S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እወ ጎይታይ እኣምን እየ

ስብከትን ምንባባት ወንጌልን
ዕለት:- ጥሪ 4ይ ሰንበት
ያሬዳዊ መዝሙር፡- ይቤሉ እስራኤል ኢርኢነ ወኢሰማዕነ ዘእውሩ ተወልደ።
ምንባባት ወንጌል
ዲያቆን:- 1ይ ቆሮ 2፣ 1-16-------------(Deacon) 1st Corin 2፣ 1-16
ንፍቅ ዲያቆን:- 1ይ ዮሃ 5፣ 1-6-------(Assistant deacon) 1st John 5፣ 1-6
ንፍቅ ካህን:-  ግብ  5፣34-41----------(Assistant Priest) Acts 5፣34-41
ካህን:- ዮሃ 9፡1 -41----------------------(Priest) John 9፡1 -41
መዝሙር ዳዊት፡- ደቂቀ ዕጓለ እመሕያው እስከ ማእዜኑ ታከብዱ ልበክሙ ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሐሱ ሐሰተ ኣእምሩ ከመ ተሰብሐ እግዚኣብሄር በቅዱሳኑ። መዝ 4፣2
መዝሙር ዳዊት፡- ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ክብረይስ ኮን ክሳዕ መዓስ እዩ ዚሓስር? ክሳዕ መኣስከ ንኸንቱነት ትፈትዉ፣ ሓሶትውን ትደልዩ። መዝ 4፡2.
Psalms:-How long will you people ruin my reputation? How long will you make groundless accusations? How long will you continue your lies?” Psalms 4:2.
ቅዳሴ፡- እግዚእነ

                               እወ ጎይታይ እኣምን እየ (ዮሃ 9፣38)

ኣብዚ ዕለት'ዚ ነዚ ንዕውራት ብርሃን፣ ንዝተሓለሉ ተስፋ፣ ንመናፍስቲ ዝመልኽ፣ ንሕሙማት ዝፍውስ ኣምላኽ እነመስግነሉ ዕለት እዩ። ያሬድ’ውን  “እስራኤላውያን ብዕውሩ ዝተወልደ ርኢናን ሰሚዕናን ኣይንፈልጥን ይብሉ” እናበለ ምስ ናይዚ ዕለት ዚመሳሰል መዝሙር እዩ ዘሚሩ።

እዚ ናይ ሎሚ ወንጌል (ዮሃንስ 9 ምዕራፍ) መግለጺ ስለዘድልዮ፣ ኣንባቢ ብግቡእ ከንብቦ ነተሓሳስብ።

"እወ ጎይታይ እኣምን እየ" ዝብል ቃል ካብቲ ክብሪ ኣምላኽ ምእንቲ ክገሃድ፣ ብዕውሩ ዝተወልደ ሰብ ዝወጸ ቃል እዩ (1- 4) ጎይታና ነዚ ሰብ እዚ ምስ ረኣዮ፣ ብስጋ ዝርአ ተኣምራቱ ዘይገልጸሉ ዕለተ-ስቕለቱ እናዘከረ "ኣብ ዓለም ከለኹ ብርሃን ዓለም እየ"ኢሉ ብጥፍጣፉ ጸብሪ ገበረ፣ በቲ ጸብሪ ድማ ኣዕይንቱ ለኸዮ እሞ ከይዱ ካብ ማይ ሰሊሆም ክሕጸብ ኣዘዞ። ብኡ ንብኡ ድማ ሓወየ ( 5-12) ዕለቱ ሰንበት ስለዝነበረ ንበረኸት ዝኸውን ኣእምሮ ዘይተዓደሉ ኣይሁድ፣ "እዚ ሰብኣይ' ሰንበት ካብ ዘየኽብርስ ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን" በሉ። ይኹን እምበር "ካብ ኣምላኽ እንተዘይከውን ከምዚ ዚበለ ተኣምራት ኪገብር ዚኽእል የልቦን ዚብሉውን ኣይተሳእኑን ( 13-27) በዚ ድማ ንሓድሕዶም ተፈላለዩ። እቲ ዓይነስዉር ምስ ተሓተተ'ውን "ነቢይ እዩ" ኢሉ መለሰ። እቶም ኣይሁድ ግና እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ንኽጠራጠሩ ምኽንያት ስለዝሰኣኑ፣ ንወለዲ ናይቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ሰብ ጸዊዖም፣  "እዚዶ እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኹም እዩ? ሕጂ ድኣ ከመይ ኢሉ ይርኢ ኣሎ? ኢሎም ሓተትዎም።" “ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምን ዘበለ ኩሉ ካብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ክስጎግ እዩ" ዝብል ሕጊ ናይ ኣይሁድ ስለዝፈርሑ ግና እቶም ወለዱ ከምዚ ኢሎም መለሱ፣"ወድና ምዃኑን ብዓይነ ስውሩ ከምዝተወልደን ንፈልጥ ኢና። ሕጂ ብኸመይ ከምዝሓወየን ኣዒንቱ መን ከምዝኸፍተሉን ግና ንፈልጦ የለን። ንዕዑ ሕተትዎ። ንሱ ብጹሕ ስለዝኾነ ድማ ባዕሉ ክነግረኩም እዩ" ብምባል ተኣምራት እግዚኣብሄር ካብ ምምስካር ንደሓር በሉ። ስለ ኢየሱስ ምምስካር ስለዝኣበዩ ድማ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ናይ ምንባር ዕድሎም ኣናውሕዎ። ካብቲ ካብ ፈሪሳውያን ክስንዘር ዝኽእል ፈተና'ውን ደሓኑ። እምነት ዘይብሎም ፈሪሳውያን እንደገና "እዚ ሰብ' ሓጢኣተኛ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና" በሉ። ንሱ ግና ክብሪ ኣምላኽ ምእንቲ ክገሃድ ተባሂሉ ዝተፈጥረ "ሓጢኣተኛ ምዃኑ  ኣይፈልጥን እየ" በሎም። ንሳቶም ድማ ደጋጊሞም፣ ከመይ ገይሩ እዩ ዓይንኻ ዝኸፈተልካ?" እናበሉ ምስ ኣሸገርዎ "ንስኻትኩምውንዶ ደቀ መዛምርቱ ክትኮኑዶ ትደልዩ ኢኹም?" ኢሉ ዝለዝሓተቶም "ንሕናስ ደቀ መዛምርቲ ሙሴ ኢና" ብምባል ንገዛእ ርእሶም ክመጻደቑ ፈተኑ። ንዕኡ ድማ "ንስኻ [ግና] ወደ መዝሙሩ ኢኻ" ኢሎም ናይ ላግጺ ዘረባ ሰንደውሉ። ዝገርም እዩ። ዘይምፍላጥ ማዕረ ክንደይ ሓደገኛ እዩ።

ፈሪሳውያን ናይ ትንቢት ተረባሕቲ ድኣ ኣይኮኑን እምበር ትንቢት ምዝራብሲ ይኾነሎም እዩ። ከም እኒ ሊቀ ካህናት ቀያፋ ትንቢት ተዛሪቦም እዮም። ዕቤቱ ምስ ሙሴ ከነጻጽርዎ ከለዉንሕናስ ኣምላኽ ንሙሴ ከምዝተዛረቦ ንፈልጥ ኣሎና። እዚ ግና ካበይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና በልዎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ዜገርም እዩ። ንዓይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ። እዚ ካብ ኣምላኽ እንተዘይከውንሲ ገለ ክገብር እኳ ኣይምተኻእሎን ነይሩ" ኢሉ ኽብሪ ክርስቶስ መስከረ። ፈሪሳውያን ግና "ንስኻ ብሓጢኣት ዝተወለድካስ ንዓና ክትምህረና?" ኢሎም ኣንጸርጺሮም ካብቲ ቤተ ጸሎቶም ኣውጽእዎ። ንኽብሪ እግዚኣብሄር ስለ ዝመስከረ ድማ ካብ ቤት መቕደስን ቤተ ጸሎት ኣይሁድን ተባሪሩ፣ እቶም ንገዛእ ክብሮም ደው ዝበሉ ግና ኣብቲ ቤተ ጸሎት ተረፉ። ምድራዊ ቤት መቕደስ ንዝተዓጽዎ ሰማያዊ ቤት መቕደስ ተኸፍተሉ (ዮሃ 219-22) ናብ ደገ ምስ ደርበይዎ ግና፣ ሓቅን መገድን ዝኾነ ጎይታ ተቐቢሉ፣ "ንስኻ ብወዲ ኣምላኽዶ ትኣምን ኢኻ?" ኢሉ ሓተቶ፣ ንሱ ድማ "እወ ጎይታይ እኣምን እየ" በለ። ናይ ክብሪ ጎይታ ድማ "እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኺርእዩ፣ እቶም ዝርእዩ ኸኣ ኪዖሩ እየ ናብዛ ዓለም ዚኣ ንፍርዲ ዝመጻእኩ" በሎ። ክብሪ ንዕኡ ይኹን። ተዓዘብቲ ዝኾኑ ፈሪሳውያን "ንሕናኸ ዕዉራት ምዃንና ዲና?" ሓተቱ። ኢየሱስ ድማ "ዕዉራት እንተትኾኑስ፣ ሓጢኣት ኣይምኾነኩምን ነይሩ። ሕጂ ግና ንርኢ ኣሎና ትብሉ ኣለኹም፣ ስለዚ ሓጢኣትኩም ጸኒዑ ይነብር በሎም።"

ነዚ ንዕውራት ብርሃን፣ ንዝተሓለሉ ተስፋ፣ ንዝደኸሙ ሓይሊ ዝህብ ጎይታ ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

ትርጉም፡ ክፍሊ ስነ-ጽሑፍ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፤ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ። ብፍቓድ ደራሲ መም. ልዑለቃል ኣካሉ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div