S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እቲ ካብ ሓሙሽተ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዝመጹ፡ ኣስታት 280 ዝኾኑ መንእሰያትን ወለድን፡ ብካህናት ተመሪሖም ዘካየድዎ ካብ ሓምለ 01  ክሳብ ሓምለ 04 2022 ኣብ ይጅን ኦረገን ዩኒቨርሲትይ ኦፍ ኦረገን (University of Oregon, Eugene, OR) ዝተጋብአ፡ ኣዝዩ ኣገደስቲ ትሕዝቶ ዘሎዎ ትምህርትታት፥ ሰሚናራት፥ ዘተን ዎርክሾፕን ሓጸርቲ ድራማታትን ዝሓቖፈ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ነግህን ጸሎተ ሰርክን ዝተዛዘመን ነይሩ።

ገለ ካብ ትሕዝቶታት እቲ ብቓንቃ እንግሊዝን ትግርኛን ዝተዋህበ ትምህርትታት፡ ኦቶዶክሳዊ ክርስቲያን ብኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ (Rooted in the Orthodox Faith; To be a true Christian in 2022) በረኸትን ሓይልን መንፈሳዊ ኣገልግሎት (The Power of Service) ዝምድናን ምምራጽ መጻምድትን (Relationship) ስነ ኣእምራዊ ጥዕና (Mental Health) ኣብ ትምህርትን ሞያዊ ስራሕን ብኸመይ ዕዉታት ንኸውን (How to be successful at school and professional life) ዝብል ይርከቦ። ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለየ መድረኻት፥ ማለት ናይ ወለዲ፥ ናይ ኣብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝርከቡን፥ ናይ ትሕቲ 13 ዓመት ዘሎዎም ደቅናን ተኸፋፊሉ ዝተዋህበ ትምህርትትታት እዩ ኔሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኪትግበር ዝተወጠነ ኣበይ ከም ዝበጽሐ ገምጋም ብምግባር፥ ናይ ዝመጽእ ዓመት ውጥንውን ንምትግባር ብመብጽዓ ተፈላሊና። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ርእሲ ዘቦዊ ጉባኤ መንእሰያት (Regional Youth Retreat) ኣብ ከባቢ እቲ ዘሎናሉ ቤተ ክርስቲያን ሓደ  ጉባኤ መንእሰያት (Local Youth Retreat) ኣካይድና ክንምጽእ ዝብል እዩ ኔሩ፥ ዳርጋ ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ከምዝተተግበረውን ተፈሊጡ።

ኣብ ዓመተ 2022-2023 ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድራ፥ ዘቤታዊ ናይ ጸሎት ቦታ ኪፍለ፥ ንስርዓቱ ዝምልከት ኣቦታት ካህናት ብመሪሕነት ንወለዲ ብስዕሊ ዝተሰነየ መምርሒ ኪህቡ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። ሰብኣውን መንፈሳውን ዕብየት ናይታ ሕመረት ቤተ ክርስቲያን ዝኾነት ስድራ ቤት ንሰላም፥ ዕብየትን ፍቕርን እታ ዓባይ ቤተ ክርስቲያን መሠረት እዩ፥ ብኹሉ ሸነኽ ብቑዓት ተካእቲ ንኡስ ወለዶ ኪፈርዩ እንተኾይኖም ብተሳትፎ ጸለይትን ኣገልግልትን ወለዲ ጥራይ እዩ ኪፍጸም ዝኽእል። ኣቦታት ካህናት ድማ ንብምልእታ እታ ስድራ ዝዓለመ ኣገልግሎት ከቕርቡ ቃል ኣትዮም።

ኣብ መጨረሻ ምሸት ንሕይወትን ሰማዕትነትን ቅዱሳን ኣቦታትን ኣዴታትን ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ብደቅና ሓጸርቲ ድራማታት ቀሪቡ። ሓደ ካብኡ ንቅዱስ ፫ይ (3) ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦዮስ፥ ናይ ዘመንና ሰማዕት እንበለ ደም (HH Patriarch Antonius the Confessor) ዝምልከት ዘሕለፍዎ ስቓይን ክሳብ መጨረሻ ንኃይማኖት ተዋሕዶ ካብ ፖለቲካውን ዓለማውን ኢድ ምትእትታው ንምድሓን ዘርኣይዎ ጽንዓትን፥ ደቅና ብተበግሶኦም ዘርኣይዎ ትርኢት ንምእመናን ዘደፋነቐን መሳጥን ኔሩ።

እዞም ናይ ጽባሕ ተስፋ ቤተ ክርስቲያን፡ ተስፋ ሕዝቢ ዝኾኑ መንእሰያት በዚ መገዲ እንተቐጺሎም ነቲ ኣብ ከቢድ ጭንቀትን ተስፋ ሙቕራጽን ዝርከብ ሕዝብና፡ ነታ ኣብ ከቢድ ፈተና እትርከብ ቤተ ክርስቲያንና፡ ናብ ራህዋ፡ ሓርነትን ትንሣኤን ንምምራሕ ግዴኦም ቀሊል ከምዘይከውን ይፍለጥ። ጸሎት ኩሎም ኣቦታትን ምእመናን ከሰንዮም ወትሩ ኣብ ጸሎትና ክንዝክሮም ሓደራ ንብል።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

ልዑል ፈጣሪ ንቤተ ክርስቲያንና፡ ሃገራትና ኤርትራን ኣመሪካን ሰላሙ ይሃብ።

ንብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ'ውን ጥዕናን ሓይልን ሂቡ፡ ኣብ ኣገልግሎቶም ፍረን ዓወትን ይሃብ። ኣሜን።

6 ሓምለ 2022

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div