S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ከም ልማድ ዝኾነ ሰብ ወይ ሕዝቢ፣ ሓዲሽ-ዓመት ክመጽእ ከሎ፣ ኮይኑ ክርእዮ ዝደሊ ብዓይኒ-ተስፋ`ውን ዝጥምቶ፣ ብዙሕ ጽቡቕ ሕልምታት ክህሉ ከም-ዝኽእል፣ ከም-ርዱእ ዝውሰድ እዩ። እቲ ቅዱስ-መጽሓፍ ግና፣ “-ወለዶ ይሓልፍ ወለዶ ከኣ ይመጽእ፣ ምድሪ ግና ከይተለወጠት ንሓዋሩ` ትነብር-ብምባል` ገሊጹዎ ዝርከብ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ “-ኣብ ዓለም ሓዲሽ ነገር የልቦን-” ብምባል`ዩ፣ እቲ ጠቢብ  ዝኾነ ሰሎሞን ወዲ-ዳዊት ዝድምድም። (መክ-1/4)

ብመሠረቱ ክርአ ከሎ፣ ቈልዑት ክልተ ዓይነት ወለዲ`ዮም ዘለዉዎም። ቀዳሞት እቶም ብኣካለ-ሥጋ ዝወልዱዎም ወለዲ ክኾኑ ከለዉ። ካብዚ ብምቕጻል ብኻልኣይ ደረጃ እትመጽእ ድማ፣ እታ ብጸጋ-ጥምቀት እትወልዶም ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን`ያ። ንኣተዓባብያኦም ብዝምልከት ድማ ክልቲኦም-ወለዲ ነናቶም ሓላፍነት ክህልዎም ግድን`ዩ። እዞም ዝተባህሉ ክልተ ወለዲ፣ ዘለዎም ሓላፍነት ብዝግባእ ክሠርሑሉ እንተ-ዘይክኢሎም ግና፣ ኣብ መጻኢ ሕይወት እቶም ቈልዑ፣ ዝኾነ ጸገም ከጋጥም ከም-ዝኽእል፣ ከም-ርዱእ ዝውሰድ እዩ።

ንሕና ከም ኦርቶዶክሳውያን ወይ ከም ክርስቲያን መጠን፣ መስቀልን ታሪኽ መስቀልን ንዓና ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን። ከመይሲ እቶም ቀዳሞት ኣቦታትና፣ ካብ ዘመነ-ብሉይ ኣትሒዞም፣ ኣብ እምነት እግዚኣብሔር ሠረት ዝገበረ ኣምልኮ ሒዞም`ዮም እናተጎዓዙ መጺኦም። ስለዚ`ውን መስቀልን ታሪኽ-መስቀልን ንዓና ከም ሕዝቢ፣ ጋሻ ክኾነና ዝኽእል ኣይኮነን።

ጾመ ነነዌ ናይ 2023 ቤተክርስቲያን ኣብ ልዑል ተስፋ ዕርቀ-ሰላም ትርከብ ምህላዋ፡ ነዘን ሰለስተ መዓልቲ በዚ መንፈስ ክንጽሊ ከም ዘሎና ርዱእ እዩ። ዮናስ ነብይ ሓደ ካብቶም ንኡሳን ነብያት ብሉይ ኪዳን ምዃኑ ይፍለጥ። ትንቢት ዮናስ ብሓቂ ክተንብቦ መሳጥን መሃርን እዩ።

እዚ ቃል ብሥራት`ዚ፣ ቅድሚ 2000-ሽሕ ዓመት ነቶም ከብቶም ሒዞም፣ ኣብ መሮር ዝሓደሩ ጓሶት ቤተ-ልሔም ዝተነግረ ቃል`ዩ። ከመይሲ እቲ ነቢይ-ኢሳይያስ ኣብ ትንቢቱ “-እንሆ ድንግል ክትጠንስ፣ ወዲ`ውን ክትወልድ፣ ስሙ ድማ ኣማኑኤል ኢላ ክትሰምዮ ኢያ-” ብምባል ተነብዩዎ ዝነበረ ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም`ዩ፣ እቲ መድኃኒ-ዓለም ዝኾነ፣ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ-ክርስቶስ ክውለድ ዝኸኣለ። (ኢሳ-7/14)

ከም-ዝፍለጥ ኣብቲ ኩሉ ዝግበር ናይ ሕይወት-ጉዕዞ፣ ምውራድን ምድያብን ከጋጥም ባህርያዊ እዩ። ስለዚ`ውን ሓደ ሰብ ኮነ ሓደ ሕዝቢ፣ ብፈተና ተፈቲኑ ዘይሓልፍ ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ኣይመስልን። ከመይሲ ኣብቲ ክግበር ዝኽእል ናይ ሕይወት ጉዕዞ፣ ብፈተና ዘይፍተን ሕይወት ኣሎ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል እዩ። ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ፈተና ስዒሩ ክወጽእ ዝኽእል ግና፣ ኩሉ` ምባል ዘኽይድ ኣይኮነን። ስለዚ`ውን እቶም ብሥነ-ምግባር ዝተሓንፀ ስብእና ዘለዎም ኩሎም፣ ነቲ ክገጥሞም ዝኽእል ፈተና ብዓወት ስዒሮሞ ክወጹ ከለዉ፣ ብኣንጻሩ እቶም ናይ ሥነ-ምግባር ውድቀት ዘጋጥሞም ድማ፣ ብፈተና ተረቲዖም ክወድቁ፣ ክተርፈሎም ዘይክእል ዕዳ` ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል።

ከም-ዝፍለጥ ንሕና ከም ክርስቲያን መጠን፣ ምስ መስቀል ፍሉይ ፍቕሪ ዘሎና ሕዝቢ ኢና። ካብ መስቀል ዝተፈልየ ሕይወት ኣሎና ክንብል`ውን ኣይንኽእልን። ስለዚ ድማ ኢና “-መስቀል- ኃይልነ-! መስቀል-ጽንዕነ-! መስቀል-ቤዛነ-! መስቀል-መድኃኒተ-ነፍስነ-!-” ብምባል፣ መስቀል ኩሉ ነገርና ምዃኑ ከነንጸባርቖ እንርከብ ዘሎና። ኣብቲ ወርሓት መስከረም`ውን “-መስቀል ዘይበለ ካባና ይፈለ-” ዝብል ባህሊ ከም-ዘሎና ዝፍለጥ`ዩ። ስለዚ መስቀል ንዓና ኩሉ ነገርና` እንተ-ተባህለ፣ ተጋጊኹም ከይንበሃል እንስከፈሉ ምኽንያት የብልናን።

ንሕና ከም ሕዝቢ፣ ማለት ከም ሕዝቢ-ሓበሻ መጠን፣ ናይ ሞት መጸዋዕታ ክመጸና ከሎ፣ ምቕባሉ ዝኸብደና ሕዝቢ ምዃንና ኢና እንፍለጥ። ኣብ ዝኾነ ግዜ እቲመርድእዝበሃል ዜና ክመጽእ ከሎ፣ እቲ ክግበር ዝርአ ናይ ኣበኻኽያ ባህልና፣ መግለጺ ክርከበሉ ይኽእል` ክበሃል`ውን ኣይከኣልን። ብሓጺሩ ሞት ኣብ ሕዝብና፣ ዳርጋ ከም መወዳእታ ዓለም ኮይኑ` ዝርአ እንተ-ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ልማድ` ከኣ ግዜ ክቕይሮ ዘይከኣለ፣ ዳርጋ ኣብ ደምና ከም-ዝተወሃሃደ ውርሻ ኮይኑ`ዩ፣ ኃቢሩና ክጎዓዝ ዝርከብ ዘሎ።

ከም-ዝፍለጥ ሞት ክበሃል ከሎ፣ ዝፍቶ ሞት ስለ-ዘየሎ፣ ውጽኢት ሞት ኩሉ ግዜ ሓዘንን ብኽያትን እዩ። ዓይነት ሞት ግና ብዙሕ`ዩ። ከመይሲ ዘይንቡር ሞት ዘጋጥመሉ ኣጋጣሚ`ውን ስለ-ዘሎ`ዩ። ስለዚ ከኣ` ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ፣ ሞታ ለማርያም ይኣጽብ እም ኩሉተባሂሉ ዘሎ። እዚ ማለት ድማሞትሲ ነቲ ዝመውት ግቡእ ሞት`ዩ፣ እቲ ናይ ቅድስቲ ማርያም ሞት ግና ካብ ኩሉ ዜገርም`ከም ምባል` ዜስምዕ። ስለዚ`ውን እቲ ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝስማዕ ዘሎ ናይ ሞት መርድእ`ውን፣ ፍሉይ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ስለዚ`ዩ።

ንህጻናት ብኸመይ ንቐርቦም / ንርድኦም?

ብቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ሳልሳይ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ

ትርጉም፡ ዲያቆን ሓበን ደጀን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div