S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መበል 24 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ብሰላም ተዛዚሙ።

ንኣርባዕተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ መበል 24 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ከተማ ሲያትል ክፍለ ግዝኣት ዋሽንግቶን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ብርሃን ቅድስቲ ሥላሴ ይካየድ ድሕሪ ምቕናዩ  ብጸሎተ ቅዳሴ ብሰላም ተዛዚሙ።

ኣብዚ ዓመታዊ ጉባኤ ምእመናን ኦርቶዶክስ ካብ ዝተፈላለየ ክፍለግዝኣታት ሰሜንኣሜሪካ ብዝመጹ ብዙሓት ኣቦታት ካህናት፥ዲያቆናት፥ ምእመናንን ምሁራን ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ማዕሪጉ ብጸሎት ብወግዒ ምስ ተኸፍተ “…ኣይትፍርሁ፡ ደው በሉ፡ እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ሎሚ ዚገብረልኩም ርኣዩ። እዞም ሎሚ እትርእይዎም ግብጻውያን ደጊም መሊስኩም  ንዘልዓለም ኣይትርእይዎምንዘጽ 1413 ብዝብል መሪሕ ጥቕሲ ብብመዓልቱን ሰዓቱን ዝተፈላለየ ኣስተምህሮ፥ ስብከት፥ መዝሙራት፥ ከምኡውን ጸሎተነግህን ሰርክን ክበጽሕ ቀኒዩ። ማዕረ እቲ ናይ ዓበይቲ መደባት፥ ንህጻናትውን መደባት ተሰሪዕሎም ኣብ ዝተፈላለየ ኣርእስቲ ዘተኾረ ትምህርቲ ምዕዶን ክወሃብ ቀኒ ኣሎ።

እቲ ዝተዋህበ ትምህርትታት ነዚ ዝስዕብ ይመስል ኔሩ፡

ናይ መንእሰያት counselling

• Before Marriage (how to choose your spouse, Engagement)

• After marriage (what is the main purpose of marriage)

Counselling-stress and anger

መንፈሳዊ ንስሓን ቁርባንን

ብድሆታት ሓዳርን አተዓባብያ ቆልዑትን

ክርስትያናዊ ቤተሰብ

1 ክርስቶስ ንዓኻ መን እዩ ..........

2. አገልግሎት ከም ስራሕ ወላስ ግዴታ

ርክብ ምእመንን ካህንን ..... ( መንፈሳዊ ጉስነት)

ሕቶታት ካብ ዝወዓለ ትምርታት

ብፍላይ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመታት ናይዚ ዓመት ጉባኤ ፍልይ ዘብሎ፡ እቲ ሰዓታትን ትምህርትን እቲ ዝዋሃብ ኣርእስቲ ካብ ምእመናን ብዝቀረበ ጠለብ ብሙካኑ፡ ኣብቲ ዝግበር ዝነበረ ሕቶን መልስን ብግቡእ ክሓቱን ክሳተፉ ተራእዮም። ብዝሒ ተካፈልቲ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ወሲኩን ጊዜ ከይተሃወኩ ሃዲኦም ዝተመገብሉ ጊዜ ኔሩ። እዚ ብብዝሒ ኣብ ማሕበረ ሰብ ዝረኤይ ዘሎ ቅትለትን ሞትን ጠንቁን መፍትሕኡን፡ ኣብዚ ዓለም ንነብረሉ: ከም ማሕበረሰብ ክርስትያን ክንሓልፎ ዝግብኣና ኣምላካዊ ትእዛዝን፡ ካብኡ ምስ እንጐድል ከመይ ብንሳሓን ቁርባንን ናብ ኣምላክ ንምለስ። ክርስቶስ ንዓና ዝገበሮ ግብሪ ኣብ ህይወትና ከመይ ንነብሮን፡ ወዘተ ዝብል ትምህርታት ብሰፊሕ ተዋህቡ።

ኣጋይሽ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኣሜርካ ዝመጹ ውሉደ-ክህነትን ኣመንትን ዝተሳተፍዎ ጉባኤ እዩ ኔሩ። ከምኡውን ካብ ካናዳን፥ ካብ ጀርመን ዝመጹ ዕዱማትን ዝተሳተፍዎ ሰናይ ዝኾነ ጉባኤ ከምዝነበረ ካብ ገጽ ተሳተፍቲ ዘይተኸወለ ፍጹህ እትዕዘቦ ሃብታም ጉባኤ ተኻይዱ።

በተወሳኺ፥ ሰንበት 17 ሓምለ 2022 ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ ብርሃን ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ። ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተኻደሉ፥ ምእመናን ካብ ቀረባን ርሑቕን ዝተሳተፍሉ ንግደት ብምዃኑ ድማ ናይዚ ዓመዚ ክብረ በዓል ደብረ ብርሃን ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴ ፍሉይ ይገብሮ።ከምኡውን ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴን ቅድስት ማርያም ፖርትላን ተኾስኲሱ ዝዓበዩ መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበት ነቲ ብዓል ዘድምቕ መዛሙር ኣቅሪቦም።

ኣብ መወዳእታ፥ ኣብ 2023 ዝካየድ መበል 25 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባታቶም ብኣግኡ ክውስኑ ጉባኤ ካህናት ኣብ ዝሓጸረ ጉባኤ ኣካይዱ ዝቕጽል ዓመት ዝካየደሉ ቦታ ክሕብር ለበዋ ተሓላሊፉ።ብዝተረፈ ሰናይ ዝኾነ ጉባኤ ተዛዚሙ ኣጋይሽ ድማ ነናብ ቦታኦም ብሰላም ተመሊሶም።

ኣምላኽ ጉባኤና ብሰላም ክንዛዝም ዓወት ዝሃበና፥ ክብርን ምስጋናን ንስሙ ይኹን።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div