S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅነ ጉባኤ:

መበል 11 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ - ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ንዕለት  30 ሓምለ -2 ነሓሰ (30 July-August 2) 2009 ዓ.ም ኣብ ቤተ ክርስትያን መድኃኔ ዓለም ዋሺንግቶን ዲሲ ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።

ምእመናን ኣቐዲሞም ምድላዋት ክገብሩ: እንተተኻኢሉ ድማ ዓመታዊ ዕረፍቶም ኣብዚ መንፈሳዊ ጉባኤ'ዚ  ከሕልፍዎ ሓደራ ንብል። ንዓበይቲ ዝኸውን ዝተፈላለዩ ስብከት: ትምህርተ ወንጌል: ትምህርትን ሰሚናራትን ክወሃብ እዩ።

ዝተፈላለየ ምስ ባህልናን እምነትናን ዝሰማማዕ ኣብ ጥዕና: ማሕበራዊን ቁጠባውን ዘድሃበ ሰሚናራት ንምእመናን ክወሃብ እዩ። ብተወሳኺ: መዓልታዊ ንንኣሽቱ ዝኸውን ብቋንቋ ኢንግሊዝኛ ትምህርትታት ክዳሎ እዩ። ዝርዝር ትሕዝቶ ናይ 2009 ጉባኤ  ድማ ኣብ እዋኑ ንምእመናን ክዝርጋሕ እዩ።

 

ኣርእስታት ስብከት

ብመሳፍንቲ በቲ ኪረድእ ዘይከኣሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ (መዝ 146፡2-5። ኢሳ 50፡2። 1ነገ 18፡21)

ጉዕዞኻ ገምጊምካ ናብ ኣምላኽ ምምላስ መገዲ ዓወትን ዘልኣለማዊ ህይወትን እዩ (ዶግዓ ኤር 3፡49)

ኣብ ኣምላኽን ሕጉን ዝጸንዕ ሰብ ንርእሱን ንህዝቡን የድሕን (…ንመሰረት ብዙሓት ወለዶ ኸአቕውም ኢኻ፡ ነዳቕ ፍሩሱን መሳፍሮ ዝኸውን መገዲ መዔረይን  ተባሂልካ ክትስመ ኢኻ።…ኢሳ 58፡12 (11-14))

“ኣብ ቀራና ጎደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ፡ እቲ ጥንታዊ መገ ድታትን እቲ ጽቡቕ ጎደናን ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብኣኡ ተመላለሱ፡ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም’’ ኤር 6፡ 16። ምሳሌ 2፡20-21)።

 መጠቓለሊ ስብከት። 

ኣርእስታት ትምህርቲ

(1ይ ክፍሊ) እምነት ተዋሕዶ እንታይ እዩ? ብዛዕባ ሓድነትን ሰለስትን ቅድስት ሥላሴ (ብመሰረት ዶግማቲክ ቲኦሎጂ ዝብል ኮርስ)።

(2ይ ክፍሊ) እምነት ተዋሕዶ እንታይ እዩ? ብዛዕባ ተሰጋውነት (ምስጢረ ሥጋዌ) (ብመሰረት ዶግማቲክ ቲኦሎጂ ዝብል ኮርስ)።

(3ይ ክፍሊ) እምነት ተዋሕዶ እንታይ እዩ? ብዛዕባ ድሕነት (ብመሰረት ዶግማቲክ ቲኦሎጂ ዝብል ኮርስ)።

(4ይ ክፍሊ) ህሉው ኩነታት ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ። ኣብ ቤተክርስትይንና ካብ መፋርቕ 2005 ዓመት ጀሚሩ ፈሪሱ ዘሎ ሕግታት እንታይ እዩ?

 

እዚ መባእታዊ ፕሮግራም ኮይኑ፡ ኣብ ጉባኤ ካህናት ወሪዱ ዝጸድቕ እዩ። ኣብዚ ሕጂ ደረጃ ምምሕዳር ቦርድን ካህናትን ንኡስ ኣገረ ስብከት ብዝርዝር ከንብብዎን ክእርምዎን ንጽበ። ናይ መጨረሻ መልክዑ ምስ ሓዘ ግን፡ ፍሉይ ኩነታት እንተዘኣጋጢሙ፡ ለውጢ ናይ ፕሮግራም ኪግበር የብሉን።

 

ጸጋ ኣምላኽ ምስ ኩላትና!

እግዚኣብሔር ንቅዱስ ኣቦና፡ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን፡ ብሰላምን ጥዕናን ይሓልወልና። ንሃገርናን ቤተክርስትያን ከኣ ሰላም ይሃብ።

 

ኮሚቴ ክፍሊ ትምህርትን ስብከትን። (May 05/2009)

 

ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ።

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div