S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ልኡኽ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ቀዋሚ ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያናት ኦርቶዶክስ ተሳቲፉ

ካብ ኣወሃሃዲ ኮሚቴ ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክስን ኦሬንታል ኦርቶዶክስን ጉባኤ ጳጳሳት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ብዝቐረበሉ ዕድመ መሠረት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ብዕለት 26 ጥቅምቲ 2009 ኣብ ኒው-ዮርክ ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽ ዝተገብረ 9ይ ዓመታዊ ናይ ሓባር ጸሎት ወኪል ብምልኣኽ ተሳቲፉ።

እቲ ብብፁዕ ወቅዱስ ኣቡን በርተሎሜዎስ መበል 270 ፓትርያርክ ቍስጥንጥንያ ዝተመርሐ፡ ብዙሓት ጳጳሳት: ኣማኢት ካህናት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናንን ከምኡውን ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሑ ኵሎም ኦርቶዶክሳውያን ዝተሳተፍዎ ሰፊሕ ናይ ጸሎት ምሸት ሎሚ ዓመት ንታሽዓይ ጊዜኡ እዩ ተኻይዱ።

ኣብቲ ናይ ኦርቶዶክሳውያን ሓባራዊ ጸሎት፡ ምእንቲ ሰላም፡ ቁጠባን ዋዒ ዓለምን ቀንዲ ኣርእስቲ ብምግባር ካብ መዝሙር ዳዊት 77፡ 13 መዝ 104, መዝ 141 ካብ ቅዱስ ወንጌል ከኣ ማቴዎስ ምዕ 6 ምንባባት ብምድላው ብዕጣን ዝተሰነየ ጸሎተ ሰርክ ንክልተ ሰዓታት ተገይሩ።

ነቲ ሓባራዊ ጸሎት ዝመርሕዎ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡን በርተሎሜዎስ፡ ጸሎት ምስ ተዛዘመ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡-

ንሰላም ዓለም ዝምልከት፡- ሰላማዊ እግዚኣብሔር ንወዲ ሰብ ብሰላም ንኽነብር ስለ ዝፈጠሮ ድኹማት ብሓያላት፥ ውሑዳት ብብዙኃት፥ ስኡናት ብሃብታማት፥ ዘይተማህሩ ብምሁራት ክድገፉ ደኣ’ምበር ክጭቆኑን ሰብኣዊ መሰሎም ክዕመጹን ከም ዘይግባእ ብምብራህ ካብ ተራ ሰባት ክሳብ ሃይማኖታዊ እምነታትን መንግሥታት ዓለምን ብሕድሕዳዊ ፍቕርን ምክብባርን ተሰማሚዕና ብሰላም ኣብዛ ምድሪ ክነብር ከም ዝግባእ ኣረዲኦም።

ብዛዕባ ቁጠባ ዓለም ድማ ምንጪ ኩሉ ጸጋን በረኸትን እግዚኣብሔር ምዃኑ ተረዲእና ካብ ስስዐን ክፍኣትን ብምርሓቕ ብእዋናዊ ኵነታት ከይተጨነቕና ተጊህና ክንሰርሕ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሮም። ኩሉ ሰብ ብቕንዕናን ምሉእ ተስፋን ተሓጋጊዙ እንተ ሰሪሑ ከኣ ብደገፍ ለጋስ እግዚኣብሔር ነዚ እዋናዊ ጸገማት ሰጊርና ኣብ ራህዋን ዓወትን ክንበጽሕ ኢና ክብሉ ኣረጋጊጾም።

ንዋዒ ዓለምና ኣመልኪቶምውን ልዑል ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ነዛ ዓለም ብለምለም ግርማ ከም ዝሰለማ ንሕና ከኣ ንከባቢና ካብ ብርሰትን ብልሽውናን ክንከላኸል ከም ዝግባእ ብምሕባር ኩሉ ዝከኣሎ ምሕረተኛ ኣምላኽ ፀሓይን ንፋስን ሓጋይን ክረምትን በብጊዜኡ ንኽህበና ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብጸሎት ክልምን ተላብዮም። ኩሉ ኦርቶዶክሳዊ ክርስቲያን ድማ ምእንቲ ሰላም ቁጠባን ኵነታት ኣየር ዓለምን ዓቕሙ ብዝፈቕዶ እጃሙ ከበርክት ጸዊዖም። ብድሕሪ እዚ ካብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባን ኪሞን ዝተላእከ ወግዓዊ መልእኽቲ ብወኪሎም ተነቢቡ።

ኣብቲ ናይ ሓባር ጸሎት ዝተሳተፉ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝርከቡ ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክስ ሃገረ ስብከት ጳጳሳትን ወከልትን

  1. ኣቡን ዲሜጥሮስ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ጳጳስ
  2. ኣቡን ፊልጶስ ናይ ኣንጾኪያ ኦርቶዶክስ ጳጳስ
  3. ኣቡን ኒኮላስ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ ጳጳስ
  4. ኣቡን ክርስቶፈር ናይ ሰርቢያ ኦርቶዶክስ ጳጳስ
  5. ኣቡን ኒኮላኢ ናይ ሩማንያ ኦርቶዶክስ ጳጳስ
  6. ኣቡን ዮሴፍ ናይ ቡልጋሪያ ኦርቶዶክስ ጳጳስ
  7. ኣቡን ዮናስ ናይ ኣሜሪካ ኦርቶዶክስ ጳጳስ
  8. ኣቡን ቆስጠንጢኖስ ናይ ዩክሬን ኦርቶዶክስ ጳጳስ
  9. ኣቡን ኤልያ ናይ ኣልባንያ ኦርቶዶክስ ጳጳስ
  10. ሊቀ ካህናት ኣለክሳንደር ወኪል ፓትርየርክ ሩሲያ

ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ጳጳሳትን ወከልትን ዝተሳተፉ ከኣ

  1. ኣቡን በርሳሜን ናይ ኣርመንያ ኦርቶዶክስ ለቀ ጳጳስ
  2. ኣቡን ዳዊት ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ጳጳስ
  3. ኣቡን ቲቶስ ናይ ህንዲ ኦርቶዶክስ ጳጳስ
  4. ኣቡን ቄርሎስ ናይ ሶርያ ኦርቶዶክስ ጳጳስ
  5. ኣቡን ዘካርያስ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ጳጳስ
  6. ቀሲስ ሓለፎም ወኪል ሃገረ ስብከት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ እዮም።

ቀዋሚ ጉባኤ ምብራቕ ኦርቶዶክስን ኦሬንታል ኦርቶዶክስን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ብዝርከቡ ሃገረ ስብከታት ተወሃሂዱ ብ1996 ዝተመስረተ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ብኣቦ መንበርነት ኣቡን በርሳሜን ናይ ኣርመንያ ሊቀ ጳጳስን ኣቡን ዲሜጥሮስ ናይ ግሪክ ጳጳስን እናተመርሐ ኣብ መንፈሳዊ፡ ማሕበራውን ሞራላውን ጉዳያት ሓባራዊ ድምጹ እናስምዐ ንትምህርትን ዝያዳ ምትሕግጋዝን ዝጽዕር እዩ።

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብረድኤቱ ንዓለም ምሉእ ሰላምን በረኸትን ከውርደልና ሠናይ ፍቓዱ ይኹን።

ልኡኽ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ኒው ዮርክ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div