S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸሎት-ስለ ስዉኣትን ህልዋትን

"ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሃብዎም፡ ደሞም ኣብ ዙርያ ምድሪ ኤርትራ ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን”።

ካብ ዓርቢ 19 ሰነ ክሳብ 21, 2009 ዓ.ም ንሰለስተ (3) መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ክካየድ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብመንፈሳዊ ትሕትና ይእውጅ።

ሰንበት 21 ሰነ 2009 ዓ.ም ድማ ምእንቲ እቶም ንፍትሕን ናጽነትን ሰላምን ኢሎም ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ስዉኣት ኤርትራ ብጸሎተ ፍትሓት ክዛዘም እዩ። መዘከርታ ስውኣትና፡ ንኩሉ ዓይነት ሕብረተ ሰብና ዘጠቓለለ ስለ ዝኾነ፣ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ እዘን መዓልታት'ዚን ናይ ጸሎት መዓልታት ክኾና ንኩሎም ምእመናን ሓደራ ይብል።

መደብ ጸሎት (ሰንበት 21 ሰነ 2009)

ናይ ዕለቱ ዝንበቡ ቅዱሳት ጽሑፋት።

  • ጸሎተ ፍትሓት:- እግዚኣ ሕያዋን።
  • ዕብራውያን 11፡ 23 - ፍጻሜ።
  • 1ጴጥሮስ 4፡ 12 - ፍጻሜ
  • ግብረ-ሓዋርያት 14፡19 - ፍጻሜ
  • መዝሙር ዳዊት (ምስባክ)፡ ወሥጋሆሙኒ ለጻድቃኒከ ለኣራዊተ ገዳም፡ ወከዐዉ ደሞሙ ከመ ማይ ዓውዳ ለኢየሩሳሌም (ለምድረ ኤርትራ) ወኃጥኡ ዘይቀብሮሙ (መዝ. 78፡ 2 - 3)።
  • "ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሃብዎም፡ ደሞም ኣብ ዙርያ የሩሳሌም [ምድሪ ኤርትራ] ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን” (መዝ. 79፡ 2-3)።
  • ወንጌል ማቴዎስ ፯፡ ፳፬- ፍጻሜ (ማቴ፡ 7፡24- ፍጻሜ)
  • ቅዳሴ ዮሓንስ ወልደ-ነጐድጓድ ቁጽሪ ፶ - ፸፱ (50- 79)
  • መዘከርታ ጸሎት ብማኅቶት (ሽምዓ ብምውላዕ)

ርእሲ ትምህርቲ፡

ሰብ ብኣምሳል ኣምላኽ ዝተፈጥረ ክቡርን ፍሉይን ፍጡር እዩ። ካብ ኩሎም ፍጡራት ፍሉይ ዚገብሮ ድማ፡ ተሰሪሑ ዝተፈጥረን ትንፋስ ኣምላኽ ዝተመቕለን ፍጡር ምዃኑ እዩ። ኣምላኽ ንሰብ ነባቢ፣ ለባዊ ፍጡር ምስ ምሉእ ናጽነት ገይሩ እዩ ፈጢርዎ። ኣምላኽ ንሰብ ኪሕልዋ፡ ኪዓያን ከማዕብላን ድማ ውስንቲ ቦታን ርስትን ሃቦ፡ ንሳ ድማ ገነት ኤደን እያ። ምስኡ ድማ ሕግን ሥርዓትን ሰርዓሉ።

ኣብ ርእሲ'ቲ ብኣምላኽ ዝተዋህቦ ኩለንተናዊ ናጽነት (ምሉእ ናይ ምንባር፡ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምዝራብ ወዘተርፈ)፡ ተወሳኺ ድማ ነታ ክነብረላ ዝተዋህበቶ ቦታ ከልምዓን ኪሕልዋን ስልጣንን ሓላፍነትን ተዋህቦ። ነዚ ብኣምላኽ ዝተዋህቦ ናጽነት ዝምንዝዕ ኣካል ይኹን ውልቀሰብ ኩሉ ግና ብዘለዎ ክእለት ተጠቒሙ ከምልሶን ክቃለሰሉን መስዋእቲውን ኪኸፍለሉ ግዴታኡ እዩ።

እዞም ምእንታና ሓሊፎም ኢልና እንዝክሮም ስዉኣትና፡ ክብርቲ ህይወቶም ክህቡ እንከለዉ፡ ንውሉደይ፡ ንሰበይተይ፡ ነቦይ፡ ነደይ፡ ንኣዝማደይ፡ ንገዛይ፡ ንምምሕዳረይ፡ ንዞባይ ኣብ ዚብል ውሱንን ጸቢብ ዓሌታዊ ወገን ዝተሰረተ ኣይነበረን። እታ ኣብ ኣጋ ምሕላፍ ህይወቶም ዚብልዋ “ዓወት ንሓፋሽ" እትብል ቃል እኳ ነቲ ብድሕሬና ዝተርፍ ኩሉ ዓወት ይኹነሉ ማለት እዩ። ዕውት ሕብረተ-ሰብ ዚበሃል ድማ፡ እቲ ብኣምላኽ ዝተዋህቦ ምሉእ ናጽነት ተጠቒሙ፡ ብናጽነት ነታ ክሕልዋ፡ ከማዕብላ፡ ክኸናኸና ዝተዋህበቶ መሬት ብዘይ ፍርሂ ምስ ዝነብረላ ጥራይ እዩ። ብኻልእ ቃላት፣ ብሕጊ፣ ብፍትሕን ርትዕን ተማእኪልካ ብማዕርነት እትነብረላ ሃገር ምውናን ማለት እዩ።

እቲ ካልኣይ መልእኽቱ ድማ፡ ንብረቶም ደቆም ንሓፋሽ እዮም ኣረኪቦም ስለዚ ዓመት መጸ ብዛዕባ መቓብሮምን ሬሳኦምን ምስቁርቋር ዘይኮነስ፡ ዝተረፉ ንሓፋሽ ዘረከብዎም ጾሮም ምስካም ግዴታውን ክዝንጋዕ ዘይብሉ ጉዳይ ኩልና እዩ።

 

እግዚኣብሔር ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ መግሥተ ሰማያት ንኩሎም ስዉኣት፡ ንዝተረፍና ድማ ሰላምን ራህዋን ፍትሕን ይሃበና።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን-ኤርትራ: ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div