S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብትንሣኤ ሙዉታን ተስፋ ንገብር (2ይ ክፋል)

ሞት ንወዲ ሰብ ኣይተፈጥረን

ሞት ብቕድሙ ምሳና ኣይተፈጥረን፡ ድሒሩ ግና ብሰሪ ኣበሳና መጸና። ምውላድን ምንባርን ትን ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ተደጋጊሞም ስለ ዝተእዩ፡ ተፈጥሮ ሕጊ ኰይኖም ስለ ዝተራእዩ፡ ንወዲ ሰብ ከተረድኦ ኣዝዩ ዝቐለለ እዩ ብዛዕባ ትንሣኤን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ክትነግሮ ከሎኻ ግና ብፍላይ

ንገሊኦም ከም ጋሻ ነገር ዝንገር ዘሎ ኰይኑ ይስምዖም ጥራይ ዘይኰነ ንባህርያ ተፈጥሮ ትቃወም ዘሎ ኰይኑ ይስምዖም። ብሓቂ ግና ኣብ መጀመርታ መጽሓፍ ዘፍጥረት ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ኹሉ ፍጡር እንተ ተመልከትና ሞት ምሳና ኣይተፈጥረን ከመይሲ ሰብ ከም መላእኽቲ ንዘለዓለም ዘይመውት ኰይኑ ድኣ ተፈጥረ እምበር ክመውት ከም ዘይተፈጥረ ኢና ነንብብ

እግዚኣብሔር ብመጀመርታ ንሰብ ብምስሉን ኣርኣያኡን ገይሩ፡ ናይ ሕይወት እስትንፍስ ክሰኹዓሉ ከሎ፡ ንነፍሱ በይና ዘለዓለማዊት ክትከውን ኢሉ ጥራይ ዘይከነስ፡ ከምቲ ነፍሱን ሥጋኡን ተዋሃሂዱ ዝተፈጥረ፡ ተዋሃሂዱ ንዘለዓለም ክነብር ኢሉ እዩ ዝፈጠሮ። ስለዚ ድማ እዩ ንኣዳምን ሔዋንን ኣብ ክንዲ ኣብዚ ሕጂ እንነብረሉ ዘሎና ሞት ዘለዎ ዓለም ዝፈጥሮም፡ ኣብቲ ሓጐስ ደስታን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ዘለዎ ገነት ክነብሩ ኢሉ ኣብኣ ዝፈጠሮም። ኣብ ገነት ሕማም ይኹን ሞት ፈጺሙ ኣይነበረን። እኳ ድኣ ኣዳምን ሔዋንን ክመቱ ከለዉስ ካብ ገነት ወጺኦም ድኣ ሞቱ እምበር ኣብ ገነት ኣይሞቱን።

ስለዚ ሞት ብቕድማ ንወዲ ሰብ ኢላ ስለ ዘይመጸት ምስ ሕጊ ተፈጥሮ ሰብ ዘይትቃዶ ኰነት ወዲ ሰብ ድማ ምልማዳ ሰኣነ፡ ሞት ክሰምዕ ከሎ እናበኸየ እናሓዘነን ይነብር ኣሎ። እሞኸድኣ ሞት ድኣ ከመይ ኢላ ኣብ ሕይወት ወዲ ሰብ ክትመጽእ ከኣለት፧ ንዝብል ሕቶ ግና መጻሕፍቲ ከምዚ ገይሮም ይምልስዎ: "ንሞት ኣምላኽ ኣይፈጠሮን ኣብ ሕይወትካ ብእትገብሮ ጌጋ ሞትካ ኣይትዓድም፡ ብተግባር ኣእዳውካ'ውን ጥፍኣትካ ኣይትዓድም። ንሞት ኣምላኽ ኣይፈጠሮን፡ ብሞት ሕያዋን ከኣ ባህ ኣይብሎን እዩ። እግዚኣብሔርሲ ፍጥረት ዘበለ ዅሉ፡ ሕያው ኮይኑ ኺነብር እዩ ዝፈጠሮ። እቲ ንሱ ዝፈጠሮ ዅሉ ድማ ጥዕና ዝመልኦን ሠናይን እዩ ኣብኣቶም ሞት ዜስዕብ መርዚ የብሎምን። ኣይፋልን! ነዛ ዓለም እዚኣ ሞት ኣይኰነን ዚገዝእ። ከመይሲ ፍትሒ እግዚኣብሔር ኣይመውትን እዩ። ሓጢኣተኛታት ሰባት ግና ብዛዕባኦምን ብግብሮምን ንሞት ጸውዕዋ። ንፈታዊቶም ከም ዚምነይዋ፡ ንሞት ተመነይዋ። ምስ ሞት ቓል ኪዳን ተኣታተዉ፡ ልዕሊ እቲ ዚግብኦም ከኣ ረኸቡ።" (መጽሓፍ ጥበብ)

ኣብዚ ጥቅሲ እዚ ሰባት ተባሂሎም ዘለዉ ንኣዳምን ሔዋንን ጥራይ ዝምልከት ኣይኰነን ከመይሲ ቃኤል ናይ መጀመርታ ቀታል ነፍሲ ኰይኑ ነፍሲ ሓዉ ስለ ዘጥፍኤ ሞት ኣምጽኤ። ግናኸ ናይ መጀመርታ ቀታሊ ማለት ድኣምበር፡ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ኣቤል ስለ ዝፈጸመ ናይ ሞት መንቀሊ ንሱ ኣይነበረን። ሞት በቶም ናይ መጀመታ ዝተፈጥሩ ኣዳምን ሔዋንን ሕጊ እግዚኣብሔር ሒሶ በደል ስለ ዝፈጸሙ እዩ ዝመጸ (ዘፍ፡ 217) ስለዚ እታ መጀመርታ ሓጢኣት ሞት ኣምጽኤት (ዘፍ፡ 316-19) ንሳቶም ሕጊ ፈጣሪኦም ምስ ሰዓሩ ንባዕላቶም'ውን ንመጀመርታ ግዜ ካብ ተፈጥሮኣዊ ሕጋዊ ክብሮም ተሳዕሩ ዝነበሮም ጸጋ እግዚኣብሔር ተቐን ጥራሖም ኰኑ። መከራን ሞትን ኣብ ዘለዎ ዘይባህርያዊ ሕጊ ሥርዓት ኣትዮም ክነብሩ ጀመሩ። ካብታ ግዜ እቲኣ ጀሚሩ ግና ባዕላቶም ዘይነበረ ሞት፡ ምንባር ስለ ዘምጽእዎ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ኰኖም። ኩላቶም ካብኣቶም ዝተወልዱ ዘበሉ ድማ ናይ ሞት ተኻፈልትን ወረስትን ኰኑ "ስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት'ውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ።" (ሮሜ 512) ተባሂሉ ተጻሕፈ

ተስፋ ትንሣኤ ሙዉታን ኣብ ብሉይን ሓድሽን ዳናት

እቲ ደቂ ኣዳም ክጠፍኡ ዘይፈቱ እግዚኣብሔር ኣምላኽ፡ ንሰብ ናብታ መጀመርታ ዝሃቦ ቦትኡ ምእንቲ ክመልሶ ኢሉ፡ ንሓጢኣትን ንሞትን ካብኦም ኣልጊሱ፡ ናብ ገነት ከም ዝመልሶ ብነብያ ገይሩ ፍቓዱ እንታይ ከም ዝዀነ ገሊጹልና እዩ። ኣብ መዝሙር ዳዊት ንገጽ ምድሪ ትሕድሶ (መዝ 104-30) ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፡ ኣብ ሓድሽ ድማ፡ "እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣሎኹ" (ራእ 215) ተባሂሉ ተጻሕፈ ነቢይ ኢሳይያስ'ውን "ምውታትካ ህያ ኪዀኑ፡ ሬሳታተይ ኪትንሥኡ እዮም። ኣውልኻ ኣውሊ ብርሃን እዩ፡ ምድሪ'ውን ንምዉታት ከተውጽኦም እያ እሞ፡ ኣቱም ኣብ ሓመድ እትነብሩ፡ ንቕሑ እልል ከኣ በሉ" (ኢሳ፡2619) እዚ ኣብ መወዳእታ ዓለም ስለ ዝፍጸም ትንሣኤ ዘጉባኤ እዩ ዘረድኣና። ከምኡ'ውን ኣብ ትንቢት ዳንኤል ስለ ምሥጢረ ትንሣኤ ሙዉታን ብዝበለጸ ፊሑ ተጻሒፉ ኣሎ "በቲ ዘመን' ሚካኤል፡ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ ዚቐውም ዓብዪ መስፍን፡ ኪትንስእ እዩ። ሽዑ ዘመን ጸበባ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡስ ካብታ ህዝቢ ዝሃለዉላ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ከቶ ዀይኑ ኣይፈልጥን። በታ ጊዜ እቲኣስ ህዝብኻ፡ ኣብ መጽሓፍ ተጽሒፉ እተረኽበ ዘበለ፡ ኪድሕን እዩ። ካብቶም ኣብ መሬት ምድሪ ደቂሶም ዘለዉስ ብዙሓት፡ ገሊኦም ናብ ናይ ዘለዓለም ህይወት፡ ገሊኦም ከኣ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለዓለም ነውርን ኪበራበሩ እዮም። እቶም ጠቢባን ከም ምንጽብራቕ ጠፈር፡ እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ  ዚመርሑ ኸኣ ከም ከዋክብቲ ንዘለኣለመ ኣለም ኪበርሁ እዮም" (ዳን፡121-3) ገሊኦም ናብ ናይ ዘለዓለም ህይወት ዝተባህለ ናይ ጻድቃን ትንሣኤ ናብ ክብሪ ዘመልክት ኰይኑ ገሊኦም ድማ ናብ ናይ ዘለኣለም ሕፈረትን ነውርን ዝብሎ ዘሎ ድማ፡ ናይ ሓጥኣን ትንሣኤ ናብ ረትን ውርደትን ዘመልክት ኣዩ። እዞም ጥበበኛታት ተባሂሎም ዘለዉ ድማ ጻድቃን እዮም። ንሳቶም ብትንሣኤ ዘጉባኤ ከም ጸሓይ በሪሆም ከም ከዋኽብቲ ኣንጸባሪቆም ዝረኣይሉ፡ እግዚኣብሔር ዝህቦም ናይ ክብሪ ጸጋ እዩ ዝገልጽ። ብግዜ ትንሣኤ ምሰየናይ ወገን ክንትንስእ ከም እንደሊ ሕጂ ባዕላትና ንወስን።

ሞት ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ ኣንታ ሲኦልከ ኣበይ ኣሎ ዓውትካ

ሰብ ናብቲ ናይ ቀደም ጸጋዊ ክብሩ ዝመልስ፡ ሓጢኣቱ እንተ ተሓድገሉ መርገሙ ኣብ ባሕሪ ምርሳዕ እንተ ጠሓለሉ ጥራይ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዋጋ ሓጢኣት-ሰብ ክኸፍል ኢሉ ዝመጸ። ነቲ ብምኽንያት ሓጢኣት ዝመጸ ፍርዲ ሞት፡ ኣብ ገዛእ ሰብነቱ ተቐበሎ፡ ካሕሳ ንሞት ስለ ዝኸፈለ ድማ፡ ካብ ዕዳ ሓጢኣት ሓራ ገበረና። ሞቱ ገይሩ ድማ ዓና ደቂ ኣዳም፡ ካብ ናይ ዘለዓለም ጥፍኣት ናብ ናይ ዘለዓለም ህይወት ኣሰጋገረና። ስለዚ ድማ እዩ ጐይታ ብዕለተ ዓርቢ ኣብ መስቀል ምስ ተሰቅለ ቅድሥቲ ነፍሱ ካብ ቅድሥቲ ሥጋኡ ምስ ተፈልየት፡ ካብቶም ኣብ መቓብራት ደቂሶም ትንሣኤ ሙዉታን ዝጽበዩ ዝነበሩ ብዙሓት ጻድቃናት፡ መቓብር ከፊቶም ብሥጋ ተንሲኦም ዝተራእዩ። (ማቴ፡2752) ዕለት እቲኣ ድማ እዩ ነቶም ኣብ ሲኦል ዝነበሩ ቅዱሳት ነፍሳት ዘበሉ ካብ ሲኦል ኣውጺኡ ናብ ገነት ዘእተዎም። ስለዚ ጐይታ ቡር ሞቱ መስዋእቲ ኰይኑ ንሞት ስዒሩ፡ ንነፍሲ ኣዳም ናብ ናይ ቀደም ቅድሚ ሓጢኣት ዝነበረትሉ ዘመን ዝመለሳ። ኣብ ዝመጽእ ድማ ነፍሱን ሥጋኡን ኣወሃሂዱ ናይ ክብሪ ትንሣኤ ሂቡ መንግሥተ ሰማይ ከውርሶ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ሞት ኣበይ ኣሎ ዓወትካ ኣንታ ሲኦልከ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፡ ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ። ግናኸ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ” (1ቄረ፡1555-58) ዝተባህለ።

መቓብራት ፈቱ ኩላቶም ሙዉታን ንስእሉ ግዜ መዓስ እዩ፧ ንዝብል ሕቶ መልሱ ግልጺ እዩ። ኩላቶም ምዉታት ዝትንሥእሉ ግዜ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ትንሣኤ ግዜ ክርስቶስ ብኽብሪ መንግሥቱ ምስ ተገልጸ እዩ ዝፍጸም። "ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዕላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሣኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትገረሙ" (ዮሃ፡529) ተባሂሉዶ ተጻሒፉ ኣየሎን እቲ በታ ቀዳማይ ምጽኣቱ ማለት ብዕለተ ዓርቢ ጐይታ ዝፈጸሞ ናይ ምድሓን ስራሕ ንነፍሲ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንነፍስን ሥጋን ብምውህድን ብፍጹምነትን ብምልኣትን ዝፍጸም ብዳግማይ ምጽኣቱ ምስ ተገልጸ እዩ። ኣመጻ ካልኣይ ምጽኣቱ ድማ ከምቲ በቲ ቀዳማይ ምጽኣቱ መልክዕ ባርያ ለቢሱ፡ ኣገልጋ ኰይኑ፡ ብትሕትናን ብውርደትን ዝተገልጸ ኣይኰነን።

posted April 8, 2010 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div