S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓመታዊ ጉባኤ [Conference] 2023 ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብሰላም ተዛዚሙ

ንዓይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ. (መዝ 73:28) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ንመበል 25 ዓመት ክካየድ ዝቀነየ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ብሰላም ተዛዚሙ፡፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ከተማ ባፍሎ ኒውዮርክ ካብ ሓሙስ 3 ነሓሰ ክሳብ ሰንበት 6 ነሓሰ 2023 . እዩ ተኻይዱ። እግዚኣብሔር ረዲኡና ጉባኤና ካብቲ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ ናይ በረኸት፣ ናይ ምጽንናዕ፣ ናይ ፍቕሪ ጉባኤ እዩ ነይሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ዝጀመረ መደባት ናይ ንጉሆ፣ ድሕሪ ቀትርን ምሸታዊ መደባት ተሰሪዑ እዩ ክካየድ ቀንዩ።

ኣቐዲሙ ሃገረ ስብከት ብዘውጽኦ መደብ መሰረት፣ እቶም ዝምህሩ በብዝተመደበሎም ግዜ መደባቶም ኣቕሪቦም። ከም ኩሉ እዋን: ናይ ሎሚ ዓመት መደባት ጉባኤውን ኣብ ስብከት፣ ትምህርቲ፣ ሰሚናርን ጸሎትን ዘድሃበ ጉባኤ እዩ ኔሩ። ከምኡውን ህዝቢ ዝተሳተፎ ናይ ሕቶን መልስን ግዜ ኔሩ። መደባት ጉባኤ 2023 ብመገዲ tewahdo.TV ብቐጥታ ተመሓላሊፉ መደባት ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ድማ ስለ ሃገርናን ህዝብናን ብዝግበር ጸሎት ይዛዘም ኔሩ። 

ቀዳም 5 ነሓሰ 2023 መመረቕታ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ባፍሎ ስለዝነበረ፡ ብድሮውን ሰናይ ዝኾነ ዋዜማን ጸሎተ ሰርክን ተጌሩ። ሓነጽዋ ወሳረርዋ ለቤት ክርስቲያን” [ንቤተ ክርስቲያን ሰረትዋን ሃነጽዋን] ዝብል ጣዕመ ዜማ ዘለዎ ዋዜማ ተጌሩ። መመረቕታ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ባፍሎ ስለዝነበረ፡ ብሓጎስን ብጸሎትን ተኻፋሊ ሓጎሶም ንምዃን ህዝቢ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ እዩ ተጋቢኡ ኔሩ። ስለቲ ኣምላኽ ዝገበረልና ሰናይ ነገርውን ብሕብረት ንኣምላኽ ኣመስጊኑ። ኣዝዩ ግሩም ዝኾነ ህንጻ ቤተ ክርስቲያን ንኽውንኑ ንዘብቕዖም ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ፡፡ ነፍሳት ዝህነጻሉ ቤተ ክርስቲያን ክኸውን ድማ ጸሎትናን ሰናይ ትምኒትናን ንገልጽ፡

ሰንበት 6 ነሓሰ 2023 ዝነበረና ጉባኤ ብጸሎተ ቅዳሴ ተዛዚሙ። ኣስዒቡ፣ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ፥ ናይቲ ዝተገብረ ዕርቂ ክልተ ሃገረ ሰብከታት በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ንህሉው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶን ዝምልከትን ንህዝቢ መግለጺ ሂቡ። ከምኡውን፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሲኖዶስ ነቲ ዝተጋህሰ ቀኖናዊ-ጌጋ ኣሪሙ ስለ ዕርቂ ክሓስብ፡ ፖለቲካዊ ሓይሊ-ኤርትራ ካብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኢዱ ከውጽእ፡ ቤተ ክርስቲያን ካብ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ሓራ ክሳብ እትወጽእ፡ ምእመናን ብጸሎት ነቂሖም ኣብ እምነቶም ብጽንዓት ደው ክብሉ ኣተሓሳሲቡ።

ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ፡ ንምእመናን ማዕዳን ምትብባዕን ዝመልኦ መልእኽቲ ሂቦም። ንሶም፣ ቤተ ክርስትያን ካብ ፈተና ከምዘይትዓርፍ፣ ኣብ እዋን ፈተና ምእመናን መንፈሳዊ ዕጥቂ ዓጢቖም ኣብ እምነቶም ደው ክብሉ፣ ውሉደ-ክህነት ድማ ከም ኢያሱ ንህዝቢ ብትብዓት ክመርሑ ማዕዳ ሂቦም።

ብተወሳኺ፥ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ፥ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት፥ ብዝተፈላለየ መዓርገ-ዲቁና (ኣንበብቲ፡ መዘምራንን ንፍቀ-ዲቁናን) ቀቢኦም። በዚ ኣጋጣሚ፥ ነዞም ዝተቐብኡ ዲያቆናት ዘመን ኣገልግሎቶም ኪባርኽ ናብ ኣምላኽ ንጽሊ።

ብድሕሪኡ ኣጋይሽን ነበርትን በሓባር ናብቲ ዝተዳለወሎም ቦታ ብምእታው ነታ መዓልቲ' ብኣዴታት ቤተ ክርስቲያን ባፍሎ ዝተዳለወ ሽሻይ ተኻፊሎም። እግዚኣብሔር ፈቒድዎ ድማ በዚ መደምደምታ ናይቲ በዓል ኮይኑ።

ንኣቦና ቀሲስ ማርቆስ ደባስ፡ ካህን ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ባፍሎ፣ ሰበኻ ጉባኤን ምእመናን ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ባፍሎን፣ ኣጋይሽ ኣብ ምቕባልን ኣብ ዝተፈላለየ ካልእ ኣገልግሎት ዝዓየዩን ዘገልገሉን ኹሎም ምእመናን እግዚኣብሔር ዓስቦም ይሃቦም። ነተን "ኢድካ ዘቖርጥም መግቢ ዘዳለዋ ኣዴታት ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ባፍሎ፡ ኣምላኽ ኣዕዚዙ ይባርከን። ከምቲ ሳሙኤል "እግዚኣብሔር ክሳብ ኣብዚ ረድኣና ኢሉ ድማ ኤብን-ዔዘር ሰመዮ" (1 ሳሙ 7.12) ዝበሎ ንሕናውን እግዚኣብሔር ክሳብ ኣብዚ ረዲኡ ጉባኤና ብሰላም ኣፈጺሙና እዩ' "ኤብን-ዔዘር" ንብል።

እግዚኣብሔር ንቤተክርስቲያንናን ህዝብናን ሰላሙ ይሃብ!

ኣምላኽ ንብጹኣን ኣቦታትና፡ ብጹዕ ኣቡነ መቃርዮስን ንብጹዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዕድመን ጥዕናን ይሃቦም። ኣሜን።

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

10 ነሓሰ 2023

 

ዝርዝር መደባት ፕሮግራም መበል 25 ዓመታዊ ጉባኤ -CONFERENCE 2023 PROGRAM DETAIL

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div