S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በዓለ ጰራቅሊጦስ 2ይ ሰንበት [Sermon for the Pentecostal Second Sunday]

ኣብዚ ዕለት' ዝንበብ ወንጌል 
ዲያቆን:- 1 ኤፈ 41-7 (Ephesians)
ተሓጋጋዚ ዲያቆን:- 1 ዮሃ 21-8 (John) 
ተሓጋጋዚ ካህን:- ግብ  2፣ 1-4 (Acts) 
ካህን:- ዮሃ 20 1-19 (John) 
ያሬዳዊ መዝሙር፡- ኣርገ እምኃቤሆሙ (ወረደ መንፈስ ቅዱስ) 
መዝሙር ዳዊት፡- ዐርገ ውስተ ኣርያም ጼዊወከ ጼዋ፤ ወወሀብከ ጸጋከ ለእጓለ እመህያው፤ እስመ ይክህዱ ከመ ይህድሩ። መዝ  6818
መዝሙር ዳዊት፡- "ናብ ላዕሊ ደየብካ ምርኮ ማረኽካ፡ ኣብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኪነብሩስ፡ ካብ ሰብ ካብቶም ተጻረርቲ እኳ ውህበት ተቐበልካ።" መዝ  6818 
Psalms:-  “Thou hast ascended on high, thou hast led captivity captive: thou hast received gifts for men; yea, [for] the rebellious also, that the LORD God might dwell [among them]. Psalms 68.18.”
ቅዳሴ፡- ዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም) 

መንፈስ ቅዱስ ስለምንታይ ኣብ ብዓለ-ሓምሳ ናብ ዓለም ወረደ?

ሓይሊ ንምሃብ 

ዓለም ብትምህርቲ ወንጌል ንኽትብጻሕ፡ ነቶም ድኹማት ደቂ ኣዳም ሰማያዊ ሓይሊ ኪለብሱ ኣድላዪ ስለዝነበረ እዩ። “እንሆ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ የሩሳሌም ጽንሑ በሎም።” ሉቃ 24፡49። 

ሓሳዊት ዓለም ንምውቃስ

“ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ እዩ። ብዛዕባ ሓጢኣት ብኣይ ስለዘይኣመኑ፤ ብዛዕባ ጽድቂ፡ ናብ ኣቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ ደጊም ኣይትርእዩንን። ብዛዕባ ፍርዲ ኸኣ፡ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ እተፈርዶ ...” ዮሃ 16፡8-11። እምበኣር በቲ ሓቀኛ ጎይታ አየሱስ ክርስቶስ ዘይምእማን፡ ነቲ ዝተሳዕረ ጸላኢ ውድቀቱ ዘይምርግጋጽ፡ ናብቲ ብምኽንያት ኣቦና ኣዳም ዝፈጸሞ ሓጢኣት ስኢናዮ ዝነበርና ጸጋ ምምላስና ዘይምእማን በደል ስለዝኾነ ብመንፈስ ቅዱስ ይውቀስ። 

ንሰባት ናብ ሓቂ ንምብጽሕ

“እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኩሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።” ዮሃ 16፡13። ንጉስ ዳዊት ከኣ ኣብ መዝምሩ “ናብ ጽድቂ ይመርሓና” (መዝ 143፡10) ይብል። ሓጢኣተኛታት ናብ ንስሓ ይመርሕ (መዝ 15፡8)፤ ኣብ ግዜ ክርክር ንሓቂ ንገልጽን ዘብርህን መንፈስ ቅዱስ እዩ። (ማቴ 10፡20-23)። መንፈስ ቅዱስ ንቤተክርስትያን ናብቲ ሓቂ ዝኾነ ክርስቶስ (ዮሃ 14፡6፤ 1ቆረ 12፡3)።

ነቶም ዝተጎሳቖሉ ሰባት ከጻናንዕ

ዓለም ብሓጢኣትን ፈተናን ዝመልአት ብምዃና ንሰባት ብዘይ መጻናንዒ ኣብ ጓህን ትካዘን እያ ተንብሮም (ዮሃ 14፡16)። ነቶም ንብርሃን ክምስክሩ ዝተላእኩ ሃዋርያት ዓለም ከምእትጻብኦምን ርጉጽ ዝለዝነበረ ኣጻናናዒ መንፈስ ቅዱስ ዝድለዮም (ዮሃ 16፡5-16)። ኣብ ጸባባና በይንና ክንዝኽትም ዘይገድፈና መንፈስ ቅዱስ ክብሪ ይኹኖ።

ብዛዕባ እግዚኣብሔር ወልድ ንኽምስክር

ዓለም ንክርስቶስ ስለዘይፈለጠቶ ንሞት ፈሪዳቶ። ሓዋርያት ነዚ ሓቅዚ ኪምስክሩ ኣባታቶም ሓዲሩ ዝምስክር መለኮታዊ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ተገልጸ። (ዮሃ 15፡27፤ 1ቆረ 12፡3)። 

መንፈስ ቅዱስ ብምንታይ ኣምሳል ናብ ዓለም ወረደ?   

መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳል ኣውሎ ንፋስ

“ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ድሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ።” ግብሪ 2፡2። ብዛዕባዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ትንቢት ኔሩ። “እግዚኣብሔር ንኹራ ደንጓዪ ብዓል ዓብዪ ሓይልን እዩ፡ ነቲ በዳሊ ከቶ ኸም ንጹህ ኣይቆጽሮን፡ እግዚኣብሔር ክም ብሽምቦባን ብህቦብላን እዩ መገዱ፡ ደበና ኸኣ ተጐጓ ኣእጋሩ እዩ።” ናሆም 1፡3። ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስውን ምስ ኒቆዲሞስ መምህር ኣይሁድ ኪዘራረብ ከሎ፡ ኣቐዲሙ መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳል ከምዝግለጽ ተናጊሩ ኔሩ (ዮሃ 3፡8)። 

መንፈስ ቅዱስ ንምንታይ ብኣምሳል እሳት ናብ ዓለም ወረደ   

መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳል ሓዊ ዝወረደሉ መገዲ ኸኣ ህይወት ሓዋርያት ከጽርን ኪቅድስን እዩ። “እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ።” ግብሪ 2፡2። ኣቐዲሙ ብዛዕባ እሳታዊ ኣምሳል እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ተገሊጹ ኔሩ እዩ (3፡11)።ነቲ ሓያል ንዓለም ዝስዕር ንሰዓብቱን ድምጹን ንዝሰምዑን ዘየዘኽትም እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

ትርጉም፡ ክፍሊ ስነ-ጽሑፍ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፤ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ። ብፍቓድ ደራሲ መም. ልዑለቃል ኣካሉ። 06/13/2009

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div