S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣይትጠበሩ፦ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ

ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣቡን ዲዮስቆሮስ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ብመጀመርታ፥ እግዚኣብሔር ንኣቡነ ዲዮስቆሮስ ዘለዓልማዊ ዕረፍቲ ንስድራ ቤቶም ድማ ምጽንናዕ ክህቦም ንጽሊ።

ሕጋዊ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ መንፈሳዊ መንበሮም ብዘይ ሕጊ ካብ ዝእለዩ ንደሓር፥ ኣብ ደምበ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ሰላም ኣይተረኽበን። እቲ ንሕጊ ቤተ ክርስቲያን ግሂስካ ዝተገብረ ዓመጽ ዘኸተሎ ሃስያን ዝሰዓበ ቅልውላውን ድማ ንህላዌ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣናዊጽዋ እዩ። ርሑቕ ከይከድና ኣብ ከባቢና ዘለዋ ኣብየተ ክርስቲያናት እንተተዓዘብና ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመት ክሳብ ክንደይ ሃስያ ከምዝወረደ ንምርድኡ ኣጸጋሚ ኣይኮነን።

ከም ውጽኢቱ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክልተ ተኸፊላ፥ ሕጋዊ (ፓትርያርክ) መራሒ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ተሓይሮም፥ ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ኣድማሳዊ ተነጽሎ ኣጋጢምዋ፥ ብዙኃት ዓገብ ዝበሉ ኣመንትን ውሉደ ክህነትን ተኣሲሮም: መስጎግቲ በጺሕዎም: ኣብታ ዘፍቅርዋ ቤተ ክርስቲያን እናገልገሉ ብሰላም ክነብሩ ስለዘይከኣሉ ናብ ስደት ኣምሪሖም። ዝተገብረ ጌጋ ኣብ ክንዲ ምእራም፥ ንጌጋ ካልእ ተወሳኺ ጌጋ ስለ ዝተደረቦ፥ እቲ ጉዳይ እምብዛ ሳዕሪሩ ብጓል-መገዲ ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ተመሪጾም።

ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ምስ ፈረሰ፥ ብቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣብ ልዕሊ እቶም  ብዘይ ሕጊፓትርያርክተባሂሎም ዝመጹ ኣቡን ዲዮስቆሮስን፥ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ጳጳሳትን  ብስም ሥላሴ  ዝተነብረ ውግዘት ከይተላዕለ እንሆ ሞት ኣርኪቡ። ውግዘት ብስም ሥላሴ፥ ምሕረት ዘይተገብረሉ ሰማያውን ምድራውን ማእሰርቲ ማለት እዩ። ሕጂከ እቶም ብሕይወት ዘለዉ ኣቦታት ኣብ ልዕሊኦም ተነቢሩ ዘሎ ውግዘት ከይተላዕለ ብኸምኡ ኣገባብ ድዮም ክሓልፉ፧ ዚብል ሕቶ ንኹልና ኣፍሪሁናን ኣሰኪፉናን ዘሎ ጉዳይ እዩ።ቀዳማይ ጌጋ ስሕታን፥ ካልኣይ ጌጋ ግን ዕብዳን።ከም ዝበሃል፡ እዚ ሓደገኛ ፍጻሜ እዚ  ንኸይድገም፥  መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ናብ ዝምልከቶም ኩሎም፥ ለበዋን ምሕጽንታን ብስም እግዚኣብሔር የቕርብ:-

1. ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዘይዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ኣብ መንፈሳዊ መንበሮም ተመሊሶም ነቲ ንሶም ዘንበርዎ ውግዘት ከልዕልዎ፥ ቡራኬን ፍትሓትን ክህቡ ንጽውዕ።

2. ሕጋዊ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብሕይወት እናሃለዉ፥ ንሞት ኣቡን ዲዮስቆሮስ ምኽንያት ተጠቒሞም፥ዓቃቢ መንበርብዝብል ጉልባብ ኣብ መንበር እቶም ብሕጊ ዝተቐብኡ ፓትርያርክ ዝኾነ ሰብ ከይሽየም  ንምሕጸን።

3. መንግሥቲ ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ማሕዩር ክፈትሖም። ኣቦታት ቤተክርስቲያን ንዕርቂ ኣብ ዝብገስሉ እዋን ካብ ዝኾነ መንግሥታዊ ተጽዕኖ ሓራ ኮይኖም ክንቀሳቐሱን ስራሖም ከካይዱን። ብተወሳኺ እውን ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲታትን ቆንስላትን ካብ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ኢዶም ክስሕቡ ንጽውዕ።

4. ካብ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ተነጺልና ንሓዋሩ ሓዲግ ከይንተርፍ፥ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ብሕይወት ከለዉ ፍታሕ ክግበር ኩሎም ጳጳሳት ብዕቱብ ክሰርሕሉ  ንምሕጸን።

5. ግደ እተን ጳጳሳት ዘፍርያ ገዳማት ኤርትራ ዓቢይ ስለ ዝኾነ፥ ሕጊ ቤተክርስቲያንና ናብ ንቡር ክምለስን ዝተነብረ ውግዘት ክፍታሕን ተባዕ ስጉምቲ ክወስዳ፥ ብስም ቅዱሳን ገዳማውያን ኣቦታትና ንምሕጸን።

6. እቲ ግህሰተ- ሕጊ ዘውረዶ ሃስያ ንጹር ኮይኑ፥ ኣድባራትን ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያንን፥ ኣብ ምሕዋይ እዚ ሃስያ ግቡኦም ክፍጽሙ ንጽውዕ።

7. ምእመናን ቤተ ክርስቲያን፥ እዚ ብስም ሥላሴ ዝተነብረ ውግዘት ጥሒስካ ዝኽየድ መንገዲ ፍዳኡ ኣብ ሕይወትናን ደቅናን ንሪኦ ስለዘሎና፡ እዚ ወሪዱና ዘሎ መከራ ካባናን ካብ መሬታናን ክርሕቕ፥ እጃምኩም ከተበርክቱ ንጽውዕ።

8. ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣባል ኣድማሳዊ ኅብረት ኣብያተ ክርስቲያናት ስለ ዝኾነት፥ እዚ ውግዘትን ተነጽሎን ተላዒሉ፥ ኣብ ንቡር ንምምላሱ ዝከኣሎ ጻዕሪ ከበርክት ንሓትት።

9. ኣብ ስደት ዘሎና ውሉደክህነትን ምእመናን ሓድነትናን እምነትናን ዓቂብና ንግህሰተ ሕጊ ቤተክርስቲያንና ሓቢርና ዓገብ ክንብል ብጸሎት ድማ ናብ ኣምላኽ እንቐርበሉ እዋን ሕጂ ብምዃኑ፥ ሓላፍነትና ክንፍጽም ንጽውዕ።

ካብዚ ወጻኢ፥ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ጥሒሱ፥ ብስም ሥላሴ ዝተነብረ ውግዘት ረጊጹ፥ “ብህርፋን-ሽመት” ዳግም ንቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ መራሒ ክኸውን ዝህቅን ሰብ እንተሎ ግና፥ ካብ ሕሉፍ ጌጋ ዘይመሃር፥ ሓድነት ቤተ ክርስቲያንን ሃገርን ዘይዓጦ ረሲዕ እዩ። ንኸምዚ ዝበለ  ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ክበታትን ዝዓለመ ሰብ/ኣካል ድማ ምእመናን ቤተ ክርስቲያን፥ ሕዝቢ ኤርተራ ይኹን ማኅበረ ሰብ ዓለም ከም ዘይቅበሎ ኣርጊጽና ንሕብር።

ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ መገዶም ከም እተመልሱ፣ ግብሮም ረኣየ፣ ኣምላኽውን ነቲ ኼውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፣ ኣይገበሮን ከኣ። (ዮናስ 310)

ኣምላኽ ዕርቂ፥ ሰላምን ሓድነትን ይሃበና። ብሩኽ ብርሃነ-ልደት ድማ ይግበረልና። ኣሜን።

ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div