S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅዱስ በዓለ ሆሳእና ይግበረልና።

‘ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡’ ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም።” ማቴ 23፡38-39። እንሆ፡ ድሕሪ ሾብዓተ ሰናብትን ሳምንትን ናይ ጾም፡ ናብዚ “ሆሳእና” ዝተሰምየ ሓያሎ ትንቢታት ዝተፈጸመሉ፡ናብ ሕማማት ዜስግረና በዓል በጽሒና ኣሎና። እዚ ናይ ሆሳእና ዕለት’ ዚጽምብል ደኣ ይመስል እምበር ናይ ምህለላን ምሕጽንታን መዓልቲ እዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ፡ “ሆሳእና” ዚብል ናይ እብራይስጢ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙ ድማ “ኣድሕን” ማለት እዩ። እዚ ቃል ትንቢት እዚ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ብኣፍ ነብዪ ዳዊት፡ “ ዎ እግዚኣብሄር ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣሰልጥን (ኣዐውት) ኰታ። እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡” Read More

ተባሂሉ ዝተነግረ እዩ (መዝ 118፡25-26)። ኣብታ እዚ ትንቢት ዚፍጸመላ ዕለት ድማ፡ እቲ ህዝቢ፡ “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም” እናበለ ንክርስቶስ ተቀበሎ። እቲ ብነብዪ ዘካርያስ፡ ዝተነግረ፡ “ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣዚኺ ተሓጐሲ፡ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም እልል በሊ፡ እንሆ ንጉስኪ፡ ንሱ ጻድቕ፡ መድሓንን ትሑትን እዩ፡ ኣብ ኣድጊ፡ ኣብ ጻዕቢ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ።” ዚብል ቃል ትንቢት’ውን ብተግባር ተፈጸመ (ዘካ 9፡9)። ቈልዑ ዓው ኢሎም፡ “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት” ኢሎም ብምጭዳሮም፡ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ምስ ተቓወሙን ድማ፡ እቲ ብነብዪ ዳዊት፡ “ምእንቲ ተቓውምትኻ፡ ነቲ ጸላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፡ ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብውን ሓይሊ ኣዳሎኻ።” ዝተባህለ ትንቢት ፍጻመ ረኸበ (መዝ 8፡2)። ስለዚ ሆሳእና ዕለት ፍጻመ ናይቲ ቕድሚ ኣማኢትን ኣሻሓትን ዓመታት ዝተነግረ ዓበይትን ኣገደስትን ትንቢታት እዩ። Read More

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div