“ሕጂ ድማ፡ ኦ! ጐይታ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኣይ። ብስም’ቲ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ (ንኣገልገልትኻ) ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሃቦም ..... ብኢድ ሃዋርያት ድማ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል’ቲ ህዝቢ ተገብረ፡ ...... ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩን ኣምጽኡ፡ ኵላቶም’ውን ሓወዩ።” ግብ 4፡29,30 ፣ 5፡12,16
ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን ----------- በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን፡
ኣሰሮ ለሰይጣን ----------------------------- ኣግዓዞ ለኣዳም
ሰላም ----------------------------------------- እምይእዜሰ
ኮነ ----------------------------------------- ፍስሓ ወሰላም
መዘከርታ ጻድቕ ንዘለዓለም ይነብር(ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይኄሉ ) መዝ 112.6.
ሰንበት 12 የካቲት 2023 (5 የካቲት 215 ግእዝ) ዝኽሪ ቦኽሪ ዓመት "ሰማእት እንበለ ደም" ቅዱስ እንጦንዮስ: ኣብ ኩለን ኣብያተ-ክርስቲያን ኣሕጉረ ስብከታት መስዋዕተ-ቅዳሴን ጸሎተ-ፍትሓትን ክግበር ንሕብር። ሰንበት 29 ጥሪ 2023'ውን: ኣብ ቤተክርስቲያን ቅድስት ማርያም ኦክላንድ, ካሊፎርንያ ብሕብረት ዝኽሪ ቦኽሪ ዓመቶም ከምዝተፈጸመ ይፍለጥ።
"ሰማእት እንበለ ደም" ቅዱስ እንጦንዮስ፥ 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ: ረቡዕ 9 የካቲት 2022 ዓ.ም. ፈ.(2 የካቲት 2014 ዓ.ም.ግ) ኣብ ማሕዩር ከምዝዓረፉ ይዝከር።
“ኦ እግዚኦ! ኣዕርፍ ነፍሰ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ወኣንብር ለነ ህየንቴሁ ሔረ ወመራሔ”
ቀኖናዊ ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን
እዚ ቃል ብሥራት`ዚ፣ ቅድሚ 2000-ሽሕ ዓመት ነቶም ከብቶም ሒዞም፣ ኣብ መሮር ዝሓደሩ ጓሶት ቤተ-ልሔም ዝተነግረ ቃል`ዩ። ከመይሲ እቲ ነቢይ-ኢሳይያስ ኣብ ትንቢቱ “-እንሆ ድንግል ክትጠንስ፣ ወዲ`ውን ክትወልድ፣ ስሙ ድማ ኣማኑኤል ኢላ ክትሰምዮ ኢያ-” ብምባል ተነብዩዎ ዝነበረ ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም`ዩ፣ እቲ መድኃኒ-ዓለም ዝኾነ፣ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ-ክርስቶስ ክውለድ ዝኸኣለ። (ኢሳ-7/14)
ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።
ቀጻሊ ትምህርቲ ድማ ካብ 3 መስከረም 2022 ክጅመር እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ተመሃሮ ኣብ ክትምዝገቡ ኣቲኹም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።
ምምሕዳር ክፍሊ ተመሃሮ ሥነ መለኮት ተዋሕዶ።
መበል 24 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ከተማ ሲያትል ክፍለግዝኣት ዋሽንግቶን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ብርሃን ቅድስቲ ሥላሴ ስያትል ካብ 14 ክሳብ 17 ሓምለ 2022 (July 14 to July 17 2022) ጀሚሩ ይካየድ ኣሎ። በመገዲ ፍኖተ ብርሃን Facebook https://www.facebook.com/EritreanOrthodoxChurch ክትከታተሉ ንሕብር።
ሓደ ፓትርያርክ፥ ሓንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤክ ተዋህዶ ኤርትራ፦ ሓንቲ እምነት: ሓደ ጎይታ: ኤፌ፥4:5. |
|
እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ዚሐኵር፡ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝዀነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ወንጌል ዮሃንስ 10:1። |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ