S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸሎተ ፍትሓት ምእንቲ ስዉኣት ኤርትራ

ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ኤውሮጳን ዝርከባ ናይ ኤርትራ ኣብያተ ክርስቲያናት ተዋሕዶ: ሰንበት ዕለት 17 ሰነ 2012 (, ሰነ, ፳፻፬) ምእንቲ እቶም ንፍትሕን ናጽነትን ሰላምን ኢሎም ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ስዉኣት ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ከካይዳ እየን።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ሎንዶን ድማ ቀዳም 16 ሰነ 2012 (ሰነ , ፳፻፬) ካብ ሰዓት 800 ንጉሆ ጀሚሩ፣ ክሳብ ሰዓት 100 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቅድስት ማርያም ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እናተመርሐ ጸሎተ ፍትሓት ክካየድ እዩ።

ጸሎት ዝካየደሉ ኣድራሻ።

St. John church
North End road London.
SW6-1PB, UK.

ከምኡውን ሰንበት 17, 2012 ኣብ ከተማ ሽፊል ጸሎት ክካየድ እዩ።

ኩሎም ኤርትራውያን ኣብቲ ምእንቲ ስውኣት ዝግበር ጸሎት ክሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።

መደብ ጸሎት/መርሓ-ግብር (ሰንበት 17 ሰነ 2012)

ናይ ዕለቱ ዝንበቡ ቅዱሳት ጽሑፋት።

  • ጸሎተ ፍትሓት:- እግዚኣ ሕያዋን።
  • ዕብራውያን 11 23 - ፍጻሜ።
  • 1 ጴጥሮስ 4 12 - ፍጻሜ
  • ግብረ-ሓዋርያት 1419 - ፍጻሜ
  • መዝሙር ዳዊት (ምስባክ) ወሥጋሆሙኒ ለጻድቃኒከ ለኣራዊተ ገዳም፡ ወከዐዉ ደሞሙ ከመ ማይ ዓውዳ ለኢየሩሳሌም [ለምድረ ኤርትራ] ወኃጥኡ ዘይቀብሮሙ (መዝ. 78 2 - 3)
  • "ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሃብዎም፡ ደሞም ኣብ ዙርያ የሩሳሌም [ምድሪ ኤርትራ] ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን” (መዝ. 79 2-3)
  • ወንጌል ማቴዎስ ፯፡ ፳፬- ፍጻሜ (ማቴ፡ 724- ፍጻሜ)
  •  ቅዳሴ ዮሓንስ ወልደ-ነጐድጓድ ቁጽሪ - ፸፱ (50- 79)
  • መዘከርታ ጸሎት ብማኅቶት (ሽምዓ ብምውላዕ)

እግዚኣብሔር ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ንኹሎም ስውኣትና ይሃቦም።

ማእከላይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና ኤርትራዊት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div