S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸሎት ፍትሓት

"ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሃብዎም፡ ደሞም ኣብ ዙርያ የሩሳሌም [ሊብያ] ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን” (መዝ. 79፡ 2-3)። በቲ ኣብ ሊብያ ዝተፈጥረ ዕግርግርምኽንያት ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ክብሉ ደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን ዝርከብዎም ልዕሊ 325 ኤርትራውያን ኣብ ገማግም ሊብያ ከምዝሃለቑ ናይዚ እዋን'ዚ ቀንዲ ዜና ኮይኑ'ሎ። እዚ ኣስካሕካሒ ፍጻሜ እዚ ሓዘን ኩሉ ኤርትራዊ እዩ። ኣቦ-ሓጎታትና ዝወሓጠት ትሩቡሊ ሎሚ ድማ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ገማግም ማያት ሊብያ ተዋሒጦም ተሪፎም።

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ከቢድ ሓዘን እናተሰመዖ፣ ንሰንበት 10 ሚያዝያ 2011 ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናት ህጹጽ ናይ ጸሎትን ምህልላን መደብ ኣውጁ'ሎ። ስለ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንጽልን ክንበክን ኢና።" ኣምላኽ ንስቓይናን መከራናን መወዳእታ ክገብረሉ፣ ነዞም ህልቂት ዘጋጠሞም ልዕሊ 325 ዜጋታትና ድማ ጸሎት ፍትሓት ክግበረሎም'ዩ።

ኣብዚ ዕለት'ዚ፣ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝምራሕ ኣገልገልቲ ካህናት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ዝርከብዎ፡ ኣብ ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣትላንታ፡ ተኣኪቦም ጸሎት ፍትሓት ከካይዱ እዮም። ኤርትራውያን ኩሎም ብዘይ ኣፈላላይ፣ ኣብቲ ናይ ጸሎት መደብ ክትሓብሩና እናተማሕጸንና፣ እቲ ስነ-ስርዓት-ጸሎት ብኢንተርነት ብቐጥታ ክዝርጋሕ ምዃኑ ንሕብር።

ክብርቲ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ዜጋታትና፡ ኣምላኽ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ኪቕበሎም፣ ንስድራ ቤቶም ድማ ምጽንናዕ ኪህበልና ጸሎትናን ምህልላናን ናብ ኣምላኽ ነቕርብ።

እግዚኦ ኣዕርፍ ነፍሰ ኩሎሙ ምውታን።

እግዚኣብሔር ንስቓይና መወዳእታ ይግበረሉ።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ብንብዓት ዝተሰነየ መልእኽቲ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቕ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div