ብምኽንያት መበል 10 ዓመት ዝኽሪ ናይቶም ኣብ 2013 ዓመት ኣብ ገማግም ደሴት ላምፐዱሳ ህልቂት ዘጋጠሞም ዜጋታትና፡ ንሰንበት 8 ጥቅምቲ 2023፡ ኣብ ኩለን ቤተ ክርስቲያንናትና ብሓባር ጸሎት ፍትሓት ዝካየደሉ ዕለት እዩ። በዚ መሰረት፡ ስለቶም፡
“.....ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ (ሰብ) እንተ’ሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ’ውን የልዕል’ሞ፡ ይስዓበኒ፡ ንህይወቱ (ባዕሉ) ኬድሕና ዚደልይ ኬጥፍኣ’ዩ፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና’ዩ።” ማር 8፡34,35
ከም ልማድ ዝኾነ ሰብ ወይ ሕዝቢ፣ ሓዲሽ-ዓመት ክመጽእ ከሎ፣ ኮይኑ ክርእዮ ዝደሊ ብዓይኒ-ተስፋ`ውን ዝጥምቶ፣ ብዙሕ ጽቡቕ ሕልምታት ክህሉ ከም-ዝኽእል፣ ከም-ርዱእ ዝውሰድ እዩ። እቲ ቅዱስ-መጽሓፍ ግና፣ “-ወለዶ ይሓልፍ ወለዶ ከኣ ይመጽእ፣ ምድሪ ግና ከይተለወጠት ንሓዋሩ`ያ ትነብር-” ብምባል`ዩ ገሊጹዎ ዝርከብ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ “-ኣብ ዓለም ሓዲሽ ነገር የልቦን-” ብምባል`ዩ፣ እቲ ጠቢብ ዝኾነ ሰሎሞን ወዲ-ዳዊት ዝድምድም። (መክ-1/4)
“ንዓይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ….” (መዝ 73:28) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ንመበል 25 ዓመት ክካየድ ዝቀነየ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ብሰላም ተዛዚሙ፡፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ከተማ ባፍሎ ኒውዮርክ ካብ ሓሙስ 3 ነሓሰ ክሳብ ሰንበት 6 ነሓሰ 2023 ዓ.ም እዩ ተኻይዱ። እግዚኣብሔር ረዲኡና ጉባኤና ካብቲ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ ናይ በረኸት፣ ናይ ምጽንናዕ፣ ናይ ፍቕሪ ጉባኤ እዩ ነይሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ዝጀመረ መደባት ናይ ንጉሆ፣ ድሕሪ ቀትርን ምሸታዊ መደባት ተሰሪዑ እዩ ክካየድ ቀንዩ።
The East Coast youth retreat was held in Virginia from Thursday, July 6 to Sunday, July 9, 2023. We are grateful to God that the retreat was a success and achieved its intended goals. During the retreat, the youths had the chance to engage in spiritual reflection, gain knowledge about their church, and establish meaningful connections with one another. The retreat featured indoor and outdoor adventures, creating lasting memories.
May God's blessings be upon our youth and the Church as a whole.
መበል 25 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ: ካብ 3 ክሳብ 6 ሓምለ (August 3-6) 2023 ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ኣብ ከተማ ባፍሎ ክፍለግዝኣት ኒው ዮርክ ክካየድ እዩ። ናይዚ ዓመት'ዚ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ መበል 25 ዓመት ጉባኤና (silver jubilee) ከነኽብር ኣምላኽ ዕድመ ስለዝሃበና ብፍሉይ እነኽብሮ ጉባኤ እዩ። ብተወሳኺ፡ ከተማ ባፍሎ፡ ሓደ ካብቶም ሰሓብቲ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ (Niagara Falls) ዘለዋ ከተማ'ውን እያ። ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ምሳና ኣብዚ ጉባኤ'ዚ ከተሕልፍዎ ብኣኽብሮት ንዕድም።
OBITUARY
H.H. Abune Antonios, the Third Patriarch of the Eritrean Orthodox Church
“Precious in the sight of the LORD is the death of his saints” – Psalm 116:15
And He came to the place of a skull.' Some say that Adam died there, and there lieth; and that Jesus in this place where death had reigned, there also set up the trophy. For He went forth bearing the Cross as a trophy over the tyranny of death: and as conquerors do, so He bare upon His shoulders the symbol of victory.
St. John Chrysostom
ነቲ ዘይሓምም ሕማሙ ነዘንቱ፡ ነቲ ዘይመውት ሞቱ ነዘንቱ። በታ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝረፈቐላ ለይቲ፡ ብፍቓድ ኣቡኡን ብፍቓድ ገዛእ ርእሱን ነፍሱ ነሞተ ወፈየ።
ነቲ ዅሉ ዝሕዝ ሓዝዎ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ