S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅንያቱ ክፉእ እዩ እሞ ብጥንቃቐ ተመላለስ

“እምብኣርሲ ቅንያቱ ክፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር ከም ዓያሱ ዘይኮነ ከመይ ብጥንቃቐ ከም እትመላለሱ ተመልከቱ” (ኤፌ 5፡15-16)

ዘመን ክፉእ ክኸውን ከሎ፡ ኣዝዩ ፈታኒ ስለ ዝኸውን ኵሉ ሰብ ብምኽንያት እቲ ዘመን ብባህርዩ ካብ ንኣምላኽ ምእዛዝ ነቲ ዘመኑ ዘምጽኣሉ ክእዘዝ ይቐሎ። ዘመን ነናቱ ዝዀነ ዘመን ኣምጽኦ (ፋሽን) ሒዙ ይመጽእ፡ ሰይጣን ድማ ብመጋረጃ እዚ ዘመን ተኸዊሉ ንዅሉ ነገራት ናብ ክፉእ ክልውጥ ከየዕረፈ ይጽዕር። መጽሓፍ ቅዱስ “ቅንያቱ ክፉእ እዩ እሞ... “ እናበለ የጠንቅቐና። ስለዚ ብምኽንያት እዚ ዘሎናዮ ዘመን ካብ ኣምላኽ ከርሕቐና ዝኽእል ሕማቕ ምልምማድ ክህልወና የብሉን። ንእሽቶይ እትበሃል ሓጢኣትውን ትኹን ክንለማመድ ወይስ ንእሽቶ እንብላ ጽቡቕ ነገር ከይነጥፍእ ክንጥንቀቕን ህይወትና ክንፍትሽን ኣሎና። ቅዱስ ዝዀነ ህይወት ንምምራሕ ተባዓትን ወሰንትን ክንከውን ኣሎና።

ንሕማቕ ሕማቕ፡ ነቲ ጽቡቕ ከኣ ጽቡቕ ክንብል ክንክእል ኣሎና። ካብቲ ክፉእ እንብሎ ድማ ክንሃድምን ክንርሕቕን ኣሎና። “ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ካብዚ ህደም እሞ ደድሕሪ ጽድቂ፡ ኣምልኾ፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ህድኣት ሰዓብ። ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል፡ ነታ እተጸዋዕካላ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክርውን ጽቡቕ ምእማን እተኣመንካላ ህይወት ዘለኣለም ሓዛ(1 ጢሞ 6፡11-12)
(ቈሎ 4፡5፣ ኤፌ 6፡13፣ ሮሜ 12፡2፣ 1ተሰ 4፡3)

ኣስተንትን

1. ዘመን ዘለማመደካ ረቀቕቲ ዝመስል ሓጢኣት ኣብ ህይወትካ እንታይ ኣሎ?

2. ንዘመንካ ብዓይኒ ቃል እግዚኣብሔር ክትርእዮ ከሎኻ ብኸመይ ምገለጽካዮ?

3. ዘመን ሃዋርያትን ዘመንናን እንታይ ፍልልይ ኣለዎ ኢልካ ትሓስብ?

ጸሎት፡- ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን ንስም እግዚኣብሔር ክንፈልጦን ብእኡ ክንጽዋዕን ስለዘረድኣና ንእግዚኣብሔር ነመስግን። ነቲ እተጸዋዕናሉ ጽውዓ ብቑዓት ኰይንና ክመላለስ፡ ጊዜ እናዓደግና ዕውት ናይ ጽድቂ ናብራ ክንነብር ምስ ኵሎም ቅዱሳኑ ክድግፈና ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ

መካነ-ህይወት 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div