S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ስሌና ተጠምቀ (ጥሪ 2ይ ሰንበት)

ናይ ዕለቱ ምንባባት ወንጌልን ምስባክን (በዓለ ጥምቀት ሰንበት ኪውዕል ከሎ።)

ዲያቆን:- ቲቶ  3፣4-8 (Titus)
ተሓጋጋዚ ዲያቆን:- 1ይ ዮሃ 5፣ 5-13 (1 John)
ተሓጋጋዚ ካህን:-  ግብ  10፡34-39 (Acts)
ካህን:- ማቴ  3፡1-17 (Matthew)
ያሬዳዊ መዝሙር:- መዝሙር፡-  ኣጥመቆ ዮሃንስ
መዝሙር ዳዊት፡- ባህርኒ ርእየት ወጎየት፤ ወዮርዳነስኒ ገብኣ ድህሬሁ፤ ኣድባር ኣንፈርኣጹ ከመ ሓራጊት።
Psalms:- “The sea saw [it], and fled: Jordan was driven back. The mountains skipped like rams, [and] the little hills like lambs.” Psalms 114፡ 3-4.
መዝሙር ዳዊት፡- ባሕሪ ርእያቶ ሃደመት፥ ዮርዳኖስ ንድሕሪት ተመልሰ። ኣኽራን ከም ደዓውል፡ ኮረቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ። መዝ 114፡3-4።
ቅዳሴ፡- ቅ. ድዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም)

ስሌና ተጠምቀ

ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ 30 ዓመቱ ብኢድ ዮሃንስ መጥመቕ፡ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ዝተጠምቀሉ ምኽንያትኩሉ ጽድቂ ክንፍጽም ይግብኣና ከም ዝበሎ፡ ስሌና ኪብል እዩ። ክርስቶስ ኣብ ሞንጎ እቶም ብግልጺ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ህዝቢ ሓጢኣቶም ተኣሚኖም ብኢድ ዮሃንስ መጥመቕ ንኽጥመቁ ዝመጹ፡ ከም ሓደ ካብኦም ምምጻኡ ብቓልን ብግብርን ኪምህረና፤ ሥላሴ ዝተገልጽሉ ዕለት፡ እግዚኣብሔር-ኣቦ እቲ ዝፈትዎ ብእኡ ዝሰመርኩ ወደይ ስምዕዎሞ ምሕረት ኪትረኽቡ ኢኹም ኢሉ ዝመስከረሉ ዕለት ብምዃኑ ከኣ ፍሉይነት ኣለዎ። ኣብዚ ዕለትዚ ሰማይ ተኸፍተ፡ ጽልኢ ተደምሰሰ፡ ሰይጣን ሓፈረ። እግዚኣብሔር-ኣቦ እቲ ብተዋህዶ (ቃል ስጋ ኮነ) ንመስቀልን መስዋእትን ዝለኣኾ እንኮ ወዱ፡ ኣብ ክንዲ በደልና በጃ ኪኸውንን፡ ፍጥረት ኩሉ ዓለም ድማ ብደም ክርስቶስ ምሕረት ኪረክብን እዩ ዕላማ ጥምቀት። ከምቲ ጽሑፍ ዝብሎነቲ ብሕጋጋት ዝቃወመናን ዚብኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ኪድምስስ” (ቆለ 214) እዩ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ዝተጠምቀ።

ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ቤተክርስትያንና ነዚ ዓቢ ዕለትዚ ዝምልከት ዝተፈላለየ ኣገደስቲ ቃላት ሰኒዶምልና ኣሎዉ። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ፡- “ኣንሶሰወ ገሐደ ወኣስተርኣየ ከመ ሰብእ በብሕቅ ልሕቀ ብሠላሳ ክረምት በዮርዳኖስ ተጠምቀትርጉምብግልጺ ተመላለሰ፡ ከምሰብ በብእዋኑ ዓበየ፡ ተራእየ፡ ኣብ ሰላሳ ዓመቱ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ” (ቅዳሴ ዘድዮስቆሮስ)ተጠምቀ በማይ እንዘ ለሊሁ ቅዱሰ ቅዱሳን ከመ ይቀድስ ኪያከ ቃለ-ኣብ ተሰምኣ በዮርዳኖስ ወረደ መንፈስ ቅዱስ ዲበ ርእሱ ከመ ተኣምር ከመ ላእሊሁ ወልድ ውእቱ ዘመጽኣ ለኅሢሦትከትርጉምንሱ ናይ ቅዱሳን ቅዱስ ክነሱ፡ ምእንቲ ደሰና ኢሉ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ፡ ናይ ኣቦ ድምጺ ተሰመዐ፡ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሌኡ ዓለበ፡ እዚ ኩሉ ዝኾነ ከኣ ንዓኻ (ንጥፉእ) ኪደሊ ከምዝመጸ ምእንቲ ከረድእ እዩ (ኣረጋዊ መንፈሳዊ)በልደቱ ተርህወ ሰማይ ወበጥምቀቱ ተኣውቀ መለኮቱ፡ መንግስቱ ስፋኒት ዘእምቅድመ ዓለም ንጉስ ውእቱ ወኣልቦ ማህለቅት ለመንግስቱ ትርጉምብልደቱ ሰማይ ተኸፍተ፡ ብጥምቀቱ መለኮቱ ተፈልጠ፡ መንግስቱ ዘልኣለማዊት እያ፡ ንመንግስቱ ድማ መወዳእታ የብሉን” (ሊቅ)ኣኮ ዘረከበ ጸጋ በተጠምቆቱ ኣላ ከመ ያብርህ መካናተ ወያኃይል ማያተ ለእለ ሃለዎሙ ይጠመቁ ውስቴታ ትርጉምጸጋ ኪረክብ ኣይተጠምቀን፡ ምእንቲ እቶም ካብኡ ንደሓር ዝጥመቑ፡ ንሩባ ዮርዳኖስ ክቕድስ፡ ንኹሉ ማያት ከኣ ኪባርኽ እዩ ዝተጠምቀ (ሊቅ)ኣኮ ፈቂዶ ለተጠም ኣላ ከመ የኃበነ ሱታፌ ንጹህ።ትርጉምምስኡ ብቕድስና ሓድነት ምእንቲ ኪህልወና ስሌና ተጠምቀ እምበር ንኽጥመቕ ስለ ዘድልዮ ኣይኮነን።” (ሊቅ)

ስለዚ ክቡራት ክርስትያን: ኣምላኽናን መድሓኒናን ክርስቶስ ብጥምቀቱ'ውን ዓቢ ትምህርቲ ገዲፉልና ኣሎ። ብኣና ሸነኽከ እምነት ክርስትናና ከመይ ኣሎ? ሎሚ እቲ ካብ ጥምቀት ዝተመሃርናዮ ዓጽኒዕና ክንሕዝ፤ ከምቲ እግዚኣብሔር-ኣብ ንክርስቶስ ዝመስከረሉ፡እዚኣቶም እቶም ዝፈትዎም ደቀይ እዮምኢሉ ስሌናውን ምስክሩ ምእንቲ ኪህብ ንዕኡ ዚበቕዕ ህይወትን ናብራን ኪህልወና ኪንጋደል ይግባእ። 

እግዚኣብሔር ናይ በረኸት ሰባት ይግበረና። ኣሜን። 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div