S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንጹም ጾመ ወናፍቅር ቢጸነ - ጾም ንጹም ንብጾትና ነፍቅር!

ጾመ ነነዌ ናይ 2023 ቤተክርስቲያን ኣብ ልዑል ተስፋ ዕርቀ-ሰላም ትርከብ ምህላዋ፡ ነዘን ሰለስተ መዓልቲ በዚ መንፈስ ክንጽሊ ከም ዘሎና ርዱእ እዩ። ዮናስ ነብይ ሓደ ካብቶም ንኡሳን ነብያት ብሉይ ኪዳን ምዃኑ ይፍለጥ። ትንቢት ዮናስ ብሓቂ ክተንብቦ መሳጥን መሃርን እዩ።

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም ቤተክርስቲያን ዝኣወጀቶም አጽዋማት እዩ። ብታሪኽ ቤተክርቲያን ከም ዝፍለጥ፡ ንዓቢይ ጾም መንፈሳዊ ምቕርራብ ክንገብር ዝሕግዝ እዩ። ነቲ ዮናስ ነብይ አብ ከርሲ ዓቢይ ዓሣ ሰለስተ መዓልትን ለይትን ዝጸንሖ ክርስቶስ ኣብ ከርሲ መቓብር ሰለስተ መዓልትን ለይትን ዝገበሮ ነስተንትነሉ፡ ዝተገበረልና ናይ ምድሓን ስራሕ፡ ናይ ንስሓን ጸሎትን ጊዜ፡ ከምኡዉን ነቲ ሰብ ነነዌ ብዮናስ ክንስሑ ምስተ ነግሮም ዝገበርዎ ንስሓ ዘኪርና፡ ንሕና እውን ካብ ሓጢአትና ብንስሓ ክንምለስ፡ ነታ ተፈላልያ ዘላ ቤተክርስቲያን ናብ ቅድስናኣ ክንመልሳ፡ ንሕብረተሰብና ብርሃን ክንከዉን መንፈሳዊ ሓላፍነት የሰክመና።

ጾመ ነነዌ ዝኽሪ ጥራሕ ኣይኮነን ኣብ ሕይወትናን ሕይወት ቤተክርስቲያናን ሕብረተሰብናን ለዉጢ ዘምጽእ ክኸዉን ይግባእ። ንኹሉ ጊዜ ኣለዎ ከም ዝተባሃለ፡ ነቲ ቅዱስ ሱባኤዉን ጊዜ ኣለዎ፡ እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ከምዚ ይብል።በዚ ኸምዚ ብዙሕ ወርሓት ምስ ሐለፈ፡ ጊዜ ጾም ድሮ ሐሊፉ ስለ ዝነበረ፡ ምኻድ መራኽብ ዜፍርህ ስለ ዝዀነ፡ ጳውሎስ፡ ኣቱም ሰብ፡ ንነፍስና ድማ እምበር፡ ንጽዕነትን ንመርከብን ጥራይ እኳ ዘይኰነስ፡ መገድና ብጭንቅን ብብዙሕ ጒድኣትን ከም ዚኸውን እርኢ ኣሎኹ፡ ኢሉ መዐዶምግብ 27 9-10

ሓዋርያ ጳዉሎስ ናብ ኤዉሮጳ፡ ነብይ ዮናስ ድማ ናብ ምስራቕ ካብ ዓዱ ንአረማውያን ዝኾኑ አሕዛብ ናብ ነነዌ ዓባይን ዋና ከተማ አሲራውያን ሰለስተ መዓልቲ ዝወስድ ተላኣኻ። ካብዚ ጾም ነስተንትኖ እንተሎ፡ እግዚአብሔር ናብ ጸላእትና እንብሎም እውን ከም ዝልእኸና። ምሕረት አምላኽ ድማ ደረት ከም ዘይብሉ የርእየና። በዚ መንፈስ ቤተክርስቲያን ንደቃ፡ ካብ ቅንፍዝ ንላዕሊ ክትሓቕፎም ክትእክቦም ክጥርንፎም ቀንዲ ሓላፍነታ እዩ።ቅንፍዝ ንደቕኺ ከመይ ኣቢልኪ ትሓቕፉዮም፡ ከከም ገጾምቤተክርስቲያን ጠባያትን ባህርያትን ዓቕምን ናይ ደቓ ብዘየገድስ ኵሉ ጊዜ ሓቋፊት ክትከዉን ይግባእ። ምኽንያቱ ባህሪ እግዚኣብሔር ዘይዉዳእ ምሕረት ከም ዘለዎ ንዮናስ ነብይ ብብዚሕ ሳዕ ኣብዛ ሓጻር መጽሓፉ ኣስተምሂርዎ ኣሎ።

ዮናስ ድምጺ እግዚኣብሔር ሰሚዑ ዘይተማሀረ፡ ኣብ ኮለጅ ከርሲ ዓሣ ግን ጽቡቕ ገይሩ ተማሂሩ ነበረ። ዮናስ ዋጋ ከፊሉ፡ መርከብ ተሰቂሉ ንምዕራብ ገጹ ነቐለ፥ አንጻር እቲ እግዚአብሔር ዝአዘዞ ተልእኾ ነብረ መዝ 139 8-11 ዮናስ ባህሪ እግዚአብሔር ጽቡቕ ገይሩ ዝተረድኦ ኣይመስልን ነብረ። ብሓቂ ኣምላኽ ንአረማውያን ምሕረት ክገብረሎም ድዩ ዝብል ነብረ። ዮናስ ንቃል አምላኽ ከየኽብር ኢሉ መርከብ ተሳፊሩ  ንምዕራብ ተበገሰ፡ እንተ ኾነ ድሕሪ ገለ ጉዕዞ አብ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ነታ መርከብ ኽግምጥላ ቀሪቡ፥ መርከበኛታት ዝክአሎም ፈቲኖም ግን ኣይተኻኣለን።   

ዮናስ እዚ ኹሉ እናኾነ አብ ሓደ ጸግዒ ተዓምጺጹ ደቂሱ ነበረ። ጸገም ቤተክርስቲያንን ሃገርን እናረኣየ፡ ከም ዮናስ ደቂሱ ዝሓድር ኣይግዱ ኣብ ዘመና ሒደት ኣይኮኑን። ከምቲ መርከበኛታት ንዮናስ ካብ ድቃሱ ዘበራበርዎ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ንእቶም ዝደቀሱን ዝባዕዘዙን ከነቓቕሑ ግቡእ እዩ። ከምዚ ይብልዎ፡ ንሕና ተረቢጽና፡ ንስኻ ክትድቅስ ተረኣይካ፡ ተንስእ ገለ አምላኽካ ከድሕነና እንተ ኸአለ ጸሊ እናበሉ አተንስእዎ።ዮናስ ግብሩ ፈሊጡ ንአይ አብ ባሕሪ ደርብዪኒ ብሰንከይ እዩ እዚ ኹሉ ወሪዱ ዘሎ በሎም አብ ባሕሪ ምስ ደርበይዎ እቲ ማዕበል ጸጥ በለ። ቕንዕና ዮናስ ዝረኣየ ኣምላኽ ንዮናስ ኣብ ከርሲ ዓሣ ነባሪ ተቐቢሉ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ንምድሪ ተፍኦ። ንዕርቅን ሰላምን ዝኸዉን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ከም ዮናስ ነፍሱ ክጥምጥ እምበር፡ ኣብ ኵሉ ከሳሲ የሕዋቱ ከይኑ ክርከብ ጽቡቕ ኣይኮነን። እታ መርከብ ዝኾነት ቤተክርስቲያና ክትሃድ እንተ ኾይና፡ ከም ዮናስ ነፍሲ ወከፍና ትሕት ኢልና፡ ንቐጻሊ ቤተክርስቲያን ብኸመይ ዝበለ መዋቕርን ትንሳኤን ክትባራበር ምሕሳብ እዩ።

ካብ ጾመ ነነዌ ብዙሕ ክነስተንትን ዝካኣል እዩ። ግጉይ ጉዕዞ፡ መርከብ፡ ባሕሪ፡ ማዕበል እዚ ኹሉ አምሳል እዚ እንነብሮ ዘሎና ኵናት፡ ድኽነት፡ ክፍአት፡ ፈተና፡ ንምልእቲ ዓለምና ስግኣት ዝፈጥር ኮይኑ ዘሎ እዩ። እታ ብማዕበል እትናወጽ መርከብ፡ አምሳል ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን እያ። ቤተ ክርስትያን አብ ዓለም ዝተፈላለዩ ሰባት ብዝፈጠርዎ ሓጢአትን ጥልመትን ምጥምዛዝ ነቲ ትኹል ቃል ኣምላኽን ትህወኽ ትስደት ትጭነቕ።

አምላኽ ነታ ብደም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ዘጥረያ፡ ኣብ ማእከላ ስለ ዘሎ ፈጺማ ክጠፍእ ኣይሓድጋን እዩ ማቴ 16 17-20 ዮናስ ሰብ እናተጨነቐ ጥዑም ደቃስ ደቂሱ ነብረ፡ እዚ ኸአ ብዙሓት ካባና አብዛ እንነብራ ዓለም ደቂ ሰባት እናተጨነቁ ሞት መንእሰያትን ስደትን ማእሰርትን መከራን እናወረዶም ከምዘይረኣዩ አስቂጦም ዝኸዱ ኣለዉ። ሕዝብን ቤተክርስቲያንን እናተበደለት ናይ ዉድቐት ድቃስ ዝድቅሱ ዉሑዳት ኣይኮኑን። ጾመ ነነዌ ቀንዲ ትሕዝቶ መልእኽትታቱ ክንምለስ ክንጥዓስ ምኻኑ ፈሊጥና፡ ኵላትና ካብቲ ደቂስናዮ ዘሎና ክንባራበር ይዕድመና።

ናይ ሓጢኣት ድቃስ ዘምጽኦ ሰዓቤን ብዙሕ ምኻኑዩ። ብሰንኪ ዮናስ መርከበኛታት አብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቖም ተጨኒቆም ንብረቶም አብ ባሕሪ ደርብዮም ዝገብርዎ ጠፊኦም ነበረ። ቤተክርስቲያን በቶም ንኽብራን ዕቤታን ቅድስናኣን ዘይምጥንዋ ኣገልገልቲ ኣብ ሓደጋ ወዲቓ ትርከብ። እቶም ብልህታት መረከበኛታት ግን ጸሎትን ብሰንኪ መን እዚ ኹሉ ዝበጽሓና ዘሎ ክንፈልጥ ዕጫ ነዉድቕ ተባሃሉ፡ እቲ ዕጫ አብ ዮናስ በጽሐ። እዚ ሎሚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይዉዳእ ጸገማት ብመገዲ ጸሎትን ብምንታይ ምኽንያት ይወርደና ኣሎ ኢልና ሓሲብና ኣስተንቲና ክንርዳእ ጽቡቕዩ።

ርዱእ ኣብዚ እዋን ሕዝብና ብብዙሕ ነገር ዓቕሉ ጸቢብዋ ኣሎ። እንተ ኾነ ግን ጸበባ ክልተ ነገር ሒዙ ስለ ዝመጽእ ዉጽኢቱ ዘየሰክፍ ኣይኮነን። ንገለ ሰባት ኣምላኽ ዝረድኦም ጸበቦ ናብ አምላኽ ከም ዝቐርቡ ይገብሮም፡ ንገለ ድማ ጨሪሱ ተስፋ የቕርጾም ልቢ አትሪሮም ክሳብ መጨረሻ ዝጠፍኡ ይገብሮም። ገለ ድማ ናይ ኣምላኽ ሰባት ንመስል እሞ፡ ተቐይምና ዝተፈላለየ ሓጢአት ተሰኪምና ንሓዋርያዊ ተልእኾ ገዲፍና ኣምላኽ ኣብ ዘይከብረሉ ክትዓትን  ንሕብረተሰብ ጎዳኢ ኣብ ዝኾኑ ኣድህቦ ከም ንገብር ንኸዉን።

ነብይ ዮናስ ድሕሪ ከቢድ ፈተና ብዝረኸቦ ተመክሮ ንእግዚአብሔር ተአዘዞ። ንሰብ ነነዌ አብ ውሽጢ እዘን አርብዓ መዓልቲ እዚአን ኽትግምጠል እያ እናበለ ሰበኸሎም። ሎሚ ድማ መንፈሳዊ ተሞኵሮ ብምጥራይ፡ ካብቲ ኣይትሓዝ ኣይትተንኪ ዝብል፡ ወጺና ናብቲ ዕጹም ብልዒ ዘድልዮ፡ ቀንዲ መለኮታዊ ሓሳብ ኣምላኽ ክነድህብ፡ ኣምላኽ ብጸጋኡ ይደግፈና።

በዚ ቤተክርስቲያና ሰሪዓትልና ዘላ ናይ ሱባኤ  እዋን ኩላትና አብ መአዲ ጾም ክንጽመድ ሕይወትና ክንቅይር ንአምላኽ ክንሰምዖ ጽዋዓት ኢና። ቤተክርስቲያና ትህወጽ አላ ናብ ቅድስንኣ ዝመልሳ ትደሊ አላ እሞ ነፍሲ ወከፍና ዮናስ ነብይ ክንኮነላ፡ ካብ ዘይምእዛዝ ናብ ምእዛዝ ክንምልስ፡ መንፈስ ቅዱስ ክዓይ ሓላፍነትና ክንዋጻእ ይግባኣና።

ንሰብ ነነዌ ንስሕኦምን ጸሎቶምን ተቐቢሉ ምሕረቱ ዘውረደ ልዑል  አምላኽ ንስሓና ተቐቢሉ ምሕረት ሰላም ዕርቂ ከዉርደልና ፍቓዱ ይኹን። ኣሜን።

ዲያ ዮሓንስ ገብረ-ሕይወት ካብ መድኃኔ-ዓለም

ቤተክርስቲያን ማንቸስተር ዓባይ ብርጣንያ 

05/02/ 2023

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div