S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓገብ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወርድ ዘሎ በደል

ሰብ ኣብ ውግእ እተዓጥቆ ዘበለ ኣጽዋርን፡ ብደም እተዓለሰ ኽዳንን ኪነድድ፡ ሓዊ ድማ ኪበልዖ እዩ (ኢሳ. 95)

መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት
25 የካቲት 2021 (የካቲት ፲፰,  ፳፻፲፫ . ግእዝ)

ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ፩ደ ኣምላኽ ኣሜን።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብመንግሥቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፥ውግእ ሰብ እዩ ዝቕለብ ስለዚ፥ ኲናት ደው ክብል፥ ብምርድዳእን ልዝብን ክፍታሕ፡ መንግሥቲ ኤርትራ ድማ ኣብ ዘይምልከቶ ዶብ ተሳጊሩ ምስ ኃዉ ዝኾነ ሕዝቢ ትግራይ ውግእ ከይገብር መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ ነይሩ እዩ [Link]።

መጸዋዕታ ቤተክርስቲያን ሰማዒ ስለዝሰኣነ ግና እንሆ ውግእ ቀጺሉ ከም ውጽኢቱ ድማ ወገሐ ጸብሐ ንሰማዒኡ ዘሰቅቕ ህልቂትን ግፍዕን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ይፍጸም ኣሎ። እንሆ ኸኣ እቲ ኲናት ደው ብዘይምባሉ፥ ሞት ኣሽሓት ሰላማዊ ህዝቢ፥ ግፍዕን ዕንወትን ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽልን ሰብ ይጸንትን ምህላዉ ብመራኸቢ ብዙኃን መዓልታዊ ይጋዋሕ ኣሎ።

ሕዝቢ ኤርትራ፥ ብባህሉ ደምነት ዝጽየፍ፥ ፈሪሓ እግዚኣብሔር ዘለዎ ክራስን ክዕምጽንስ ይትረፍ፥ ከይልምን ጾሙ ምሕዳር ዝመርጽ፥ ሰማይ ሃገረይ ኢሉ ዘንቃዕርር፥ናይ እዝጊሄርኢሉ ዝምሕል ቅዱስ ታሪኽ ዘለዎ ሕዝቢ እዩ። እቲ ንመሰሉን ሓርነቱን ልዑል ዋጋ ዝኸፈለ ሕዝቢ ኤርትራ ገናውን በሰላኡ ዘይሓወየን ናይ ዝተቓለሰሉ ትምኒቱ ዘይረኸበ ሕዝቢ እዩ። ሕዝቢ ኤርትራን ሕዝቢ ትግራይን፥ ኣብ ክልተ ሃገር ዝነበር ጎረባብቲ ጥራይ ዘይኮነስ ኣኅዋት ሕዝቢ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ነቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ምንባር ተሓሪምዎ መረበቱን ዓዱን ገዲፉ ብጥይት ኣኅዋቱ እናተሃድነ ዘምለጠ መንእሰይ፥ ሕዝቢ ትግራይ ተቐቢሉ ዑቅባ ሂብዎ እዚ ዋላ እቶም ኩናት ዘወልዑ መራሕቲ ኣይቀበልዎ እምበር፡ ጊዝያዊ ፖለቲካዊ ቁርቁስ ሰጊሩ ንሰናይ ጉርብትና ክልቲኡ ህዝቢ ዘዕምብብ፥ ሃገራዊ ይኹን መልክዓ-ምድራዊ ዶብ ዘይዓግቶ ታሪኻዊ ምትእስሳርን ፍቕርን ናይ ክልቲኡ ህዝቢ ዘጉልሕ ሓቂ እዩ።

ኣብዚ ብፈደራላዊ መንግ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ውግእን ዝተፈጸመ ገበን፥ ዘስካሕክሕ ተግባር እዩ። ስለዚ፥ እቲ ኩሉ ዝተፈጸመ ገበናት ዕንወትን ህልቂት ንጹሃን ሰባትን ብዘይ ሻራዊ ወገን ክጻረ እናተማሕጸንና፥ ሃገረ ስብከት ነዚ ዝስዕብ መጸዋዕታ ዳግማይ የቕርብ።

1. እቶም ኣብ ዘይምልከቶም ኵናት ተገዲዶም ብምእታው ዝሃልቁ ዘለዉ ዕሸላት መንእሰያት ኤርትራ ብህጹጽ ካብ ትግራይ ክወጹ ንጽውዕ፥ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ድማ ንመንግ ኤርትራ ጸቕጢ ክገብረሉ ንሓትት።

2. ብዝኾነ ኣካል፥ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ትግራይ ዝፍጸም ገበን፥ ብርሰት ታሪኻዊ ቅርስታትን ጥንታውያን ገዳማትን፥ ዕንወት ኣብያተ ክርስቲያናት፥ ቅትለት ካህናትን ሰላማዊ ህዝብን፥ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣትሪርና ንኹንን።

3. እቲ ክቡር ዝኾነ ሰብኣዊ ክብርታትን ባህልን ጽኑዕ እምነትን ዝሕላገቱ ሕዝቢ ኤርትራ፥ ይትረፍ ንብረት ዓመጽን ራስያን፥ ተበዲሉ ዝተበየነሉ ካሕሳ ዘይበልዕ በዓል ሕልና፡ንብረት ብጻይካ ኣይትመነንዝብል ትእዛዝ-ኣምላኽ ኣኽቢሩ ዝኸይድ ሕዝቢ እዩ። ስለዚ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ፥ ካብዚ ዝበሃልን ዝውረን ዘሎ ንብረት ሓራም፥ ዝኾነ ነገር ከይቅበል፥ ከይገዝእን ከየልዕልን ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንጽውዕ። ኣብ ንብረት ሓራም ንዝሳተፍ ዘበለ ኩሉ ንኹንን።

4. ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ኤርትራውን ዝግበር ዘሎ ጭውያ፡ ማእሰርትን ቅትለትን ክጻረ፥ ማሕብረ ሰብ ዓለም ብኣድማሳዊ ሕጊ ስደተኛታት መሰረት፡ ጉዳዮም ክከታተልን ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ድማ ብዛዕባ ድሕነቶም ውሕስነት ክግበረሎም ንጽውዕ።

ነዚ በዚ ኣዝዩ ከቢድ ጸገም ዝሓልፍ ዘሎ ኣሕዋት ሕዝቢ ትግራይን ሕዝቢ ኤርትራን፥ ማሕበረ ሰብ ዓለም ረድኤትን ሰብኣዊ ሓገዝን ንኽገብረሉ መጸዋዕታ እናቕረብና፡ ኣብ ጊዚ ጸበባና ክረድእ ዝከኣሎ ኣምላኽ ረድኤቱ ክህቦም ወትሩ ኣብ ጸሎትና ንዝክሮም። 

ኣምላክ ሰላም፥ ንዞባናን ንዓለምን ሰላሙ ይሃበልና።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div