S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቀኖና (ሕጊ) “ቤተ ክርስትያንና”

ቀኖና ማለት ሥርዓት ማለት እዩ

ቀኖና ማለት ሓዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቄረንቶስ ክምዕዶም ከሎብዛዕባ እቲ ነቶም ቅዱሳን ኪኸውን ዚዋጻእ ገንዘብ ግና ከምቲ ንማሕበራት ገላትያ ዝሰራዕክዎ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩ ከም ዝበለ (1ቄረ፡ 16.1) ቀኖና ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስን ብኣፍ ቅዱሳት ሰባት ዝስራዕ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን እዩ።

ቀኖና ሰባት ብኢደ ወነናኦም ከም ዘይሰርዕዎ ሓዋርያ ጳውሎስ ደጊሙ ክገልጸልና ከሎንሕና ኸእ መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ እናኣሰማማዕና መንፈስ ቅዱስ ብዚምህረሉ ቓል እምበር ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና” (1ቄረ፡213)

ጎይታውን እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ። ከም ዝበለ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ብዘይ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኣይስራዕን። (ዮሃ፡1613) እቲ መንፈስ ባዕሉ ከም ዝምህርን ዝመርሕን ድማእቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ ይብል። (ዮሃ፡14 26)

51 . ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ሓዋርያት ኣብ ዮሮሳሌም ተጀመረ

ንመጀመርታ ግዜ እቶም ካብ ኣይሁድነት ናብ ክርስትና ዝኣተዉሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ ጸጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከስ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልናዚብል ስለ ዘይተረድኦም ጌና ሥጋውያን ስለ ዝነበሩ ኣብ ሞንጎ ሥርዓት ሙሴን ሥርዓት ሓዱሽ ኪዳንን ጸጋን እንታይ ምዃኑ ስለ ዘይተረድኦምነቲ ብሕጋጋት ዚቓወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከልና ኣርሓቖ ዝብል ጽሑፍውን ስለ ዘየስተዓልዎ (ቄሌሴ 214) ነቶም ካብ ኣህዛብ ናብ ክርስትና ዝመጹ ዝነበሩ ሓደሽቲ ክርስቲያናት ንስርዓት ሙሴ ክትቅበሉ ኣለኩም እናበሉ ስለ ዘሸገርውም፡ 51 .. ብመሪሕነተ መንፈስ ቅዱስ ሓዋርያት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዮሩሳሌም ተኣኺቦም ሓዱሽ ሥርዓት ሰርዑ። በዚ ምኽንያት ቀኖና ጅመርቱ ሓዋርያት ባዕላቶም ከም ዝነበሩ ክነረጋግጽ ንኽእል። ግብሪ 15141 

ዕላማኡ ንቤተ ክርስቲያን ካብ ኩሉ ስራሕ ሰይጣን ክሕልዋ።

1.ካብ ዘመነ ሓዋርያት ክሳብ ክሕደት ኣርዮስ፥ በብዓይነቶም ከሓድቲ ኣብ ውሽጣ እና በቖሉ የሸግርዋ እኳ እንተ ነበሩ ከምቲ ኣብ ግዜ ኣርዮስን መቅደንዮስን ንስጥሮስን ጌሩ ዝፈታተና ክሕደት ስለ ዘይተራእየ ኣብቲ ግዜ እቲ ንልምዳዊ እምነታ ምስ ዶግማ ኣነጻጺራ ሓንሳብ ንሓዋሩ ብጽሑፍ ክትምዝግቦ ዝኸኣለትሉ እዋን ነበረ።

2.ቀዳማይ ኽሕደት እቲ 325 . ኣርዮስወልዲ ፍጡር እዩዝብል ዘጋጠማ ክሕደት ንዶግማ ኣነጻጺራወልዲ ተወልደ እምበር ኣይተፈጥረንኢላ ኣረጋጊጻ ነቲ ኣብ መዝገብ ዘይሰፈረ ልምዳዊ ትምህርታ ኣብ መዝገብ ከተስፍሮ ቀዳማይ ጉባኤኣ ኣብ ኒቕያ ተጋብኤት። እዞም 318 ሃይማኖቶም ቅኑዕ ዝኾነ 325 .. ኣብ ኒቅያ ዝተጋብኡ ኧቦታት "ወልድ" ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን: ካብ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ: ፍጹም ኣካል ስላሴ እዩ ኢሎም ኣብ ርእሲ ምዝዛሞም፥ ንትምህርቲ ኣርዮስ ሓንሳብ ንሓዋሩ ካብ ማእከል ቤተ ክርስቲያን ኣለይዎ።

3.ድሕሪ እቲ 325 .. ብኣርዮስ ዝተፈጸመ፥ ቤተ ክርስቲያን እንደገና ንኻልኣይ ግዜ 381.. ነቲ መቅዶንዮስ "መንፈስ ቅዱስ" ካብ ኣብን ወልድን ይንእስ ኢሉ ዝመሃሮ ትምህርቲ ክሕደትን ምስኡ ድማ ነቲ ኣጶሎሮስወልዲ ሰብ ጥራይ እዩ ኔሩዝበሎን ንዶግማ ክምርምሩ 150 ኣቦታት ኣብ ቁስጥንጥንያ ተጋብኡ። እዞም 150 ኣቦታት እዚኣቶም ድማ ንዶግማዊ ቃል ኣምላኽ ኣመሳኺሮም "መንፈስ ቅዱስ" ማዕረ ኣቦን ወልድን ከም ዝኾነ: ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ከም ዝዀነን ተኣሚኖም ንእምነቶም መዝገብዎ። ንመቕዶንዮስ ንኣጶለርዮስን ድማ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኣለይዎም።

4.እንደገና 428 .. ነቲ ንስጥሮስማርያም ሰብ ጥራይ ስለ ዝወለደት ወላዲት ሰብ እምበር ወላዲት ኣምላኽ ኣይትብሃልንኢሉ ዝመሃሮ ትምህርቲ ብዶግማ ጌሮም ክምርምሩ 200 ኣቦታት ኣብ ኤፌሶን ተጋብኡ። እዞም ክልተ 200 ኣቦታትድንግል ማርያም ወላዲት ሰብንዝበሎ ክሕደት ምስ ዶግማ ቃል ኣምላኽ ኣነጻጺሮምድንግል ማርያም ወላዲት ኣምላኽ እምበር ወላዲት ሰብ ኣይትብሃልንኢሎም ንንስጥሮስ ካብ ቤተ ክርስቲያን ነጸለልዎ።

5.“ዳኛ ዘየብሉ ነገር ጥፉእ ማሕለኻ ዘየብሉ ጸባ ድፉእከም ዝተባህለ፥ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ብኻልኦትን በዞም ሰለስተ ከሓድትን ዝተፈተነቶ ፈተና ምስ ሓለፈት ኩሉ ግዜ እናተኣከበት ክትከራኸር ከይትነብር ነቲ ኣብ ልምዳ ዝጸንሔ ቆኖናዊ እምነታ ሓንሳብ ንሓዋሩ ኣብ ጽሑፍ ኣስፈረቶ። ንሱ ድማ እቲ ክሳብ ሕጂ ንጥቀመሉ ዘሎና ፍትሓ ሥጋውን ፍትሓ መንፈሳውን ወይ ድማ (ፍትሓ ነገሥት) ተባሂሉ ዝጽዋዕ መጽሓፍ ቀኖና ተባሂሉ ዝጽዋዕ እዩ። 

ፍትሓ ሥጋዌ ዝተጻሕፈሉ ምኽንያት ንጉሥ ቁስጣንጢኖስ ደረት ሠማያውን ምድራውን ምምሕዳር ዘይፈልጥ ስለ ዝነበረ ንቤተ ክርስቲያን ድማ ብቐጥታ ክእዝዛ ዝኽእል ኰይኑ ይመስሎ ስለ ዝነበረ፥ ክሳብቅዱስ ኣትናቴዎስ ሃገር ብነገስታት ትምሓደር ቤተ ክርስቲያን ድማ ብጳጳሳት ትመሓደርእዚ ማለትናይ ቄሳር ንቄሳር ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ ከም ተባሂሉ እዩ፥ ኢሉ ስለ ዝነጸረሉ ቤተ ክርስቲያን ንንጉስ ቁስጢንጢኖስ ሕጊ ፍትሓ ሥጋዌ ሰሪዓ ሃበቶ።

6.ፍትሓ መንፈሳዊ ግና፥ ቤተ ክርስቲያን ንባዕላ እትመሓደሉ ሥርዓታ እዩ። እዚ ድማ እዩ ቀኖና ተባሂሉ ዝጽዋዕ።

ብኻልእ ኣዘራርባ ቀኖና ንምትርጓምን ንምሕላውን ቓል እግዚኣብሔር እዩ ተሰሪዑ። ማለት ናብቲ ንጹህ ዝዀነ ቓል እግዚኣብሔር ኣበር ከይውሰኾ ዝሕሉ ጽሑፋት ሓዋርያትን ኣቦታትን ብመንፈስ ቕዱስ ተመሪሖም ዘቑሙዎ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ንቀኖና እንተነውሔ ከተሕጽረሉ እንተሓጸረ ድማ ክትልቕበሉ በቶም ነዚ ሥርዓት እዚ ዝሰርዑ ኣቦታት ተፈቒዱ ኣሎ። ይኹን እምበር ቀኖና ብምልእታ ቤተ ክርስቲያን (ecumenical Councils) ብመሪሕነት መንፈስ ቕዱስ ስለ ዝስራዕ፥ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ወይ መራሒ ቤተ ክርስቲያን፡ ወይ መራሕ ሃገር፡ ቃሕ ስለ ዝበሎ ተነጺሉ ከውስኽ ወይ ከጉድል ኣይፍቀደሉን። ከመይሲ ቀኖና ሓላው እምነት ሓላው ትምህርቲ ቓል እግዚኣብሔር ስለ ዝዀነ። ነቶም ኣብ እምነት ዘለዉ ኣብ መትከል እምነት ክሳዕ ሞት ምእንቲ ክጸንዑ ካብ ሰበኻ ክሳብ ዓለምለኻዊ ዘለዉ ዘነባብር። ክሳብ ዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከይቅየር ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ዝሕሉ ጽሑፋት እዩ። እቲ ንቀኖና ብዘይ መገዱ ዝወስድ ወይ ዝስዕሮ ንመንፈስ ቅዱስ እዩ ዝጸርፍ።   

ኣብ ወዲ ሰብ ዘረባ ዝበለ ዅሉ ኸኣ ይሕደገሉ፡ ነቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ ግና፥ ኣብዚኣ ዀነ ወይስ ኣብታ እትመጽእ ዓለም፡ ኣይሕደገሉን እዩ። (ሉቃ 1210 ማቴ፡1231-32)  

ሕጊ ንመፍረስቲ ሕጊ እምበር ንሓለውቲ ሕጊ ኣይተሰርዔን

ኣቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ከሎኹ ገሊኦም ካልእ ምህሮ ኸይምህሩ ወይስ ናብ ጽውጽዋያትን መውዳእታ ናብ ዜብሉ ቑጽሪ ወለዶታትን ከየድህቡ ኽትእዝዝ እዚ ኣብ ክንዲ እቲ ብመጋቢነት ኣምላኽ እሙን ምዃንሲ ዚበዝሕ ክትዕ የምጽእ እዩ ኢለ፥ ኣብ ኤፌሶን ክትቕመጥ ከም ዝመዓድኩኻ ሕጂውን ከምኡ እብል ኣለኹ። እታ መደምደምታ ትእዛዝ ግና ፍቕሪ ኻብ ንጹህ ልቢ ካብ ሰናይ ሕሊና፥ ካብ ልግሚ ዜብላ እምነት እያ። ገሊኣቶም ካብዚ ዘምቢሎም ናብ ዘረባ ሃተውተው ተመሊሶም ነቲ ዚብልዎ ወይስ ነቲ ዜረድእዎ ዘየስተውዕልዎ ኽነሶምሲ መምህራን ሕጊ ኺዀኑ እዮም ዚደልዩ።

ግናኸ ነቲ ሕጊ ብመገዲ ሕጊ እንተ ገበርዎስ፥ ሰናይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ሕጊ ንመፍረስቲ ሕጊ እምበር ንጻድቕ ከም ዘይተሰርዔ ካብ ፈለጥናስ ንዘይእዙዛትን ኣምላኽ ንዘይፈልጡን ንሓጥኣንን ንርኹሳትን ንቐለልትን ንቐተልቲ ኣቦኦምን ንቐተልቲ ኣዲኦምን ንቐተልቲ ነፍሲ ነመናዝር ግብሪ ሶዶም ንዚገብሩ፡ ንሸየጥቲ ሰብ ንሓሰውቲ ብሓሶት ንዞምሕሉ ሓደ ኻልእውን ምስቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዚጻረር እንተሎ፥ ንኣታቶም እዩ። እዚውን ከምቲ ንኣይ ሕድሪ እተዋህበ ወንጌል ናይ ብሩኽ ኣምላኽ ክብሪ እዩ።1ጢሞ፡14-11

ሽዑ ፈሪሳውያን ሓያሎ ኻብ የሩሳሌም ዝመጹ ጸሓፍትን ናብኡ ተኣኸቡ። ንሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ብዝረኸሳ ማለት ብዘይትሓጽባ እእዳው እንጌራ ኺበልዑ ኸለዉ ረኣይዎም። ፈሪሳውያን ኹሎም ኣይሁድን ሥርዓት ዓበይቲ ምእንቲ ኺሕልዉ፡ ኣእዳዎም ኣጸቢቖም ከይተሓጽቡ ከቶ ኣይበልዑን ነበሩ እሞ፡ ካብ ዕዳጋ ምስ መጹውን፡ ከይተሓጽቡ ኣይበልዑን ነበሩ። ካልእ ብዙሕ ድማ፡ ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮን ድስትን ዓራትን ዚመስል፡ ኪሕልውዎ ኢሎም እተቐበልዎ ነበሮም። ጸሓፍት ፍሪሳውያንን ድማ፡ ስለምንታይ ደቀ መዛምርትኻ ኸም ብሥርዓት ዓበይቲ ዘይከዱ፡ ኣእዳዎም ከይተሓጽቡ እንጌራ ዚበልዑ፡ ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ በሎም፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ከምቲ ጽሑፍ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ግናኸ ምህሮ ሥርዓት ሰብ እናመሃሩ፡ ብኸንቱ እዮም ዜምልኹኒ ዚብል፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ ተነበየ። ትእዛዝ ኣምላኽ ሓዲግኩም ሥርዓት ሰብ ትሕልዉ ኣለኹም፡ ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮን፡ ብዙሕ ካልእ ድማ ነዚ ዚመስልን ትገብሩ ኣሎኹም። ሥርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ትእዛዝ ኣምላክ ኣፍሪስኩምሲ ጽቡቕ ድኣ።

ሙሴ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቓል ዜውስእ፡ ሞት ይሙት፡ ኢሉ ኣሎ። ንስኻትኩም ግና፡ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ ቑርባን ገይረዮ ኣየ፡ ማለት መባእ እዩ፡ እንተ በሎም፡ ደጊም ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሓደ ነገር ኪገብረሎም ከቶ ኣይተፈቕዱሉን ኢኹም። ምእንቲ እቲ ዝሰራዕኩምዎ ሥርዓትሲ ቓል ኣምላኽ ትስዕሩ፡ ነዚ ዚመስልውን ብዙሕ ትገብሩ ኣሎኹም።

ነቶም ህዝቢ ኸም ብሓዱሽ ጸዊዑ፡ ኩልኹም ስምዑንን ኣስተውዕሉን። ካብ ሰብ ዚወጽእ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱስ ገለ እኳ ኼርክሶ ኣይክእልን እዩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ በሎም። ካብቶም ህዝቢ ተፈልዩ ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ምስላዚ ሓተትዎ። በሎም ከኣ፡ ንስኻትኩም ድማ ክሳዕ ክንድዚ ደናቑርቲ ኢኹም፡ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱ ኹሉ ኼርክሶ ኸም ዘይክእልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ ናብ ከብዲ እምበር፡ ናብ ልቢ ኣይወርድን እዩ እሞ፡ ንኹሉ መባልዕ እናጽረየ ድማ እዩ ንግዳም ዜውጽእ። በለ ድማ፡  እቲ ኻብ ሰብ ዚወጽእ ድኣ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። ካብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ ይወጽእ እዩ እሞ፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ጸርፊ፡ ኹርዓት፡ ዕሽነት። እዚ ዅሉ ክፉእ ካብ ውሽጢ እዩ ዚወጽእ፡ ንሰብ ከኣ የርክሶ። ማር፡71-23

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘንበብናዮ ዘይምሃረ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ሃዋርያት ውዒሎም ሓዲሮም ከም ፈሪሳውያን ክኾኑ ግድን እዩ። ከመይሲ ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ዝርእይዎ ዝነበሩ ዘይተኣደነ ሃይማኖታዊ ውድቀት ምጥሓስ ሕጊን እምበር፡ ምሕረት ፍቕርንሲ ኣይነበረን።

ቀኖና ንምንታይ ኣድለየ

.ንቤተ ክርስቲያን ብስርዓት ምምራሕ።

. ንቤተክርስቲያን ካብ ትምህርቲ መናቓንን ቢጽ ሓሳውያን ንምሕላው

.ቅዱሳት መጻሕፍቲ ካብ ናይ መናፍቓን መጻሕፍቲ ንምፍላት

ካብ ይሁዳ ዝወረዱ ሓያሎ ድማ ነቶም ኣሕዋት፡ ከም ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገዘርኩምሲ ክትድሕኑ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ ኢሎም መሃርዎም። ኣብ መንጎኦምን መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ብዙሕ ምፍልላይን ክትዕን ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጳውሎስን በርናባስን ካባታቶምውን ሓያሎ ኻልኦትን ብዛዕባ እዚ ባእሲዚ ናብ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ ምርደቡ። ግብ፡ 151

ካብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ግን ሓያሎ፡ ኪገዝርዎምን ምሕላው ሕጊ ሙሴ ኺእዝዝዎምን ይግባእ እዩ፡ ኢሎም ተንስኡ። ….ግብ፡155

እምበኣርስኸ ሕጂ ነቲ ኣቦታትናን ንሕናን ክንጸሮ ዘይከኣለና ኣርዑት ኣብ ክሳድ ደቂ መዛሙርቲ ብምንባርኩም ስለምንታይ ንኣምላኽ እትፍትንዎ፧….ግብ፡1510      

. ሓዋርያዊ ሲኖዶስ ዝወሰንዎ ምሉእ ቓል፡

ምሳታቶም ድማ እዚ ጽሑፍ እዚ ሰደዱ፡ ንሕና ሓዋርያትን ሽማግሌታትን ኣሕዋትን ኣብ ኣንጾክያን ኣብ ሶርያን ኣብ ቂልቅያን ካብ ኣህዛብ ንዘሎኹም ኣሕዋት ሰላም ንብለኩም ኣሎና። ንሕና ዘይኣዘዝናዮም፡ ገለ ኻባታትና ወጺኦም ክትግዘሩ ሕጊ ኽትሕልዉ ኢሎም፡ ብቓሎም ከም ዝህውኹኹምን ንልብኹም ከም ዘዕገርገሩን ስለ ዝሰማዕና፡ ምስ እዞም እነፍቅሮም በርናባስን ጳውሎስን፡ ምእንቲ ስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ሰባት፡ ናባኻትኩም እንሰዶም ሰባት ክንሓሪ ሰሚርና ብሓደ ዄንና መደብና። ስለዚ ይሁዳን ሲላስን፡ ንሳቶም ነዚ ብኣፎም ድማ ኪነግርኹም፡ ሰዲድናልኩም ኣሎና። ብዘይ እቲ እተገብኤ፡ ማለት፡ ንጣኦታት ካብ እተሰውኤ ደምን፡ ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ድኣ ኽትክልከሉ እምበር፡ ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩም፡ ንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተራእዩና እዩ እሞ፡ ርእስኻትኩም ካብዚ እንተ ሓሎኹም፡ ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም። ደሓን ኩኑ።  ግብ፡ 1523-29

. ንቤተ ክርስቲያን ብሥርዓት ምምራሕ

1. ኣብ ዘዝኣተውዋ ኸተማ ኸኣ እቲ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣብ የሩሳሌም ዝሓገጉሎም ሕጋጋት ኪሕልዉ ኣዘዝዎም። ስለዚ እተን ማሕበራት በዚ ኸምዚ ብእምነት ይጸንዓ፡ ቁጽረን ድማ ኣብ ጸጽባሕ ይውስኽ ነበረ።……………………………...ግብ፡ 164-5

2. ሕጂ ድማ ብዅሉ ስለ ዝዘከርኩምንን ከምቲ ዝመሃርኩኹም ጌርኩም፡ ነቲ ምህሮ ስለ ዝሓዝኩምዎን እንእደኩም ኣሎኹ።………………………………………፩ቆረ፡112

3. ብሥጋ እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየለኹ፡ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ፡ ስርዓትኩምን ጽንዓት እምነትኩም ብክርስቶስን እናርኤኹውን እሕጎስ ኣሎኹ።………ቆለ፡ 25

4. ደጊም ኣቱም ኣሕዋትና፡ ጸኒዕኩም ቁሙ እሞ ነቲ ብቓልና ወይስ ብደብዳቤታትና እተመሃርኩምዎ ትምህርቲ ሓዝዎ።……………………………………... ፪ተሰ፡215

5. እምብኣርስ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበሎ ምህሮ ዘይነብር፡ ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓው ክትፍለዩ፡ ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም ኣሎና።   ፪ተሰ፡36

6. ግናኸ ዅሉ ድኣ ብሥርዓትን በጋባብን ይኹን።……………………..፩ቆረ፡1440

7. ንቕሑ፡ ኣብ እምነት ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ በርትዑ።………………፩ቆረ፡ 1613

.ቅዱሳት መጻሕፍቲ ካብ ናይ መናፍቓን መጻሕፍቲ ንምፍላይ።

1.ነዚ ኣባና ብርግጽ እተኣምነ ነገር ዛንታኡ ኺጽሕፉ ዚጅምሩ፡ እቶም ካብ መጀመርታ በዒንቶም ዝረኣዩን ኣገልገልቲ እቲ ቓል ዝነበሩን ከም ዝነግሩና፡ ኣታ ኽቡር ቴዎፍሎስ፡ ኣነ ኸኣ ንኹሉ ኣዳላዲለ ኻብ ጥንቲ ሰሚዔዮ እየ እሞ፡ ሓቂ እቲ እተመሃርካዮ ምህሮ ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽይፈልጥሲ፡ በብተራኡ ኽጽሕፈልካ ይረኣየኒ ኣሎ።   ሉቃ፡ 11-4

2.ካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም ከምዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒ ኣሎ። እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን። ግናኸ ንሕና እኳ እንት ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን። ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል ኣሎኹ።…..ገላ፡ 16-9

3.ብትዕስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘብለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ።….…………………………………ሮሜ፡ 154

4.ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካዮ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ ኢየሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተመሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውን፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕጻዕ፡ ንጽድቂ ዚኽውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።፪ጢሞ፡ 314-17

5.ኩሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ ቅድሚ ኹሉ እዚ ፍለጡ። ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፈቓድ ሰብ ኣይመጸን።…………………………………….፪ጴጥ፡ 120-21

ምንጪ መጻሕፍቲ ቀኖና

1. 85 ሓዋርያዊ ቀኖናት፡……………………………………………...…ቀኖና 85

2. ሲኖዶስ ዘቤተ ክርስቲያን ትእዛዝ.57/56………………………….….ቀኖና 56

3. ሲኖዶስ ዘቅዱሳን ሓዋርያት ኣብጥሊሳት 82…………………....……ቀኖና 81

4. ሲኖዶስ ዘቅዱሳን ሓዋርያት ኣብጥሊስ 81………………………..…...ቀኖና 80

5. ሥርዓተ ሓዋርያት ትእዛዝ 80………………………………….…….ቀኖና 80

6. ቀኖና ዘሎዶቅያ፡ (ላኦዶቅያ)……………………………….…...መበል 60 ቀኖና

7. ቀኖና ዘቅርጣግና፡……………………………………….………...….ቀኖና 24/32

8. መልእኽቲ ኣትናቴዎስ…………………………………..…መልእኽቲ መበል 39

9. ቀኖና ጎርጎርዮስ……………………………………………...….....ቀኖና 1

10. ቀኖና ኣምፊሎክዮስ ዘኢቆንዮን………………………….…………ቀኖና 1

11. ፍትሓ ነገስት ኁልቄ መጻሕፍቲ…………………………………..ዓንቀጽ 2

ቀኖና ክመሓየሽ ይኽእል እዩ፡

ቀኖና ክመሓየሽ ይኽእል እዩ፡ ዝመሓየሸሉ ግና፡ ብጉባኤ ቕዱስ ሲኖዶስ ጥራይ እዩ። ንምስክር ድማ ከምዚ ዝስዕብ ጌርና ነቕርብ።

1. “ኩሉ ብስርሑ ፍጹም ዝኽነ፡ ነቲ ጎደሎ ዝዅነ ክስዕር ይኽእል እዩ። ስለዚ ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ሕጊ (ወንጌል) ነቲ ቅድሜኣ ዝነበረ ሕጊ (ኦሪት) ሰዓረቶ። ወንጌል ግና ካብኣ ዝበልጽ ስለ ዘየለ፡ ክትሰዓር ኣይግብኣን። ወንጌል ናይ ኩሉ ፍጽምና ሕጊ ድማ እያ /ነገስት ገጽ 7

2. “መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኩላትና ሓዲሩ እዩ እሞ፡ ንሕና ዘጉደልናዮ እንተሎ፡ ንስኻትኩም ብኽርዳእ ዝኽእል መገዲ ፍረዱ……………………………………………..ትእዛዝ 71

3. “ዝዅነ ካባና ዝተረፈ ኤጲስቆጶስ ይፈጽምዎ…………………………ትእዛዝ 35

4. “ፍቑራት ኣሕዋትና ቤተ ክርስቲያን ናብ ወደብ ጸጥታ ምእንቲ ክትምራሕ፡ ካባና ዝተረፈ ዘበለ ዝኾነ ዓይነት ሥርዓት ክሰርዕ፡ እግዚኣብሔር ይግለጸሉ...ትእዛዝ 47

5. “እምበኣርከስ፡ ኣብ መውዳእታ ናይዚ መጽሓፍ እዚ፡ ንሊቓውንቲ ዘድልዮም ዘበለ ተጻሒፍሎም ኣሎ። ኣብ ልዕሊኡ ክውስኹ ወይ ክቕንሱ ድማ ተፈቒድሎም ኣሎ /ንገ መቕድም11.

መጠቓለሊ

ዓላማ ቀኖና

ብዛዕባ ኣሽያይማን ኣመሓዳድራን ውሉደ ክህነት።ግብ፡273-10 ፩ጢሞ31-13 ግብ፡61-7

ብዛዕባ ኣጽዋማት መዓልታትን ኣመጋግባን ወርሓቱን፡ 2ሳሙ፡ 1221 1ነገ፡ 219 እዝ፡821 ማቲ፡616..914…915 ሊቃ፡1812 ግብ፡279 ግብ፡132-3

ብዛዕባ በዓላት ምውሳኽን ምቅናስን፡ መዓስ ከም ዝውዕሉን፡ ምሳ፡ 1515 1ቆረ፡58 ኢሰ፡256

ብዛዕባ ቅዳሴን ስርዓተ ቅዳሴን መዓስን ከመይን ከም ዝኸውን፡ ግብ፡ 519  ግብ፡132

ብዛዕባ ደቂ ኣነስትዮን ደቂ ተባዕትዮን መውጽእን መእተውን ኣፍደገታት ምሕላው፡

ብዛዕባ ኣገልግሎት ጥምቀት ኣብ 40 መዓልትን 80 መዓልትን

ብዛዕባ መስቀል ምስላም፡

ብዛዕባ ቅዱሳት ስእልታት፡

ብዛዕባ ኣገልግሎት ታቦት ሓዱሽ ኪዳን፡

ብዛዕባ ኣገልግሎት ቤተ መቕደስ፡

ብዛዕባ ኣገልግሎት ንስሓ

ብዛዕባ ተስካርን ዝክርን፡

ብዛዕባ ጸሎተ ፍትሓትን ዝኣመሰሉ ዝሕግግን ዝሰርዕን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ቀኖና መገዱ ከይሰሓተ ኣብ ኣድላዪ ዝዅነ እዋን ክመሓየሽ ይኽእል እዩ።

ስለዚ ዶግማ ኣይመሓየሽን፡…..ቀኖና ግን ይመሓየሽ።

ዶግማ ኣይቅነሶን፡………ቀኖና  ግን ይቅነሶ።

ኣብ ዶግማ ሓንቲ ቃል ወይ ፊደል ክትውስኽ ኣይትኽእልን፡ ቀኖና ግና ይውሰኾ።

ተፈጸመ

ብዶ/ ሽሞንዲ ኃይለ

posted 23 August 2008 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div