S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መግለጺ ሓዘን

ናብ ፖፕ ቴዎድሮስ ካልኣይ፡ መበል 118 ፓትርያርክ መንበረ ቅዱስ ማርቆስ ዘእስክንድርያ።

መንፈሳዊ ሰላምታና ብምቕዳምን በረኽትኩም ብምሕታትን፡ ኣብ ቅዱስ ማርቆስ ካቴድራል ብዕለተ ሰንበት 11 ታሕሳስ 2016 (ጎርጎርያን) ኣብ ማእከል ቅዳሴ፡ ብዝተፈንጀረ ቦምብ፡ ዘጋጠመ ቅዝፈት ፍቱዋት ምእመናን ብኸቢድ ከምዘሕዘነና ንገልጽ።

ስለዞም ፍቱዋት ሰማዕታት ጸሎተ ፍትሓት ከምዝገበርናን፡ ነቶም ዓሚ 16 የካቲት 2015 (ጎርጎርያን) ኣብ ሊብያ ብሰማዕትነት ዝሓለፉ ብምዝካርን፡ ቤተክርስቲያን ኣብ ዘመንና'ውን ስለ እምነቶም ሰማዕትነት ዝኸፍሉ ምእመናን መራሕትን ምርካባ ከሐጉሰና ከሎ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ስለቶም ኣብ ሸዊት ዕድሜኦም፡ ብኣስካሕካሒ ኣገባብ፡ ብጸላእቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ሕይወቶም ካባና ዝተፈልየት ደቅናን ኣሕዋትናን ድማ ዓምዩቕ ሓዘን ይስምዓና። እዞም ብርሃን ዓለምን ጨው ምድርን ንጹሓት፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ብምዃኖም ጥራይ ብጸላእቲ ቤተክርስቲያን ንሞት ኪፍረዱ ከሎዉ፡ ነቲ ቤተክርስቲያን ግብጺናይ ሰማዕታት ቤተክርስቲያንዝብል ታሪኻዊ መሠረት ዘሎዎ ኣበሃህላ ዘራጉድ እዩ። እምነት ክርስቶስ ሰማዕታት የፍሪ፡ ሰማዕታት ድማ ንቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ዱኽዒ ኮይኖም ከምዘዕብይዋን ከምዘጽንዕዋንደጌታት ሲኦል ኣይሕይልዋን…” ዝብል ቅዱስ ጽሑፍን ታሪኽን ምስክር እዮም።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣብታ እኖን ሓፍትን ዝኾነት ግብጻዊት ቤተክርቲያን ተዋሕዶ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ስለዘሻቕላ ወትሩ ከምእትጽሊ እንዳረጋገጽና፤ ኣብ ክልትኤን ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ወሪዱ ዘሎ ብዓይነቱ ዝፈላለ፡ ብትሕዝቶኡ ግን ተመሳሳሊ ፈተና ብዓወት ክንሰግሮ ልዑል ኣምላኽ ይሓግዘና። ከምቲ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ ዝተጻሕፈልና "...በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ዀነኒ።ይሁዳ 14 ከም ኣቦታትና ኣብ እምነት ክንጸንዕን ሕዝብና ብመገዲ ሓቅን ፍቕርን ክንመርሕን የብቅዓና።

እግዚኣብሔር ነፍሳት ሰማዕታት ኣብ መንግስተ ሰማያት የዕርፈልና፡ ንቤተ ሰብን ቤተክርስቲያንን ዘጸናንዕን ዝናዝዝን መንፈስ ቅዱስ ይልኣኽ።

 

ቀኖናዊ ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div