S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ከማኻ ዝበለ መሓሪ መን’ዩ

 ስብከትን ምንባባት ወንጌልን:- ጥቅምቲ 3ይ ሰንበት

 (ዘመነ ጽጌ፤ ካብ መስከረም ፳፮ - ሕዳር ፭ ግእዝ)

ያሬዳዊ መዝሙር፡- “ወመኑ መሃሪ ዘከማከ” ከማኻ ዝበለ ምሓሪ መንዩ?

ምንባባት ወንጌል
ዲያቆን፡- 1 ቆረ 10፡1-19----------------(Deacon) 1st Corin 10:1-19.
ተሓጋጋዚ ዲያቆን፡- ራእይ 14፡1-6----(Sub deacon) Revelation 14:1-6.
ካህን፡- ማቴ 12፡1-22-----------------------(Priest) Matt 12:1-22.
ተሓጋጋዚ ካህን፡- ግብ 4፡19-31---------(Assistant Priest) Acts 4:19-31.

መዝሙር ዳዊት ግእዝ፡- ጻድቅሰ ከመ በቀልት ይፈሪ፡ ወይበዝህ ከመ  ዘግባ  ዘሊባኖስ ትኩላን እምንቱ ውስተ ቤተ እግዚኣብሔር።መዝ 91፡12-13.
መዝሙር ዳዊት ትግርኛ፡- ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም፡ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዓቢ፤እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሔር እተተኽሉ ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ። መዝ 92፡12-13.
Psalms:- “The righteous shall flourish like the palm tree: he shall grow like a cedar in Lebanon. Those that be planted in the house of the LORD shall flourish in the courts of our God.” Psalms 92:12-13.
ቅዳሴ፡- ቅ. ማርያም.

 ከማኻ ዝበለ መሓሪ መን’ዩ “ወመኑ መሃሪ ዘከማከ”

ቅዱስ ያሬድ፡ ምሕረት እግዚኣብሔር ኣብ ኦሪት ኪዳን ብዕምቆት እንዳስተንተነ ዝዘመሮ ናይ ምስጋና መዝሙር እዩ። ምኽንያት ናይቲ መዝሙር ድማ ከምዚ ብምባል የብርሆ፡- ቃል ኪዳንካ ምስ ኖህ ዘጽናዕካ! ንእስራኤላውያን ካብ ሰማይ ማና ኣውሪድካ ዝመገብካ! ንምድሪ ጽጌረዳ፡ ዕንባባን ፍርያትን ሂብካ ፍጥረት ኩሉ እትምግብ! ንሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ! ኩሉ ፍጥረት ብተስፋ ንኣኻ ዚጽበ ከማኻ ዝበለ መሓሪ መንዩ? ምስ ናይ ዕለቱ ወንጌልን ምንባባትን ተዛሚዱ ኪርኣይ ከሎ ድማ ብዝያዳ ትርጉም ይህብ።

ምሕረት እግዚኣብሔር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ ተገሊጹ ኣሎ። ምሕረት ምግባር ማለት እንታይ ማለት’ዩ? መቕጻዕቲ ንዝግበኦ ወንጀለኛ ርሕራሐ ምግባር ማለት እዩ (መዝ 51፡1, 7-8)።

እግዚኣብሔር ወልድ ኣብ መስል ዕርቓኑ ወጺኡ ስሌና ዝሓመሞን ዝተሳቐየን፣ ኣብ መጨረሻ ከኣ ብኣሰቓቂ ሞት ዝሞተን ንዓለም ምሉእ ምሕረት ምእንቲ ኪገረሉ እዩ (ኤፌ 2፡4-5፣ 1 ጴጥ 1፡3፣ ሮሜ 5፡6-10)። እግዚኣብሔር ካብ መስዋዕቲ ንላዕሊ ምሕረት ይፈቱ። ሎሚ ዝተነበበልና ወንጌል እዚ ሓቂ'ዚ እዩ ዚምህረና። ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ብሉይ ኪዳን እንተበብና፡ ኣምላኽ ምሕረቱ ዚበዝሐ (ዘኁ 14፡18)፣ ክሳብ ሰማያት ዚበፅሕ ሰፊሕ (መዝ 36፡5፣ 114፡11)፣ ዓሚቕ (መዝ 36፡6)። ነቶም ንቃሉ ብፍርሓት ዘኽብሩ ምሕረቱ ክሳብ ሽሕ ወለዶ ዝዝክር (ዘጸ 34፡7)፣ ካብ ዘልኣለም ክሳብ ዘልኣለም ባህርዪ ከይየረ ዚነብር (መዝ 114፡17። 137፡1-8) ኣምላኽ ምዃኑ ይምህረና። ካብቲ ኩሉ ናይ ብሉይ ኪዳን ምንባባት ዝዓቢ፡ ስፍሓትን ዕብየትን ምሕረት እግዚኣብሔር ብዝያዳ ዚምህር ግን እቲ ሓደ ወዱ፡ መድኃኔ ዓለም፡ ኣብቲ ዓርቢ ስቕለት ዝገለጾ ምሕረት እዩ። ነዚ ምሕረትን ፍቕርን እዚ መን ኪገልጾ ይኽእል?

ካብዚ ናይ ሎሚ ቃል እንታይ ንምሃር? ምሕረት እግዚኣብሔር ኣዒንቲ ዕዉራት የብርህ፡ ኣእዛን ጸማማት ይኸፍት፡ መጠን ዘይብሉ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ (ማር 10፡46-52)። ንገሌና ከም ሎጥ ካብ ሓዊ መንጢሉ ዘውጽኣና (ዘፍ 19፡19)፣ ንገሌናውን ከም ኣቦና ያዕቆብ ዘይግብኣና ምሕረት ዝሃበና (ዘፍ 32፡10)፤ ከም ጊልያ ኣብርሃም ለሚንናዮ ሓሳብ ልብና ዘፈጸመና፣ ከም ናእሚ ንምረትናን ሓዘንናን ደቢሱ ንቡር ህይወት ዚሃበና ኣምላኽ፡ ነቲ ኣብ ዕለታዊ ህይወትና ብሰላም ወጺና ብሰላም ክንኣቱ ምሕረቱ ዘብሓልና እግዚኣብሔር ወትሩ ከነመስግኖ፤ ብመጠን እቲ ዝረኸብናዮ ምሕረት ከኣ ምሕረትን ይቕረታን እንገብር ክርስትያን ኪንክወን ይግባእ። ንሓውና ወይ ድኻ ሰብ ክንርሕርሓሉ ከሎና፡ ንኣምላኽ ነኽብሮ ምህላውና እዩ ቃሉ ዚምስከርልና (ምሳ 14፡21, 31፣ ሆሴ 14፡3)። ኣምላኽ ብጸግኡ ይደግፈና!

Posted on October, 2008

ትርጉም፡ ክፍሊ ስነ-ጽሑፍ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፤ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ። ብፍቓድ ደራሲ መም. ልዑለቃል ኣካሉ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div