S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ መዋእል ቤት ትምህርቲ

ካብ ክፍላ 4 ክሳዕ መበል 19 ዘመን ንልዕሊ 1600 ዓመታት ካብ መሠረተ ትምህርቲ ምንባብን ምጽሓፍን ክሳብ ዝለዓለ መንፈሳዊ መዓርገ ትምህርቲ፡ ዓለማዊ ሥርዓታትን ማሕበራዊ ሥነ-ምግባራትን ዝወሃበላ ብሕታዊት ቤት ትምህርቲ እንኮ

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢያ ነይራ። ዘመናዊ ትምህርቲ ዓለም ኣብ ኤርትራ ክሳዕ ዝተጀመረሉ ጊዜ፡ ትምህርቲ ክርስትናን ሥነ-ምግባርን ብኣፍ: ብጽሑፍ: ብትውፊትን ብቓለ መጻሕፍትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብኣባላት ቤተ ክህነት ብንባብ፥ ብድጋም፥ ብዜማን ብትርጉምን ክውሃብ ጸኒሑ ናብዚ መዋዕል በጺሑ።

ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ንሕጻናት ይምህሩን ጵጵስና ተሸይሞም ምስ መጹ ኸኣ በብኸባቢኡ ካህናት መዲቦም የመሃህሩን ስለ ዝነበሩ፥ ምስ ምትርጓም መጻሕፍትን ምምሕያሽ ፊደላትን ምምሃር ምስትምሃር፥ ኣብ መፋርቕ ራብዓይ ዘመን ከም ዝተጀመረ ይፍለጥ። ሽሕ ግእዝ ጽሑፋዊ ቋንቋ ኮይኑ ኣብ ኣገልግሎት እንተ ነበረ፥ ሶርያውያን ልኡኻነ-ወንጌል ተስዓቱ ቅዱሳን ናብ ሃገርና ምስ መጹ ኣብ ንጥፈታት ሥነ-ጽሑፎም ምስ ደቂ ሃገር ኮይኖም ብምስትምሃር እምነት ክርስትና ኣውራ ተመዓራርዩን ማዕቢሉን ኢዩ። ንሳቶም ምስ ደቀባት ብምውሃድ ሕዝቢ ምሉእ ትምህርተ-ሃይማኖት ምእንቲ ክረክብን ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ክስስኑን በብሰበኻኦም (ከባቢኦም) ናእሽቱ ኣብያተ ትምህርቲ ብምቛም፥ ነቶም ዝኣልዩዎም ምእመናን፥ ደቆም ናብቲ ቤት ትምህርቲ ከም ዝልእኩ እናገበሩ ትምህርታዊ ቁም-ነገር ኣወፍዮም እዮም።

ነፍስ ወከፍ ስድራ ቤት፥ ሓደ ፍሉይ ኣበ-ነፍሲ (Soul Father) ወይ ኣበ ንስሓ (Father Confessor) ብመንፈሳዊ መገድን ብጽቡቕ ሥነ-ምግባርን ክካየዱ ዝምህርን ዝምዕድን ስለ ዝምደበሎም ኣብ ምትብባዕ ትምህርቲ ዓቢይ ግደ ነይሩዎ። ገሊኦም ውሉደ-ክህነት እንተ ወሓደ ንደቆምን ንጎረበቶምን እቲ ዝፈልጡዎ ትምህርቲ ምሂሮም ብመጠኑ ናብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን የሰጋግሩን ዝትክኦም ይምድቡን። ተመሃሮ ኸኣ ክፋል ጸሎታተ ቕዳሴን ንባባትን ቅዱሳት መጻሕፍትን ምስ ፈለጡ፥ ንተወሳኺ ትምህርቲ ካብ ዓዶም ወጺኦም ናብ ኣድባራትን ገዳማትን ይኸዱ። ኣብኡ ዘድልዮም ዓይነትን ደረጃን ትምህርቲ ኣሳሊጦም ምስ ተመለሱ ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ይጽመዱ። ካብ ሕዝቢ ኸኣ ፍሉይ መሰልን ኣኽብሮትን ይግበረሎም። በዚ ኸምዚ እምበር ነፍስ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ቤት ትምህርቲ እያ ክበሃል ይከኣል።

ኣግዓዚት ቤተ ክርስቲያን ንኣማእት ዓመታት፥ እንኮ መሰልጠኒት ክርስቲያንን ብታሪኻዊ ኵነት ሓላፍነት ወግዓዊ፥ ሃገራዊ፥ ትምህርቲ ዝተቐበለትን ክሳዕ ምምጻእ መግዛእቲ ኢጣልያ ብእዋኑ ዝነበረ ስሩዕ ትምህርቲ እትህብ ብሕታዊት ተቅዋመ ትምህርቲ ኮይና ኢያ ጸኒሓ። ብሃገራዊ ቋንቋን ፊደልን ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ዝተወሰነ ዘይኮነስ ሕዝቢውን ብውሕዱ ምንባብን ምጽሓፍን ዝኽእለሉ ትምህርቲ ካብ ምእታው ክርስትና ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ቤተ ክርስቲያን እናተዋህበ ከም ዝጸንሐ ኢዩ ዝፍለጥ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ መሪሕነት ሕዝቢ ዝምደቡ ሰበ ስልጣን መምርሒ ክኾኖም ዝኽእል ናይ ቀለምን ሥነ-ሥርዓትን ትምህርቲ ብምሃብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓውደ ፍልጠት እተበርክቶ ግደ ናብ ውሉድ ወለዶ እናተመሓላለፈ መጸ። ወላ እኳ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብዕላማ ንኽልቲኡ ጾታዊ ወገን ፍቑድ እንተ ኾነ ብተለምዶ ግና ኩሉ ሳዕ ደቂ ተባዕትዮ ብብዝሒ ክጥቀምሉ ይርአዩ።

ትውፊታዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ከም ዘመናውያን ኣህጉረ-ምዕራብ (ኤውሮጳ) ዝጅመረሉ፥ ዝሕለፈሉን ዝፍጸመሉን ውሱን ጊዜን ደረጃን ትምህርቲ የብሉን። ከከም ክእለት ተመሃሮ ኣፍልጦኦም ዝውስኖ ቐልጢፎም ወይ ደንጉዮም ሓደ ምዱብ ክፍለ ትምህርቲ ዝፍጽሙ እምበር፥ ብጊዜ ዝዕቀን ወሰነ-ትምህርቲ (ደረት) የለን። ካብ ሓደ ናብ ካልእ ጽፍሒ ትምህርቲ (ቀጸላ ትምህርቲ) ክእለቶም ኢዩ ዘሰጋግሮም። ቤተ ክርስቲያን ንሓፈሻዊ ኣገልግሎት ዝተመደበላ መሬት እንተ ዘይኮይኑ ንመካየዲ ትምህርቲ እትረኽቦ እቶት የለን። ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ዋላ ኻብኡ ወጻኢ ኣብ ጽላል ኦም ክካየድ ዝኽእል ብናይ ቤተ ክርስቲያን ሥርዓተ ትምህርቲ ንሃገርን ንቤተ ክርስቲያንን ከገልግሉን ክሕልዉን ብናጻ ትምህር።

በዚ ከምዚ መልክዕ ትምህርቲ ንልዕሊ 1600 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቤተ ክርስቲያን ብውሉደ-ክህነት እናተዋህበ ጸኒሑ፥ ምስ ምምጻእ መግዛእቲ ኢጣልያ ሚስዮናውያን ካቶሊክን ወንጌላዊትን ዘመናዊ ትምህርተ-ዓለም ተኣታተወ። ፈለማ ስዊደናውያን ኣባላት ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን 1870 . ኣብ ምጽዋዕ፥ ድሕሪኡ ሚስዮናውያን ካቶሊክ 1886 . ኣብ ከተማ ዓሰብ፥ ካብኡ ንደሓር መንግሥቲ ኢጣልያ 1895 . ኣብ ከተማ ኣስመራ ናእሽቱ ኣብያተ ትምህርቲ ብምኽፋት ዓለማዊ ትምህርቲ ተጀመረ። ካብኡ 31 ጥሪ 1909 . ብዛዕባ ዘመናዊ ትምህርቲ ዝምልከት ዕላዊ መምርሒ ንሱውን ንደቀባትን ንጸዓዱን ሌላን ጉሌላን ዘለዎ ፈላላዪ ሥርዓተ ትምህርቲ መንግሥታዊ ኣዋጅ መግዛእቲ ኢጣልያ ወጸ። ክሳዕ ዘመን ዘጽንሐትን ናብዚ ዘመናዊ ትምህርቲ ዘሰጋገረትን እምበኣር በይና ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢያ። ሕጂውን ብናይ ቀደም መልክዑ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ገዳማትን ኣድባራትን ገና ይቕጽል ኣሎ።

"ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ዘውገ ምሁራን መሪጌታ ይትባረኽ በርሀ

Post 16 June 2010 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div