S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ማኅበራዊ ሕይወት ሕዝብናን ኣጋጢሙዎ ዝርከብ ዘሎ ፈተናን

ከም-ዝፍለጥ ኣብቲ ኩሉ ዝግበር ናይ ሕይወት-ጉዕዞ፣ ምውራድን ምድያብን ከጋጥም ባህርያዊ እዩ። ስለዚ`ውን ሓደ ሰብ ኮነ ሓደ ሕዝቢ፣ ብፈተና ተፈቲኑ ዘይሓልፍ ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ኣይመስልን። ከመይሲ ኣብቲ ክግበር ዝኽእል ናይ ሕይወት ጉዕዞ፣ ብፈተና ዘይፍተን ሕይወት ኣሎ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል እዩ። ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ፈተና ስዒሩ ክወጽእ ዝኽእል ግና፣ ኩሉ` ምባል ዘኽይድ ኣይኮነን። ስለዚ`ውን እቶም ብሥነ-ምግባር ዝተሓንፀ ስብእና ዘለዎም ኩሎም፣ ነቲ ክገጥሞም ዝኽእል ፈተና ብዓወት ስዒሮሞ ክወጹ ከለዉ፣ ብኣንጻሩ እቶም ናይ ሥነ-ምግባር ውድቀት ዘጋጥሞም ድማ፣ ብፈተና ተረቲዖም ክወድቁ፣ ክተርፈሎም ዘይክእል ዕዳ` ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል።

እምበኣር ንሕና ከም-ኤርትራውያን መጠን፣ ኣብዚ እዋን` ጸገማት የብልናን ክንብል ከም-ዘይንኽእል፣ እቲ ኣብ ባይታ ዝርአ ዘሎ ህልው ኩነታትና፣ ባዕሉ ቀዲሙና ክዛረብ ይኽእል`ዩ። ከመይሲ ከምቲሰብ ዝፈልጦ ድቓላ ሓኒቕክን ኣይትቕተላዝበሃል። ሕጂ `ውን ንሕና ካብቲ ኴንናዮ ንርከብ ዘሎና መንነት ወጻኢ፣ ተጸባቢቕና ንቕረብ እንተ-በልና`ውን፣ ክኾነልና ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ ንሕና ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ንሚዛን ዝኸውን ክብደት ዘለዎ መንነት፣ ኣሎና ክንብል ከም-ዘይንኽእል፣ ካብቲ ሕጂ ዘሎ ህልው ኩነታትና ንላዕሊ፣ ክቐርብ ዝኽእል መርትዖ ኣሎና ክንብል ኣይንኽእልን።

ይኹን እምበር ኣብቲ ኩሉ ዝግበር ናይ ሕይወት ጉዕዞ፣ ውረድ ደይብ ከም-ዘሎ ዝፍለጥ እዩ። ኣብቲ ዝግበር ጉዕዞ`ውን፣ ብኣሉታን ብእወንታን ክግለጹ ዝኽእሉ ክስተታት፣ ከጋጥሙ ከም-ዝኽእሉ ምርድኡ ዝጽግም ኣይኮነን። እታ ናይ ሕይወት መርከብ ግና፣ ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ኮይና ከይትርከብ፣ ልቦናን ጥንቃቐን ዝሓትት ኣተኣላልያ ከም-ዘድሊ፣ ክዝንጋዕ ወይ ሸለል ክበሃል ዘይግብኦ ነጥቢ`ዩ። ኣብዚ ከኣ` ጽንዓት እምነትን፣ ብሥነ-ምግባር ዝተሓንፀ ስብእናን ክህሉ፣ ወሳኒ ኮይኑ ዝርከብ።

ካብ ሥነ-ምግባርን እምነትን ወጻኢ፣ ኴንካ እናተረኸብካ ግና፣ ኣብቲ ዝግበር ናይ ሕይወት ጉዕዞ ዕዉት ኴንካ ክውጻእ ክሕሰብ`ውን ዝከኣል ኣይኮነን። ማለት ደው ክትብል ዘኽእል ጽንዓት ስለ-ዘይህልወካ፣ ብማዕበል ተገፊዓ ናብ ዘይደለየቶ ኣንፈት ካብ እትኸይድ መርከብ፣ ዝሐሸ ዕድል ክህሉ ይኽእል` ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ ኣብቲ ናይ ሕይወት ጉዕዞ ዕዉታት ኴንና ክንወጽእ ንደሊ እንተደኣ ኴንና፣ ብእምነትን ሥነ-ምግባርን ዝተሓንፀ ስብእና ክህልወና ከም-ዝግባእ፣ ኣብ ሕቶ ክኣቱ ዝኽእል ኣይኮነን።

እምበኣር ንሕና ከም ሕዝቢ፣ ወይ ከም ኤርትራውያን መጠን፣ ኣብቲ ሕጂ ዘሎ ህልዊ ኩነታትና ብምጥማት ክንዛረብ ከሎና፣ ኣብዚ እዋን` ዝተፈላለየ ጸገማት ዘሎና ሕዝቢ ምዃንና፣ ግልጺ ኮይኑ ዝርአ ዘሎ ሓቂ`ዩ። እዚ ማለት ድማ ብዙሕ ብእወንታ ከጠምተና ዘይክእል ፍጻሜታት፣ ክንጸባረቐና ይርአ ብምህላዉ`ዩ። ብፍላይ ከኣ እቲ ክትከኣና ብተስፋ ንጽበዮ ዘሎና መንእሰይ-ወሎዶ፣ ብእወንታ ከጠምቶ ኣብ ዘይክእል ከቢድ ፈተና ኣትዩ፣ ወይ ጥሒሉ ይርከብ ብምህላዉ፣ ንዓና ከም ሕዝቢ ከቕስነና ይኽእል` ዝበሃል ኣይኮነን። ስለዚ`ውን እዚ ዝበሃል ዘሎ ጸገም ብኣጣቓላሊ ክርአ ከሎ፣ ናይ ሓደን ክልተን ኢልካ ኣቕሊልካ ክርአ ዝግብኦ ዘይኮነ፣  ከቢድ ውድቀት ከኸትለልና ዝኽእል፣ ሃገራዊ-ፈተና` ገጢሙና ዘሎ ተባሂሉ ብግልጺ ክዝረብ፣ እዋኑን ሰዓቱን` በሃልቲ ኢና።   

ስለዚ`ውን ካብቲ ኣጋጢሙ ተባሂሉ፣ ብብዙሕ ክዝረበሉ ዝስማዕ ዘሎ ፍጻሜታት፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ደቅና፣ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ቅትለተ ሞት` ክበሃል ይከኣል። ስለዚ`ውን ካብዚ ዝዓቢ ንሕዝብና ከብክዮን ከሕዝኖን ዝኽእል፣ ካልእ ጉዳይ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። እዚ ኣዚዩ ዘሕዝን ፍጻሜታት` ከኣ፣ ዳርጋ ከም ልሙድ ተወሲዱ፣ ክደጋገም ምርካቡ ዘሕዝን እዩ። ከም-ዝፍለጥ እቲ ትማሊ ዝነበረ ታሪኽ-ሕዝብና፣ ምስ ቅትለተ ሞት ዝፋለጥ ኣይነበረን። ደም-ሰብ ምፍሳስ ሕዝብና ኣዚዩ ዝፈርሆ ኮይኑ ምጽንሑ ዝፍለጥ`ዩ። ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ገበን ዝፋለጥ ታሪኽ ከኣ ኣይጸንሓናን።

ሕጂ ግና እቲ ትማሊ ዝነበረና ክቡር ታሪኽ ተቐይሩ፣ ደቀ-ንስትዮና ብኻልኦት ጓኖት ዘይኮነስ፣ ብኣኅዋተን ተቐቲለን ይሞታ ከም-ዘለዋ`ዩ፣ ተደጋጊሙ ክንገር ዝስማዕ ዘሎ። እዚ ከኣ ብቐጻሊ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ደኣምበር፣ ሓሓሊፉ ዘጋጥም ዘሎ ከም-ዘይኮነ፣ እቶም ኣብ ስደት እንርከብ ኩላትና፣ ብማዕረ እናሰማዕናዮ ንርከብ ዘሎና ዘሕዝን መርድእ`ዩ። እዚ ተርእዮታት` ክቀላቐል ካብ ዝጅምር ግና፣ ዓመታት ኣቚጺሩ እዩ። ነዚ ጸገም` ፍታሕ ኣብ ምርካብ ግና፣ ንሕና ከም ማኅበረ-ሰብ ኤርትራ መጠን፣ ዝገበርናዮ ተበግሶ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። እቲ ዓይንና ዓሚትናን እዝንና ዓጺናን ክንከይድ ምድላይና ግና፣ ንዓና ከም ሕዝቢ ካብ ሓላፍነት ወይ ተሓታትነት፣ ነፃ ክገብረና ዝኽእል ኣይኮነን።

እዚ ኩሉ` ከኣ ንዓና፣ ብፍላይ ከም ናይ ኤርትራ ኅብረተ-ሰብ መጠን፣ በቲ ካልእ ወገን ብዓይኒ ትዕዝብቲ ከጠምተና፣ ወይ ንሚዛንና ታሕቲ ኣውሪዱ መተዓዛዘቢ ክገብረና እንተ-ዘይኮይኑ፣ ዘንእደናን ዘመስግነናን ኮይኑ ክርከብ ከም-ዘይክእል፣ ንምርድኡ ክጽግመና ይኽእል` ዝበሃል ኣይኮነን። ይኹን እምበር እዚ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮና ብቀጻሊ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ቅትለተ-ሞት፣  እቲ ሓደ ገጽ ናይቲ ዘጋጥም ዘሎ ጸገም ክኸውን ከሎ፣ በቲ ካልእ ድማ ብዙሓት ባዕሎም ሕይወቶም ዘጥፍኡ፣ ደቂ-ተባዕትዮ ኮኑ ደቀ-ንስትዮ ከም-ዘለዉና ዝፍለጥ እዩ፣ እዚ ኩሉ` ከርእየና ዝኽእል ድማ፣ እቲ ብጽፉፍ ናይ ሥነ-ምግባር ክብሪ፣ ክልለ ዝጸንሐ ማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ክሳብ ክንደይ፣ ንከቢድ ፈተና ተቓሊዑ ይርከብ ከም ዘሎ፣ ምርድኡ ዝጽግም ኣይኮነን።

እዚ ኩሉ እናኾነ ከሎ ግና፣ ንሕና ከም ማኅበረ-ሰብ ኤርትራውያን መጠን፣ እቲ ጉዳይ ከም ዘይምልከተና ኴንና ደኣ ኢና፣ ክንጥምቶ ዝጸናሕናን ሕጂ`ውን ዘሎናን እምበር፣ ከም-ዝምልከተና ሰብ ጉዳይ መጠን፣ ሓላፍነት ተሰሚዑና ዝገበርናዮ ተበግሶ ወይ ዝወሰድናዮ ስጉምቲ፣ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። እዚ ኩሉ` ከኣ፣ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ሞራላዊ-ውድቀት ዘጥቅዖ ማኅበረ-ሰብ ንርከብ ከም-ዘሎና፣ እኹል መረድኢ` እንተ-ተባህለ ዘገርም ኣይኮነን። ከመይሲ እዚ ኩነታት`ዚ፣ ድቃስ ለይትን ዕረፍቲ መዓልትን ክህበና ዝኽእል ኮይኑ ክርከብ፣ ቅቡል ዝኾነሉ ምኽንያት ኣይነበረን። እዚ ሓደጋ` ግና እቲ ክብደቱ ክስመዓና ዝኽእል ኮይኑ ብዘይ-ምርካቡ፣ ነቲ ዝጸንሓና መንነት ወይ ሞራላዊ-ክብሪ፣ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትዎ ኮይኑ ኣይተረኽበን ክንብል ኣይንኽእልን።

ይኹን እምበር እዚ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና፣ ክፍጸም ዝርከብ ዘሎ ሞራላዊ-ውድቀት ዝመበገሲኡ ቅትለተ-ሞት፣ እንታይ` መበገሲኡ-? ብምባል ንድሕሪት ተመሊስና ክንርእዮ ከሎና። እቲ ጠንቂ እንታይ ምዃኑ፣ ንምፍላጥ ዝሕግዘና ኣሰር ክንደሊ፣ ንድሕሪት ኣቢልና ክንምለስ ከድልየና እዩ። ማለት እዞም ሕጂ ባሕሪ ተሳጊሮም፣ ኣብ ስደት ዝርከቡ ዘለዉ ደቅና፣ ደቂ-ተባዕትዮ ኮኑ ደቂ-ኣንስትዮ ኩሎም፣ ብመንገዲ መዓስከር-ሳዋ ኣቢሎም ሓሊፎም ከም-ዝመጹ ዝፍለጥ`ዩ። ካብዛ ፋብሪካ`ዚኣ ተቐጥቂጦም ዝወጹ ዘለዉ፣ ከም-ምዃኖም መጠን ድማ፣ ሃይማኖት ክህልዎም ዝሕሰብ ነገር ኣይኮነን። ከመይሲ እቶም ደቅና መጀመርታ ሳዋ እግሮም ርግጽ ከብል ከሎ፣ ማዕተቦም ክበትኩን ሃይማኖት ኣልቦ ክኾኑን ዘገድድ ትእዛዝ ከም-ዝወሃቦም፣ እቶም በቲ መንገዲ` ኣቢሎም ዝሓለፉ መንእሰያት፣ ብተደጋጋሚ ግዜ ክዛረቡ ክንሰምዖም ጸኒሕና ኢና።

ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ መንእሰይ-ወሎዶና፣ ሃይማኖትን ባህልን ዘይብሉ፣ ፋሉል ኮይኑ ክዓቢ ዘገድድ መምርሒ እናተዋህቦ` ክመጽእ ጸኒሑ ማለት`ዩ። በዚ ከኣ ነቲ ዝዓበየሉን ዝወረሶን ክቡር እምነትን ባህልን መንነትን ገዲፉ፣ ብተጽዕኖ-ፖለቲካ ክቕበሎ ዝተዳለወሉ ካልእ መንነት ብምሓዝ፣ ንሞራላዊ ውድቀት ዝተቓልዐ ኮይኑ እንተ-ተረኽበ ዘገርም ኣይኮነን። እምበኣር እዚ` እቲ ንውድቀት መንእሰያትና፣ ዋና ጠንቂ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ። ከመይሲ ብዛዕባ` ክወርሱዎ ዝግብኦም ዝነበረ ክቡር መንነት፣ መባእታዊ ኣፍልጦ ክህልዎም` ዕድል ዝተነፍጎም ደቅና፣ ኣብቲ ሕጂ በጺሖሞ ዘለዉ ናይ ሞራል-ውድቀት ወዲቖም ምርካቦም፣ ንሕና እቶም ሕዝቢ እንበሃል ደኣምበር፣ ንሳቶም እቶም ደቅና፣ ብዛዕባ` እናተፈጸመ ይርከብ ኣሎ ዝበሃል ቅትለተ ሞት፣  ተሓተቲ ዝኾኑሉ ምኽንያት ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ከመይሲ  ከምቲ ኣቐዲሙ ክበሃል ዝጸንሐ። እቲ ሕጂ ዘሎ መንእሰይ-ወሎዶና፣ ሃይማኖቱ ክኽሕድን ማዕተቡ`ውን በቲኹ ክድርቢ`ዩ፣ በቶም ካድረታት እናተነግሮ ክመጽእ ጸኒሑ። እዚ ድማ ምስ እግዚኣብሔርን ምስቲ  መንፈሳዊ-ዓለምን ክፋለጥ፣ ዕድል ክህቦ ይኽእል` ዝበሃል ኣይኮነን። እዚ ድማ ከምቲ ሓንቲ ልጓማ ወይ ፍሬኖ ዝበተኸት መኪና፣ ከጋጥማ ዝኽእል ዕድል ዝመሳሰል ኩነት`ዩ፣ ነቶም ደቅና`ውን ዘጋጥሞም ዘሎ። ማለት ፍሬኖ ዝተበላሸዋ መኪና፣ ገደል ኣትያ ክትጸድፍ እንተ-ዘይኮይና፣ ካልእ ዕድል ክህልዋ ይኽእል` ኢልካ፣ ትጽቢት ክግበረላ ክሕሰብ ዝኽእል `ውን ኣይኮነን። እቶም እምነት-ኣልቦ ኮይኖም ንክዓብዩ ተጽዕኖ ዝግበረሎም ዘለዉ ደቅና `ውን፣ እቲ ክጽበዮም ዝኽእል ዕድል እንታይ ምዃኑ ምርድኡ ኣየጸግምን።  

ብመንጽር` ኣበሃህላ` ክርአ ከሎ፣ እቶም መንእሰያት ደቅና`ውን፣ ካብ ዕድል እታ ፍሬኖ በቲኻ ገደል ከይዳ እትጸድፍ-መኪና፣ ዝሐሸ ዕድል ኣለዎም ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ከመይሲ እቲ ካብ ኣምልኾን ሥነ-ምግባርን ወጻኢ ኮይኖም ንኽዓብዩ፣ ኣብቲ መዓስከር-ሳዋ ዝግበረሎም ጸቕጢ፣ ሞራል-ኣልቦ ኮይኖም ንክርከቡ የገድዶም ስለ ዘሎ፣ ከምታ ልጓማ ዝበተኸት መኪና ካብ ምጽዳፋ ክትድኅን ዘይትኽእል፣ እቶም ደቅና`ውን እቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ፈተና ተመሳሳሊ እዩ። እቲ ንሓደጋ ከም-ዝቃልዑ ገይሩዎም ዝርከብ ዘሎ`ውን፣ እቲ ክወርሱዎ ዝግብኦም ዝነበረ ሃይማኖትን ባህልን፣ከም-ዘይረኸቡዎ ስለ-ዝተገብረ ምዃኑ ምንም ዘጠያይቕ ኣይኮነን።

እምበኣር እዚ ኩሉ` ክርአ ከሎ፣ ክብደት` ንሕዝብና ኣጋጢሙዎ ዘሎ ፈተና፣ ቀሊል ከም-ዘይኮነ ንምርድኡ ዝጽግም ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ መንእሰይ-ወሎዶና፣ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣትዩ` ዝርከብ ዘሎ። እዚ ከኣ ንዓና ከም ሕዝቢ ከደቅሰና ይኽእል` ዝበሃል ኣይኮነን። ንሕና ግና ብኣንጻሩ ኣብ ጥዑም ድቃስ ንርከብ ዘሎና ሕዝቢ መሲልና ኢና ንርአ ዘሎና። ከመይሲ እቲ እናተነግረና ክንሰምዖ ዝጸናሕና ቅትለተ-ሞት፣ ካብ ነዊሕ ዓመታት ብቐጻሊ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ደኣምበር፣ ሕጂ ዝጅምር ዘሎ ሓዲሽ ተርእዮ ኣይኮነን።

ንሕና ኣብ ስደት ከም እንርከብ፣ ማኅበረ-ሰብ ኤርትራ መጠን ግና፣ እዚ ኩሉ ቅትለተ-ሞት እናተፈጸመ ከሎ፣ ሓላፍነት ተሰሚዑዎም ገለ  ተበግሶ ገይሮም ተባሂሉ፣ ብዛዕባና ዝንገር ታሪኽ የልቦን። እዚ ከኣ ኣዚዩ ዘሕዝን`ዩ። ከመይሲ እዚ ሓዘን`ዚ፣ ናይቶም ደቆም ዝሞቱዎም ወለዲ ጥራይ ጌርና ንሓስቦ እንተደኣ ኣሊና፣ ኣብ ፍጹም ግጉይ ዝኾነ ርድኢት ኢና ዘሎና ማለት`ዩ። ከመይሲ እዚ ጉዳይ` ብደረጃ ሃገር` ክጥመት ዘለዎ። እቲ ብሳዕቤኑ ክመጽእ ዝኽእል ከኣ፣ ንኹላትና ብማዕረ ክበጽሕ ዝኽእል ሃገራዊ-ውድቀት ደኣምበር፣ ከም ኣጋጣሚ ንግዚኡ ውላዱ ስለ-ዘይቀበረ ጥራይ፣ ካብቲ ክመጽእ ዝኽእል ውድቀት፣ ነፃ ኮይኑ ክተርፍ ይኽእል` ማለት ከም-ዘይኮነ፣ ምርድኡ ይጽግም ` ኣይንብልን።

እቲ ሓደ ጥርናፈ ፈጢርና ከም ሓደ ሕዝቢ፣ ደው ክንብል ዘይኽእለና ዘሎ ጸገም ግና፣ ካብ ነዊሕ እዋን ጠቢቑና ዝርከብ ዘሎ ሕዱር ሕማም እዩ። ከም ሳዕቤን` ድማ፣ ሓደ ቋንቋ እንዛረብ ሕዝቢ ኴንና እናሃሎና፣ ከምቶም ብሉይ-ኪዳን ዝዛረበሎም ቀዳሞት ደቂ- ባቢሎን፣ ዘይንሰማማዕ ሕዝቢ ኴንና ምርካብና፣ ንዝኸፍአ ሓደጋ ተቓሊዕና ከም-እንርከብ ገይሩና` ዝርከብ ዘሎ። ስለዚ ከኣ ኢና ሕጂ`ውን፣ ሞት ኣንጻላልዩና እናሃለወ ከሎ`ውን፣ ገና ካብ ድቃስና ክንበራበር ምኽኣል ተሳኢኑና እንርከብ ዘሎና። ብዝተረፈ እዚ ኩሉ መንእሰይ ቅትለተ-ሞት ይፍጽም ኣሎ፣ ተባሂሉ ይንገር ኣብ ዘለወሉ ግዜ፣ እቲ ጉዳይ ከም-ዘይምልከተና ኴንና፣ ናይ ርሑቕ ተዓዘብቲ ኴንና ክንርከብ፣ ነቲ ዝዕዘበና ዘሎ ኩሉ እነገርም ሕዝቢ ኴንና ኢና ንርከብ ዘሎና።

ብዝተረፈ ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ኤውሮጳ፣ ንሕና በይንና ጥራይ ኣይኮናን ተሰዲድና ንርከብ ዘሎና። ካልእሲ ይትረፍ እቶም ኤውሮጳውያን`ውን፣ ከማና ተሰዲዶም ይነብሩ ከም-ዘለዉ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ግልጺ ኮይኑ ንርእዮ ዘሎና ሓቂ`ዩ። ንሳቶም እንተኾኑ `ውን እቲ ንደቆም ከጋጥሞም ዝኽእል ባህላዊ ተጽዕኖ ስለ-ዘፍርሆም፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተ-ክርስቲያን ኮይኑ ዝነጥፍ፣ ሓደ ማእከል ከቑሙ ካብ ዝግደሱሉ ጉዳይ እዩ። ደቆም ድማ ኣብቲ ቀዳመ ሰንበት ዘሎ ግዜ፣ ባህሎምን ሃይማኖቶምን ፈሊጦም ንክዓብዩ፣ ዝገብሩዎ ጻዕሪ ምህላዉ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። ካብቶም ክጥቀሱ ዝኽእሉ ሩስያ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶርያ፣ ክሮኣሽያ፣ ጣልያን፣ እስጳኛ፣ ግብጺ፣ ግሪኽ፣ ኣርመን፣ ሰርቢያ፣ ወዘተ . . እዚኣቶም ኩሎም ካብቶም ዝጥቀሱ እዮም

እዚኣቶም ኩሎም እቶም ደቆም፣ ካብ እምነትን ባህልን ቋንቋን ወጻኢ፣ ኮይኖም ከይዓብዩ ካብ ዘለዎም ስክፍታ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተ-ክርስቲያን፣ ኮይኑ ዝነጥፍ ሓደ ኩሉ ዘማልአ ማእከል ኣቚሞም ዝርከቡ እዮም እዚ ከኣ ንዓና ብኣርኣያ ዝጥቀስ ኣብነት ኮይኑና ክርከብ` ዝግባእ ዝነበረ። በዚ መሠረት` እውን ኣብ 1983 / (1991) ዓዲ ነፃ ወጺኣ` ነፃነት ሃገር`ውን ተረጋጊጹ`ዩ፣ ተባሂሉ መግለጺ ኣብ ዝተዋህበሉ ግዜ። እምበኣር ንሕና ከም ሓደ ኮሚኒቲ መጠን፣ ክጥርንፈና ዝኽእል ሓደማኅበረ-ሰብከነቕውም ኣሎና ዝብል ሓሳብ ተላዒሉ ከም-ዝነበረ ዝፍለጥ`

እቶም በቲ እዋን`ቲ፣ ነቲ መድረኽ ተቛጻጺሮሞ ዝርከቡ ዝነበሩ ሰብ ፖለቲካ ግና፣ ካብ ፍቓድ ሕዝባዊ-ግንባር ወጻኢ፣ ዝኾነ ክግበር ዝከኣል ጥርናፈ ከም-ዘየሎ`ዮም፣ ከም ቁጥዕ ኢሎም ሰይፎም`ውን መዚዞም ክጋንሑ ዝተሰምዑ። ካብዚ ግዜ` ንደሓር ማኅበራት ንምቁቛም፣ ፈቐዶኡ ብዙሕ ፈተነታት ክግበር` እንጸንሐ፣ ምስቶም ሰብ- ጠመንጃ ተቓሊስካ ግና፣ ክውጻእ ዝከኣል ኣይነበረን። እዚኣይበልዓኪ ንበላዒ ኣይህበኪዝብል ገታር ዝኾነ ጠባይ` ከኣ፣ እንሆ መስአ-ሰይጣን ኮይኑ፣ ብቐጻሊ ክብትነና ይርከብ ኣሎ። እምበኣር ነፃ መድረኽ ስለ-ዝተሳእነ`ዩ፣ እቲ ኣብ ስደት ዝርከብ ዘሎ ሕዝብና፣ ብዛዕባ` ዘጋጥሞ ዘሎ ማኅበራዊ-ጸገማት ዘትዩ፣ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ትዂረት ገይሩ ከይዝቲ፣ ኢዱ ተኣሲሩን ኣፉ ተለጒሙን ዝርከብ ዘሎ

ኣምበኣር እዚ ንዓና ኣጋጢሙና ዝርከብ ዘሎ ማኅበራዊ-ጸገማት፣ ፍታሕ ወይ መልሲ ክርከቦ ዝኽእል፣ ኩላትና ብሓባር ክንዝትየሉ እንኽእል፣ ሕዝባዊ ዝኾነ ነፃ መድረኽ ክንፈጥር ምስ እንኽእል ጥራይ እዩ። እተን ብዘይ ናይ ሰብ-ፖለቲካ ኢድ ኣእታውነት፣ ክቖማ ዘለወን ማኅበራት ድማ፣ እቲ ሕዝቢ ክዋሳኣሉ ዝኽእል ነፃ-መድረኽ ክኸፍታ ስለ-ዝኽእላ፣ በዚ ኣቢልካ ጥራይ` ድማ፣ እቲ ንሕዝብና ኣጋጢሙዎ ዝርከብ ዘሎ ማኅበራዊ-ጸገማት፣ ፍታሕ ክረክብ ዝኽእል ዝብል ርእይቶ` ዘሎና።

ምናልባት ድማ ካብዚ ቀሪቡ ዘሎ ሓሳብ፣ ዝሐሸ ወይ ዝተፈልየ ካልእ ዝምረጽ ሓሳብ ዘለዎም እንተ-ተረኽቡ ድማ፣ እቲ ዝድለ ንሱ ስለ-ዝኾነ፣ ብመንገዲ መራኸቢ-ብዙኃን ኣቢሎም፣ ሓሳባቶም ከካፍሉ ኩሉ ሃረር እናበለ ዝጽበዮ ዘሎ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ። ብዓቢኡ ድማ እቶም ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ክነጥፉ፣ ልምዲ ዘለዎም መንእሰያት-ደቅና። ነዚ ጉዳይ` ብዝምልከት ሓጋዚ ዝኾነ ሓሳብ ኣብ ምሃብ፣ ግዱሳት ኮይኖም ክዋስኡ እንተ-ዝኽእሉ፣ ነቲ ኣጋጢሙ ዝርከብ ዘሎ ጸገም ኣብ ምፍታሕ፣ ሓጋዚ ኮይኑ ምተረኽበ ዝብል ርእይቶ` ዘሎኒ`ሞ፣ ድምጽኹም ወይ ሓሳባትኩም ኣብ ምግላጽ፣ ግዱሳት ኴንኩም ክትርከቡ ዝጽበየኩም ዘሎ ሕዝቢ ብዙሕ ምዃኑ፣ ኣብ ግምት ከተእትዉዎ ዘሎኒ ተስፋ ዓቢይ እዩ። ብዝተረፈ እቲ ሕያው-ኣምላኽ ንሕዝብናን ሃገርናን ይባርኽ ኣሜን-!!  

ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div