S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንሰለስተ መዓልታት ዝተኻየደ ርክበ ካህናት ተዛዚሙ

ካብ መስከረም 1- 3 203 ንሰለስተ መዓልታት፡ ብመሪሕነት ብፅኣን ጳጳሳት አቡነ መቃርዮስን አቡነ ሲኖዳን ዝተመርሐ፡ ብዙሓት ውሉደ ክህነት ዝተሳተፍዎ፡ ዝተፈላለየ መደባት ሓቕፉ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ምዕራፈ ቅዱሳን ደብረ ሊባኖስ ወተክለሃይማኖት ሳንታ ኣንቶንዮ ቴክሳስ፡ ክካየድ ዝቀነየ መንፈሳዊ ጉባኤ ብፍሱህን ውዕውዑን መንፈስ ተዛዚሙ። ብተወሳኺ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብኣካል ኪሳተፍ ዘይከአለ ውሉደ ክህነት ብናይ ርሕቀት መራኸብ ብዙሓን  (zoom) ኪከታተሎ ቀንዩ።

ብፅኣን ጳጳሳት አቡነ መቃርዮስን አቡነ ሲኖዳን ዝሃብዎ ትምህርትታት፡ ከምኡውን አብ አገልግሎት ክህነትን ክርስቲያናዊ መንነትን አድሂቡ ብኣቦታት ካህናት ዝተዋህበ ትምህርትታት ሃናጺ ኔሩ። ድሕሪቲ ብዕለት 18 ሚያዝያ 2023 ብክታም ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዝጸደቐን፥ ከምኡ’ውን ብ29 ሚያዝያ 2023 ብጸሎተ ቅዳሴ ዝተዛዘመ ሓድነታዊ ዕርቂ፡ ነቲ ውህደት ንቅድሚት ዘሰጉምን፡ ብቁዕ ጉስነት ንሕዝብና ንምሃብን ብዙሕ ስርሓት ኪስራሕ ጸኒሑ እዩ።

ሓደን ቀንድን ካብኡ፡ ብመሰረት እቲ ናይ 1995 ዓም (1987 ግእዝ) ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ምስ ዘሎናዮ ሃገራት ዝሳነ ውሽጣዊ መመሓደሪ ሕጊ ተነዲፉ፡ ብሰፊሕ ልባውን ሓላፍነታውን ዘተ ብሓድነት ምጽዳቕ እዩ። ናይ ምፍልላይ ዘመን አብቂዑ፡ እቲ ሕዝብና ንነዊሕ እዋን ናፊቕዎ ዝጸንሐ ሓድነት ዘመስከረን፡ ነታ መድሓኔ ዓለም ብደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያን፡ በቶም በምንፈስ ቅዱስ ዝተሾሙ ደቃን ሕዝባን፡ ብዘይ ናይ ደገ ዓለማዊ ጸቕጢ ኪትምራሕ ከምዝጀመረትን ዘበስር እዩ።  

ቀዳም ምሸት ብዋዜማ ዝጀመረ፡ ንሰንበቱ ክብረ በዓል አቡነ ተክለሃይማኖት ብንምባሩ፡ ካብ ብለይቱ ዝጀመረ ስብሓታት፡ ማህሌት፡ መዝሙርን ብፅኣን ጳጳሳት አቡነ መቃርዮስን አቡነ ሲኖዳን ዝተመርሐ ሥርዓተ ቅዳሴ ተዛዘመ። 

ብድሕሬኡ፡ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ዕርቂ አብ ምነጎ ደቂ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ኪኸውን፡ ነቲ ብውሽጣውን ደጋውን ምኽንያታት ዝተፈጸመ ጥሕሰት ቀኖናዊ ስርዓትን ንሱ ዘኸተሎ ምፍልላይን ዕንወትን ከብቅዕ፡ አብ አስመራ ዝርከቡ ብፅኣን ጳጳሳት ን ዕርቅን ሕውየትን ኢዶም ኪዝርግሑ ዝጽውዕ መገለጺ ተዋህበ። ብተወሳኺ እቲ መግለጺ፡ ነቲ ብሰንኪ ቡኽረት ግዝዓተ ሕጊ ካብ ዓዲ ወጺኡ፡ አብ ዝተሰደዶ ድማ ብፈላላዪ ፖለቲካዊ ጎስጓሳት አብ ምድማይ በጺሑ ዘሎ መንእሰይ ልቢ ኪገብርን ንመሰረታዊ ፍታሕ ሓቢሩ ኪሰርሕን ዝጽውዕ ነበረ። 

ድሕሪኡ ዝስዓበ ሰፊሕ ራእይን፡ ንነዊሕ ዝጠመተን ንሕውየትን ትንሣኤን ቤተ ክርስቲያንና ዝዓለመ፡ ውጥን ምምስራት ገዳም ደብረ ሊባኖስ ወተክለሃይማኖት እዩ። እዚ ገዳምዚ ሓወልቲ ቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ሰማእት እንበለ ደም፡ ናይ ዘመንና ቅዱስ አትናቴዎስ ዘኤርትራን አብ አሰሮም ጸኒዖም ከቢድ ዋጋ ዝኸፈሉን ዝኸፍሉ ዘሎውን ብዙሓት ገዳማውያን፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናን ንወለዶታት መዘከርታን አብነትን ዝኸውን ብተኽሊ አውሊዕ ዝወቀበ ሓወልቲ እዩ። ብዙሓት ምእመናን ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝተዓዘብዎ እምነ-መሰረት ብፅኣን ጳጳሳት አቡነ መቃርዮስን አቡነ ሲኖዳን ከንብሩ ከሎዉ ዓብዪ ሓጎስ፡ ፍስሓን ዕልልታን ነበረ።  

አብ መጨረሻ ነቲ ብምእመናን ምዕራፈ ቅዱሳን ደብረ ሊባኖስ ወተክለሃይማኖትን፡ መራሕቱን አባ ተክለሃይማኖትን ደቆም ውሉደ ክህነትን ሳንታ ኣንቶንዮ ቴክሳስ፡ ዝተገብረ አስተንግዶ ልባዊ ምስጋና እናቕረብና፡ ልዑል አምላኽ አገልግሎትኩም ይቀበለልኩም ንብል። 

 

“ኦ እግዚኦ! ኣዕርፍ ነፍሰ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ሰማዕት እንበለ ደም፡ ወኣንብር ለነ ህየንቴሁ መራሔ”።

 

ንብፁኣን ጳጳሳትና ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን ብጥዕና ሓልዩ ኣብ ኣገልግሎቶም ኣሳልጦ ይሃብ።

ልዑል እግዚኣብሔር ነቲ ዝተወለድናሉ ህገርን ነተን እንነብረለን ዘሎና ሃገራትን ይባርኽ።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር።

መስከረም 4 2023 (ነሓሰ 29፣ 2015 ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div