Day 20 (3rd Saturday of the Great Fast)
“For I say, through the grace given to me, to everyone who is among you, not to think of himself more highly than he ought to think, but to think soberly, as God has dealt to each one a measure of faith.” (Rom 12:3)
Doctrinal Teachings and Church canons
We do not pray to the Virgin but we address her when we pray and entreat her to intercede for us. Not only do we address the Virgin, but we also address the angels, nature, people, ourselves and even the Devil. This is based on written texts from the Divine Inspiration and is not considered prayer.
East Coast, USA
Youth Retreat, East Coast USA (ጉባኤ መንእሰያት - ምብራቓዊ ዞባ ሰሜን ኣሜርካ)
Date: June 25--27, 2009
Place: Radford University, Radford, Va. 24142 or visit: http://www.runet.edu
West Coast, USA
Youth Retreat, West Coast USA (ጉባኤ መንእሰያት ምዕራባዊ ዞባ ሰሜን ኣሜርካ)ዝበዝሕ ሰብ ከምዝፈልጦ ግና ኣብዚ እዋን እዚ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ካብ መዓርጎም ብዓመጽ ተኣልዮም፣ ዘይሕጋዊ ሓድሽ ፓትርያርክ ኣብ ስልጣን ደይቦም፣ ቤተ ክርስትያን ብሓደ ተራ ሰብ (ዮፍታሀ ቀሺ ዲመጥሮስ) ተጨውያ፣ ምእመናን መኣዲ እምነት ከይምገቡ፣ ኣብ ዓድን ስደትን ጓሳዪ ስኢኖም ይነብሩ ኣለዉ።
“ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም። .... እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ፡ ንሱ ኸኣ ካባኻትኩም ኪሃድም’ዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ’ውን ኪቐርበኩም’ዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢ’ውን ልብኹም ኣንጽሁ።” ያእ 4፡6-8 ካ.ት
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
‘ንሓድሕዳ እተፈላለየት… ቤት ትዓኑ።’ ማቴ 12:25።
መግለጺ ቀኖናዊ ኣኅጉረ ስብከታት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ከም ዝፍለጥ፥ ኣብ 2005 ኣብ ልዕሊ "ሰማዕት እንበለ ደም" ቅዱስ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ዝወረደ ቀኖና ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝገሃሰ ዓመጽ፡ ዘስዓቦ ጸገም፥ እታ ሓንቲ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ተኸፋፊላ፥ ኣብ ቃልዕ ብምውጻእ ንሓድሕዳ ክትወጋገዝን ክትወናጀልን ጸኒሓን ኣላን። ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ከቢድ ናይ ምፍልላይ እዋን እንከላ ድማ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ቀዲሞም፥ ሎሚውን ኣቡነ ቄርሎስ፡ ይቕረ ይፍታሕ ከይተበሃሃሉ ብሞት ምፍላዮም ኣዝዩ መሪር ሓዘን ይስምዓና። ኣምላኽ ነፍሶም ይምሓር። ዘሎናሉ እዋን ይትረፍ ተፈላሊኻ፥ ሓቢርካ ንምጉዓዝ'ውን ኣጸጋሚ ዝኾነሉ ዘመን፥ ቤተ ክርስቲያን፡ ነቲ ኣደዳ ስደት፥ ፍልሰትን፥ ኲናትን ኮይኑ ዝበርስ ዘሎ ሕዝብና መዕረፊት ልቡን ቤት-ሰላሙን ክትኮኖ ዘይምኽኣላ ኣዚና ንሓዝን። እዚ ጾር እዚ ድማ ኣብ ዝባን ኩላትና ተጻዒኑ ዘሎ ከቢድ ዕዳን ሓላፍነትን እዩ።
እቲ ካብ ሓሙሽተ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዝመጹ፡ ኣስታት 280 ዝኾኑ መንእሰያትን ወለድን፡ ብካህናት ተመሪሖም ዘካየድዎ ካብ ሓምለ 01 ክሳብ ሓምለ 04፣ 2022 ኣብ ይጅን ኦረገን ዩኒቨርሲትይ ኦፍ ኦረገን (University of Oregon, Eugene, OR) ዝተጋብአ፡ ኣዝዩ ኣገደስቲ ትሕዝቶ ዘሎዎ ትምህርትታት፥ ሰሚናራት፥ ዘተን ዎርክሾፕን ሓጸርቲ ድራማታትን ዝሓቖፈ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ነግህን ጸሎተ ሰርክን ዝተዛዘመን ነይሩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ