበል-ለይቲ ዕብዳን ደኣ፥ ብመስተ እናተሓጽበ ክዕንድር ዝሓድር መንእሰይ መዓስ ውሒዱና-!!  እዞም ጸሓፊ ግን እዚ ኩሉ ዘተሓሳስቦም ኮይኑ ክርከብ ዘይምኽኣሉ፥  ብጣዕሚ ዘተዓዛዝብ እዩ።

ንሶም እዞም  ጸሓፊ ግና፥ ሃይማኖታውን ተሳላሚ ቤተ-ክርስቲያንን ምዃኖም ከእምኑና ዝገበሩዎ ፈተነ ኣሎ። ግዳስ “-ንዓይ ነንጭዋዶ ኣብ ለቖታ-“ ዝብል ምስላ ስለዘሎ፥ ብኣባሃህላኦም ክህመል ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለናን። ነቲ ዘለዎም ፀረ ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ኣቕዋም፥ ከም መጎልበቢ ክጥቀሙሉ ስለ ዝደለዩ ግና፥ ኣሚንካ ምቕባሉ ዘይከኣል ብዙሕ ነገራት ተናኺፎም ኣለዉ። ኣብዚ ሥልጡን ዘመነ-ኮምፒዩተር ንርከብ ከም ምህላውና መጠን ግን፥ እቲ ሕውስውስ ኢሉ ዝቐረበ ተዋስኦ ንማንም ከደናገሮ ዝኽእል ኣይመስለናን።

ካብዚ ሓሊፎምውን . . . መብዝሕቶና ቤተ-ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ከም ዝገደመት ሃይማኖት ጌርና ኢና እንወስዳ፥ እቲ ክውንነት ግን እንተዘይተጋግየ ኣብ 1050 / ከም ዝተመሥረተት ዝግለጽ . . . ኢሎም ኣለዉ። ግዳስ እንተ ዘይተጋግየ እናበሉ ከለዉ፥ ስለምንታይ ኣረጋጊጾም ንዘይፈልጡዎ ታሪኽ ተሃዊኾም ክጽሕፉዎ ከም ዝደለዩ፥ ካልእ ንመንነቶም ዘጋልጽ እዩ። ንሶም ግን እታ ቤተ-ክርስቲያን ጥንታዊነት የብላን ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ስለ ዝተሃወኹ፥ እቲ ንትዕዝብቲ ከጋልጾም ዝኽእል ነጥቢ፥ ምልስ ኢሎም ክጥምቱዎ ከም ዘይከኣሉ ኢና ክንርዳእ ንኽእል።

እዛ ዓባይን ጥንታዊትን ዝኾነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ግን፥ መጽሓፍ-ቅዱስ ዝምስክሮ ክቡር ታሪኽ ስለ ዘለዋ፥ እቶም ጽቡቕ ዘይምነዩላን ብጽቡቕ ዓይኒ ዘይጥምቱዋን ዝበሉ እንተበሉ፥ ነቲ ክቡር ዝኾነ ታሪኻዊ መንነታ ክቕይሮ ዝኽእል ኃይሊ የልቦን። ኣቶ ጎደፋ ግን እቲ ሓቀኛ ታሪኽ ምቕባሉ ስለ ዝኸበዶም፥ ናብ 1050 / ከውርዱዎ ወይ ክመልሱዎ ንርኢ። እዚ ታሪኽ ግን ዋናታት ስለ ዘለዉዎ፥ ኣቶ ጎደፋ ዝሽገሩሉ ጉዳይ ክኸውን ኣይምተገብአን። ብሓጺሩ ንሕዝቢ ተዋሕዶ እምበር ንማንም ካልእ ዝምልከቶ ኣይኮነን። ክፈልጡ ዝደልዩ እንተደኣ ኮይኖም ግና፥ እታ በዓልቲ ታሪኽ ዝኾነት ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ እቲ ሓቀኛ-ታሪኻ ኣብ ግብረ-ሓዋርያት 8/26-40 ኣንቢቦም ክርድኡዎ ብኣኽብሮት ትዕድሞም ኣላ።

ብዝተረፈ እዞም ጸሓፊ ኣብ ልዕሊ ብቕድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ዓባይ ቤተ-ክርስቲያን፥ ንኸካፍኡዋ ኢሎም ብዙሕዮም ተዛሪቦም ዘለዉ። ንምጥቃስ ዝኣክል . . . . ሥልጣን መንግሥትን ሃይማኖትን ክትሕዝ ዝሓለነት. . . ብተወሳኺውን . . . ዓቃቢት መንግሥቲ ክትከውን ዝተሠርሐት. . . ብምባል ምስ ታሪኻ ብዘይሳነ ገበን ክኸሱዋ ንርኢ። ከምኡ ንምባል ዘኽእሎም ዘቕረቡዎ ጭብጢ ግን የልቦን። ጽልኣት እዛ በዓልቲ ታሪኽ ዝኾነት ቤተ-ክርስቲያን ስለዘለዎም ግና፥ ከምቲ -ጸላኢ ጸለሎ ቀባኢ- ዝበሃል፥ እግዚኣብሔር ደኣ ይቕረ ይበለሎም እምበር፥ ከኽፍኡዋ ኢሎም ዘይተጠቐሙዎ ናይ ጸለመ-ቃላት የልቦን።

እዞም ጸሓፊ እንታይ ከምዝኾነ ጸገሞም እንድዒ፥ ብዙሕ ከም ደናጕላ ዝፋጋእ ቃላትዮም ደርብዮሞ ዘለዉ። ካብ ሓደ ክጽሕፍ እምበር ክሓስብ ዘይክእል ኣእምሮ እንተ ዘይኮይኑ፥ ከምዚ ዝበለ ሓላፍነት ዝጐደሎ ጽሑፍ ክቐርብ ኢልካ ክሕሰብ ኣይከኣልን እዩ። ኣርሒቖም ምጥማት ዝጽግሞም ሰባት ግና፥ ዝብሉዎ እምበር ዝበሃሉዎ ስለ ዘይፈልጡ፥ እንታይ ሳዕቤን የኸትል ብዘየገድስ ንጠንቂ ዝዕድሙ ኣሻዃት-ቃላት ክዘርኡ፥ ስኽፍ ዝብሎም ኮይኖም ኣይረኣዩን።

ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማዮም ኣቶ ጎደፋ፥ ንኽብሪ ውሉደ-ክህነትናውን ታሕቲ ከም ዝወርድ ብምግባር . . . ተውሳኺቱ ዘይብሉ!! ዓጢነ! መኾስ-ጻሕሊ! ዓጣን-ደብሪ! ብምባል፥ ሕሱራት ቃላት ተጠቒሞም ከቈናጽብዎ ዝተላዕሉ። ግዳስ ንኹሉ ነገር ኣተዓባብያ ወሳኒ ስለ ዝኾነ፥ ናይ ሥነ-ምግባር ክብሪ ካብ ዘይፈልጡ ሰባት ጥዑም ክስማዕ ዝጽበዮ ሰብ የልቦን። እቲ ዘገርም ግና “-ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ-“ ከምዝበሃል፥ ዝበሃልን ዝዝረብን ከምዝተሳእነ ዓቐኑ ዝሓለፈ ቃላት ብምጥቃም፥ ንክብርን ቅድስናን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ከቈናጽቡ ድቃስ ምስኣኖም፥ ክበጽሑዎ ዝደልዩ ስዉር ዕላማ ስለዘለዎም እዩ።

ካብዚ ሓሊፎምውን እታ ቤተ-ክርስቲያን. . . ተዋሕዶ ዝተባህለትሉ ምኽንያት፥ ኦሪትን ሓድሽን ስለ ዘጣመረት ጥራይ. . . ብምባል፥ ኣብ ዘይፈልጡዎ ባሕሪ ኣትዮም ክሕንብሱ ምድላዮም፥ ካልእ ዘገርም ተርእዮ ክበሃል ይከኣል። ከመይሲ ምሥጢረ-ተዋሕዶ ምስ ምሥጢረ-ሥጋዌ እምበር፥ ምስቲ እቶም ጸሓፊ ዝሃቡዎ ትንተና ዋላ ሓንቲ ዘተሓሕዝ ምኽንያት ዘለዎ ኣይኮነን። እቶም ለባማት ግና ዓቕምኻ ፈሊጥካ ክትከይድ ዘይምኽኣል ዘምጽኦ መዘዝ ስለ ዝፈልጡ፥ ኣብ መድረኽ ቀሪቦም ቅድሚ ምጽሓፎም ኮነ ምዝራቦም፥ ክልተ ግዜ ክሓስቡዮም ዝመርጹ። ኣብ ዘይትፈልጦን ኣብ ዘይትወጾን ባሕሪ ኣቲኻ ጠፍላሕላሕ ምባል ድማ፥ ሓንቢስካ ምኽኣል ማለት ከምዘይኮነ እቶም ኣርሒቖም ዝጥምቱ ለባማትሲ ኣይስሕትዎን እዮም። ስለዚ ድማዮም ኣቦታትና “-ካብ የጸብቐለይ ኢልካ ምዝራብ፥ የኽፍኣለይ ኢልካ ምግዳፍ-“ ኢሎም ዝመሰሉ።

ብዝኾነንዝወደቐ ገረብ ምሳር ይበዝሖከምዝብሃል፥ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶውን ኣብ ከቢድ ፈተና እትርከብ ዘላ ቤተ-ክርስቲያን ስለ ዝኾነት፥ ዝተባህለ እንተተባህለውን  እቲ ንምድኻማ ተባሂሉ ዝግበር ጸለመን ጠቐነን ካበይ ይብገስ ከምዘሎ  ዝጠፍኣ ኣይኮነን። ስለዚውን ካብቶም ፓትርያርካ ኣሲሮም ብሓደ ተራ ጭዋ ከም እትምራሕ ዝገበሩ ኃይልታት፥ ሠናይ ነገር ክትጽበ ኣይትኽእልን እያ። እቲ ድሕሪ መጋረጃ ኢንተርነት ተሸጕጥካ ዝጸሓፍ ዘሎ ኩሉውን፥ ንምንታይ ተልእኮ ምዃኑ ይጠፍኣ ዝበሃል ኣይኮነን። ንሳቶም ከም ሕሱምዮም ተቓሊሶማ ከውድቕዋ ግን ኣይከኣሉን። ከመይሲ መሠረታ ባዕሉ ክርስቶስ ስለ ዝኾነ እዩ። ብዝተረፈ በዓል ጎደፋ በሉዎ ዝተባህሉ ተኣዚዞም ዝብሉ ደኣምበር፥ እቶም ድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ዝልእኩስ፥ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ እንታዎት ምዃኖም ትጋገዮም ኣይኮነትን። ስለዚ ከኣ ንበዓል ጎደፋ ኮነ ካልኦት መሰልቶምንእቲ ዝገብሩዎ ኣይፈልጡን እዮምሞ፥ ኣይትሓዘሎም !!“ ብምባል ክትጽልየሎም ትርከብ ዘላ።

ካህን ተክለማርያም ምርካጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div