S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

‘ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን’

ሳልሳይ ሰንበት ናይ ትንሳኤ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበብ ቅዱስ ጽሑፍ,
ዲያቆን:- 1 ቆረ 15.1-20 (1st Cor)
ተሓጋጋዚ  ዲያቆን:- 1 ዮሃ 1፣1-10 (1st John)
ተሓጋጋዚ  ካህን:-    ግብ  23፡1-10 (Acts)
ካህን:- ዮሃ 20፣ 19-31 (John)
መዝሙር ዳዊት: ይትነሳእ እግዚኣብሄር ወይረዉ ጾሩ። ወይጕየዩ ጸላእቱ እምቅድመ ገጹ፣ ከመ የሃልቅ ጢስ ከማሁ የሓልቁ። መዝ 67፣1-2።
Psalms:- “May God arise, may his enemies be scattered; may his foes flee before him. As smoke is blown away by the wind, may you blow them away;” Psalms 68:12.
ቅዳሴ፡- ድዮስቆሮስ
ያሬዳዊ መዝሙር፡- ይትፌሳሕ ሰማይ ወትትሓስይ ምድር
መዝሙር ዳዊት: ኣምላኽ ይተንስእ፣ ጸላእቱ ፋሕ ይበሉ። እቶም ዚጸልእዎ ኻብ ገጹ ይህደሙ። ትኺ ኸም ዚብተን፣ ከምኡ ትብትኖም። መዝ 68፡1-2።

‘ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን’

ካብ ትንሳኤ ክሳብ ዕርገት ዘሎ ወቕቲ ዘመነ ትንሳኤ ይበሃል። ኣብዚ እዋን'ዚ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ሞት፣ ስቕለትን ትንሳኤን ክርስቶስ ትዝምር። ኣብዚ'ዚ ዕለት'ዚ ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ-መዛሙርቱ ዳግማይ ከምዝተራእዮም እናስተንተነት፣ ንታሪኽ ቶማስ እናገለጸት ትሰብኽ።

ሰላም ውሽጣዊ ዕረፍቲ እዩ። ጎይታ ኣብ ትንሳኤ ይኹን ኣብተን ዳሕረዎት መዓልትታት (ዳግማይ ትንሳኤ) ሰላሞም ተዘሪጉ፣ ቤቶም ዓጽዮም ተኣኪቦም ንዝነበሩ ሃዋርያት "ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን" ኢልዎም። እዚ ምስ በሎም ከኣ ኣእዳዉን ጎድኑን ኣርኣዮም። እዚ ዝኾነሉ ዕለት ትንሳኤ እዩ ነይሩ ቶማስ ድማ ኢየሱስ ክግለጽ ከሎ ምስኦም ኣይነበረን። እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ንጎይታ ርኢናዮ፣ ካብ ሞት ድማ ተንሲኡ'ዩ በልዎ፣ ንሱ ግና ኣሰር እቲ ሽንኻር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርኤኹ፣ ኣጻብዔይ ድማ ኣብቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእተኹ፣ ኣብ ጎድኑ'ውን ኢደይ እንተ ዘየእተኹስ፣ ኣይኣምንን እየ በሎም።

ጎይታ ግና ኣብዚ ዕለት'ዚ ንቶማስ "ኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ፣ ነእዳወይውን ርአ፣ ኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጎድነይ ኣእትዋ በሎ። ቶማስ መሊሱ ‘ጎይታይን ኣምላኸይን’ በሎ። ኢየሱስ ከኣ ሳላ ዝርኤኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፣ እቶም ከይርኣዩ ዚኣምኑ ብጹኣን እዮም በሎ።እቲ ሰላም ስኢኑ ዝነበረ ኣእምሮ ቶማስ ድማ ብሰላም ተመልአ፣ ብክርስቶስ ኣሚንካ ምንባር ንርእሱ ሰላም ይህበካ እዩ ምኽንያቱ ክርስቶስ "ኣቦ ሰላም እዩ'ሞ" (ኢሳ 9፣6-7)። ሃዋርያ ጳውሎስ'ውን "ናይ ሰላም ኣምላኽ" ኢልዎ ኣሎ (ሮሜ 15፣33።ሮሜ 16፣20)። ሰላምና ክርስቶስ ስለዝኾነ፣ ክውለድ ከሎ ጀሚሩ "ሰላም ኣብ ምድሪ..." ዝብል መዝሙር እዩ ዝተዘመረ (ሉቃ 2፣3-14)። ሰላም ናይ ኩሉ ፍጥረት ባዕሉ ክርስቶስ ከምዝኾነ እሞ ልብና ኣብኡ ክጸንዕ ክምህረና ከሎ ድማ"ልብኹም ኣይሸበር፣ ብኣምላኽ እመኑ፣ ብኣይ'ውን እመኑ" (ዮሃ 14፣1) ይብለና። እቲ ንሱ ዝህቦ ሰላም ካብቲ ዓለም እናሻዕ ሰላም እናበለት እትጽውዖ ዝተፈልየ ምዃኑ ከነጸር ከሎ" ሰላመይ እህበኩም፣ ሰላመይ እሓድገልኩም፣ እቲ ኣነ ዝህበኩም ሰላም ከምቲ ዓለም እትህቦ ሰላም ኣይኮነን" (ዮሃ 14፣7) ኢሉ ምሂሩና። ንሃዋርያት ወንጌል ክሰብኩ ክልእኮም ከሎ "ኣብ ዝኣተኹምዋ ቤት፣ ቅድም ነዛ ቤት እዚኣ ሰላም ይኹን በሉ፣ ኣብኣ ወዲ ሰላም እንተሎ ሰላምኩም ኣብኡ ኪሓድር እዩ፣ እንተዜልቦ ግና ሰላምኩም ኪምለሰኩም እዩ" (ሉቃ 10፣5-6) ኢልዎም።

ሃዋርያ ጳውሎስ፣ መስቀል ምንጪ ኹሉ ሰላም ምዃኑ፣ "ብመስቀሉ ገይሩ ሰላም ገበረ" ኢሉ ጽሒፉ (ቆላ 3፣15)። ደጊሙ'ውን "ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ" ይብል። ኣብ ሰላም ክርስቶስ ክንነብር ምእንቲ ድማ "ዚከኣል እንተኾይኑስ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ" (ሮሜ 12.18) ይብል። ኣስዒቡ'ውን "ንሓድሕድኩም'ውን ብሰላም ንበሩ" (1 ተሰ 5፣13-15) እናበለ ደጋጊሙ ይምዕደና።

ክቡር ኣማኒ ምንጪ ኹሉ ሰላምካ መን እዩ?

እቲ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ 'ሰላም' (ገላ 5፣22) ኣብ ህይወትካ ኣለካዶ? እዚ ሰላም እዚ ንመድሃኔ ዓለም ብምእማንን ብምቕባልን ጥራይ ዝርከብ ሰላም'ዩ (ሮሜ 5፣1)። ኣብ ህይወቶም ሰላም ዝስኣኑ ብዙሓት እዮም'ሞ ከምኦም ከይትኸውንሲ እቲ ብመስቀልን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ ዝተረኸበ 'ሰላም' ብልብኻ ተቐብሎ ንርእስኻን ካልኦትን ድማ ንበረኸት ክትከውን ኢኻ።"ኦ ንጉሰ ሰላም ክርስቶስ ሰላመከ ሃበነ" ኣሜን።

ትርጉም፡ ክፍሊ ስነ-ጽሑፍ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፤ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ። ብፍቓድ ደራሲ መም. ልዑለቃል ኣካሉ። posted on 5/8/2009

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div