S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሆሳእና (8ይ ሰንበት-ዓቢይ ጾም)

ሻሙናይ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም ሆሳእና ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ምንባባት ወንጌል
ዲያቆን:- እብ 9፣11 (Hebrew)
ተሓጋጋዚ ዲያቆን:- 1ይ ጴጥ 4፣1-12 (Peter)
ተሓጋጋዚ ካህን:-   ግብ  28፡11-22 (Acts)
ካህን:- ዮሃ 5፣ 11-13 (John)
መዝሙር ዳዊት፡- እምኣፈ ደቂቅ ወሕጻናት ኣስተዳሎከ ስብሓተ፣ በእንተ ጸላኢ፣ ከመ ትንስቶ ለጸላኢ። መዝ 8፣2።
መዝሙር ዳዊት፡- ምእንቲ ተቓወምትኻ ነቲ ጸላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፣ ካብ ኣፍ ቆልዑን ዚጠብዉን ሓይሊ ኣዳሎኻ። መዝ 8፡2።
Psalms:- “From the lips of children and infants you have ordained praise because of your enemies, to silence the foe and the avenger” Psalms 8:2.
ቅዳሴ፡- ጎርጎርዮስ

                ሆሳእና

ሆሳእና” ዝብል ቃል ካብ እብራይስጢ ዝበቖለ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ "ሕጂ ኣድሕን" ማለት እዩ። እዚ ዕለት'ዚ፣ ክርስቶስ ናብ ኢየሩሳሌም ክኣቱ ኸሎ "ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፣ እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ፣ ሆሳእና ኣብ ኣርያም" ዝብል መዝሙር ዝተዘመረሉ ዕለት እዩ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ደቀ መዛምርቱ ኣብ ኢየሩሳ ዝርከብ ቤተፋጌ ዝበሃል በሪኽ ቦታ በጽሐ። ቤተ-ፋጌ ማለት "ቤት-በለስ" ኢየሩሳም ማለት ድማ ናይ "ሰላም ከተማ" ማለት እዩ። ንቤተፋጌ ገለ ኣቦታት'ውን መስቀላዊ ጎደና ኢሎም ይትርጉምዎ'ዮም። "ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፣ ብኡብኡ እስርቲ ኣድጊ፣ ዒሉኣ ድማ ምስኣ ክትረኽቡ ኢኹም። ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። ሓደ እኳ ገለ እንተበለኩም፣ ጎይታ ይደልዮም ኣሎ በልዎ" (ማቴ 21፣2)። እቶም ሃዋርያት ድማ ከምቲ ዝኣዘዞም ገበሩ። ኣገልግሎት ናይ ሃዋርያት፣ ዝተኣስሩ ብቃል ወንጌል ገይርካ ምፍታሕ እዩ። ርኹሳት መናፍስቲ ዝሓዝዎም ብዙሓት ናይ ሓጢኣት እሱራት ኣለዉ፣ ጎይታ ድማ ንእሱራት ክፈትሑ ኣዚዝዎም እዩ። እቶም ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ዝተፈትሑ ድማ መግለጺ ናይቲ ድንቅ ዝኾነ ክርስቶስን መሕደር መንፈስ ቅዱስን ኮይኖም እዮም። ኣብ መጽሓፈ-ዘካርያስ 9፣9 ዘሎ ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም፣ እቶም ሃዋርያት ጨርቂ ኸዲኖም ሓንቲ ገልገል-ኣድጊ ኣምጽኡሉ። ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ፣ ናይ ሕፍረት ልብሲ ዝቕንጥጥ፣ በደል ዝድምስስ፣ ጎይታ ምዃኑ ክእምቱ ድማ ጨርቂ ኸዲኖም ኣምጽእሉ። እቲ ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ጎይታ ድማ ኣብኣ ተወጢሑ ኣብ ኢየሩሳሌም ዞረ።

ኣድጊ ካብተን ዝተናዕቃ እንስሳ ዘቤት ሓንቲ እያ። እዚ ድማ ነቶም ብመንፈስ ርእሶም ኣትሒቶም ናብ ኣምላኽ ዝጥምቱ የመልክት።(ኢሳ 53፣23፣ማቴ 11፣29 መዝ 50፣17፣18)። ካብቶም ህዝቢ ዝበዝሑ ክዳኖም ኣንጸፍሉ'ሞ (2ይ ነገ 9፣13) "ሆሳእና በኣርያም፣ ሆሳእና ንወዲ ዳዊት" እናበሉ ዘመሩ።

ኣብ መዝሙር ዳዊት፣ “ሆሳእና” ዝብል ቃል ትርጉሙ "[ሕጂ] ኣድሕን ኮታ" ማለት ምዃኑ (መዝ 118፣25) ተገሊጹ ኣሎ። ኣርያም (ላዕሊ) ድማ መሕደሪ እግዚኣብሄር ምዃኑ ስለ ዝገልጽ፣ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ እትነብር ጎይታን መድሓኒን ሕጂ ኣድሕን እናበሉ ጨደሩን ዘመሩን። እዚ ጭደራ'ዚ ኣብ ክልተ ኽኽፈል ይኽእል። እቲ ቀዳማይ ካብ ግዝኣት ሮማውያን ኣድሕነና ዝብል ኣብ እዋናዊ ሽግር ዘተኾረ ኪኸውን ከሎ፣ እቲ ቀንድን ካልኣይን ግና ካብቲ ዘለኣለማዊ ሞት ስጋን ነፍስን ኣድሕነና ዝብል እዩ። ብተወሳኺ "ወዲ ዳዊት ኣድሕነና" ዝብል መልእኽቲ ንሱ እቲ መሲሕ ምዃኑ ዝተረድኡ ነበሩ (ማቴ 12፣ 23። 20፣ 23። 20፣ 30። 22፣41። 9፣2)።

"መንግስቲ ዳዊት" ማለት ድማ እቲ ንዳዊት ዝተዋህበ ተስፋ ከምዝተፈጸመ ይሕብር። መንግስቲ እስራኤል ናይ እግዚኣብሄር መንግስቲ እያ ዝነበረት። ንኹሉ ሰብ ዝገዝእ እግዚኣብሄር ብምዃኑ፣ ካብ ኣዳም ክሳብ ሳሙኤል ንህዝቡ ዝመርሕን ዝኣልን ብዘይካ እግዚኣብሄር ካልእ ንጉስ ኣይነበረን። ኣብ እዋን ሳሙኤል ግና እስራኤላውያን ንጉስ ኣንግሰልና ኢሎም ስለ ዘጕረምረሙ፣ ሳሙኤል ንጉስና እግዚኣብሄር ባዕሉ እዩ እኳ እንተበሎም ንሳቶም ግና ምስማዕ ስለዝኣበዩ፣ ሳሙኤል ንእግዚኣብሄር ሓቲቱ ነቲ ኣእዱግ ዝጓሲ ዝነበረ ሳኦል ኣንገሰሎም። እግዚኣብሄር ክገዝኦ ዝኣበየ ህዝቢ እንሆ በቲ ኣእዱግ ዝጓሲ ዝነበረ ሳኦል ክግዛእ ፈተወ።

ጸኒሑ ግና መንግስቲ ሳኦል ፈረሰት'ሞ፣ ሳኦል ብህይወቱ ከሎ፣ እግዚኣብሄር ንዳዊት ንህዝቡ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ገይሩ ክመርሖም ንዳዊት ቀብኦ። ስለዚ ድማ'ያ መንግስቲ ዳዊት መንግስቲ ናይ እግዚኣብሄር እተባህለት። እግዚኣብሄር ንዳዊት ካብ ዘርእኻ ዝውለድ ሰብ፣ ኣብ ዝፋንካ ክቕመጥ እዩ ዝብል ተስፋ ሃቦ። እዚ ተስፋ'ዚ፣ ቅድም ንሰሎሞን ደሓር ብዓቢኡ ግና ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝእምት ነይሩ። እቲ መልኣኽ’ውን ነዚ ብስራት እዚ እዩ ዘበሰረ (ሉቃ 1፣33)። ስለዚ እታ ብስዉር እትሰጋገር ዝነበረት መንግስቲ እግዚኣብሄር፣ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምውላዱ ስለዝተገልጸት ንምሕባር "መንግስቲ ዳዊት" እናበሉ ዘመሩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ጎይታ ናብ ኢየሩሳሌም ክኣቱ ከሎ "እዚኸ መን'ዩ" እናበለት ብዘላ ከተማ ኢየሩሳሌም ተናወጸት። እቲ ህዝቢ ግና" እቲ ካብ ገሊላ ናይ ናዝሬት ዝመጸ ነቢይ ኢየሱስ እዩ" በለ። ብድሕሪኡ ነቲ ናይ ዕዳጋ መናሃርያ ኮይኑ ዝነበረ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኣጽረዮ። ቤተይ ቤት ጸሎት እምበር ናይ ዕዳጋ ቦታ ኣይኮነን ድማ በሎም። ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ንዕዉራት ዓይኖም ከፈተሎም። ንዝለመሱ ኣሕወዮም፣ ንለምጻማት እንጽሆም፣ ንሕሙማት ፈወሶም። ነቶም ንቤተ መቕደስ ናብ ዕዳጋ ቀይሮም መጋበርያ ረብሓኦም ዝገበርዎ ናይ ኣእምሮ ዕዉራት ሰባት ግና ኣይበርሃሎምን። ምኽንያቱ እቲ ስንኩል ኣተሓሳስብኦም ኣይተቐየረን። ስለዝኾነ ድማ ነቲ "ሆሳእና" እናበለ ዝዘመረ ህዝቢ: ዓርቢ ክስቀል እዩ እናበሉ ፈከርሉ።

ጎይታ ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ኣተወ፣ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ህጻናት ክዝምሩ ምስ ጀመሩ፣ እቶም ዝተረፉ'ውን "ሆሳእና" እናበሉ ምስቶም ህጻናት ክዝምሩ ጀመሩ። እቶም ሊቃውንቲ-ካህናት ዓይኖም ደም መሊኡ ልቦም ብሓዘን ተመልአ’ ሞ "ዝብልዎ ዶ ኣይትሰምዕን ኢኻ? ዘይትገንሖም" ኢሎም ሓተትዎ። ጎይታ ግና "ንሳቶም ስቕ እንተበሉ እኳ እዞም ኣእማን ክዝምሩ'ዮም" በሎም። ቀጺሉ ድማ "ነቲ ጸላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፣ ካብ ኣፍ ቆልዑን ዚጠብዉን ሓይሊ ኣዳሎኻ።"(መዝሙር 8፣2) ዝብል መዝሙር ዳዊት ኣየንበብክሙን ዲኹም ኢሉ ሓተቶም።

እቶም ኣእምሮን ምስትውዓልን ኣለና ዝብሉ ልቦም ክድፈን፣ ኣእምሮኦም ብሰይጣናዊ ሓሳብ ክምላእ ከሎ፣ ካብ ኣፍ እቶም ህጻናት ግና ምስጋና ከም ዝናብ ይዘንብ ነይሩ።

ክቡር ኣማኒ፣ ከም ሃዋርያት ዝእዘዝ ልቢ ክህልወካ፣ እግዚኣብሄር ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ክፈትሓካ ናብ እግዚኣብሄር ጸልይ። ዝተናዕቁ ሰባት ናብ ክብሪ ዘሰጋግር ጎይታ'ዩ እሞ፣ ሓጢኣተኛታት እኳ እንተኾንና፣ ብንስሓ ናብኡ እንተተመለስና ግና ከምዝቕበለና ኣይትዘንግዕ።

ገለ ሰባት ክብሪ ይደልዩ' ኣይረኽቡን፣ ብሰባት ዓበይቲ ክበሃሉ ይብህጉ' ኣይኮነሎምን። እዚ ዝኮነሉ ምኽንያት ድማ ንክርስቶስ ብልቦም ስለ ዘይተቐበሉ እዮም። ኣብዚ ናይ ሎሚ ታሪክ ግና እታ ዝተናዕቀት ኣድጊ ንጎይታ ስለዝተቐበለት፣ ንርእሳ ኣብቲ ዝተነጽፈ ጨርቂ ክትረግጽ፣ ቆጽሊ-ስየ ተወንዚፋ ክትከብር ርኢናያ።  ኩሎም'ቶም ንክርስቶስ ብልቦም ዝቕበልዎ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ይሰጋገሩ ምኽንያቱ ክርስቶስ ክብሪ ናይ ቅዱሳን እዩ'ሞ። እቶም ክብሪ ገዛእ ርእሶም  ዝደልዩ ግና ክብሪ ኣይረኽቡን

ትርጉም፡ ብዲያቆን ዶር. ቴድሮስ ተስፋይን ዲያቆን ዑቕበ ዘመደን ብፍቓድ ደራሲ መም. ልዑለቃል ኣካሉ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div