www.tewahdo.org

 
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
Home ትግርኛ ዜና ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ እንጦንዮስ ናብ ቦትኦም ኪምለሱ ቅዱስ ሲኖዶስ ዓለም-ለኻዊ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ሓቲቱ

ፓትርያርክ እንጦንዮስ ናብ ቦትኦም ኪምለሱ ቅዱስ ሲኖዶስ ዓለም-ለኻዊ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ሓቲቱ

E-mail Print

ቅዱስ ሲኖዶስ ዓለም-ለኻዊ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ፡ 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ናብ ቦትኦም ኪምለሱ ኣብ ዝግበር ጻውዒት ድምጹ ብምሕዋስ ነቲ ዝተገብረ ግህሰት ኮኒኑ።

ሓሙስ ዕለት 19 ጥሪ, 2012 ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ኣብ ርእሲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተፈጸመ ገበን ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ ብምባል ገሊጹ። ንዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ንፓትርያርክ ኤርትራ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብዘይተፈልጠ ቦታ ኪሕየሩ ምግባር ኣረሜናዊ ተግባር ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር መንግስቲ ኤርትራ ንውሳኔኡ ዳግመ ግምት ኪገብረሉ ኣዘኻኺሩ። ብተወሳኺ ኣብ ኩሉ ዓለም ንዘሎዉ ክርስትያንን መራሕትን ነዚ ኣብ ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ዕንወት ብሓባር ድምጾም ከስምዑን፡ ነዚ ጉዳይ ኣብ ናይ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ከቕርብዎን ጸዊዑ።

ናጽነት ኣምልኾ ኣድማሳዊ መሰል ወዲ ሰብ ብምዃኑ ነቶም ብምኽንያት እምነቶም ዝተኣስሩ ብዙሓት ሰዓብቲ ንኣሽቱ ማሕበራትውን ነጻ ኪልቐቑ ኣዘኻኺሩ።

ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ብምብጻሕ ነቲ መግለጺ ብሰፊሑ ኪትከታተሉ ትኽእሉ።

www.ecumenicalcanonicalorthodoxchurch.com

 

Oriental orthodox summer youth conference

Login/Register





Login
Register


2013 ዓመታዊ ጉባኤ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ

መበል 15 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ Read More...

ብእምነት እንተ ሃሊኹም ርእስኹም መርምሩ


ብቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ ብዕለት 24/10/2004 ኣብ ቀጽሪ መካነ ህይወት ቤተክርስትያን መድሃኔ ዓለም ዝተዋህበ ስብከት። ንሶም ካብ ሕዳር 2004 ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።

ንኣምላኽ ምእማን

JavaScript is disabled!
To display this content, you need a JavaScript capable browser.

ንኣምላኽ ምእማን ብቀሺ ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስ ኣብ ቀጽሪ መካነ ህይወት ቤተክርስትያን መድሃኔ ዓለም (25/07/2004) ዝተዋህበ ስብከት። ንሶም ካብ ሕዳር 2004 ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።

ጾምን በዓላትን 2013

ኩሉ ኢኻ ትኽእል

ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋህዶ


ሓድሽ ኪዳን መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ንምስማዕ ኣብዚ ዝስዕብ ጠውቕ

ሓድሽ ኪዳን መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ስምዑ