S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መንግስቲ ኤርትራ ንኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ጸሓፊኡ ዝነበረ ኣቶ ሃብቶም ርእሶምን ካብ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ሰጒጉዎም ከምዘሎ ተረጋጊጹ ኣሎ። እዚ ስጉምቲ'ዚ ዝውሰድ ዘሎ፡ ኣቶ ዮፍታሄ ዲሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን ካብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ክእለዩ፡ ገዳማት ኤርትራ  ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ጥርዓን ድሕሪ ምቕራቦም እዩ። ገዳማት ኤርትራ ኣብ ዘቅረብዎ ጥርዓን፥ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ጸሓፊኡን ንዓሰርተ ዓመታት ዝተጎዓዝዎ ጉዕዞ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከቢድ ሃስያ ከም ዘውረዱ ብምጥቃስ፥ ኣብ ርእሲኦም ዳግማይ ውግዘት ስለዝገበረ፡ መንግስቲ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ከምዝወሰደ ዝረኸበናዮ ዜና ይሕብር።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰዶ፡ ድምጽን ጠለብን ገዳማት ኤርትራ ስለዘገደሶ ድዩ ? ንዝብል ሕቶ ንግዚኡ ንህዝብን ኣንበብትን ንሓድጎ። እቲ ሓቂ ግና መንግስቲ ኤርትራ ባዕሉ ብዝመዘዞ ኣቶ ዮፍታሄ ዲሜጥሮስን ጸሓፊኡ ኣቶ ሃብቶም ርእሶምን ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ከቢድ ዕንወትን ጥፍኣትን ወሪዱ እዩ። ብሰሪ እዚ ዘይቅዱስ ኪዳን፡ ማእለያ ዘይብሎም ካህናት ካብ ቤተ ክርስቲያን ክስጐጉ እንከለዉ፡ መነኮሳት ድማ ገዳሞም ሓዲጎም ተሰዲዶም እዮም። በደል ዘይብሎም ካህናትን መነኮሳትን ፈቐዶ ቤትማእሰርትን ጎዳጉድን ይበልዩ ኣለዉ። ብሓፈሻ፡ ውሉድ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ካህናት ክዝኽትሙ፥ ኣንስቲ ካህናት ክልምናን ኣብ ሓደጋ ክወድቃን፥ ቤተ ክርስቲያን መኣዝና ክትስሕትን ክትከፋፈልን ተገይሩ እዩ። ኣብ ክንዲ ብፍሪ ምትሕቑቛፍ፥ ንኽስን ጸለመን ዝህንጠዩ ገርህታት መንእሰያት ብምውፋር፥ ንምዝራቡ ዘስደምም ገበን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተፈጺሙ እዩ። ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ሕጋዊ መራሒ ናይታ ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ ዝኽተላ ቤተ ክርትያን ተዋህዶ፡ ብዘይ ሕጊ ካብ መዓርጎም ወሪዶም ኣብ ማሕዩር ካብ ዝኣትዉ ድሮ ሸሞንተ (8) ዓመታት ኮይኑ ኣሎ።

ተሓታቲ ናይዚ ኩሉ ዓመጽን ገበንን ድማ እቲ ለኣኽን ልኡኹን ከምዝኾኑ ዘካትዕ ኣይኮነን።

ሕጋዊ መራሒ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ተመሊሶም፡ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ድማ ብሓደ መጓሰ ክትምራሕ ምእንቲ፥ ክቡራን ገዳማውያን ኣቦታትን ካህናትን፥ ብጸሎትን ብትብዓትን ስለ ቤተ ክርስቲያን ዝጀመርክምዎ መንፈሳዊ ውግእ፡ ብፍቕርን ብሓድነትን ብጸሎትን ክትቅጽልዎ እናኣተሓሳሰብና፡ ሃገረ ስብከታት ሰሜን ኣሜርካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዝቅጽል ግዜ መግለጺ ከውጽእ ምዃኑ ንሕብር።

እግዚኣብሔር ቤተ ክርስቲያንናን ሃገርናን ይባርኽ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div