S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሃንቀውታን ተስፋን ኣመንቲ ዘበርዓነ ዕርቂ

ንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ነቲ ዕለት 11 ሓምለ 2017 ብቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ጉዳይ ዕርቂ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ዘውጽኦ መግለጺ መሠረት ብምግባር፥ ዕለት 13 ሓምለ 2017 “እግዚኣብሔር ምሉእን ሓቀኛን ዕርቂ ይግብሮ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፥ ሠናይ ትምኒትና ገሊጽና፥ ቅዱስ ፓትርያርክ ብቓሎም ንምእመናን ቃለ ቡራኬ ክህቡ፥ ንዝተነብረ ውግዘት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብጸሎተ ሥርየት ከልዕልዎን ጸዊዕና።

እንተኾነ እቲ ብ16 ሓምለ 2017 ኣብ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ማርያም፥ ዝተገብረ ዕርቂ ዝተሰምየ፥ ንልቢ ኩሉ ኣማኒ ዘሰምበረ፥ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ዳግማይ ጸሊም ታሪኽ ዘመዝገበ ፍጻሜ ኮይኑ ተረኺቡ ስለዘሎ ብዛዕባኡ ብዙሕ እንህቦ ሓተታ የለን።

ከምቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ፥ ንፍጹም ዕርቂ ለይትን መዓልትን ንጎየሉን ንጽልየሉን ጉዳይ እዩ። ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ድማ ድሕሪ ናይ 11 ዓመትን ፈረቓን ካብ ጸልማት ማእሰርቲ ወጺኦም፥ ብሕይወት ገጽ ህዝቦም ምርኣዮም ጽሩይ ንፋስ ብምርካቦምን ብሕይወት ኣብ ቅድሚ ደቆም ምርኣዮምን ንኣምላኽ ነመስግን።

እንተኾነ ዕርቂ ዘይኮነ ድራማ እዩ ተፈጺሙ። ስለዝኾነ፥ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ነዚ ዝስዕብ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።

1. ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እናሃለዉ፥ ጸሎተ ቅዳሴን ፍትሓትን፥ ብሓደ ጳጳስ ምክያዱ፥ ምሉእ ብምሉእ ነቲ፥ “ፓትርያርክ እንከሎ ጳጳስ ኣይባርኽን” ዝብል ቀኖናዊ ሕጊ ዝረገጸ ክብሪ ቤተ ክርስቲያንና ዝጠሓሰ ዘይመንፈሳዊ ተግባር እዩ።

2. ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ኣብ እዋን ቅዳሴ፥ እቲ ሥልጣን ሃገርን መዓርግ ፓትርያርክን ዝኾነ፥ መዓርግ ልብሶም ከይለበሱ፥ ከም ሓደ ተራ ጳጳስ፥ ካብ መንበሮም ወጻኢ ኮፍ ምባሎምን፥ ሥልጣን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝደፈረ ብምንባሩ።

3. ቅዱስ ፓትርያክ ሓንቲ ቃል ከየውጽኡ ዕድል መንፈሳዊ መሰሎም ተነፊጉዎም ንሕዝቦም ሰላም’ውን ክብሉ ዘይምኽኣሎም።

4. ኣብ ሓምለ 2017 ዕርቂ ተፈጺሙ ፍትሓት ድማ ኣብ ጥሪ 2017 ተገይሩ ውግዘትና ኣውሪዶምልና ተባሂሉ ብኻልኦት ሰባት ዝተነበበ፥ ካብ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ እዩ። ፓትርያርክ ምስ ምሉእ ኣካሎምን ኣእምሮኦምን ብኣካል እናሃለዉ ክንድዚ ዝኣክል ዓቢይ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ብኻል ሰብ ቃል ፓትርያርክ ክንበብ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ኣይፈቅድን። ውግዘት ዝለዓል ድማ ብዘይሥርየት ቃል ፓትርያርክ ጥራይ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።

5. ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ዘይፈቅድ ክነሱ፥ ከሰስትን ፈረድትን፥ ብምዃን፥ ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ዝወረደ፥ ኣደራዕን ጸለመን ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ዝጻረር ብምዃኑ ንኹንኖ።

6. ድሕሪ እቲ ናይ ቤተክርስትያን ሥነስርዓት ኣቦና ናብ መንበሮም ዘይኮነስ ናብታ ንዓሰርተ ሓደ ዓመታት ዝተኣሰሩላ ማሕዩር ብምምላሶም።

7. ኣብ ልዕሊ ወዲ 90 ዓመት ዝዕድሜኦም ኣቦና ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ዝግበር ዘሎ ሓያል ናይ ስነ ኣእምሮ ጸቕቲ ኣብ ሕይወት ኣቦና ሳዕቤን ስለዘለዎ ብዘይ ዝኾነ ኣማኻርን ተዓዛብን ብነጻ ክዛረቡን ዘይምኽኣሎም፥ ናይ ዕርቂ ነገር ዘለዎ ዘይብሉ ዘሕፍር ድራማ ኣብቲ ቅዱስ ቦታ ተፈጺሙ ኣሎ።

ስለዚ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ፍጹም ዕርቅን ሓድነትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክወርድ፥ ሕጂውን ከም ኩሉ ጊዜ ልዑል ህርፋንናን ጸሎትናን ምዃኑ ንሕብር። ሓቀኛን ቅኑዕን ዕርቂ ክመጽእን ሓድነት ቤተ ክርስቲያንና ክረጋገጽን፥ ቅዱስ ፓትርያርክ፥ ናጻ ኮይኖም፥ ተዓዛቢ ኣካል ካብ ኣኃት ኦሬንታል ቤተክርስቲያን ኣብ ዘለዎ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሥልጣን ፓትርያርኮም ኮይኖም ካብ ዝኾነ ይኹን ተጽዕኖ ናጻ ኮይኖም ቡራኬ ክህቡን ብምሉእ ሥልጣኖም ኣብ መንበረ ክብሮም ክምለሱን ንሓትት። ካብዚ ወጻኢ: ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ጥሒሱ ንዝመጽእ ነገር ግን ዘይንቕበል ምዃንና ንሕብር። ምእመናን ነዚ ሽርሕን ጉርሕን ተረዲኦም ብጽሎትን ብግብርን ስለቤተክርስቲያን ደው ክብሉ ሕጂውን ነዘኻኽር።

እግዚኣብሔር ብደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያን ይሓልወልና።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።

18 ሓምለ 2017

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div