S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ማእከል ኣፉ ዝኸፈተ ገበልን ጸድፍን!

ኣቦታትና ካብ ዝምስልዎ ብዙኅ ቁውም-ነገራት ዝሓዘ ዓበይቲ ምስላታት ሓደ ‘’ድሕሪ ሞት ጥዕና ቕበጽ’’ ዝብል ይርከቦ። እወ! ሰብ ቅድሚ ሞቱ ድኣ እምበር ድሕሪ ሞቱስ ጥዕና ዝጽበ የለን፡ እሞ እዚ ከካትዕ ዝኽእል ጉዳይ ከም ዘይኮነ እሙን እዩ። ግናኸ ሰብ ምእንታን ክነብር ጥዕና የድልዮ። ምእንታን ጥዕና ክረክብ ከኣ ካብቶም ንጥዕናኡ ዝጻብኡ ነገራት ክርሕቕ ይግባእ። ብዘይክኡ እውን ከምቲ ሊቃውንቲ ዓለም ዝብልዎ መግቢ፥ ክዳንን መጽለልን ከም ዘድልይዎ

ዝፍለጥ እዩ። ሰብ እምበኣር ክንዮ ጥዕና ጥዒምዎን ተሰማሚዕዎን ምእንቲ ክነብር ዝገብሮ ፈንጠርጠርን ጉያን ዝፍጽሞ ጻዕርን ድኻምን ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ኹሉ ገይሩ ተመሲሉሉ ኣብ ዝደለዮ ዝበጽሕ ብዙኅ ስለ ዘይኮነ ከኣ እትን ክድይብ፥ እትን ከርክብ ዘሎ ወጠጥን ናይ ምንባር ተዋሥኦን ዕጹብ ግሩም ተባሂሉ ዘስደምምን እዩ።

እቲ ከይሓስመካን ምእንቲ ክጥመካን ተባሂሉ ዝግበር ድኻምን ጻዕርን ግን ነባርን ቀዋምን ስለ ዘይኮነ፡ ከም ትማሊ ሓሊፉ ዝኽሪ ህላዌኡ ስለ ዝርሳዕ ከምቲ ሰሎሞን ጠቢብ ‘’…. ከንቱ ናይ ከንቱነት ኩሉ ከንቱነት ኢዩ። ሰብ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝጽዕረሉ ኩሉ ጻዕሪ እንታይ ረብሓ ይረኽበሉ?’’ ዝበሎ እዩ። መክብብ 1፡2-3። ወዲ ሰብ ክንድቲ ነዛ ሓላፊት ሥጋኡ ንምሕጓስን ኣየ! ክበሃልን ዝገብሮ ጻዕርን ድኻምን፡ ነታ ሕያው ዝኾነት ነፍሱ ዝኸውን ክፍጽም እንተ ዝፍትን ቅድሚ ኩሉ ካብ ስቓይን ሽግርን ምድኃ፡ ብድሕሪኡ ድማ መንግሥቲ ኣምላኽ ምወረሰ ነይሩ። ነዚ ዝበልናዮ ናይ ሰብ ስስዔን ዕሽነትን ንምርዳእ ትጠቅም ትኸውን እያ ዝበልክዋ ሓንቲ ኣብነታዊት ሓሳብ ከቕርበልኩም፡-

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰብኣይ ሓደ ብርቱዕ ኣራዊት ርኣየ እሞ፡ ካብቲ ዝርኣዮ ኣራዊት ንምህዳም ብዘለዎ ኃይሊ ጎየየ። ምኽንያቱ እቲ ኣራዊት ኣሽማባይ ብግህዶ ርኢኻዮስ ብወረ እውን ኣዝዩ ዘፍርሕ ግርማን ኃይልን ዘለዎ ኣንበሳ እዩ። እዚ ሰብኣይ እንተ እቲ ኣንበሳ ግዲ ዘይገበረሉ ኮይኑ፥ እንተ ዕድሉ ኮይኑ ከየርከቦ ኣብ ገምገም ሓደ ዓቢይ ጸድፊ ሳዕሪ ኂዙ ጠልጠል በለ። እዚ መከረኛ ሰብኣይ ሽሕ እኳ ካብቲ ኣንበሳ ነቲ ሳዕሪ ኂዙ እንተ ደኃነ፥ ከምቲ ‘‘ንበዓል ነጎዳስ ብሓዊ …..’’ ዝበሃል፡ ኣብቲ ዝኣተዎ ጸድፊ ድማ ሓደ ዓቢይ ገበል ኣፉ ከፊቱ ክውሕጦ ተቐሪቡ ርኣየ እሞ ምድረ ሰማይ ጸልመቶ። እዚ ሓሳረኛ ሰብኣይ ኣብ ድሕሪኡ ጸድፊ ኣብ ቅድሚኡ ኣፉ ዝኸፈተ ገበል ምስ ኮኖ፡ መሬት ከም ኣፍ መርፍእ ጸበበቶ፥ ከም ፈትሊ ከኣ ቀጠነቶ። እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ ከሎ ግን፡ ብሕሊናኻ ዘይትቕበሎ ንእዝኒ ሰማዒ ዝድንጹ፡ ንዓይኒ ርኣዪ ዘገርም ነገር ይገብር ነበረ። ኣብተን ካብ ጸድፊ ክድኅን ኢሉ ኂዝወን ዝነበረ ሳዕሪ መዓር ረኺቡስ ቆቀንጢሩ  ይልሕስ ምንባሩ እዩ።

እዚ ሰብኣይ ገበል ኣፉ ከፊቱ፥ ጸድፊ መገዱ ጸሪጉ እናተጸበዮ ኣብ መንጎ ክልተ እምኒ ዝበቖለት ኪታ ኮይኑ ተቐርቂሩ እኳ እንተ ነበረ፥ ካብተን ሳዕሪ መዓር ከልምጽ ምፍታኑ ግና፡ ብሓቂ ሰብ ድዩ ኣራዊት ኣብ ዘብል ሕቶ ዘየውድቕን ዘየገርምን ኣይኮነን። እምበኣር ዛንታ ናይ እዚ ኣብ መንጎ ኣፉ ዝኸፈተ ገበልን ኣብ ገምገም ጸድፊ ዝነበረን ሰብኣይ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝምልከት ትርጉም ዝኃዘ ኣገዳሲ መልእኽቲ እዩ።

ንሱ ድማ እቲ ጸድፊ ጉድጓድ መቓብር እዩ። እቲ ኣፉ ዝኸፈተ ገበል ከኣ ሞት ኢዩ። እቲ ዘልምጾ ዝነበረ መዓር ድማ ናይ እዛ ኃላፊት ዓለም ጣዕሚ እዩ። ብሓጺሩ ንሰብ ናይ እዛ ኃላፊት ዓለም ጣዕሚ ንሞት ዝኣክል ከቢድን ዘይኃልፍን ጾር ከም ዘይንዝክር ከም ዝገበሮ ዘረድእ ዛንታ እኳ እንተ ኾነ፡ እዛ ተምሳል ዘይምሕር ገበል ዝኃዘት ሞት ከኣ ኣፋ ከፊታ ክትወስደና ካብ ርእስና ከቶ ርሒቓ ኣይትፈልጥን እያ እሞ፡ ከምቲ ኣቦታትና ‘‘ሕነ ንሞት ከሎኻ ፍቕሪ’’ ዝበልዎ፡ ንሕና ከኣ ንሕድሕድና ተፋቒርና ካብ ሥጋዊ ሞት ዘይኮነስ ካብ ነፍሳዊት ሞት ርእስና ነድኅን ሓደራ!!

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div