S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (4ይ-ክፋል)

ምስ ሳሚያ ክገብሮ ዝጸናሕኩ ምዝርራብ ኣቋሪጸ ምስ-ከድኩ፥  ውሽጠይ ስለ-ዝተሃወኸ ክረጋጋእ ኣይከኣልኩን። በዚ ድማ “-ክርስቶስ ማለት መን’ዩ-?-” ብምባል፥ ክምልሶ ብዘይክእል ሕቶ ነፍሰይ ኣብ ምጭናቕ ኣቶኹ። ከመይሲ ክርስቶስ ዝብል ስም ብዘልዓልኩ ቁጽሪ፥

ቅድሚ ሕጂ ከምኡ ኣጋጢሙኒ ዘይፈልጥ፥  ኣብ ውሽጠይ ሓዲሽ ስምዒት ከላዕለለይ ይስመዓኒ ነበረ። ፍስሓን ሓጎስን ምጽንናዕን ዝህበኒ ዓይነት ስምዒት ምንባሩ ከኣ እዝክር። እቲ ክርስቶስ ዝብል ስም ንዓይ ሓዲሽ’ኳ እንተነበረ፥ እንድዒለይ ግና ሱቕ ኢለ ክፈትዎ ጀሚረ። ስለዚ’ውን ብዛዕባኡ ኣጸቢቐ ንኽፈልጥ፥ ብዙሕ ተገዳስነትን ድሌትን ክገብር  ውሸጠይ የገድደኒ ነበረ።

ስለዚ ከኣ’የ ምስ ሳሚያ፥ ብዙሕ ምቅርራብ ክህልወኒ ይደሊ ዝነበርኩ። እቲ ምስኣ ክገብሮ ዝደሊ ዝነበርኩ ምዝርራብ፥ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ክኸውን እደልዮ ስለ-ዝነበርኩ’ውን፥ ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ ኣንጊሀ ክመጽእ ጀመርኩ። ሳሚያ ከም- እትኣምነንን ኣጸቢቓ’ውን ከም-እትፈትወንን ዝጠራጠረሉ ምኽንያት ኣይነበረን። ኣነ መን ምዃነይ ወይ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝጸንሓኒ፥ ዓቐኑ ዝሓለፈ ጽልኣት ከይሰማዓቶ ተሪፋ ክብል ኣይክእልን እየ። ግዳስ ነዚ ኩሉ’ዚ ሓሊፋ፥ ምሳይ ክትቀራረብ ምኽኣላ፥ ከንእዳ ዝኽእል ዓቢይ ልቦና’ዩ ነይሩ። ስለ’ዚ ድማ’የ ኣነ’ውን ፈታዊታ ንክኸውን፥ እቲ መጠን ዘይነበሮ ልቦናኣ  ዘገደደኒ።

ግዳስ እዚ ኩሉ እናኾነ ከሎ’ውን፥ ስለ-ምንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን፥ ሕማቕ ሓሳባት ኣብ ሕሊናይ ምምልላሱ ኣይተረፈን። በዚ ምኽንያት’ዚ እውን ሓደ-መዓልቲ፥ ንሳሚያ ክፍትና ኣሎኒ ኢለ ተለዓልኩ። ስለ’ዚ እውን ካብቲ ናይ ቤት-ትምህርቲ ገንዘብ፥ 1000,= ፓውንዲ እዩ ኢለ ሂበያ። ክህባ ከሎኹ ግን 10,= ፓውንዲ ወሲኸ’የ ሂበያ። ንሳ ግና ኣብቲ ሕሳብ 10,= ፓውንዲ ዚያዳ ኣለዎ ብምባል’ያ መሊሳትለይ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት’ውን፥ ክሳብ ክንደይ ክትእመን ከም-እትኽእል፥ ብብዙሕ ፈቲነያ እየ። ይኹን እምበር ንሳ፥ ኣብ ፈተና ክትወድቕ ትኽእል ሰብ ኮይና ኣይረኸብኩዋን።

ግዳስ እቲ ቀንጠባጥቦ ዝኾነ ጠባየይ ምግዳፍ ስለ-ዝኣበየኒ፥ ንዕኣ ንሳሚያ ብብዙሕ መንገዲ ክፍትና ምድላየይ ኣየቋረጽኩን። ብኣዘራርባይ ከበሳጭዋ ካብ ምድላየይ ዝተላዕለ’ውን፥ ብእኣ ንዝቐርብ ሓሳባት፥ ኮነ ኢለ የነኣእሶን የስተናዕቖን ነበርኩ። ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ’ውን እቃወማ ነበርኩ። ንሳ ግና ነዚ ኩሉ’ዚ፥ ዋላ ሓንቲ ከም-ዘይኮነ ብዓቢይ ልቦናን ትዕግስትን ትሓልፎ ነበረት። ትዕግስትን ትሕትናን መቸም ካብኣ ርሒቖም ክኸዱ ኣይሕሰብን እዩ። እቲ ወለላ ዝኾነ ጠባያ’ውን፥ ስርንቕ ኢሉ ክዕንቀፍ ዝሕሰብ ኣይነበረን። ኣነ ከም-ዝመስለኒ ንሳ ንጠባየይ ጽቡቕ ገይራ ስለ-ዘጽንዓቶ፥ ምስቲ ኩሉ ዝነበረኒ ሕማቕ ባህርያት፥ ጸይራትንን ክኢላትንን ክትጐዓዝ ምኽኣላ፥ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ትዕግስትን ልቦናን’ያ ኮን ተዓዲላ-? ዘየብል ኣይኮነን።

ብኸምዚ ድማ ሓያሎ መዓልታት ሓለፈ። ይኹን እምበር እቲ ብዛዕባ ከርስቶስ ምሕሳበይ ግና፥ ፈጺሙ ክሓድገኒ ኣይከኣለን። ስለ’ዚ ድማ ንሳሚያ ስለ ክርስቶስን ስለ-ትምህርቱን፥ ብቐጻሊ ምሕታተይ ኣየቋረጽኩን። እቲ ኣዚዩ ዘገርመኒ ዝነበረ ግና፥ ንሳ ብዛዕባኡ ክትገልጸለይ ክትጅምር ከላ፥ እቲ ቤት-ጽሕፈተይ ብዝሃግግ መዓዛ-ዕጣን ይምላእ ምንባሩ እዩ። እንታይ ዝኾነ ምስጢር’ዩ-? ክርስቶስ ክለዓል ከሎ፥ እቲ ዕጣን ካበይ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ-? ዝብል ሕቶ፥ መልሱ ንኽፈልጥ ብብዙሕ ተገደስኩ። ኣብቲ መንጎ’ውን ምናልባት ደኾን ሳሚያ፥ ኮነ ኢላ ባዕላ ትገብሮ ዘላ ዕጣን ክኸውን ይኽእል-? ብምባል’ውን ምጥርጣረይ ኣይተረፈን።

ካብዚ ነጥቢ’ዚ ብምብጋስ’ውን፥ እቲ ሳሚያ ትገብሮ ኩሉ ብጥንቃቐ ክከታተሎ ጀመርኩ። ይኹን እምበር ዝኾነ ናብ ጠርጠራ፥ ክወስደኒ ዝኽእል ነገር ክረክብ ኣይከኣልኩን። መሊሰ ድማ ምናልባት ኣብቲ ክፍሊ፥ ገለ ንዓይ ክረኣየኒ ዘይከኣለ ዝተገብረ ነገር ከይህሉ ብምጥርጣር፥ ኣብ ካልእ ክፍሊ ክንቅይር ወሰንኩ። ስለዚ’ውን ሓደ-ሓደ ግዜ ኣብቲ ላዕለዋይ ደርቢ። ሓደ-ሓደ ግዜ ድማ ናብቲ ቦታ ኣታኽልቲ እናቐያየርና፥ ምዝርራብና ቀጻሊ’ዩ ነይሩ። እቲ ኣዚዩ ዘገርም ነገር ግና፥ እቲ መዓዛ-ዕጣን ኣብ ዝኸድና እንተኸድና፥ ተኸቲሉና ይኸይድ ምንባሩ እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ፥ እምበኣር እዝስ እቲ ብሳሚያ ዝወሃበኒ ዝነበረ ትምህርቲ-ክርስቶስ፥ ሓቅን ዝእመንን ምዃኑ፥ ብእግዚኣብሔር ዝግለጸለይ ዘሎ ምስጢር ደኾን ክኸውን ይኽእል-? ኢለ’ውን ሓሰብኩ።

ሰብ ምዃነይ ከይተርፈኒ ግዲ ኾይኑ ግና፥ ኣሚነ ክብል እጸንሕ’ሞ፥ እቲ ናይ ሰብ ምዃን ድኻም ድማ፥ በዚ መጸ ከይበልኩዎ፥ ኩሉ ነገር ሕውስውስ ይብለኒ’ሞ፥ መሊሰ ድማ ዝሕዞን ዝጭብጦን ክሳብ ዝስእን እኸውን። ነገራት ይዋቕዑኒ-! ሕንፍሽፍሽ’ውን ይኣትወኒ። ንድሕሪት ተመሊሰ ከኣ፥ ንምዃኑ እቲ ሓቂ ኣበይ’ዩ ዘሎ-? ድማ እብል። ንኣምላኸይ ክፈልጦ ቀሪበ ኣብ ዝብለሉ ግዜ፥ መሊሰ ድማ ከም ዘራጊቶ ንፋስ፥ በዚ መጸ ከይተባህለ ይፈታተነኒ እሞ፥ ካብ ኣምላኸይ ርሒቐ ከም-ዝኸድኩ ኮይኑ ይስመዓኒ። እዚ ከኣ  ብብዙሕ ንስምዒተይ ይጎድኦ ነይሩ’ዩ ክብል እኽእል። እዚ ሓሳብ’ዚ ክሓስብ ከለኹ ድማ፥ ውሽጠይ ይሳቕየኒ’ሞ፥ ልዕሊ’ቲ ኣነ ክጾሮ ዝኽእል ኮይኑ ይኸብደኒ። ምስ ኣምላኸይ ከይራኸብ ድማ፥ ኣበሳ ኃጢኣተይ መንደቕ ኮይኑ ከሕልፈኒ ይኽእል ኣይነበረን። ሕይወተይ ክግምግሞ ከለኹ ከኣ፥ ብጀካ ኃጢኣት ሠናይ ዝበሃል ነገር ምህላዉ ኣይረኣየንን። እዚ ኩሉ መወዳእታ ዘይብሉ ሓሳብ ‘ዚ ድማ፥ ብናይ ሓሳብ ፈረስ ጋሊበ፥ ሃው ኢለ ክህውትት ይገብረኒ ነበረ።

ብዝኾነ 15-ሕዳር 1987 ዓ/ም ሳሚያ ናብ ቤት-ትምህርቲ ኣርፍድ ኣቢላ’ያ መጺኣ። ካብ ካልእ ግዜ ብዝተፈልየ ግና፥ ፍሉይ ሓጎስ ኣብ ገጻ ይንበብ ነይሩ። ኣነ ድማ በቲ ሓዲሽ ተርእዮ ስለ-ዝተገረምኩ፥ “-ንምዃኑ እንታይ ሓዲሽ ነገር ረኺብኪ ኢኺ፥ ከምዚ ኢልኪ ሓጎስ ብሓጎስ ክትኮኒ ዝኸኣልኪ?-” ብምባል ሓቲተያ። ንሳ ድማ ብምሉእ ናይ ሓጎስ መንፈስ ተመሊኣ  “-ሎሚኮ ናይ በዓል ልደት መጀመርታ መዓልቲ ጾም’ዩ-” ክትብል መሊሳትለይ። ኣነ ድማ ትቕብል ኣቢለ እናላገጽኩ “-ኣብ ክርስቲያንከ ጾም ዝበሃል ነገርዶ ኣሎ’ዩ-? እቲ እናበላዕኩምን እናሰተኹምን ንጸውም ኣሎና ትብሉዎ ጾም ድዩ-?” ብምባል፥ ኣላጊጸላ። ንሳ ግና “-የለን ከምኡ ኣይኮነን። ንሕና ክርስቲያን ብርግጽ ንጸውም ኢና። ንነዊሕ ሰዓታት’ውን ካብ ዝብላዕን ዝስተን ንቝጠብ ኢና። ልዕሊ ኩሉ ግና ኣብ ግዜ ጾም፥ ዝተቐደሰ ሕይወት ኢና ንነብር-” ክትብል  ብርእሰ-ተኣማምነት ገሊጻትለይ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ግና እንድዒ ስለ-ምንታይ ምዃኑ፥ ከም ኣመለይ ዘየድሊ ናይ ላግጺ ዘረባ ክዛረብ ኣይደለኹን። እቲ ርግእ ምባላ ኣነ’ውን፥ ጥንቅቕ ኢለ ከስተብህለሉ  ምስ-ጸናሕኩ፥ ኣብቲ ጌራቶ ዝነበረት መስቀል ሓደ ዘንጸባርቕ ነገር ስለ-ዝተዓዘብኩ፥ “-እዚኸ እንታይ’ዩ?-” ክብል ተወኪሰያ። “-እዚ ናይ ቅድስት-ማርያም ስእሊ’ዩ-” ክትብል ከኣ መሊሳትለይ። በቲ ኣበሃህላ ስለ-ዝተገረምኩ “-ኣብቲ እዋን’ቲ ደኣ ስእሊ ከልዕሉ ዝኽእሉ ሰባትዶ ነይሮም’ዮም-? ንምዃኑኸ ናታ ስእሊ ምዃኑ ብኸመይ ርግጸኛታት ክኾኑ ይኽእሉ-? መቸም ንዓይ ከም-ዝመስለኒ እዞም ክርስቲያን ዓያሹ እዮም። ሓደ ዝኾነ ሰኣሊ ተላዒሉ፥ እዚ ናይ ማርያም ስእሊ’ዩ ስለ-ዝበሎም ጥራይ፥ ኣሚኖም ተቐቢሎሞ ማለት’ዩ። ብምባል ድማ ብሓሳበይ እቶም ክርስቲያን ተዓሽዮም’ዮም በልኩ።

ከምዚ’ለ ይሓስብ ኣብ ዝነበርኩሉ ሰዓት ድማ፥ እቲ ኣብቲ መስቀል ቅድም ኢለ ዝርእዮ ዝነበርኩ ነጸብራቕ ኣልጊሱ። ኣብ ክንድኡ ከምዚ’ዩ ኢለ ክገልጾ ዘይክእል፥ ድሙቕ-ብርሃን ተተኪኡ ረኣኹ። ካብኡ ድማ ዕጣን ሃገግ እናበለ ክወጽእን፥  ንላዕሊ ኣቢሉ ክዓርግን ረአኹ። እቲ ዝነበርናዮ ቤት-ጽሕፈተይ ድማ፥ ብመዓዛ-ዕጣን ተመልአ። ኣብዚ ዝሃግግ ዝነበረ ዕጣን ድማ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ደው ኢላ ረኣኹ። ብጣዕሚ ትገርም ሰበይቲ እያ። ኣብቲ ገጻ ድማ ክገልጾ ዘይክእል ከቢድ ግርማ-ሞገስ ይንበብ ነይሩ። ናባይ ገጻ ብምግባር ኣብ ቅድመይ’ያ ቆይማ ዝነበረት። ዝተኸደነቶ ክዳን ሕብሩ ሰማያዊ ኮይኑ፥ ኣእዳዋ ናባይ ኣቢላ ዘርጊሓቶ ነበረት። ኣብቲ ምግራም’ቲ ከለኹ ድማ፥ “-ማርያም ድንግል ደኾን ትኸውን-? ኢለ ብልበይ እሓስብ ነበርኩ። ኣእምሮይ ዝስሕት ዘሎኹ ስለ-ዝመሰለኒ ድማ፥ እቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ምእማኑ ጸገመኒ። ከጠራጥር ብዘይ ይከኣል ተኣምራታዊ መንገዲ ግና ርእየያ እየ። ብሃንደበት ድማ እታ ክርእያ ዝጸናሕኩ ሰበይቲ ተሰዊራትኒ።

ለካ ኣብቲ ራእይ ተመሲጠ ስለ-ዝጸናሕኩ፥ ኣበይ ከም-ዝነበርኩ’ውን ክፈልጥ እኽእል ኣይነበርኩን። ካብቲ ዝጸናሕኩዎ ናይ ተመስጦ መንፈስ ወጺአ፥ ኩነታተይ ክፈልጥ ምስ-ጀመርኩ ግና፥ ኣነን ሳሚያን ንብዓት ብንብዓት ኮንና፥ ዳርጋ ብንብዓት ተሓጺብና ኢና ኔርና ክበሃል ይከኣል። ስለምንታይ ከምኡ ከም-ዝኾንና ግን ክንፈልጦ ዝኸኣልና ነገር ኣይነበረን። ብድሕሪ’ዚ እቲ ብዛዕባ ድንግል-ማርያም ዝጸንሓኒ ግጉይ ርድኢት፥ እቲ ሓቂ ክፈልጦ ከኣልኩ። በዚ ምኽንያት’ዚ እውን፥ ውሽጠይ ቅልውልው ኢሉ ቅሳነት ሰኣነ። ኣነ ፈጺመ ባዶ ዝኾንኩ፥ እቲ ዙርያይ’ውን ሓሰር ዝመልአ ኮይኑ ተሰመዓኒ።ዝብሎን ዝገብሮን ምስ-ጠፍኣኒ ድማ፥ “-ዎ ኣምላኸይ-! እንታይ ክገብር ከም-ዝግበኣኒ፥ ምእንቲ ክፈልጥ እንዶ በጃኻ ርድኣኒ ድማ-” በልኩ።

ብኸምዚ ዝበለ ኩነታት ተዋጢረ ምስ-ወዓልኩ ድማ፥ እቲ ሰዓታት ሥራሕ ምስ-ተወድአ፥ ትኽ ኢለ ንቤተይ እየ ዘምራሕኩ። ኣብ ገዛ ምስ በጻሕኩ ድማ፥ ናብ ሠለስቲኦም ደቀይ ዓይኒ ዓይኖም እናጠመትኩ፥ “-ሕጂ ኣነ ክርስቲያን እንተ-ዝኸውን፥ እንታይ ይስምዖም ኮን ይኸውን-? ኣቡኦም ናይ ኣልዛሃር-ዩኒቬርስቲ ዋና-ኣማሓዳሪ’ዩ። ርግጽ’ዩ ካብ 1983 ጀሚርና ተፋቲሕና ኢና። ነገር ግን ንደቅና ክንብል፥ ኣብ ሓዳር ከም-ዘለዉ ሰባት ኮንና፥ ኣብ ሓደ ገዛ ኢና ንነብር። ብሓፈሻ ብደረጃ ስድራይ እቲ ጉዳይ ክሓስቦ ከሎኹ፥ ዘይስገር ፈተና መሲሉ’ዩ ተራእዩኒ። እቲ ዝነበሮም ኣመላኽታን ዝነበሮም ሥልጣንን ኣብ ገጸይ ድቅን ኢሉ መጸኒ። ኩላቶም ድማ ንሕፍረትና ምኽንያት ዝኾነት፥ ንሳ’ያ ብምባል ካብ ምውንጃለይ ንድሕሪት ከም-ዘይብሉ ተራእየኒ።

ኣነ እንተ-ኾንኩስ፥ እዚ ብኽንደይ ጻዕርን ድኻምን ተመጣጢረ ዝበጻሕኩዎ ክብርን ሥልጣንን፥ ሱቕ ኢለ ንጎልጎል ክድርብዮ ማለት ድዩ-? ብምባል ተጨነቕኩ። እዚ ሓሳብ’ዚ ድማ፥ ከውርዶን ከደይቦን ኣእምሮይ ኣናውጽ ኣበለኒ። ንምዃኑኸ ቤተ-ሰብና ክርስቲያን ምዃነይ እንተ-ዝፈልጡ፥ ዝደለየት ክትከውን መሰላ’ዩ ኢሎምዶ ምሓደጉኒ-? ፈጺሙ ከምኡ ምገበሩ ኢልካ ዘይሕሰብ’ዩ። የግዳስ ናይ ኣእምሮ ጸገም ኣለዋ ብምባል፥ኣብ እንዳ-ጽሉላት ከም-ዘእትዉኒ ጥርጥር የብሉን። ካልእሲ ይትረፍ ንሃይማኖተይ ቅንኣት ኣሎኒ ዝብል፥ ሐደ ካብ መንጎኦም ተላዒሉ ክቐትለኒ ይኽእል’ዩ። ከመይሲ እዚ ብሕጊ ምስልምና፥ ማለት “ብሕጊ-ሪዳሕ” ከም-ዝተፈጸመ ስለ-ዝቝጸር። እቲ ቅትለት በቲ ሕጊ ቅቡል’ዩ።

እዚ ዝተባህለ “ሪዳሕ” ዝተባህለ ሕጊ፥ ሓደ ሃይማኖቱ ዝኸሓደ ሰብ ንክቕጻዕ ዘፍቅድ ሕጊ’ዩ። ማለት ሓደ ኣስላማይ እንተደኣ ካብ ምስልምና ወጺአ’የ ኢሉ። ኣስላም ንኽቐትሉዎ ዘፍቅድ ሕጊ’ዩ። እቶም ቀተልቲ ድማ ገነት ከም-ዝኣትዉ፥ እቲ ናይ ሪዳሕ-ሕጊ የረጋግጽ። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ሓደ ኣስላማይ ካብ ምስልምና ወጺኡ፥ ናብ ካልእ ሃይማኖት ክኣቱ እናረኣዩ ሱቕ ዝብሉ፥ ንሳቶም ንርእሶም’ውን ከም ከሓድቲ ስለ-ዝቝጸሩ፥ ተመሳሳሊ ፍርዲ ከም-ዝጽበዮም’ዩ ዝትንትን። እዚ ዝተባህለ ሕጊ-ሪዳሕ።

ኣብ መንጎ’ዚ ግና፥ ሓደ ሓሳብ ብልጭ ኢሉ ተራእየኒ። ማለት “እግዚኣብሔር ንዓይ ኣስላመይቲ ገይሩ’ዩ ፈጢሩኒ። ኣስላመይቲ ኮይነ ድማ ምንባር ኣሎኒ። ስለ’ዚ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳይ፥እናሓሰብኩ ዘጥፍኦ ግዜ ክህልወኒ ኣይግባእን። ደሓር ድማ እዚ ብኽንደይ ጻዕሪ ዝበጻሕኩዎ ክብርን ሥልጣንን፥ ከበላሽዎ የብለይን። ስለዚ’ውን ድሕሪ ሕጂ ሳሚያ፥ ናብ ቤት-ጽሕፈተይ ክትመጽእ ክገድፋ የብለይን። እቲ ምስኣ ዝገብሮ ዝነበርኩ ምዝርራብ’ውን፥ ብዛዕባ ሥራሕ እምበር፥ ካልእ ክኸውን የብሉን። ካብ ሕጂ ንደሓር ኣምላኸይ እቲ ሐቂ ንኽገልጸለይ፥ ምጽላይ ጥራይ’ዩ ዘሎኒ ድማ በልኩ። ኣብቲ ነፃ ግዜ ኣሎኒ ዝብለሉ እዋናት ድማ፥ ቁርዓን’የ ከንብብ ዘሎኒ ብምባል ወሰንኩ።

በዚ መሠረት’ዚ ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ ቁርዓን ክነብብ ከሎኹ፥ ብፍቓድ ኣምላኽ ኣብቲ “-ሡረቱ-መርየም-” ዝብል፥ ማለት ታሪኽ-ማርያም ዝዛረብ መጽሓፍ’የ ክግንጽል ዝኸኣልኩ። እዚ ክፍል’ዚ ድማ ነዚ ዝስዕብ ዘካተተ’ዩ ነይሩ።

16- ማርያም ካብ ቤተ-ሰባ፥ ናብ ምሥራቓዊ-ስፍራ ኣብ ዝተፈለየትሉ ግዜ (ብዛዕባኡ ዝትርኽ’ዩ)

17 - ካብኣቶም ድማ መጋረጃ ገበረት፥ መንፈስና’ውን (ገብርኤል) ናብኣ ሊኢኽና። ንዕኣ ድማ ልክዕ ከም ሰብ ኮይኑ ተራእያ።

18 - ኣነ ንዓኻ ብምሕረት ክሕልወካ’የ። ንኣምልኽካ ከም-እትፈርህ (ኣይትቕረበኒ) በለት።

19 - ኣነ ንጹህ ቈልዓ ንዓኺ ንክህብ፥ ናይ ጎይታ ልኡኽ’የ በላ።

20 - ሰብኣይ ዘይፈልጥ ከሎኹ፥ ከመይ ኣቢለ ቈልዓ ክህልወኒ ይኽእል-? በለት

21 -እቲ ነገር ከምዚ’ዩ ድማ በላ። ጎይታኺ፥ ንሱ ኣብ ልዕለይ ርሕሩሕ’ዩ። ንሰብ ተኣምር ንዓና’ውን ህያብ ክኾነልና (ነዚ ጌርናዮ) እቲ ዝፍራህ’ዩ ከኣ በላ። ኡፍ ድማ በለላ።

22. - ሽዕኡ ድማ ጸነሰት። ንዕኡ ኣብ ማሕጸና ጸይራ ድማ፥ ናብ ሩሑቕ ከይዳ ግልል በለት።

23 - እቲ ሕማም-ሕርሲ ድማ፥ ኣብ ሓደ ጉንዲ ገረብ ኣጸግዓ። ስለምንታይ ሞይተ ዘይምኾንኩ። ተረሲዐ’ውን ዘይተረፍኩ ድማ በለት።

24 - ብወገን ታሕቲ ድማ ከምዚ ክብል ጸውዓ። ኣይትጕሃዪ-! ጎይታ ኣብ ወገን ታሕቲ ውሕጅ ኣዳልዩልኪ ኣሎ እውን በላ።

25 - ነታ ገረብ ነቕነቕ ኣቢልያ’ሞ፥ ዝበሰለ ተምሪ ድማ ከተውርደልኪ እያ።

26 - ብልዒ ስተዪ ተሓጎሲ ከኣ። ዝኾነ ሰብ እንተ-ረኸብኪ ድማ፥ ሱቕ ክብል ንኣምላኸይ መብጽዓ ኣትየ እየ’ሞ፥ ምስ ሰብ ክዛረብ ኣይክእልን’የ በሊ።

27 - እቲ ዝተሰከመቶ ሸኽሚ ሒዛ ድማ፥ ናብ ኣዝማዳ መጸት። ንሳቶ ድማ ኦ-ማርያም-! ዓቢይ ነገር ኢኺ ጌርኪ በሉዋ።

28- ኣቲ ኃውቲ ኣሮን-! ኣቦኺ ክፉእ ሰብ ኣይነበረን። ኣዴኺ’ውን ኣመንዝራ ኣይነበረትን በሉዋ።

29 - ናብኣቶም ኣቢላ ኣመልከተት። እቲ ኣብ ኣገልግል ዘሎ ቈልዓ ከመይ ኣቢልና ኢና ከነዛርቦ ድማ በሉ።

30 - እቲ ሕፃን ድማ ፡- “-ኣነ ኣገልጋሊ ኣምላኽ’የ በለ። መጽሓፍ ሂቡኒ። ነቢይ’ውን ገይሩኒ በለ።

31 - ኣብ ዝሃሎኹ ይሃሉ ብሩኽ ገይሩኒ ኣሎ። ብሕይወት ክሳብ ዘሎኹ’ውን፥ ክሰግድን ክምጽውትን ከም-ዘሎኒ ኣዚዙኒ ኣሎ።

32 - ንወላዲተይ’ውን እዙዝ ክኸውን ገይሩኒ ኣሎ። እምቢ በሃልን ትዕቢተኛን ከኣ ኣይገበረንን።

33 - ሰላም ኣብ ልዕለይ ኣሎ። ክውለድ ከሎኹ ኮነ ክመውት። ከምኡ’ውን ክትንሥእ ከሎኹ።

እምበር ኩሉ ነገር ሕውስውስ ኢሉ ስለ-ዘሸገረኒ፥ ኣብ ምንታይ ረጊጸ ደው ክብል ከም-ዘሎኒ’የ ተጸጊመ። እቲ ሓቂ ኣበይ’ዩ ዘሎ-? ብምባል’ውን፥ ኣብ ናይ ሓሳብ መርከብ ተወጢሐ ዳርጋ ዘይበጻሕኩዎ የልቦን። ከመይሲ ሕልናይ ሰላም ረኺቡ ክዓርፈለይ ኣይከኣለን። ስለዚ’ውን እቲ ንኹሉ ገዲፈ፥ ቁርዓን እናንበኩ ክቕመጥ ኢለዮ ዝነበርኩ ውሳኔ ገዲፈ፥ ከም እንደገና እቲ ናብ ሕይወት ዘብጽሕ ሓቂ ክደሊ፥ ቈሪጸ ተለዓልኩ። ከመይሲ እቲ ኣብ ውሽጠይ ኮይኑ ዝሕምሰኒ ዝነበረ ነገር፥ ባዕሉ ይፈልጥ ኢለ፥ ሕልናይ’ውን ቀቲለ ክሓልፎ ዝኽእል ኣይነበርኩን።

ይቕጽል

4. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (4-ክፋል)

3. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (3-ቅጽል)

2. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና” (2-ቅጽል)

1. ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና(1-ቅጽል)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div