S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዘይሓምም ሓመመ፣ ዘይተሓዝ ተሰቕለ፣ ዘይመውት ሞተ

ዘይሓምም ሓመመ፣ ዘይተሓዝ ተሰቕለ፣ ዘይመውት ሞተ። ፍቕረይ ደሪኽዎ! ኣየ ፍቕሪ!

ነቲ ዘይሓምም ሕማሙ ነዘንቱ፣ ነቲ ዘይመውት ሞቱ ነዘንቱ፣ በታ ምስ ደቂ መዛምርቱ ዝተቐመጠላ ለይቲ፣ ብፍቓድ ኣቡኡን ብፍቓድ ገዛእ ርእሱን ነፍሱ ንሞት ወፈየ።

ነቲ ኹሉ ዝሕዝ ሓዝዎ፡ ነቲ ገዛኢ ኹሉ ኣሰርዎ

ነቲ ሕያው ወዲ ኣምላኽ ኣሰርዎ፡ ንሳቶም ብቑጥዓ ጎተትዎ

ንሱ ግና ብፍቕሪ ሰዓቦም፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚ መቐዝቱ ዘይዛረብ ሕያዋይ በጊዕ ደድሕሪኦም እናሰዓበ ከደ

ነቲ ሊቃነ መላእኽቲ ብፍርህን ብራዕድን ዝቖሙሉ ኣብ መጋባእያ ኣቖምዎ

ነቲ ሓዳግ-ሓጢኣት ሓጥእ በልዎ

ነቲ ንመኳንንቲ ዝፈርድ ፈረድዎ

ነቲ ንሱራፌል ዘውዲ ኣኽሊል ዝደፍኣሎም፣ ኣኽሊል እሾኽ ደፍእሉ

ነቲ ንኪሩቤል ግርማ ዘልብሶም፣ ንላግጺ ቀይሕ ግምጃ ኣልበስዎ

ነቲ ኪሩቤል በኽናፍ ሓዊ ተሸፊኖም ዝኽወልሉ፣ ንዕኡ እኩይ ባርያ ኢዱ ኣትሪሩ ገጹ ጸፍዖ።

ነቲ ሰራዊት መላእኽቲ ብዓቢይ ስንባድ ዝሰግድሉ፣ እናሽኻዕለሉ ኣብ ቅድሚኡ ተምበርከኹ።

ኣየ! ከመዚ ዝበለ ትሕትና ከመይ ዝብለ ትሕትና እዩ፣ ከምዚ ዝበለ ትዕግስቲኸ ከመይ ዝበለ ትዕግስቲ እዩ።

ከምዚ ዝበለ ዓቕሊኸ ከመይ ዝበለ ዓቕሊ እዩ።

ኣየ! ከምዚ ዝበለ ሕያውነትከ ከመይ ዝበለ ሕያውነት እዩ፡

ኣየ ፍቅሪ! ክንድዚ ዝኣክል ንሰብ ምፍቃር!

ንወዲ ኣምላኽ ካብ መንበሩ ፍቅሪ ሰሓቦ፡ ክሳብ ሞት ከኣ ኣብጽሖ።

ነቲ ኣበሳ ዘይብሉ ከም ኣበሰኛ ሰቐልዎ። ነቲ ሕይወት ዝፈጠረ ምስ ገበነኛታት ቆጸርዎ።

ኣየ እተን ንኣዳም ዘፈጠራ ኣእዳው ብሽካር ኣብ መስቀል ተሸንከራ።

ኣየ! እተን ኣብ ገነት ዝተመላለሳ ኣእጋር ብመስማር ኣብ መስቀል ተሰመራ።

ኣየ! እቲ ንኣዳም መንፈስ ህይወት ኡፍ ዝበለሉ ኣፍ ምስ ሓሞት ዝተሓወሰ መጺጽ [ነገር] ሰተየ።

ኣየ! ናይ ወላዲ መከራኡ ኪዛረብ ዚኽእል፡ ኣየናይ ልሳን፡ ኣየናይ ከንፈር፡ ኣየናይ ኣፍ እዩ።

ናይ ፍቁር ወልድ መከራ ኪንገር ከሎ፡ ልቢ ይኽፈል፡ ሕልና ይዓረብ፡

ነፍሲ ትርዕድ፡ ስጋ ይደክም።

ዘይመውት ሞተ፡ ንሞት ክስዕሮ ሞተ፡

ንምውታት ከሕውዮም ሞተ።

 

ምንጪዳሴ ዮሓንስ ኣፈወርቅ (347-407 A.D)

source: John Chrysostom (The Golden mouth),347-407 A.D: Liturgy Page 2

posted 04/18/2011

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div