S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3
መቸም ደቂ ሰባት ብብዙሕ ዝዓይነቱ መንገዲ ክንፍተን ንኽእል ኢና። እቲ ፈተና ድማ ካብ ዝተፈላለየ ክመጽእ ይኽእል እዩ። ከምቲ ንብረት ወይ ኣቅሓ ትፍትኖ ሰብውን ብሥጋውን ብመንፈሳውን ክፍተን ይኽእል እዩ። ወርቂ ናይ ብሓቂ ወርቂ ምኻኑ ብሓዊ ምዝፍተን ሽዑ ኣዝዩ ይበርህ ይደምቅ ጽሩይ ወርቂ ምኻኑውን ተረጋግጽ። ብሥጋ እንተሪኢናዮውን ፈተናታት ምስትሓልፍ ኢኻ ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ ካብ ደረጃ ናብ ደረጃ
እናሓለፍካ ኣብቲ ዝልዓለ ትበጽሕ፡ ኣብ ጊዜ ፈተና ዘይሓልፍ ተማሃራይ ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ ክሓልፍ ኣይክእልን እዩ። ከምኡውን መንፈሳዊ ፈተና ኣሎ። ከምቲ ወርቂ ብሓዊ ምስተፈተነ ወርቂ ምኻኑ ዝረጋገጽ ክርስቲያን ድማ ብፈተና ምስዝሓልፍ ጥራሕ እዩ ናይ ብሓቂ ክርስቲያን ዝባሃል ብሩህ ተስፋውን ዘሎዎ።  ኣብ መዝሙር ዳዊት 46 ፍቅዲ 10። ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምኻነይ ኣስተብህሉ።ኣብ ጊዜ ፈተና ህድኣት የድልየና ኣምላኽ ምሳና ከምዘሎውን ከነስተብህል ይግባእ። እዚ ድማ ፈተና እንተዘይሃልዩ ጸሎት የለን። ጸሎት እንተዘይሃልዩውን ምስ እ/ሔር ምርኻብን ምዝራብን የለን። ምስ እ/ሔር ምዝራብን ምርኻብን እንተዘይሃልዩ ድማ ተስፋ ትንሣኤን ዘልኣለማዊ ሕይወትን የለን ማለት እዩ። እምበኣር ፈተና ናብ ጸሎት ዝጸምደካ ጸሎትውን ምስ ፈጣሪኻ ዘራኽበካ ምስ ፈጣሪኻ ምዝራብውን ዘልኣለማዊ ሕይወት ዘውርሰካ እንተዳኣ ኮይኑ ብኡኡ ክንሓልፍ ናይ ግድን እዩ። ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 4 ፍቅዲ 4 ዝብለና። ጐይታ ብሰማርያ ንምሕላፍ ከኣ ናይ ግዲ ኮኖ። ናይ ጐይታ ብሰማርያ ምሕላፍ ምስታ ሰበይቲ ኣብቲ ሩባ ምዝራብ እሞ በታ ሰበይቲ ዝገበርክዎ ኩሉ ዝነግረኒ ሰብኣይ አብዚ አሎ ንዑ ርኣዩ ምስ በሎቶም ካብታ ከተማ ብዙሓት ሳምራውያን ብኡኡ ኣመኑ። እታ ናይ ክርስቶስ ብግዲ ብሰማርያ ምሕላፍ ንሳምራውያን እንታይ ኮኖቶም ድሕነት።

ታሪኽ ቤተክርስቲያና ከምዝምህረና ቤተክርስቲያን ካብ ጥንቲ ጀሚራ ካብ ፈተና ዓዲ ውዒላ ኣይትፈልጥን እያ። ቤተክርስቲያን መን እዩ እዚ ህንጻ ድዩ ኣይኮነን።1ይ መል ጳው ናብ ሰብ ቆሮ ምዕ 3 ፍ 16,17። ቤተ መቅደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ አባኻትኩም ሓዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ሓደ እኳ ነታ ቤተ መቅደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቅደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ እዛ ቤተ መቅደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም። ከም ቃል ሃዋርያ ጳውሎስ እምበኣር ቤተ መቅደስ ኣምላኽ ንሕና ኢና። ቤተ መቅደስ ኣምላኽ ንሕና እንተኾይና እምበኣር ፈተነ ክንፍተን ዘሎናውን ንሕና ኢና ማለት እዩ።

ድሕሪ ክረምቲ ቀውዒ ድሕሪ ለይቲ መዓልቲ ኣሎ።ድሕሪ ፈተናውን ከምቲ ሃዋርያ ያዕቆብ ምዕ 1 ፍ 12። እቲ ብፈተና ዝዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ ዝብለና ድሕሪ ፈተና ምሕላፍውን እንታይ ኣሎ ብጽእና ኣሎ ዓወትውን ኣሎ ማለት እዩ።

ንሕና እምበኣር ኣብ ጊዜ ፈተና ከመይ ንኹን ነቲ ዝመጸና ፈተናኸ ብኸመይ ንቀበሎ ተቀቢልናኸ ብኸመይ ንሕለፎ። ንፈተና ብኸመይ ክንቅበሎ ተቀቢልናኸ ብኸመይ ክንሓልፎ መጽሓፍ ቅዱስ ብቃልን ብግብርን ይምህረና እዩ። ብቃል ክንብል ከሎና ኣብ ጊዜ ፈተና ከመይ ክንከውን ከምዘሎና የዳልወና። ብግብሪ ክንብል ከሎና ድማ ነቲ ቃል ሰሚዖም ክሳዕ ሞት ዉፉያት ኮይኖም ኣብነት ዝኾኑና ኣለዉና።

1. መጀመርያ እምበኣር እቲ ብቃል ዝበልናዮ ክንርኢ ኢና።

ራእይ ዮሃንስ ምዕራፍ 2 ፍቅዲ 10። ነቲ ዝመጸካ መከራ ኣይትፍርሓዮ ክሳዕ ሞት እሙን ኩን አነውን ኣክሊል ሕይወት ክህበካ እየ። እዚ ቃል እዚ ንሕና ኣብ ጊዜ ፈተና በቲ ዝመጸና መከራ ከይተሰናበድና ፈሪሕናውን ቦታና ከይሓደግና ክሳዕ ሞት እሙናት ክንከውን እዩ ዝነግረና ዘሎ። ክሳዕ ሞት እንተበጻሕና እቲ እንሞቶ ሞት እንታይ ዓይነት ሞት እዩ ናይ ሥጋ። ካብቲ ስሌና ኢሉ ጽዋእ ሞት ዝሰተየ ጐይታ ግና ኣክሊል ሕይወት እዩ ዘውህበና።

ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ መልእኽቱ ምዕራፍ 8 ፍቅዲ 35-ፍጻሜ። ካብታ ፍቅሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ ከመዮ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቅተል አሎና ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቆጸርና ዚብል ጽሑፍ ዘሎ ጭንቀትዶ ጸበባዶ ስደትዶ ጥሜትዶ ዕርቃንዶ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ። ሞት ኰነ ወይ ሕይወት መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ ወይ ሐይልታት ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ ካብታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዘላ ፍቅሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ ኣርጊጸ አሎኹ እሞ በዚ ኹሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቅና ንስዕር ኢና።,እዚ ኹሉ ሃዋርያ ጳውሎስ ተንቲኑ ዝነግረና ዘሎ ካብ ፍቅሪ ክርስቶስ ክፈልየና ከም ዘይብሉ እዩ። ናይ ብሓቂ ምስ ክርስቶስ ፍቅሪ ኣሎና ንብል እተኾይና ነዚኣተን ክንጻወረን ስለ ፍቅሪ ክርስቶስን ስለ መንግሥቲ ኣምላኽን ኢልና ክንቅበለን ድልዋት ክንከውን የድሊ።

ኣብ ወንጌል ሉቃስ ምዕራፍ 22 ፍቅዲ 31,32። ስምኦን ስምኦን እንሆ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነየ። ኣነ ግና እምነትካ ኸይትጠፍእ ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም። ሰይጣን ኩሉ ጊዜ አይድቅስን።ምሕሓይ እንታይ እዩ ሐደ ነገር ካብ ሐደ ነገር ምፍላይ።እሞ ናይ ዲያብሎስ ምሕሓይ ካብ መን ንምፍላይ እዩ ካብ ክርስቶስ ንምፍላይ።ነዚ ናይ ጥንቲ ጸላኢ ሰይጣን እምበኣር ብጸሎት ጸኒዕና ክንቃዎሞ ከምዘሎና እቲ ቀደም ንስምኦን ዝመኸረ እ/ሔር ኣምላኽ ሎሚ ንዓይ ንዓኹም ይመኸረና አሎ። ኣብ መንፈይቲ ዲያብሎስ ከይንወድቅ ንሕና ጸኒዕና ንኻልኦት ከነጽንዕ ንሕተት አሎና።እዚ ቃል እዚ ክንፍተን ናይ ግድን ምኻና እዩ ዝነግረና ዘሎ። ተፈቲና እምነትና ከይነጥፍእ ድማ የጠንቅቀና ኣሎ።

መል ጳው ናብ ሰብ ሮሜ ምዕራፍ 8 ፍቅዲ 28። ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኩሉ ንሰናይ ከም ዝድግፎም ንፈልጥ ኢና።

ሕጂ ኣብ ግብሪ ክንኣቱ ኢና። ነቶም ከም ምኽሩ ዝኸዱ እ/ሔር ኣምላኽና ክሳዕ ክንደይ ንሰናይ ክምዝደገፎም ኣብ ፈተናን ምስ ጸበቦምን ክንርኢ ኢና።

2. ብግብሪ ክንብል ከሎናኸ ካብ በዓል መን ንመሃር?

ኣብ ቀዳማይ መጽሓፍ ሳሙኤል ምዕራፍ 30-ፍቅዲ 1-8። ንዳዊትን ንሰቡን ኣማሌቃውያን ሓደጋ ወዲቆም ንጺቅላግ ብሓዊ ኣንዲዶም ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ተማሪኾም ነበሩ።ክልቲኤን ኣንስቲ ዳዊት ኣሒኖዓምን ኣቢጋይልን ምስቶም ዝተማረኹ ተማሪኸን ነበራ። እቶም ሕዝቢ ሽዑ ነፍሲ ወከፎም ብዛዕባ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ስለ እተመረሩ ንዳዊት ብዳርባ እምኒ ክቀትልዎ ይብሉ ነበሩ ኣዝዩ ጨነቆ። ዳዊት ግና ብእ/ሔር ኣምላኹ ጸንዔ። ንእ/ሔር ኣምላኹ ድማ ነዞም ምሩኻት ክስዕቦምዶ ከርክቦምዶኸ ይኽእል እየ ኢሉ ጠየቆ። እ/ሔር ኣምላኽ ድማ ብርግጽ ከተርክቦም ነቲ ምርኮ ክትመልሶ ኢኻ እሞ ሰዓቦም በሎ።

እዚ ፈተና እዚ ንቅዱስ ዳዊት ካበይ እዩ መጺእዎ ካብቶም ናቱ።ፈተና ካብ ውሽጥን ወጻእን ካብ ዝርሓቀን ዝቀረበን ካብ ናትካን ዘይናትካን ከምዝመጽእ ክንፈልጥ ኣሎና። ንዳዊት ካብቶም ንሱ ዘምሓድሮም ካብቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ዘለዉ እዩ መጺእዎ። ካብ ጸላእቱ ኣይኮነን። ኣብ ጊዜ ጨንቁ ግና ዳዊት ኣብ ቃሉን ኣብ መንፈሱን ብእምነት ጸንዔ እ/ሔር ድማ ጽንዓቱ ሪኡ ጨንቁ ናብ ራህዋ ሓዘኑ ናብ ሓጐስ ለወጠሉ። እሞ ንዳዊት ካብ ውሽጢ ግዝኣቱ ፈተና ዘጋጠሞ ንዓናውን ካብ ውሽጥና ፈተና ከጋጥመና ይኽእል። ነዚ ኩሉ ኣብነትና ግና መን እዩ ኣቦና ዳዊት እዩ።ከምቲ ኣብ ኣምላኹ ዝጸንዔ ንሕናውን ኣብ ኣምላኽና ምጽናዕ ብጸሎት ምንቃሕ። ብጸሎት እንተ ነቂሕና ንፈተና ክንብድሆ ንኽእል።ሰይጣን ኣብ ሕይወትና እቲ ናይ ጥፍኣት ተልእኽኡ ንኽፍጽም ዝጥቀመሉ ሜላ ሐደ ብፈተና ዓቅልና ኣጽቢቡ ብፍርሓት ቦታና ክንሓድግ ወይ ካብ ጽንዓትና ከዘንብለና እዩ ዝደሊ።

ዚ ናይ ቅዱስ ዳዊት ዝሕግዘና ኣብ ቀዳማይ መልእኽቲ ጴጥሮስ ምዕራፍ 5 ፍቅዲ 8-9። ዲያብሎስ እቲ መጻርርትኹም ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ እሞ ተጠንቀቁ ንቅሑ። እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ እሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እፈለጥኩም ብእምነት ጸኒዕኩም ተቃወምዎ። ብድምጺ ኣራዊት ተሸቢረን ስፍርኤን ዝሓደጋ ኣባጊዕ ንምታይ እየን ዝኾና ንኣራዊት።ዲያብሎስ ድማ ንሓሳባትና ብፍርሓት ውሒጡ ንእምነትና ኣድኪሙ ከይንቃዎሞ ኩሉ ጊዜ እዩ ዝቃለሰና። ሓዋርያ ጴጥሮስ ግና ዲያብሎስ ተቃሊሱ ከየውድቀና ከምቶም ብዝተፈላለየ ነገራት ውሒጥዎም ዘሎ ከይውሕጠና ተጠንቀቁ ንቅሑ ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ይበጽሖም ከም ዝነበረ እናፈለጥኩም ኣብ እምነትኩም ጽንዑ ይብለና ኣሎ።

ካልእ ካብ መን ንመሃር።ኣብ ትንቢት ዳንኤል ምዕራፍ 3 ።ንጉሥ ነቡከድነጸር ስሳ እመት ዝቁመቱ ሹድሽተ እመት ዝውርዱ ናይ ወርቂ ምስሊ ገይሩ ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ምስ ኣቆሞ ንኹሎም ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ዘለዉውን ንዕኡ ክሰግድሉ ምስ ኣዘዘ ኩሉ ሰጊዱ ብጀካ እቶም ሰለስተ መንእሰያት ኣናንያን ኣዛርያን ሚሳኤልን።እዞም ሰለስተ ምሩኻት ዓዶም ሓዲጎም ኣብ ዓዲ ጓና ዝነብሩ ዝነበሩ ግና ንሕና እነምልኾ ኣምላኽ ኣሎና ኢሎም ነቲ ምስሊ ወርቂ ብዘይ ምስጋዶም እንታይ ተፈሪድዎም ሞት ተፈሪድዎም። ፍርዲ ንጉሥ ግና ሓሳቦም ክልውጦም ኣይክኣለን።እቲ ንጉሥ እንታይ እዩ ኢልዎም ናብዚ ጉሁር እቶን ሐዊ ክትድርበዩ ኢኹም እቲ ካብ ኢደይ ዘናግፈኩም ኣምላኽከ መን እዩ። መልሲ ናይዞም ሰለስተ መንእሰያት ግና እንታይ ነይሩ ዎ ንጉሥ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ጉሁር እቶን ሐዊ ከናግፈና ይኽእል እዩ ካብ ኢድካውን ከናግፈና እዩ። ዎ ንጉሥ ንሱ ከናግፈና እንተ ዘይፈተወ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸምዘይነምልኾምን ነቲ ዘቆምካዮ ምስሊ ወርቂውን ከም ዘይንሰግደሉ ፍለጥ በልዎ። ድሕሪ እዚ ናብ እቶን ሓዊ ተደርበዩ እቲ ዝምለኽን ዝስገደሉ ኣምላኽን ግና መልኣኹ ሊኢኹ ካብ እቶን ሓዊ ኣድሓኖም።ነቶም ሓዊ ኣጊዶም ናብቲ ሓዊ ዝወሰድዎም ግና  ናይ ብሓቂ ሓዊ ኮይኑ በልዖም። ምኽንያቱ መንገዱ ዝሳሓተ መወዳእትኡ ጥፍኣት እዩ።

እሞ ንሕና ካብዚ እንታይ ኢና እንመሃር ጽንዓት ሕጊ ንጉሥ ምእዛዝ ኣብዮም ድዮም ኣይኣበዩን እቲ ንጉሥ ንኣምላኽ ዝግባእ ኣምልኾን ስግደትን ንምስሊ ወርቂ ስለ ዝሃበ ግና እምብልና እዮም ኢሎም። ንሕና ድማ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ መልእኽቱ ምዕራፍ 13 ፍቅዲ 7። ንኹሉ ዘዚግብኦ ሃብዎ ዝብለና ንኹሉ ዘዚግብኦ እናሃብና እምነትና ክንሕሉ ይግባእ። ፈተና መጺኡ ኢልና ነገራት ክንሓዋውሶም እንታይ እሞ ክንገብር ኢና እናበልና ሓቂ ክንረግጽ ክብሪ ቤተክርስቲያን ከነጉድል ኣይግብኣናን።ንኹሉ ዘዚግብኦ እናሃብና እንተ ተመላሊስና ኣምላኽና ድማ እቲ ንኣናንያን ኣዛርያን ሚሳኤልን ግብኦም ዝሃበ ግቡእና ግቡእ ድህነት ኣይከልኣናን እዩ። ንመን ምስ ከልኤ ክኸልእና።

ኣብ ትንቢት ዳንኤል ምዕራፍ 6 እንተ ሪኢና። ከምቲ ነቶም ሰለስተ መንእስያት ዘጋጦሞም ንዳንኤልውን ኣጋጢምዎ። በዘን ሰላሳ መዓልቲ ብጀካ ንዓኻ ንዝዀነ ይኹን ንኣምላኽ ወይ ንሰብ ዝለመነ ናብ ጉድጓድ ኣናብስ ከምዚድርበ ትእዛዝ ንጉሥ ክጸንዕ ኪእውጅ ሓቢሮም መኸሩ። እዚ ኩሉ ንመን ንምርካብ እዩ ንዳንኤል ንምርካብ እዩ። ዳንኤል ግና ከምታ ልምዱ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተንበርከኼ ጸለየን ኣመስገነን። እቲ ዝወጸ ኣዋጅ እምነቱ ከጉድሎ ካብ ጸሎትን ምስጋና ንኣምላኹ ምሃብን ኣየቃረጾን።ድሕሪ እዚ ንዳንኤል ናብቶም ጾሞም ኣብ ጉድጓድ ታዓጽዮም ዝቀነዩ ኣናብስ ተደርበየ።እቲ ዘይድርቢ ኣምላኽ እቲ ዘምስግኖ ዝነበረ ኣምላኹ ኣፍ ኣናብስ ዓጸወ።መልኣኹ ልኢኹ ኣድሓኖ። እቶም ኣናብስ ድማ እቲ ናይ ሰብ ትእዛዝ ንዳንኤል ክበልዑ እዩ ነይሩ ናይ እ/ሔር ትእዛዝ  ስለዝዓቢ ግና ካብ ፍርዶም ብሓይሊ ጸሎት ድሓነ እቶም ንዳንኤል ዝፈረዱ ድማ እቲ ፍርዲ ዘይቅኑዕ ስለ ዝነበረ ናብ ርእሶም ተገምጠለ።

ብፈተና ጸኒዕኻ ምሕላፍ ረብሓ ንዓኻ ጥራሕ አይኮነን እንተላይ ንኻልኦት እዩ።በዞም ናይዞም ኣርባዕተ መንእሰያት ጽንዓትን ጸሎትን ንፈተና ምዕጋስን ክሳዕ ሞት እሙን ምኻንን ልቢ ኻልኦት ከምዚ ተለወጠ ብጀካ ኣምላኾም ዘናግፍ ኣምላኽ የለን ኢሎም እቶም ካብ ኢደይ ዘናግፈኩም መን እዩ ኢሎም ዝተምክሑን ሕማቅ ምኽሪ ዝመኸሩን ብሕልንኦም ከምዝተረትዑን ኢና ንሰምዕ ዘሎና እሞ ሰሚዕና ከምኣቶኦም ክንጸንዕ እ/ሔር ይሓግዘና።

ፈተና ክነውሕ ክሓጽር ክኸብድ ይኽእል እዩ። ነብይ እንባቆም እንተሪእናዮ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ዘይትሰምዓና።ምዝራፍን ዓመጽን ባእስን ክርክርን ይለዓል ኣሎ። ሕጊ ደኽመ ፍትሒውን ከቶ ኣይወጸን እቲ ረሲእ ነቲ ጻድቅ ከቢብዎ ፍርዲ ቀይንኑ ይወጽእ ኣሎ ኢሉ  ተማሪሩ እዩ ንእ/ሔር ተዛሪብዎ። ነቲ ሕቶኡ መልሲ ከምቲ እንባቆም ዝሓሰቦ ዘይኮነስ። ካብቲ ተማሪርዎ ዝጸንሔ ዝኸፍኤ ካልእ ሕሰም ከምዝመጽእ እ/ሔር ኣምላኽ ነጊርዎ።

መሊሱውን ካልእ ክመጽእ ምኻኑ ምስ ነገሮውን እንባቆም ስቅ ኣይበለን ክሳዕ መዓስ ኢኻ ትም ትብል ኢሉውን ንእ/ሔር ተዛሪብዎ። እዚ ኣብታ ቀዳመይቲ ምዕራፍ እዩ።

ኣብታ ካልኤይቲ ምዕራፍ እንተሪእና ነብይ እንባቆም እንታይ እዩ ኢሉ ብዛዕባ ክትዔይ እንታይ ክምዝዛረብንን ኣነ እንታይ ከምዝመልሰሉን ተጠንቂቀ ኽርእስ ኣብቲ መሓለውየይ ደው ክብል ኣብ ልዕሊ ግምቢውን ክቀውም እየ። እምበኣር ንሕና ካብ ነብይ እንባቆም እንመሃሮ እንተልዩ ኣብ መሔለዊኽ ደው ምባል እዩ። ምኽንያቱ ሓሳብ እ/ሔር ካብ ሓሳብና ስለ ዝዓቢ። ኣብታ ሳልሰይቲ ምዕራፍ እንተሪእና ነብይ እንባቆም እንታይ እዩ ኢሉ ዎ እ/ሔር ንዕዮኻ ኣብ ማእከል ዓመታት ግበሮ ኣብቲ ናትካ ጊዜ ግበሮ እዩ ኢልዎ።ነብይ እንባቆም ኣምላኽ ልዕሊኡ ክምዝርኢ ኣሚኑ ጾሩ ናብ ኣምላኽ ኣውዲቁ እዩ ደው ዝበለ እሞ ንሕና ድማ ሎሚ ጾርና ናብ ኣምላኽ ኣውዲቅና ቃል ወንጌል ታዓጢቅና ኣጽዋር ጾምን ጸሎትን ጼርና ደው ክንብል ንሕተት ኣሎና።

መጽሓፍ እዮብ ምዕራፍ 42-ፍቅዲ 2። ኹሉ ከም እትኽእልን ነቲ ዝመደብካዮ ኸኣ ዚኽልክለካ ኸም ዜልቦን እፈልጥ ኣሎኹ። ንዝመጽኤ ነገራት እ/ሔር ኣምላኽና በቲ ዝመደቦ እዋን ዝኽልክሎ ከም ዘይብሉን ኩሉ ክምዝኽእልን ከምዝፈልጥን ኣሚና ምጽናዕን ምጽባይን እዩ።

መልእኽቲ ናብ ሰብ እብራውያን ምዕራፍ 12 ፍቅዲ 3። ምእንቲ ከይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ክንድዚ ዚኣክል ምጽራር እተዓገሰ ዘክርዎ።ኣብ ጊዜ ፈተና ከይሕለለና ከምኡውን ከይንደክም ነቲ ስሌና ስለ ሓጢኣተኛታት ኢሉ ከቢድ ምጽራር ዝተዓገሰ ጐይታ እናዘከርና ንንበር። ደጊሙውን ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 13 ፍቅዲ 9። ልብኹም በቲ ነቶም ዝኸድሉ ዘይጠቅሞም ብልዒ ዘይኮነስ ብጸጋ እንተ ጸንዔ ጽቡቅ እዩ እሞ ብብዙሕ ዝዓይነቱን ብጋሻ ትምህርትን ኣይትስሓቱ።ክንጸንዕ ጸጋ ኣምላኽ የድልየና ኣሎ እሞ እ/ሔር ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ እናሃበ ካብ ጋሻ ሕግን ሥርዓትን ካብ ናይ ስሕተት ትምህርትን ይሓልወና።

መዕጸዊ። ኣብ ካልኤይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ ምዕራፍ 4 ፍቅዲ 16-ክሳዕ ፍጻሜ። እቲ ሽዓ ዚሓልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜይብሉ ብሉጽ ናይ ዘልኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እካ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና። እቲ ዚርኤ ንግዜኡ እዩ እቲ ዘይርኤ ግና ንዘልኣለም እዩ እሞ ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር ነቲ ዝርኤ ኣይንጥምትን ኢና።

ብመልኣከ ሰላም ቀሺ ወልደተንሣኤ ብርሃነ
ካህን መድኃኔ ዓለም ቤተክርስትያን ዲሲ።
ኣብ 10ይ ዓመታዊ ጉባኤ ኣመንቲ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ዝቐረበ ስብከት (9-13 ሓምለ 2008 ቅ. ሥላሴ ሲያትል ዋሺንግቶን)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div