S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብርሃንካን ሓቅኻን ለኣኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ

“ብርሃንካን ሓቅኻን ለኣኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ጽዮን ናብታ ቅድስቲ እምባኻን፣ ናብታ መሕሪኻ ዜኾነት ቤተ መቅስን የብጽሓኒ” (መዜ.43፣3)።

ብመሰረት ሥርዓት ኦርቶድክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን፣ ቅድሚ ልላ 2ይቲ ሰንበት፣ ብርሃን ተባሂላ ትጽዋዕ። ኣብዚ ልት መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምጽንባል ጩራ ብርሃን እነቋምተላ ወቕቲ፣ ከምቲ ልቢ ኣምላክ ዜተሰምየ ማራይ ዲዊት ዜለመኖ፣ “ብርሃንካን ሓቅኻን ለኣኽ፣ … ናብታ መሕሪኻ ዜኾነት ቤተ መቅስ የብጽሓኒ። መዜ.43፣3። እንዲ በልና ብተመስጦ ልብን ብኣንቃዕድዎ መንፈስን ክንጽልን ከነስተንትንን ይግበኣና። ብኸምዚ ዜተገልጸ ምስ እንጽውዖን እንልምኖን ከኣ፣ ብተኣምራታዊ ብርሃኑን፣ ሕይወት ብርህ ቃሉን ክልእኽ ኵሉ ጊዜ ድልዊ እዩ። ካብ ዕብየት ጸጋኡን ብዜሒ ምሕረቱን፣ ይኹን ይገበረልና።

እዚ ብርሃን እዚ ግን፣ እቲ ተኣምራታዊ ብቅጽበት ብርህ ብርሃን፣ ወይ እቲ ንመንፈሳዊ ጉዕዝናን ሕይወትናን ብርህ ቃሉ ክኸውን ይኽእል።

ተኣምራታዊ ብቕጽበት ብርህ ብርሃን ኣምላኽ።


1. ንቂ እስራኤል ዜመርሖም ተኣምራታዊ ብርሃን ዓንዱ ሓዊ።

ቂ እስራኤል “ለይትን መዓልትን ምእንቲ ክጐዓዘ፣ እግዚኣብሔር ብመዓልቲ መገዱ ምእንቲ ኪመርሖም ብዓንዱ መና፣ ብለይቲ ከኣ ከብርሃሎም ብዓንዱ ሓዊ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ። ብመዓልቲ ዓንዱ መና፣ ብለይቲ ከኣ ዓንዱ ሓዊ ካብ ቅድሚ እቶም ሕዜቢ ከቶ ኣይፈለየን። ጸ.13፣21-22።

እዚ ተኣምራታዊ ብርሃን፣ ካብ ወርሒ ወይ ከዋክብርቲ ዜኾነ ናይ ተፈጥሮ ብርሃን ኣይነበረን። ነቲ እትኸድ መገዱ ብርህ፣ ነቲ ወሃቢ ብርሃን ዜኾነ ኣምላኽ ተግባሩ ከተስተንትን ዜድርኽ ተኣምራታዊ ብርሃን ነበረ። ቂ እስራኤል ግና ነቲ ቀቅድሚኦም ብርሃሎም ዜነበረ ብርሃን፣ ንምሉእ ሕይወቶም ከብርሃሎም ኣብ ክንዱ ምምናይ፣ ሽጉርቲ ግብጽን መግዚእቲ ግብጽን ተመነዩ። በዚ ከኣ ብነፍስን ብስጋን ተጐድኡ።


2. ጐይታ ዜተወልሉ ለይቲ፣ ኣብ ዘርያ ጓሶት ዜበርሀ ተኣምራታዊ ብርሃን።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብልቱ ብርሃን፣ ብሞቱ ከኣ ለኣለማዊ ሕይወት ከውርሰና ኢሉ፣ ብፍቃደን ብስምረት ኣቦኡን ሕብረት መንፈስ ቅደስን፣ ካብ ኣዳና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ዜተወልሉ ለይቲ፣ ነቶም ብትግሃት ማሎም ዚሕልዉ ዜነበሩ ጓሶት፣ “መልኣኽ እግዚኣብሔር ተራእዮም፣ ክብሪ እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ዘርያኦም ኣብርሀ፣ ኣዜዮም ከኣ ፈርሁ። ሉቃ.2፣9።

ካብ’ቲ ምንጪ ብርሃን ዜኾነ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ተወሊደ ኣብ መብልዕ ማል ቤተልሔም ቂሱ ከሎ፣ ኣብ ዘርያ እቶም ኣብ መሮር ዜነበሩ ጓሶት ናይ ክብሪ ብርሃኑ ኣብርሀ። እዚ ብርሃን እዚውን ናይ ተፈጥሮ ብርሃን ይኮነ ተኣምራታዊ ብርሃን ኣምላኽ ነበረ። በዚ ተኣምራታዊ ብርሃኑ መንፈሳዊ ጉዕዝና የብርሃልና።

እዝም ጓሶት ነቲ ዜረኣይዎ ብርሃንን፣ ነቲ ዜተዋህቦም ብስራትን ተጠቕምሉ። በኣካል ከይድም ምስ ኣረጋገጹ ከኣ፣ ካብ ምልኣት ሓጐሶም ዜተላዕለ ምስ መላእክቲ ሓቢሮም፣ ንክብሪ ኣምላኽ መዜሙር ምስጋና መሩ። ንሕና ውን እዚ ናይ መላእኽትን ጓሶትን ብምልኣት ሓጐስ ዜመርዎ መዜሙር፣ “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም፣ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም እግዚኣብሔር ዜሕጐሰሎም ሰብ።” ሉቃ.2፣14። እንዲ በልና ተኻፈልቲ እዚ ናይ መላእክቲ ምስጋና ንምዃን የብቅዓና። እቲ ኣብ ዘርያኦም ዜበርሀ ተኣምራታዊ ብርሃን ከኣ ኣብ ዘርያ ኵልና የብርሃልና።


3. ኣብ ዘርያ ሳውል ብርሀ፣ ዓቢ ብርሃን።

እቲ እምነት እግዚኣብሔር ዜሕሉ ሎ መሲልዎ፣ ንሰዓብቲ ክርስቶስ ክኣስርን ከሳድድን ሓላፍነት ተዋሂቡዎ ዜህንድ ዜነበረ ሳውልውን፣ ብቕንኣት ይገብሮ ከም ሎ ምስ ረኣየ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ናይ ዕንወት ውዕል ኣፍሪሱ፣ ናይ ዕብየት ቤተክርስቲያን ሓዱሽ ውዕል ምእንቲ ከሰላስል፣ ተኣምራታዊ ብርሃኑ ለኣኸ።

እዚ ውን ናይ ተፈጥሮ ብርሃን ጸሓይ ኣብ ዘይነበረሉ ሰዓታት፣ “ኣጋ ቀትሪ ብሃንበት ካብ ሰማይ ዓቢ ብርሃን ኣብ ዘርያይ ኣንጸባረቐ። ኣብ ምሪ ከኣ ወቕኩ፣ ‘ሳውል! ሳውል! ንምንታይ እተሳድኒ ዚብል ድምጺ ሰማዕኩ” ኪብል መስከረ።ግብ.9፣3፥22፣6፥ ንመልከት።

በዚ ብርሃን እዚ ከኣ ኣንፈትን ዕዮን ሳውል ተቐይሩ፣ እቲ ኣሳዲዱ ዚነበረ፣ እምነትን ናይ ክርስቶስ ሓይልን ተቐቢሉ፣ ስሙን መንነት ዕዮኡን ተቐይሩሉ፣ ብርሃነ ዓለም ጳውሎስ ተሰምየ። ብርሃን ወንጌል ዘይበረሃሎም ካብ ተዋህቦ ብርሃን ከካፍል ሓድሽ ውጥን ኣውጺኡ ተበገሰ። ንዓና ውን ኣንፈትናን ዕዮናን ብተኣምራታዊ ብርሃኑ የቕንዓልና።

ሎሚውን ክቡራት ኣንበብቲ ምእመናነ ክርስቶስ፣ ኣየናይ ጽድቅና ኣይልለ (መክ.5፣1)፣ ኣየናይ ጥፍኣትና ኣይፍለ (ት.ዮናስ.4፣11)፣ በቲ ሓርነት ዚህብ ሕጊ ዘይንምራሕ (ዘዲ.18፣19። ግብ.3፣22)፣ በቲ ንልቢ ዘረስርስ ቃሉ ዘይንግራሕ (ዕብ.3፣15)፣ ርድኢት ዘይብሉ ቅንኣት ሳውል ጥራይ ሒዜና፣ ኣንጻር ረብሓ ሕይወትና ንጐዪ ከይንህሉ ወውዕሎና ንመርምር። ኣብዚ ወፍሪ’ዚ እንተ ኣሎና ግን፣ ንረብሓናን ንህኣት ቤተ ክርስቲያኑን ኢሉ፣ ጐይታ ጐይቶትን ንጉሥ ነገሥታትን ኣምላኽ ኣማልኽትን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ተኣምራታዊ ብርሃኑ የንጸባርቐልና።

እቲ ካልኣይ ብርሃን ኣምላኽ ከኣ፣ ንመንገዱን ንግብርን ንሕይወትን ኣመንቲ ዘብርህ ብርሃን ቃል ኣምላክ እዩ። ብዚዕባ’ዚ ብርሃን እዚ ምሉእ መጽሓፍ ቅደስ ይምህረና እዩ። ንመዘኻኸሪ ግን ውሑዲት ጥቕስታት ብምጥቃስ፣ ነዚ ኣብ መገድናን ግብርናን(ሰናይ ኣካይዲና) ሕይወትናን ዘብርሃልና ብርሃን ቃሉ ንመልከት።


1.ቃል ኣምላክ ንመንገድና የብርሃልና።

“ቃልካ ንስጉምተይ መብራህቲ፣ ንመገይ ከኣ ብርሃን እዩ።” መዜ.119፣105፥ ዜበለ ልቢ ኣምላክ ዲዊት፣ ቃል ኣምላክ መገድኻ ዘብርህ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ትኸድ መገዱ ከም ዜገልጸልካን ምስትውዓል ከም ዜህበካን ከረድእ ከምዚ ይብል፣ “ምግላጽ ቃልካ ብርሃን ይህብ፣ ንዘይፈልጥ ድማ ምስትውዓል ይህቦ። መዜ.119፣130 ይብል። እግዚኣብሔር ኣምላኽና መንገድናን ምስትውዓልናን የብርሃልና። በዚ መገዱ ብርሃን ምስ እንኸይድ ከኣ፣ ዜሓሰብናዮ ይሰልጠና። እዚ ውን በቲ ኣቦ ትዕግስቲ ዜኾነ ጻድቕ ኢዮብ እዚ ዜስዕብ ቃል ይምህረና፣ “ዜሓሰብካዮ ዘበለ ክሰልጠካ፣ ብርሃኑ ውን ኣብ መገደ ከብርሃልካ እዩ።” ኢዮብ.22፣28። መገድኻ ብርሃን ካብ ምዃን፣ ዜሓሰብካዮ ካብ ምስላጥ(ከም ቃሉ መሰረት) ዜዓቢ ጸጋ የልቦን። ስለዚ ይብል ነቢይ ኢሳይያስ፣ “ሕጂ እምበኣር ኣቱም ቤት ያዕቆብ(ኵልና ኣመንቲ) ንዑ ብብርሃን ንመላለስ።” ኢሳ.2፣5። ይብል።


2. ቃል ኣምላክ ነቲ ሰናይ ኣካይዲና (ግብርና) የብርሃልና፣

“እቲ ሓቂ ዜገብር ግና፣ ከም ትእዚዜ ኣምላኽ ስለ ዜገበረ፣ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኪግለጽ ናብ ብርሃን እዩ ዜመጽእ።” ዮሓ.3፣21። እዚ ግብሩ ንኹሉ ምስ ተገልጸ፣ ኵሉ ምስ ረኣዮን ኣስተውዓሎን፣ ዘገርም እዩ እቶም ዜረኣዩ ነቲ ሰማያዊ ኣምላኽና የመስግንዎ። ክብሪ ንቅደስ ስሙ ይኹን። “ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ከመስግንዎ፣ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።” ማቴ.5፣16። ይብለና። እግዚኣብሔር ኣምላኽና ግብሪ ብርሃን ዜኾነ ጽቡቕ ግብሪ ክህልወና ጸጋኡ የብዘሓልና።

 

3. ቃል ኣምላክ ንሕይወትና የብርህ፣ ኣብ’ታ መወዲእታ ሰዓት ከኣ ቂ ብርሃን ምዃንና ይምስክረልና።

“ሽዑ ኢየሱስ፣ ‘ኣነ ንዓለም ብርሃኑ እየ፣ እቲ ዜስዕበኒ ከኣ ብርሃን ሕይወት ክረክብ እምበር፣ ብጸልማት ኣይክኸይድን እዩ፣’ እናበለ ከም ብሓድሽ ተዚረቦም።” ዮሓ.8፣12። ኣቐድም ኣቢሉ ከም ዜተገልጸ፣ መገድና መገዱ ብርሃን እንተ ኾይኑ፣ ግብርና ግብሪ ብርሃን እንተ ኾይኑ፣ እቲ ድምር ውጽኢት ካብቲ ብርሃን ዓለም ዜኾነ ጐይታ፣ ብርሃን ሕይወት ምርካብ እዩ።

ኣብ ምሉእ ዕድመን ናብራን ቂ ሰባት፣ ነዚ ዜበልጾ ሕይወት የልቦን። እሞ’ኸ ምርጫና እንታይ ይኸውን?

ካብ ኵሉ ዜዓበየ ጉዲይ ከኣ፣ እዚ ኣብ ዓለም ተዋሂቡና ዘሎ ሥጋዊ ሕይወት መሰረትን ዓንድን ናይ’ታ ብተስፋ እንጽበያ ሰማያዊት ሕይወት ስለ ዜኾነ፣ ነቲ ፦

·“ንስኻትኩምሲ ቂ ብርሃን ቂ መዓልትን ኢኹም።” 1ተሰ.5፣5። ዜብል ቃል፥

·“ብሕያውን ንዘለዓለም ብዜነብር ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር፣ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኮንኩምን ከም በሓድሽ ዜተወለድኩም። 1ጴጥ.1፣23።

·“ኣንቱም ናይ ኣቦይ ቡሩኻት፣ እቲ ዓለም ክፍጠር ከሎ ዜተዲለወልኩም መንግስቲ ክትወርሱ ንዑ። ማቴ25፣34። ዜብል ድምጺ ኣምላኽ’ከ ኣ ብኸመይ ሕይወት ሓሊፍና ክንሰምዖ ንጽበ?


ስለዚ ምንባርና፣ ከም ባህርያት ዓለምን ዓለማውያንን ዓለማውነትን ዘይኮነስ፣ ኣብ ቃል ኣምላኽን ፍቃድ ኣምላኽን ዜመሰረቱ መገዱ ብርሃን፣ ግብሪ ጽቅድን፣ ምድራዊ በረኸትን ሰማያዊ መዜገብ ሕይወትን ዘውህብ ክኾነልና ፍቓደ ይኹነልና። እዚ ኵሉ ንኽረክብ እዩ እምበኣር ቅደስ ዲዊት፣ “ብርሃንካን ሓቅሓን ለኣኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ … ቤተ መቅደስ የብጽሓኒ፣ ክብል ንኣምላኽ ዜለመነን ዘመስገነን።

ኣብ ኣምላኽ እንተ ዘይነበርናን፣ ቃሉ ውን ኣባና እንተ ዘይሓደረን እንልዮ ዘበለ ማለት፣ ምድራዊ በረኸትናን ሰማያዊ መዜገብ ሕይወትናን ክንረክብ ዘይከኣል እዩ። ምኽንያቱ ቃል ኣምላኽ፣ “ኣባይ እንተ ነበርኩምን ቃለይውን ኣባኹም እንተ ሓረን እትልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይኾነልኩም። ዮሓ.15፣7። ስለ ዜብለና።

እግዚኣብሔር ኣምላኽ፣ እንልዮ ክንረክብ፣ እንልምኖ ውን ክወሃበና ምእንቲ፣ ብርሃኑን ሓቁን ይልኣኸልና። በዚ ብርሃን እዚ ከኣ፣ ልብናን ኣእምሮናን ምስትውዓልናን የብርሃልና።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅደስን ምስ ኵላትኩም (ኵላትና) ይኹን። 2ቆሮ.13፣13።


ቀሲስ ግርማይ መሪ.ክፍሉ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div