S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እንቋዕ ካብ ዘመነ ማቴዎስ ናብ ዘመነ ማርቆስ ፳፻ወ፪ (2002) ዓመተ ምሕረት ኣብጽሓና!

ዓመት መጸ እዚ ናይ ሓድሽ ዓመት ጊዜ ክንቆጽር እንከሎና፡ ብዛዕባ እዚ ታሪኻዊ ቅዱስ ዕለት እዚ ኣብ ሕልናና ከነስተንትኖ ዘሎና ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ናይ ብሉይ ኪዳን መፈጸምታ ናይ ሓዲሽ ኪዳን መጀመርታ ነቢይን

ሓዋርያን ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ እዩ። እዚ ዓቢይ ቅዱስ ኣቦ፡ ባዕሉ እቲ ፈጣሬ ሰማያት ወምድር ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ውሉድ ኣንስቲ ካብ ዮሓንስ መጥምቕ ዚዓቢ ከም ዘየሎ እዩ ጠቒሱ። ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ ከጥምቕ እዩ በቒዑ፡ ንነብሱ ብናይ ትሕትናን ብብሕትውናን ዝፍለጥ እዛ ሓላፊት ዓለም እዚኣ ኣይንታዩን ምዃኑ እዩ ዚፍለጥ።

ነዛ ሓላፊት ዓለም ሥልጣና: ክብረታን ጣዕማን ዘይግደሰላ፡ ሰማያዊ ቤቱ ዘዳለወ ስለ ዝኾነ፡ ገዛእቲ ዓለም ከየገደስዎ፡ ንዓቢይ ይኹን ንኡስ ጉድለቶም ዓው ኢሉ ብዘይ ፍርሕን ስክፍታን ዚገሰጸ ሓቀኛ ጻድቕ እዩ። ሄሮድስ: ሕጊ ኣምላኽ ጥሒሱ ብሕይወት ናይ ዘሎ ኃዉ ሰበይቲ ኪወርስ ምስ ተደናደነ፡ ሕጊ ኣምላኽ ጥሒስካ ሰበይቲ ኃውካ ክትወርስ ኣይትኽእልን ኢኻ ኢሉ ብምቅዋሙ ኣብ ቅድሚኡ ሞት ተቐሪቡ ከም ዘሎ ዘይፈልጦ ነይሩ ኣይኮነን።

ሎሚ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንቅዱስ ዮሓንስ ኣብነት ብምግባር፡ንገዛእቲ ዓለም ከይፈርሑ ስለ ሕጊ ኣምላኽ ደው ክብሉ ሕይወት ከፊሎም ድማ እታ መጻኢት ናይ ብርሃን መንግስቲ ኪወርሱ ይግባእ። ስለዚ ድማ’ዩ ጎይታ “ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ” (ራእ 2:10) ኢሉና ዘሎ።

ስለዚ ኩሉ ሰብ ኣብዚ ሓድሽ ዓመተ-ምሕረት እዚ ካብ ጸልማት ኃጢኣት ናብ ብርሃን ጽድቂ ብክርስቶስ ንኽበጽሕ ብጸሎትን ንስሓን ናብ ኣምላኽ ክምለስ፣ ነቲ ተረጊጹን ተጋሂሱን ዘሎ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ደው ኢሉ ኣብነት ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ተኸቲሉ ክቃለሰሉ፣ ካብ ንኣምላኽ ንገዛእቲ ዓለም ምእዛዝ ቅኑዕ እንተ ዀይኑ ድማ ህድእ ኢሉ ንገዛእ ረእሱ ክሓትት ሓደራ ንብል (ብ 4:19)።

እግዚኣብሔር ንብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ጥዕናን ሰላምን ይሃብ።

ሰላም ንሃገርና ሰላም ንኹሉ ዓለም ሂቡ፡ ዓመት ሰላምን ፍትሕን ይግበረልና።

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን

ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div