S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዛ ሳልሰይቲ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ (መጋቢት 5, 2017) ምዅራብ ተባሂላ ትስመ። መሰረተ ሓሳቡ ድማ ካብቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብቅንኣት ቤቱ ተበሊዑ፡ ነቲ ኣብ ቤተ መቅደስ ዝጸንሖ ዘይንቡር ነገር፡ ከዐሪ ዝተራእየሉ ታሪኽ ዘዘንቱ ክፍሊ ወንጌል እዩ ዝብገስ።

ኣብዘን ዝለፋ ክልተ ሰናብቲ ጾምና፡ ክነስተንትነለን ዝጸናሕና ክልተ ኣርእስትታት (1) ወረደ፥ ምውራድ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይን፡ (2) ቅድስት፥ ቀዲሱ መግለጺ ክብሩ ክትከውን ክሓድራ ዝበሃጋ መቅደስ ስጋናን ዝብላ ነበራ። እዚ ናይ ሎሚ ኣርእስቲ ድማ ምስቲ ዝሓለፈ ኣርእስትታ በዚ ይተኣሳሰር፥ እታ ኣምላኽ ማሕደሩ ክገብራ ዝበሃጋ መቅደስ ቅድስቲ እያ’ሞ ንናይ ኣምላኽ ግሉል (exclusive) ማሕደርነት ክትሕዛእ እምበር ዘርክስ ነገር ዝዋፈረላ ክትከውን የብላን። ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ፡ ቀዳማይ ተኣምራት ምስ ፈጸመ፡ ኣብ ቅፍርናሆም ሒደት መዓልታት ጸኒሑ ናብ ዮሩሳሌም መጸ። እታ ናይ ምምጽኡ ምኽንያት ዝነበረት ቤተ መቅደስ ግና፡ ነቲ ዝቆመትሉ ዕላማ ዘንጊዓ፡ ብኣብዑርን ኣባጊዕን ኣራግብን ዚሸጡን ሸረፍቲ ተቀሚጦም፡ ክሸጡን ክልውጡን መሊኣ ረኸባ። ካብ ገመድ መግረፊ ገይሩ ኸኣ፡ ምስተን ኣባጊዕን ኣብዑርን ንዅሎም ካብ ቤት መቕደስ ኣውጽኦም፡ ንወርቂ እቶም ሸረፍቲውን ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ከኣ ደንከሎ። ነቶም ሸየጥቲ ኣራግብ ድማ፥ እዚ ካብዚ ኣልዕልዎ፡ ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ በሎም።

እቲ ካብዚ ክፍሊ ወንጌል እንመሃሮ፡ ናይ መጀመርያ ነጥቢ፡ ጐይታ ብዝዕባ ቤተ መቅደስ ከመይ ዝበለ ናይ ዋንነት ጠለብ ከም ዘቕረበ እዩ። “ንቤት ኣቦይ” “ቤተይ ቤት ጸሎት ትብሀል” ብምባል ከም ውሉድ ኣብ ልዕሊ ቤቱ ዋና ምዃኑ ኣረጋገጸ። እዚ ድማ ኣምላኽነቱ ካብ ዝገለጸሉ ክፍልታት ሓደ እዩ። ብዓል ቤት፡ ብዓል ውዕለት ወይ ዓሰባ ኣይዀነን እሞ ብዛዕባ ንብረቱ ክስምዖ ባህርያዊ እዩ። ቤቱ ብዓቲ ጐሓላሉ ዀይና፡ ነቲ ዝተደዀነትሉ ዕላማ ዘንጊዓ ካልኦት ክሻመውዋ ክርኢ ኣዒንቱ ኣይገብረሉን። ኣምላኽ ብባህርኡ ፍጹምን ቅዱስን እዩ። ኣምላኽ ቀናእ ኣምላኽ እዩ። ቅንኢ ዝብል ቓል፡ መብዛሕቲኡ ግዜ ኣሉታዊ ሓሳብ ከም ዘስምዕ ኢና እንሓስቦ። መንቀሊኡ፡ ስስዐ፡ ገባትነት፡ ተቃጻውነት ወዘተ ዝኣመሰሉ ድርኺታት ጌርና ስለ ንወስዶ ከምኡ ክንሓስብ ባህርያዊ እዩ። እንተዀነ እቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ቅንኢ ባህርይ ድርኺቱ እንታይ እዩ ኢልና ክንሓትት ግቡእ እዩ። ኣምላኽ ንህዝቡ ከም መርዓት ዓይኑ እዩ ዘፍቅሮ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ሞጐስ ዝረኸበ ፍጥረት፡ ካብ ኣምላኽ ወጻኢ ዘድልዮ ከም ዘይብሉ ድማ ኣምላኽ ይፈልጥ እዩ። ንኸምዚ ጌርካ እተፍቅሮ ኣካል፡ ኻልኦት ክጉይተትሉን ከራኽስዎን ምርኣይ ከመይ ዝበለ ስምዒት ክፈጥር ከም ዝኽእል ንምርድኡ ኣየጸግምን እዩ። እቲ ናይ ሓቂ ትርጉም እዚ ቅንኢ እዚ እምብኣር፡ ካብ ኣብ እቲ እተፍቅሮ ኣካል ዓመጽ ክፍጸም ብምርኣይካ ዝፍጠር ስምዒት እዩ። ስለዚ መንቀሊ ቅንኢ ኣምላኽ፡ ንህዝቡ ዘለዎ ፍቅሪ እዩ። ካልኦት ጐይቶት ክገዝእዎን ክመልክዎን ክርኢ ኣይኰነሉን እዩ። ነዚ ሓቂ ድማ ካብቲ ጐይታ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ናይ ወንጌል ፍጻሜ ዘርኣዮ ግብረ መልሲ ዝዓቢ ምስኽር የለን። እቲ ቤቱ ብክብሩ መሊኣ፡ ቤት ጸሎት ናይ ኵሎም ኣህዛብ ክትከውን ዝብሃገ ጐይታ፡ ነቶም ነፍሶም ኣፍሲሶም ዘቅረብዎ ልማኖኦም ሰሚዑ ክምልሰሎም ኪዳን ዝኣተወሎም ቦታ፡ ብኻልእ ተጐቢኣ ክርኢ ኣይኰነሉን። ንቤት መቅደስ መቅደስ ዘብሎ፡ ምሕዳር እቲ ዝቐደሳ ኣምላኽ እዩ። መልኽዓ ድማ ንሱ እዩ፡ ምሕዳር ኣምላኽ፡ ምህላው ኣምላኽ።

ኣብ ኣምላኽ ምጽንባር ስለ ዘየሎ፡ ካልእ ነገር ናብ ቤት መቅደስ ከእትዉ ከለዉ፡ ነቲ መልኽዖምን ጽባቐኦምን ዝዀነ ጐይታ ኽብሪ ከም ዘውጽእዎ ርዱእ እዩ። ንኣምላኽ ምውጻእ ከመይ ዝበለ ምድዋን መልኽዕ እዛ ቤት መቅድስ ከም ዝኸውን ኣስተብህሉ። እቲ ሰሎሞን ክሰርሓ ከሎ ዝነበረ ክብሪ ሕጂ የለን። ካህናት እኳ ጠጠው ኢሎም ከገልግሉ ክሳብ ዘይኽእሉ ደበና ክብሪ ኣምላኽ ነታ መቅደስ ዝመልኣ ነበረት። ኣብዑርን ኣባጊዕን ክኣትዉ፡ ክብሪ ኣምላኽ ወጸ። ከመይ ዝበለ ዓመጽ፡ ከመይ ዝበለ ክሳራ። ከምቲ ነብዪ ኤርምያስ ዝበሎ ድማ “…እንሆ፡ ንቓል እግዚኣብሄር ወጊዶምሲ፡ ከመይ ዝበለ ጥበብ ደኣ ዀን ኣለዎም እዩ፧ (ኤር 8፡9)። ናታቶም ጥበብ ክገብሩ፡ ንቓል ኣምላኽ ወጊዶም፡ ነቲ ከም ደርሆ ንጨጫውታ፡ ኣኽናፉ ዘርጊሑ ከጽልለሎም ዝብሃገ ጐይታ ኣበይዎ። እንተዀነ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ንሓዋሩ ኣይድርብዮን፣ ንርስቱ ኸኣ ኣይሓድጎን እዩ። ቅንኣት እግዚኣብሔር ጐይታ ሰራዊት ነዚ ይገብር፥ ንዝመለኽዎምን ኣብ ልዕሌኦም ክጉይተቱ ዝፍትኑ ዅሎም እናሰጐገ፡ ንሱ ፈራዲኦም፡ ንሱ ኣምላኾም፡ ንሱ ንጉሶም፡ ንሱ ሓጋግ ሕጎም ምዃኑ ደጊሙ የረጋግጽ። ካብዚ ዝዓቢ ብጽእና ድማ የለን “እቲ እግዚኣብሔር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብጹእ እዩ።”

እቲ ከምዚ ዝባህሪኡ ጐይታ፡ ኣብ ህይወትና እንታይ እዩ ጌይሩ፧ እቲ ዝነበርናዮ ኩነታትን፡ ኣምላኽ ናብ ምንታይ ከም ዘምጽኣናን ኣብሪሁ ካብ ዝገልጸልና ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ፡ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ምዕራፍ 2 እዩ። እታ ምዕራፍ ብምልእታ ነንብባ። ናትና ናይ ኣህዛብ ኩነታት ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ብኸምዚ ይገልጾ፥ “ንስኻትኩም ቀደም ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ከምቲ መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብር ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር እተመላለስኩም፡ ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምዉታት ዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም። ንሕና ዅላትና ኸኣ ነቲ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና፡ ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም ንነብር ነበርና፡ ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቝጥዓ ነበርና። …. በቲ ዘመን እቲ ብዘይ ክርስቶስ ከም ዝነብርኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ ኺዳን ተስፋውን ኣጋይሽ፡ ትጽቢት ዜብሎም፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ከም ዝነበርኩም ዘክሩ።” (ኤፌ 2፡1-3, 12)። ሓጢኣት ዝገዝኣና ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና ብትምኒት ስጋና ንነብር ንበርና። ብሓሳብናን ብኽፉእ ግብርናን ጸላእቱ ኣብ ዝነበርናሉ፡ ኣምላኽ በቲ ብሞት ወዱ ዝዀነ ናይ ሰላም ወንጌል ነቲ ከልካሊ ቅጽሪ ኣፍሪሱ ምስኡ ዓረቐና። ጣኦታትና ሰጒጉ፡ ንዕኡ ክነገልግለሉ እንኽእል ሰናይን ህያውን ሕልና ብዘውህበና ምሕዳር መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ሓደረ። እቲ ቃል ከምዚ ይብለና “ነቲ ህያውን ናይ ሓቂ ኣምላኽን ከተገልግሉ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ዜድሕነና ወዱ ኢየሱስ ከኣ ካብ ሰማያት ክትጽበዩ፡ ካብ ጣኦታት ናብ ኣምላኽ ከመይ ጌርኩም ከም እተመለስኩምን፡ እቲ ናባኻትኩም ምእታውና ኸመይ ዝበለ ኸም ዝነበረን፡ ብዛዕባና ባዕላቶም ይነግሩ እዮም።” (1 ተሰ 1፡9-10)። “ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ፡ ንስካትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ” (እብ 9፡14)።

ሕጂውን እቲ ናብ ህዝቡን ቤት ምቅደሱን ዝዀነ ቀናእነት ኣምላኽ ኣይተለወጠን። እምበሺ ብመጠን እቲ ህይወቱ ዝጠለበ መገዲ ምድሓንናን፡ ናብኡ ምቅራብናን ክርኤ ከሎ፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ሕጂ ክሳብ ክንደይ ከም ዝቐንእ ንምግማቱ ኣይከብድን እዩ። ነዚ ድማ እዩ ነታ ማሕደሩን መግለጺ ከብሩን ክትዀኖ ክቡር ደሙ ከፊሉ ዝዓደጋ መቅደስ ህይወትና ብቅድስና ክትሕሎ ምስ መጠንቀቕትኡ ከምዚ ኢሉ ዝኣዘዘ። “ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም።” (1 ቆረ 3፡16-17)።

ንህይወትና ብቅድስና ኣብ ምሕላው ዕውታት ክንኸውን ግና ንሕና ባዕልና በዚ ናይ ኣምላኽ ቅንኣት እንብላዕ ሰባት ክንኸውን ይግብኣና። ምክንያቱ ቅንኣት ሓያል እያ፡ ሓጢኣት ክትጻወር ድማ ኣይኰነላን እዩ። እቶም ቅንኣት ኣምላኽ ዝቀንኡ ባሮት ኣምላኽ ብሰንኪ ሓጢኣት ክወርድ ዝኽእል ዝነበረ መዓት ዘዛርዩ፡ መርሓቅቲ ሓጢኣት እዩም ዝነበሩ። የሁ ናይ ኣምላኽ  ሰብ መቅደስ ኣምላኽ ብጣኦታት ተመሊኡ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ከኣ ካብ ኣምላኹ ዓልዩ ምስ ረኣየ፡ ብርቱዕ ቅንኢ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ተላዕሎ እሞ፡ ንዮናዳብ ከምዚ በሎ “ንዓ ምሳይ እሞ ቅንኣተን ንእግዚኣብሔር ርኤ በሎ” (2 ነገ 10፡16)። ነቶም መምልኽቲ ጣኦት ብስሕለት ሰይፊ ኣጽኒቱ ድማ ንመቅደስ ኣምላኽ ኣጽረያ። ብተመስሳሳሊ ፊንሃስ ወዲ ካህን ኣልኣዛር ቅንኣት ኣምላኽ ስለ ዝቐንኤ፡ እቲ ቅዱስ ጉባኤ እናተኻየደ ከሎ፡ ከንኣናዊት ሰበይቲ ሒዙ ኣብ ዱንዃን ክዝሙ ንዝኣተው ሰብኣይ፡ ደዲሕሪኦም ሰዒቡ፡ ረቃቒቶም ወጊኡ ብምቕታል ነቲ መዓት ኣዛረየ። (ዘሁ 25፡1-13)። ነዚ ከምዚ ዝገበረ ሰብ ድማ ኣምላኽ ከምዚ በለሉ “ንኣምላኹ ቐኒኡ፡ ንደቂ እስራኢል ከኣ ኣተዐሪቑ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንእኡ፡ ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡ ኺዳን ክህነት ዘለኣለም ይኹን።” ቁ. 13።

ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝምህረና ክርስቶስ ርእሱ በጀና ዘሕለፈ ንሰናይ ግብሪ ዝቐንእን ገንዘቡ ዝዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ከንጽህ ኢሉ እዩ። (ቲቶ 2፡14)። ስለዚ በዚ ናይ ጾምና ሰሙን እዚ ነስተንትን፥ ብዛዕባ ቤትካ፡ ብዛዕባ መቅደስ ህይወተይ፡ ዝቐንኦ ቅንኣተይ ኣበይ ኣሎ ንበል። ቅንኣት እንተ ጠፊኡ፡ ሓጢኣት እናተፈጸመ ትወስዶ ስጉምቲ የለን፡ ብጸሎት ምግዳል ተቛርጽ፡ ልብኻ እናተረረ ይኸይድ፡ ናይ ሓቂ ናይ ጣዕሳን ንስሓን ህይወት ካባኻ ይርሕቅ፡ ንኣምላኽ ምግልጋል ምብኻን ናይ ግዜ ዀይኑ ይስምዓካ። ኣምላኽ ካብዚ ይሓልወና።

ኣምላኽ እቲ መርእዪ ንዕኡ ዘለና ፍቅሪ ዝዀነ ቅንኣትና መሊሱ፡ ኣብ መቅደስ ህይወትና ኣትዩ ዘሎ ጣኦታት ክንደናኽል፡ ይደግፈና። መንፈስ ቅዱስ ብዘይ ጓሂ ደስ ኢልዎ ዝሓድረላ ህይወት ትሃልወና። ኣሜን።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥  ሰንበት 5 መጋቢት 2017 (ሰንበት 26 ለካቲት 2009 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 69 (68)፡9-10

እስመ ቅንኣተ ቤትከ በልዓኒ፥ ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ ወቀጻዕክዋ ብጾም ለነፍስየ ወኮነኒ ጽእለተ።"

ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፣ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቐ። እናበኼኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፣ እዚ መጽረፊ ዀነኒ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ቆላ 2፡16-23

ዲያቆን

ወንጌል ዮሃ 217-ፍጻሜ

ያዕ 2፡14-26 

ንፍቅ ዲያቆን

ቅዳሴ ኤጲፋንዮስ

ግሃ 10፡1-9

ንፍቅ ካህን 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div