S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓሳብ እግዚኣብሔር ካብ ሓሳብና ፍልይን ልዕል ዝበለን እዩ

“ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩ’ውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናይ ከም ዝድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና” (ሮሜ 8፡28)

ሓደ ብዅሉ ዝሓልፎ፡ ጽቡቕ ይኹን ክፉእ ዝመስል ነገራት ንእግዚኣብሔር እናኣመስገነ ዝነብር ዝነበረ ነዳቓይ ነበረ። ብዝኾነ ነገር “ኵሉ ንጽቡቐይ እዩ” እናበለ ይነብር ስለ ዝነበረ፡ እቶም መሳርሕቱ “ኵሉ ንጽቡቐይ” ብዝብል ቅጽል ይጽውዕዎ ነበሩ። ካብ መዓልትታት ሓደ ጊዜ ኵሎም እቶም ነዳቖ ስልጣንያታቶም ብሓደ ኣቐሚጦምዎ ከለዉ፡ ሓደ ከልቢ መጺኡ ነታ ስልጣንያ ናይዚ ኵሉ ንጽቡቐይ ዝብል ኣንጠልጢሉ ወሰዳ። ኵሎም እቶም መሳርሕቱ ነዚ ርእዮም ኣላገጽሉ። “ካብ'ዚ ናይዚ ኵሉ ሰብሲ ናትካ ኣልዒሉ ወሲድዋ! እንታይ ዕድሉ እዩ እዚ! ሕጂ'ኸ ንጽቡቐይ እዩ ዲኻ ክትብል?” ኢሎም ሓጨጭሉ። ንሱ ግና፡ “ሕጂ’ውን ኵሉ ንጽቡቐይ እዩ” ኢሉ መለሰሎም። ነታ ስልጣንያኡ ከምጽእ ከኣ ደድሕሪ እቲ ከልቢ ከደ። ንሱ ነታ ስልጣንያኡ ከምጽእ ምስ ከደ፡ እቶም ነዳቖ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ዘይተወድአት፡ ዝተደብደበት ገዛ ኣጽሊሎም ምስሖም እናበልዑ ከለዉ፡ እቲ ገዛ ፈሪሱ ጸቐጦም። ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ከኣ እቲ ነታ ስልጣንያኡ ከምጽእ ዝኸደ ጥራይ ተረፈ። እቲ ከልቢ ነታ ስልጣንያኡ ምውሳዱ ከኣ ከምቲ ዘረብኡ ንጽቡቑ ኮነሉ። ሓሳብ እግዚኣብሔር ካብ ሓሳብና ፍልይን ልዕል ዝበለን እዩ። ንሕና እቲ ዘጋጠመና ጥራይ ኢና እንርእይ፡ ድሒሩ እንታይ ከም ዝኸውን ኣይንፈልጥን ኢና። እግዚኣብሔር ግና ንዅሉ ዝመጽእ ይፈልጥ እዩ።

ናይ ቀረባ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ርሑቕ'ውን ይፈልጥ እዩ። ኣምላኽ ኵሉ ዝኽእልን ሓለፋ እቲ ንሕና ንነፍስና እንሓስበላ ዝግደሰልናን እዩ እሞ፡ ብዅሉ እንሓልፎ እግዚኣብሔር ነቶም እነፍቅሮ ንጽቡቕና ይድግፈና እዩ። ስለዚ በቲ እንሓልፎ ጽቡቕ ይኹን ክፉእ ዝመስል ኵነታት ንእግዚኣብሔር ክብሪ ንሃብ። (ዘፍ 45፡5-7፣ መዝ 145፡17፣ ኤር 29፡8-11፣ እዮ 23፡10)።

ኣስተንትን

1. ብዛዕባ እቶም በቲ ዝሓለፍዎ ክፉእ ዝመስል ነገር እግዚኣብሔር ግና ንጽቡቕ ዝሰጋገርሉ መሳልል ዝገበረሎም እናዘከርካ ኣስተንትንን ተመሃርን?

2. ኣብ ዝሓለፈ ጊዜኻ ሕማቕ ኮይኑ ዝተሰመዓካ፡ እግዚኣብሔር ግና ንጽቡቕካ ዝገበሮ ነገር እንታይ ትዝክር?

3. ሎሚኸ ኣብ እትሓልፎ ዘሎኻ እንታይ ኣሎ ክፉእ ኮይኑ ዝስምዓካ?

ብእትሓልፎ ኵሉ፡ ሓሳብ ኣምላኽ ኣባኻ ኵሉ ጊዜ ናይ ደሓንን ሰናይን እዩ እሞ እስከ ብዛዕባ እዚ ንኣምላኽ ኣመስግን። ብእትሓልፎ ኵሉ ከተመስግን እምበር ከይተጕረምርም ኣምላኽ ክረድኣካ ጸልይ፡ ምስ ገዛእ ርእስኻ ከኣ ኪዳን እቶ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div