S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እንቋእ ናብዚ ቅዱስ በዓል ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብጽሓና።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ። ኣሜን።
ክቡራንን ክቡራትን ምእመናን ኣብ ውሽጥን ወጻእን።

እንቋእ ናብዚ ቅዱስ በዓል ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብጽሓና።ሱባኤና ብሰላም ኣፈጺሙ፡ ናብዚ ዝተቐደሰን ዝተባረኸን፡ በዓለ ትንሣኤ፡ ዘብጽሓና ኣምላኽ

ክብርን ምስጋናን ይኹኖ ኣብዚ ዝሓለፈ ሱባኤ፡ ዝተገብረ ጾምን ጸሎትን፡ ዝበጽሐ ወዳሴን ቅዳሴን  እግዚኣብሔር ይቀበሎ። ኣሜን።

"ወይእዜኒ ክርስቶስ ቀደመ ተንሥኦ፡ እምኵሎሙ ሰብእ እሙታን። ሕጂ ግና፡ ክርስቶስ ካብ ምዉታት ተንሥአ፡ በዚ ከኣናይቶም ዝሞቱ በኹሪ ትንሣኤ ኮነ።” ( ቈረ ፲፭፡፳) መድኃኒ ዓለም ክርስቶስ ንድኅነት ደቂ ኣዳም ሥጋ ለቢሱ፡ ኣብእፀ መስቀል ምስ ሞተን ምስ ተቐብረን፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልቱ፡ መግነዝ ፍትሑለይ፡ መቓብር ክፈቱለይ ከይበለብኃይሊ ኣምላኽነቱ፡ ብገዛእ ርእሱ፡ ተንሥአ። እዚ ትንሣኤ እዚ ናይቲ ኣብ መወዳእታ ዓለም ዚኸውን ትንሣኤ ዘጉባኤ፡(ናይ ኃባር ትንሣኤ) በኹሪ እዩ።

ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካልኣይ ሞት ዘይብሉ፡ ሓንሳእን ንሓዋሩን እዩ ተንሢኡ። በዚ ድማ፡ ነዞም ኣብዳግማይ ምጽኣተ ክርስቶስ ሓንሳብን ንሓዋሩን፡ እንትንሥእ፡ በኹሪ ትንሣኤ ኮነና።ወበከመ በእንተ ኣዳም ኩልነንመውት፡ ከማሁ በክርስቶስ ኩልነ ንሓዩ። ወኩሉ ሰብእ በበሥርዓቱ፡ ቀዳሚ ክርስቶስ ውእቱ ዘተንሥኣ እሙታን ወእምዝእለ በክርስቶስ በምጽኣቱ።” “ከምቲ ኩላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ሕያዋን ክኾኑ እዮም፡ግናኸ ነፍሲ ወከፍ፡ በብመስርዑ እዩ። ቅድም ክርስቶስ፡ ከም በኹሪ፡ ደሓር ኣብ ዳግማይ ምጽኣት እቶም ናይ ክርስቶስዘበሉ።” ( ቈረን.፲፭፡ ፳፪- ፳፫)

ኣብ ትንሣኤ ዘጉባኤ (ናይ ሓባር ትንሣኤ) ጻድቃንን ኃጥኣንን ኩሎም፡ ምውታት ኪትንሥኡ እዮም። እንተ ኾነ ከምቲቅዱስ ወንጌልወበእንተ ዝንቱሰ፡ ኢታንክሩ እስመ ትመጽእ፡ ሰዓት ዘይሰምእዎ ቃሎ ኵሎሙ እለ ውስተ መቃብር፡ወይወጽኡ፡ እለ ሠናይ ገብሩ ውስተ ትንሣኤ ዘለሕይወት፡ ወእለሰ፡ እኩየ ገብሩ፡ ውስተ ትንሣኤ፡ ዘለደይን” “ኣብመቓብር፡ ዘለው ኩሎም፡ ድምጹ ዚሰምዕላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ጽቡቕ ዝገበሩ፡ ናብ ትንሣኤ ሕይወት፡ ክፉእ ዝገበሩናብ ትንሣኤ ፍርዲ፡ ክወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።” (ዮሓ. - ፳፰- ፳፱) ዝበሎ እዩ።

እምበኣር ናብ ትንሣኤ ሕይወት፡ ክንትንሥእ በቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተሰቕለ ካብ የማናይ ጎድኑ ዝፈሰሰ፡ማየ ጎቦ” (ዮሓ. ፲፱፡ ፴፬) ተጠሚቕና ተኻፈልቲ ሞቱን ትንሣኤኡን ክንከውን ይግብኣና።

ወዘንተ ባህቱ፡ ኣእምሩ ኵልክሙ፡ ከመ እለ ተጠመቅነ፡ በእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ውስተ ሞቱ ተጠመቅነ፡ወተቀበርነ፡ ምስሌሁ፡ ውስተ ጥምቀት፡ በሞቱ ከመ በከመ ውእቱ ክርስቶስ ዘተንሥኣ፡ እሙታን በስብሓተ ኣቡሁ ከማሁ፡ንሕነኒ ናንሶሱ ውስተ ሓዳስ ሕይወት።” “እቶም ብክርስቶስ ዝተጠመቕና፡ ዘበልና ኩላትና፡ ብሞቱ፡ ከም ዝተጠመቕናዶኣይትፈልጡን ኢኹም። እምበኣር ከምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦ ካብ ምውታት ዝተንሥአ፡ ከምኡ ከኣ ንሕና፡ ብሓዳስሕይወት፡ ምእንቲ ክንነብር፡ ብጥምቀት ምስኡ ሞትናን ተቐበርናን።ሮሜ. - ፬።

ከምኡውንዘበልዓ ሥጋየ፡ ወሰትየ ደምየ፡ ሕይወት ዘለዓለም ወኣነ ኣነሥኦ በደሓሪት እለት” “ሥጋይ ዝበልእ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ከተንሥኦ እየ።”(ዮሓ. ፮፡ ፶፬) ዝበለናቅዱስ መጽሓፍ፡ ተቐቢልና፡ ናይ ሕይወት ትንሣኤ ንኽንትንሥእን፡ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንኽንረክብን፡ ትእዛዝ ኣምላኽየፈጽመና።

ቅዱስ በዓል ትንሣኤ፡ ርሑስ ዓውደ ዓመት ይግበረልና። ከምዚ ንዓመታ፡ ብሓጎስ ብጥእና የብጽሓና።
እንበለ ደውየ ወሕማም፡ እንበለ ጻእር ወድካም፡ በፍስሓ ወበሰላም ኣመ ከመ ዮም ያብጽሓነ፡ ያብጽሕክሙእግዚኣብሔር።
ሃገርና ክልልት በግርማ፡ ሕጽርት በመንፈስ ቅዱስ ትኩን ኣሜን።
ጸጋሁ፡ ለእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስሌክሙ፡ ወፍቅረ ዚኣየ ምስለ ኩልክሙ፡ በክርስቶስ ኢየሱስ ኣሜን ቈረ. ፲፮፡፳፫- ፳፬። ኣኃዊነ ጸልዩ ለነ። ተሰሎ. ፳፭
ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሃገረ ኤርትራ

ኣብ 2005 .ምሕረት ኣብ በዓል ትንሳኤ ካብ ዝተመሓላለፈ መልእክቲ ዝተወስደ እዩ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div