S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበብ ቅዱስ ጽሑፍ

ዲያቆን:- 2ይ ጢሞ 2፣1-16 (Timo)
ተሓጋጋዚ ዲያቆን:-1ይ ጴጥ 5፣1-12 (1st Peter)
ተሓጋጋዚ ካህን:- ግብ
  1፡6-9 (Acts)
ካህን:- ማቴ 25፣14-31 (Matt)
ያሬዳዊ መዝሙር፡- መኑ ውእቱ ገብር ኄር (እቲ እሙን ሕያዋይ ኣገልጋሊ መን'ዩ!)
መዝሙር ዳዊት፡- ከመ እግበር ፈቃድከ መከርኩ ኣምላኪየ፣ ወሕግከኒ ብማእከለ ከርስየ፣ ዜኖኩ ጽድቀከ በማሕበር ዓቢይ።
መዝሙር ዳዊት፡- ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ፣ እንሆ ከናፍረይ ኣይዓጾኹን፣ ጎይታየ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ። መዝ 40፡8።
Psalms:-“I desire to do your will, O my God; your law is within my heart. I proclaim righteousness in the great assembly; I do not seal my lips, as you know, O LORD.” Psalms 40:8-9.
ቅዳሴ፡- ባስልዮስ

እቲ እሙን ሕያዋይ ኣገልጋሊ (ገብር ኄር) መን'ዩ?

እቲ እሙን ሕያዋይ ኣገልጋሊ (ገብር ኄር) መን'ዩ? (ማቴ 25፣14-30)። ኣብዚ ዕለት'ዚ ኣብ ቅዳሴ ዝንበብ ወንጌል፣ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሳሌ (ኣብነት) ገይሩ ብዛዕባ ሕድሪ ከምዝመሃረ ይገልጸልና። እቲ ትምህርቲ፣ ሓደ ሓብታም ሰብ ናብ ርሑቕ ሃገር ክገይሽ ድሕሪ ምሕሳቡ፣ ነቶም ገላውኡ ጸዊዑ፣ ነቲ ቀዳማይ ሓሙሽተ መኽሊት (ገንዘብ)፣ ነቲ 2ይ ክልተ መኽሊት፣ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ መኽሊት ሂብዎም ገሸ። እቲ ሓሙሽተ መኽሊት ዝተቐበለ ዓሰርተ ገይሩ መሊሱወን። እቲ 2ይ ድማ ዓርባዕተ መኽሊት ገይሩ መሊሱወን። እቲ ሳልሳይ ግና ኣብ ንግዲ ቅድሚ ምውፋሩ፣ ክፉእ ሓሳባትን ምጥርጣርን ኣብዝሐ'ሞ፣ ነቲ ዝተዋህበኒ ክምልኣሉ ክብል ነታ ዝነበረትኒ እንተጥፋእክዋኸ ብምባል ነታ ዝተዋህበቶ መኽሊት ቀቢሩ ኣቐሚጥዋ ድሕሪ ምጽናሕ፣ እቲ ሓለቃ ምስ ተመልሰ ከምዘላታ ድኣ እህቦ ኢሉ ሓሰበ። ግዜ ምስ ኣኸለ፣ እቲ ሓለቓ (ሓብታም ሰብ ) ካብ መገሽኡ ተመልሰ። እቶም ገላውኡ ድማ ጸብጻብ ክህቡ ተኣከቡ።

ብመጀመርታ እቲ ሓሙሽተ መኽሊት ዝተቐበለ ጊላ መጺኡ "ጎይታይ ሓሙሽተ መኽሊት ሂብካኒ፣ እንሆ ካልእ ሓሙሽተ መኽሊት ረባሕኩ እናበለ ቐረበ። እቲ ጎይታኡ ኸኣ፣ ሕራይ ኣታ ሕያዋይ፣ እሙን ባርያ፣ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ'ሞ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ። ናብ ሓጎስ ጎይታኻ እቶ በሎ። 

እቲ ክልተ መኽሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ “ጎይታይ ክልተ መኽሊት ሂብካኒ፣ እንሆ ካልእ ክልተ መኽሊት ረባሕኩ እናበለ ቐረበ። እቲ ጎይታኡ ኸኣ፣ ሕራይ ኣታ ሕያዋይ፣ እሙን ባርያ፣ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ'ሞ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ። ናብ ሓጎስ ጎይታኻ እቶ በሎ።

እቲ ሓደ መኽሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ “ጎይታይ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ፣ ዘይበተንካዮ'ውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ'ሞ ፈሪሄ ከድኩ፣ ነቲ መኽሊትካ ኣብ ምድሪ ሓባእክዎ፣ እንሆ ገንዘብካ በሎ። እቲ ጎይታኡ ግና መሊሱ በሎ፣ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ፣ ዘይዘራእክዎ ከምዝዓጽድ፣ ዘይበተንክዎ ከምዝእክብ ፈሊጥካ ኣሎኻ። እምበኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ክትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ። ኣነ ኸኣ መጺአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ። ደጊም እቲ መኽሊት ኣግድፍዎ እሞ፣ ነቲ ዓሰርተ መኽሊት ዘለዎ ሃብዎ። ንዘለዎ ዝበለ ኹሉ ይወሃቦ ይውሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እካ የግድፍዎ ድኣ። ነዚ ዘይጠቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።

ትርጉም ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዋህበ ምሳሌ (ኣብነት) እዚ ዝስዕብ እዩ። እቲ ናብ መገሻ ዝኸደ ሓብታም ሰብ: ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እቶም ስለስተ ኣገልገልቲ ድማ ኣመንቲ ክኾኑ ኮለዉ ዝተፈላለየ ህያባትን ጸጋን ዝተዓደሉ ኣመንቲ ክርስቶስ እዮም።

ባህርያት እቶም ሰለስተ ኣገልገልቲ

1. እቶም ቀዳሞት ክልተ ኣገልገልቲ፣ ክልቲኦም ሰሪሕካ ከምእትረብሕ ዝኣምኑ፣ ነቲ ብሕድሪ ዝተዋህቦም ገንዘብ ናይ ጎይታ እሙናት ዝኾኑ፣ ግዜኦምን ህይወቶምን ብመደብ ዝመርሑ እዮም። ንኣብነት፣ እቲ ካልኣይ ኣገልጋሊ ስለምንታይ ሓሙሽተ መኽሊት ኣይተወሃብኩን ኢሉ ኣየጉረምረመን። ነቲ ዝተዋህቦ ገንዘብ ሕድሪ ብኽልተ ዕጽፊ ኣብዚሕዎ። እቲ ሓሙሽተ መኽሊት ዝተቐበለ ውን ብትግሃት ሰሪሑ ነቲ ዝተዋህቦ ገንዘብ ሕድሪ ብኽልተ ዕጽፊ እዩ ኣብዚሕዎ። ክልቲኦም "ኣታ እሙን ኣገልጋሊ" ዝብል ሓደ ዓይነት ክብሪ እዮም ረኺቦም ምኽንያቱ ሕድሮም ኣጽኒኦም፣ ክልቲኦም ድማ ናብቲ ናይ ክብሪ ቦታ እተዉ ኢልዎም። እዚ ናይ ክብሪ ቦታ'ዚ ድማ “ናብ ሓጎስ ጎይታኻ” ዝብል እዩ። እዞም ክልተ ኣገልገልቲ በቲ ዝተዋህቦም ውሑድ ነገር እሙናት እዮም። ብመንጽር እቲ ዝህብ ዘሎ ጎይታ ክርአ ኮሎ ዝያዳ፣ እቲ ገንዘብ ሕድሪ ውሑድ እዩ። ሓደ ሰብ በቲ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህቦ ነገር ብዘይ ምጉርምራም እሙን ኮይኑ ንኣምላኹ እንተ ኣገልጊሉ፣ በረኸት ከምዝረክብ ይምህረና። እቲ ምስጢር በረኸት፣ ነቲ ዝተዓደልካዮ ጸጋ ምጽብጻብ ወይውን ምምካሕ ዘይኮነስ፣ በቲ ዝረኸብካዮ ጸጋ ምግልጋል እዩ።እዞም ክልተ ኣገልገልቲ እዚኣቶም ድማ ኣብነት ናይቶም ንጎይታን ቤተ ክርስትያንን ብትግሃት፣ ብሓቅን ብፍቐርን ዘገልግሉ ኣመንቲ እዮም።

2. ናይቲ ሳልሳይ ኣገልጋሊ ጽቡቕ ጎድኑ: ምናልባሽ ድኣ ድኻሙ ርእዩ ከይከውን እምበር በቲ ዝተዋህቦ መኽሊት ዕጉብ ምንባሩ እዩ። እዚ ሰብዚ ስሪሕካ ከምእትረብሕ ዘይኮነ ኣብ ስራሕ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሽግራት ጥራይ እናሓሰበ ዝነብር ሰብ እዩ። ሓደ መኽሊት ኣዋፊሩ ክልተ መኽሊት ከምዝረክብ ዘይኾነ ነታ ዘላቶ መኽሊት ከይትስረቕ እዩ ዝሓስብ። ከምቶም እሙናት ኣገልገልቲ ረብሕኡ ሒዙ ቀሪቡ ኣብ ቅድሚ ጎይታ ክሽለም ምዃኑ ኣብ ክንዲ ዝሓስብ፣ እታ ዘላቶ መኽሊት እንተጠፍአት ንጎይታ እንታይ መልሲ ከምዝህቦ ክጭነቕ ከሎ ዝያዳ ተራእዮ። ከም ውጽኢቱ ድማ ክሰርሕ ኣይከኣለን። ነቲ ዝተዋህቦ መኽሊት ክሕዞ እኳ ስለዘሸገሮ፣ ኣብ ትሕቲ መሬት ቀበሮ። ብሓፈሽኡ እምነት ዝጎደሎ ሰብ እዩ። ሰነፍ ሰብ ኮፍ ኢልካ ወረ ምብዛሕን ሕማቕ ምዝራብን ኣመሉ ስለዝኾነ፣ ኣብ ቅድሚ ጎይትኡ ቀሪቡ'ውን እቶም ካልኦት ኣገልገልቲ ዘይበልዎ “ጎይታይ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ፣ ዘይበተንካዮ'ውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ'ሞ ፈሪሄ ከድኩ፣ ነቲ መኽሊትካ ኣብ ምድሪ ሓባእክዎ፣ [ሕጂ ግና]እንሆ ገንዘብካ” እዩ ዝበለ።

ሎሚ'ውን እንተኾነ፣ ኮፍ ኢልካ ወረ ምብዛሕ ጥራይ ዝኣመሎም፣ ነቲ ዝተዋህቦም ህያብ ኣምላኽ ዝቐበሩ ኣገልገልቲ ብዙሓት እዮም። ነቲ ቃል-ሓቂ እንተሰበኽኩ ክኣስሩኒ እዮም፣ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኮይነ ሓጢኣት ትገብሩ ኣለኹም ኢለ እንተመሃርኩ፣ ጸላእቲ ከብዝሕ እየ ዝብሉ ማእለያ የብሎምን። "ደሞዘይ ድኣ ኣይኽሉእኒ እምበር እንታይ ገደሰኒ" እናበሉ ነቲ ዝተዋህቦም ሕድሪ ዕሽሽ ዝብሉ ክንደይ ኣገልገልቲ እዮም? ካብኡ ሓሊፎም፣ “ንስድራይን ቤተ ሰበይን ክብል እየ እምበር እቲ ቃል-ሓቂ ድኣ ምዓስ ጠፊኡኒ” እናበሉ ዝሽቕጡ ብዙሓት እዮም።ሽግር ናይዚ ኣገልጋሊ'ዚ እታ ዝተዋህበቶ መኽሊት ሓንቲ ምንባራ ዘይኮነ፣ ክሰርሕ ዘይምድላዩ እዩ። እቲ ምስጢር ድማ በቲ ዝተዋህበካ ህያብ ምግልጋል እዩ። እቲ በዓል ክልተ መኽሊት በቲ ሓሙሽተ መኽሊት ዘለዎ፣ እቲ በዓል ሓደ መኽሊት ድማ በቲ ክልተ መኽሊት ዘለዎ ክቐንእ ኣይግባእን። ኩሉ፣ ሊቀ ጳጳስ፣ ጳጳስ ወይ ካህን ኪኸውን እይክእልን እዩ። ኩሉ በቲ ዝተዋህቦ ጸጋ እንተ ኣገልጊሉ ግና፣ እቶም እሙናት ሊቀ ጳጳሳት፣ ጳጳሳት ወይ ካህናት ዝረኽብዎ ዓስቢ ክረክብ እዩ። ኩሉ ራእይ ዘለዎ፣ ወንጌላዊ፣ ዘማሪ፣ ሰባኺ፣ ክእለት-ምፍዋስ  ዘለዎ ኪኸውን ኣይክእልን'ዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍሉይ ህያብን ጸጋን ስለዘለዎ ግና ኩሉ በቲ ዝተዋህቦ ጸጋ እንተ ኣገልጊሉ ማዕረ ዓስቢ ይረክብ።

ክቡር ኣማኒ፣ እዞም ብስለስተ መልክዕ ዝተገልጹ ኣገልገልቲ፣ ነቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝመላለሱ ዝተፈላለየ ናይ ኣገልግሎት ህያባት ዘለዎም ኣመንቲ ዝምልከቱ እዮም። ኣብ ቤተ ክርስትያን ወንጌል ብምስትምሃር፣ ህዝቢ ብምጕሳይ፣ ጽጉማት ብምሕጋዝ ንጎይታ ብሓቂ ዘገልግሉ ሰብ-ሓሙሽተ-መኽሊት ኣለዉ። እቲ በዓል ክልተ-መኽሊት ሰብ ድማ ናይቶም ብዝተፈላለየ ጸጋታት ዘገልግሉ እሙናት ሰብ-ሕድሪ ኣገልገልቲ ኣብነት እዩ። እቲ በዓል ሓደ-መኽሊት ሰብ ግና ህያብ ኣምላኽ ተቐቢሉ ንጸግኡ ዘይጥቀመሉ ሰነፍ ኣገልጋሊ እዩ። እዚ ሰብ'ዚ (ኣገልጋሊ) እግሪ-ቤተክርስትያን ኮይኑ እንተዝፍጠር ነይሩ ኪኸይድ ዘይክእል፣ ኢድ እንተዝነብር ነይሩ ክድህስስ ዘይክእል፣ ዓይኒ እንተዝነብር ነይሩ ኪርኢ ዘይክእል ስንኩል ፍጥረት እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ኣካል ክርስቶስ ኮይኑ ኪቕጽል ዘይክኣለ።

ክቡር ኣማኒ፣ ንስኻኸ ፍሉይ ጸጋኻ እንታይ'ዩ? ፍሉይ ጸጋኻ ኣለሊኻ ተገልግልዶ? ዝኣምን ዘበለ ኩሉ ኣካል ክርስቶስ እዩ። ነፍሲወከፍ ክፍሊ-ኣካል ድማ ናብቲ ኣካል ዘበርክቶ ኣገልግሎት ኣለዎ። ንስኻ/ኺ ድማ ኣካል ክርስቶስ ኢኻ፣ ኣካሉ ስለዝኾንካ ድማ ፍሉይ ጸጋ ኣለካ። ስለዚ፣ በቲ ዝተዋህበካ ፍሉይ ጸጋ ከተገልግል፣ ሃብታም ኩን ድኻ ብዘየገድስ ብስራተ-ወንጌል ክትሰብኽ ይግባእ። ሃብታም ንዝተሸገሩ ክረድእ፣ መምህር ብትግሃት ክምህር፣ ዘማሪ ብሓጎስ ክዝምር፣ ጸሓፊ ድማ ተጊሁ ክጽሕፍ፣ ኩሉ ድማ በብጸግኡ ከገልግል ይግባእ። “ጽባሕ ገለ እንተኾነኸ” እናበልና ከምቲ ንመኽሊቱ ተቐቢሉ ዝቐበሮ ሰብ ኣይንኹን። እምነት ኣጥፊእና፣ ክፉእ እምበር ጽቡቕ፣ ክሳራ እምበር ረብሓ ከምዘየለ ገይርና ካብ ኣገልግሎት ንድሕሪት ኣይንበል። መከራ ወይ ሞት፣ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ነገር እንተመጸ ብዛዕባ ጽባሕ ዝፈልጥ ኣምላኽ ኣለና። ሰብ ክጸልኣኒ እዩ፣ ክብረይ ክጠፍእ እዩ፣ ስመይ ክበላሾ እዩ፣ ጽባሕ ፈተና እንተመጸኒኸ ኣይንበል። ከገልግልን ክሰርሕን እየ ኢለ ተበጊሰ ኣብ ፈተና ካብዝኣቱስ ኣብ ዘለኽዎ ስቕ ምባል ይሕሸኒ ክንብል ኣይግባእን። ንኣገልግሎት ወንጌል ንተስእ እሞ ከምቲ ጎይታ ነቶም ክልተ ኣገልገልቲ ዘቕንዓሎም ንዓናውን ኬቕንዓልና እዩ። ቃሉ ናብቶም ክሰምዑ ዝደልዩ ንዝራእ እሞ ጎይታ ድማ ከብቍሎ እዩ። ሓረስታይ እኳ ክዘርእ ከሎ ነቲ ዘርኢ ብእምነት እዩ ናብቲ መሬት ዚብትኖ። እዚ ብእምነት ዝተዘርአ እክሊ ድማ ዚብላዕ ከምዝፈርየሉ ተፈጥሮ ዚምስክሮ ሓቂ እዩ። ሓረስታይ፣ እዚ ዘርኢ ከይበቖለ እንተተረፈኸ፣ ኣዕዋፍ-ሰማይ እንተበልዐኦኸ ኢሉ ካብ ምዝራእ ኣይቍጠብን'ዩ።

እምበኣር ሎሚ፣ ኣገልገልቲ-ሓቂ ክንከውን፣ ነቶም ኣገልገልቲ-ሓቂ ክንስዕብ ይግብኣና። ብፍቕርን ብእምነትን እንተድኣ ኣገልጊልና ዓስብና ክንረክብ ምዃንና ድማ ኣይንዘንግዕ። ኣምላኽ ክንቀብሮ፣ ወይድማ ከጨንቐና ኢሉ ጸጋ ኣይዓደለናን። ዘርብሓና እምበር ክሳራ ዘምጽእ ጸጋ ኣይሃበናን። ከምቶም እሙናት ባሮት፣ ክሳራ ዘይኮነ ረብሓ፣ ሞት ዘይኮነ ህይወት፣ ውርደት ዘይኮነ ክብሪ ከምዘሎ እናስተውዓልና ከነገልግል ኣምላኽ ይደግፈና፣ ኣሜን።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div