S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብምኽንያት ዕረፍቲ መምህር ቅኔ የነታ እዝራ ዝወጸ መግለጺ ሓዘን

ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ብመጋዝ ተመገዙ፡ ተፈተኑ፡ ተሰይፎም ሞቱ፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኺዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ ጸገቡ (ዕብ 11:37) ከምዝተባህለ፡ እቶም ንሓቅን ቀኖናዊ ሕግን ብዙሕ ጸዋትወ መከራ ክበጽሖም ዝጸንሐ ባሕታውን እንኮ ናይ ቅኔ መምህርን የነታ እዝራ ዘደብረ ድማኅ ገዳም ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣብ የካቲት 15/2023 ብግፍዒ ዓሪፎም። ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ብዕረፍቲ ሰማእት ዘደም የነታ እዝራ ዝተሰምዖ ሓዘን ይገልጽ።

የነታ እዝራ ካብ ኣቦኦም ኣቶ ክብርአብ ወልደሥላሴን ኣዲኦም ወ/ሮ ፀሓይቱ ዘርአሃይማኖትን ኣብ ጸዓዘጋ ንኡስ ዞባ በሪኽ ብ1976 ዓ.ም ፈ. ተወልዱ። ዕድሚኦም ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ፥ ወለዶም ናብ ዘመናዊ ትምህቲ ኣእተውዎ። ክሳብ 11 ክፍሊ ከኣ ተማህሩ። 11 ክፍሊ ምስ ወድኡ፥ ካብ ዘመናዊ ትምህርቲ ናብ መንፈሳዊ ትምህርቲ ብምስግጋር ኣብ ዓዶምን ገዳም ደብረ ቢዘንን ግብረ ዲቁና ኣጠናቒቆም፥ ኣብ 1997 ፈረንጅ ብኢድ ሰማእት እንበለ ደም ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ መዓርገ ዲቁና ተቐበሉ። 

ካብ ገዳም ደብረ ቢዘን ናብ ገዳም ኣቡነ መርቆሬዎስ ብምኻድ ካብ የነታ ገብረ/ሔር መዝገብ ቅዳሴን ቃል ትምህርትን ተማህሩ።

ካብ ዝነበሮም ክቱር ናይ ምምሃር ድሌት ዝተላዕለ ናብ ማይ ሊሓም ብምኻድ ን7 ዓመታት ድሕሪ ምምሃር፡ ኣብ 2003 ፈ. ቅኔ ኣመስከሩ። ንልዕሊ 15 ዓመታት ብተመኩሮ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2004 ፈ. ብኢድ ኣበምኔት [መራሒ] ገዳም ደብረ ድማኅ ዝነበሩ መምህር ዑቅባ ሚካኤል ኣኬማ ዘመላክት ቆብዓ እንጦንስ ተሸከሙ።

የነታ እዝራ ካብ 2003 ናይ ቅኔ ጉባኤ ከፊቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደቀመዝምርቲ ከፍርዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ለካቲት 15, 2023 ፈ. ለአኺኦም ብዘይተፈልጠ ጨካና ልኡዃት ሰይጣን ከም ዘካርያስ ካህን ኣብ መንደፈራ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕበር ገዳም ደብረ ድማኅ ብግፍዒ ሰማእትነት ተቐቢሎም ሓለፉ።

የነታ እዝራ ኣብ ስርዓተ ቀብሪ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ድሕሪ ምስታፎም ብመለካዊ ሲኖዶስ ዘኣስመራን መንግስቲ ኤርትራን ብዙሕ ስደትን ውግዘትን ክወርዶም ድሕሪ ምጽናሕ እዮም ሰማእት ኮይኖም።

ቀኖናዊት መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ነቲ ኣብ ልዕሊ የነታ እዝራ ዝወረደ ግፍዒ ብትሪ እንዳ ወገዘ፥ ንየነታ እዝራ ዕረፍተ ነፍስ፡ ንቤተሰብን ፈተውትን ኑዛዜ ቅዱሳን ክናዝዞም ናብ ኣምላኽ ይጽሊ። 

ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝምህረና “ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕቲኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዓቡ”(ዕብ 13:7) እዮ’ሞ፡ ኣብ ኩሉ ዓለም ዘሎ ህዝብና ኣብ ዝገብሮ ጸሎትን ምህልላን 40 መዓልቲ ኦ ግእዚኦ ኣዕርፍ ነፍሰ መምህርነ ኣባ እዝራ ናበለ ናብ ፈጣሪ ክልምን ጻዊዒትና ነቕርብ።

“ኦ እግዚኦኣዕርፍ ነፍሰ ኣባ እዝራ

ቀኖናዊ ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ 

ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ 

4 መጋቢት 2023

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div